ንውሽጣዊ ቂምታ
ንሕማም ሕሜታ
ንርእሰ ምትሓት ቁዝምታ!
ንተንኮል ቅንኢ
ንመርዛም ቃላት ጽልኢ
ንጥልመት ንብጻይካ ከድዒ
ንኩሉ ናይ ክፍኣት ገንኢ!
ንፍሕሶ ሓሶት
ንዋጋ ኣልቦ ትዕቢት
ንመበቆልካ ረሲዕካ ምስልዩነት
ንባዶ ቁራዕ ኣንነት!
ንኣሽከዓላል በለጽ
ንስርቂ ዓመጽ
ንምንባር ብሎቕመጽመጽ
ንኣስመሳሊ ኣፈ ለመጭ!
ንጸላኢ ዕሱብነት
ንምስ ጓና ኮሸምሸም ጽግዕትነት
ንክምስ ውስልት ጊላነት
ንኸብድኻ ጥራይ ምንባር ስስዐ ሃርጓፍነት!
ንዘይ ንስኻ ምምሳል
ንኣስሕኮ ዘይብልካ ኣሕዋትካ/ንኣሓትካ ምትላል
ንከብድኻ ዝዘመድካ ንዓይ ጥራይ ምባል
ንስሱዕ ከም ዝብኢ ነዊሕ መልሓስ ከም ጤል!!!
°ዘልኣለማዊ ኽብርብ ዝኽርን ንስውኣት ሓርነት ኤርትራ!
°ኽብርን ግቡእ ኩለንትናዊ ሓልዮትን ክንክንን ግበራዊ ሓገዝን ንሓርበኛታት ስንኩላትና!