Dehai

"ህዝቢ ሓማሴን ጅግና እዩ" ስመርዋታ ዊልያም

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 17 July 2020

"ህዝቢ ሓማሴን ጅግና እዩ" ስመርዋታ ዊልያም
 
ኣንታ ሓውና፣ ንመን ንምድንጋር ኣዩ እዚ ኹሉ መደረ? ኣብ‘ቲ ንስኻን መሰልትካን ኣብ መሳኹቲ መቛየቚን ኣብ ፈቐዶ መጋባኣያታት ኤሮጳን ሰሜን ኣሜርካን ብመምርሒ ዓሰብትኩም መሳፍንቲ ህውሓትን ጎይቶቶምን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝገበርኩሞ ሸርሕታትን ጸለመን እኮ ፍጹም ኣይረሳዕናዮን፣ ኩልና ሎሚ ንዝክሮ እዩ።
ሕጂ ድማ ያኢ ጣቛ ተረኺቡስ ቅድሚ ሎሚ ንስኻን ምስ መሰልትኻን ኮንካ ትብሎን ትገብሮን ዝነበርካ ረሲዕካ ካባ ምምሕዳር ህዝቢ „ሓማሴን“ ነበር ከም ኳዕናን ሽማግለ ዓዲ ለቢስካ ኣውኡ ተሓቢእካ ከተወድሶን ካብ ካልኦት ኣሕዋቱ ክትንጽሎን ከም ውጽኢቱ ድማ ብዝኣረገን ዝተቐብረን ሜላ ጌርካ ንህዝቢ ኤርትራ ንኽትበታትን ምፍታንካ ካብ ቀዳማይ ህውተታ ዘይምምሃርካ እዩ ዘመላኽት።
በል ነታ ነውራም ዓሳቢትካ ጃንዳ ወያነ ዕጥቁ ከየዝለቐ መሳርዑ ኣስጢሙ ሃጓፍ ከይገብረ ብጽንዓትን ጅግንነትን ንኣስታት 20 ዓመታት ወለቕ-ዘለቕ ከይበለ ኣብ ግምባራት ዝተቃለሰን ከቢድ ኩለንትናዊ መስዋእቲ ዝኸፈለን፣ ኣብ ኩሉ ማእዝናት ዓለም ኮይኑ ዝመከተን፣ ኣረሜናዊትን [Fascist] ዓሌታዊትን ስርዓት ጉጅለ ህውሓት ነበር ካብ ወንበራ ተዓልያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሃዲማ ናብ ውሻጠ መቐለ ከም ትውሸብ ዝገበረስ ስሙር ቅልጽም ጅግና ህዝቢ ኤርትራ እምበር ካልእ ዋላ ሓንቲ ምስጢር የለን።
ኣብዚ ወጺእካ ነብስኻ ከም ወዲ ሹቕ ቆጺርካ ህዝቢ ክትፈላልን ከተደናግርን እንተ ፈቲንካ ግን፣ ንሕና ኸኣ ብዓቢኡ ባዕልና ሹቕ ኢና እሞ ሽጣራኻ ደኣ ደውር ጥራሕ እየ ዝብለካ!!!
ዋይ ኣነ ግድሸ፣ „ነዚ ኽትብላ‘ዶ ትርህጻ“ ትብል ኣደይ ለተማርያም፣ እሞ እዚ ኹሉ ዓመታት ኣብ ሸንኮለል ኣሕሊፍካስ ካን ካውኡ ከይተመሃርካ ነዚኣ ክትብል‘ዶ ብዙሕ ርሂጽካ? ብላሽ!
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
==========================================
ደርፊ፣
===
"ከዓም ሎሚንዶ ጉልቦተ"
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ተኽለሚካኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ)

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events