Dehai

ገጽ መጽሓፍ: *ፕትያስ፡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝሰርሔ ኤርትራዊ መንእሰይ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 28 July 2016

*ፕትያስ፡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝሰርሔ ኤርትራዊ መንእሰይ!
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

ብ ኣልቦ ነፋሪት (drone) ዝሰንዐ መንእሰይ ፒትያስ ጸጉ እታ ዝሰንዓ ኣብ ናይ ሳዋ ፈስቲቫል ቀዳመይቲ ብምውጽኣ ስልማትን መተባብዒ ገንዘብን ተሸሊሙ። እታ ሰብ ኣልቦ ነፉሪት ኣርባዕተ ማይክሮ ኮንቶሮላትን ክልተ ሰንሰርን ካሜራ ዝተገጥማ ክትከውን ከላ፣ ብቀጥታ ናብቲ መቆጸሪን ኮምፒተርን ስእሊ ክትሰድድ ትክእል እያ። ብሕጂ ከኣ ጂፒኤስ ብምግጣም ብሩሕ ኪሎሜትራት ናይምቁጽጻራ ስርሓት ክካየደላ እዩ። ፒትያስ ኣባል 18 ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ፣ ካብ ኢንስቲትዮት ቴክኖለጂ ኤርትራ ብዲፕሎማ ዝተመረቀ ኮይኑ ኣብ ምስናዕን ምዕራይን ዝነጥፍ መንእሰይ እዩ። እቲ ኮለጅ ብዝኸፈተሉ ዕድል ከኣ ምስ ናይ ሓይሊ ኣየር ክኢላታት ግራውንድ ተክኒሻን ክዕዘብን ብኸመይ ይሰርሓ ንክፈልጥ ዕድል ዝረኸበ መንእሰይ እዩ። ቅድሚ ሕጂውን ብብርሃን እትንቀሳቀስኣውቶኖሞስ ሮቦት (ባዕሉ ዝንቀሳቀስ ሮቦት) ሰኒዑ ኔሩ፡ ፕሮግራም ምስተጻሕፈሉ እቲ ሮቦት። ባዕሉ ደድሕሪ ብርሃን ይንቀሳቀስ ማለት እዩ። ሕጂ ከኣ ነቲ ሮቦት ብምምዕባል ባዕሉ ገዛ ከጽርን ካልእነገራት ከምዝገብር ክገብሮ መደብ ኣለዎ፡

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events