-ናይ ሎሚ ሸፋቱ ጠበንጅኦም መልሓሶም፡
ጥፍጣፎም ጠያይት ዘይሓልፍ ካብ ከንፈሮም፡
ዓንገረር ክምብሉ ዊዒሎም ሓዲሮም፡
ጸርፊ ምዃኑ ሽልማቶም ባዕሎም መስኪሮም።
-ዝዘራእካዮ ትዓጽድ እኳ ተባሂሉ፡
በዓል ዕንዝራ ግን ደንጉዮም'ዮም ኣስተብሂሎምሉ፡
ሽልማቶም ጸርፊ ምስኮነ ግን ናበይ ከብሉ፡
ፈትዮም ኣይፈትዮም ግድንዩ ክኣምኑሉ።
-ዒሉ እንተጎየየ የጸብቐሉ ደድሕሪ ኣዲኡ፡
በረኽት ሃብተስላሰኽ ወያነ ወላዲቱ ድያ ሓትንኡ፡
ከም ሕጻን ቆልዓ ኣብ ሕቅፋ ተሾኲዑ፡
ጸርፊ ሽልማተይ እዩ ዝብል ኣፉ መሊኡ።
-ጸርፊ እኳ ንልቢ ዘለዎስ የብልሖ፡
ኣንፈት ይኸፍተሉ ናብ ቅኑዕ ክምርሖ፡
ካብኡ ዘይምምሃር ግን ሬሳ ይሓይሽ ዝበልዖ ፍልሖ፡
ወቓሲ የብሉ ጸራፊ ዝንቕንቖ።
-ኣባይና ጸርፊ ይኹን ሽልማቱ፡
እዚ እንድዩ ድኣ ዝበሃል ብደዉ ሞይቱ፡
ጸልማት ምስ ሓለፈ ዓይኑ ተዓሚቱ፡
መርገም ህዝቢ ኣይተርፍን ንኾንቱ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፍሽ
ገብረንጉስ መስመር