Dehai

ECSS-Online.com: መቕድም ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 12 September 2016

መቕድም
ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ

ዕለት 02 መስከረም 2009
ብኣቛጻጽራ  ፈረንጂ ድማ 12/09/2016

ecss_book-cover2016ኣሳናዳእቲ

ሰለሞን በርሀ
ኣኸደር ኣሕመዲን
ጥዑምዝጊ ተስፋይ

እቲ ብ1 መስከረም 1961 ጀሚሩ ድሕሪ 30 ዓመታት ብ24 ግንቦት 1991 ዝተዛዘመ፣ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም ብንውሓቱን ምረቱን ሒደት መዳርግቲ ዝርከቦ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፣ መስተንክር ትብዓትን ጅግንነትን ኤርትራውያን ዝምስክር፣ ተኣምር ክበሃል ዝከኣል፣ ተጸብጺቡን ተጻሒፉን ክውዳእ ዘይክእል ቅያታት ዝሓቘፈ እዩ፣፣ ድሕሪ ስርሒት ፈንቅል፣ ካብ ክፍላ ለካቲት 1990 ጀሚሩ ክሳዕ ዕለተ ናጽነት፣ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ፣ ዞባ ደቡብ፣ ኣጻምእ ደንካልያን ውሽጢ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፣ ከቢድ መስዋእቲ ዝሓተተ፣ ናይ ድሮ ናጽነት ወተሃደራዊ ግጥማት፣ ከምኡ’ውን እቲ ግንባር ደቀምሓረ ብምፍራሱ፣ ምስ ምትሓዝ ኣስመራ ዘበሰረ፣ ዛዛሚ ስትራተጅያዊ መጥቃዕቲን ከኣ ካብቶም ጐሊሖም ዝጥቀሱ ጅግንነታዊ ፍጻመታት ሓርነታዊ ቓልስና እዮም፣፣

ኤርትራዊ ተጋዳላይ፣ ናብዚ ናይ መወዳእታ ስትራተጅያዊ መጥቃዕቲ ክሰጋገር፣ ካብ ግዜ ምዝላቕ 1978 ጀሚሩ፣ ምስ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ እምባታት ናቕፋ፣ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ባርካን ኣብ ቀዋሚ ዕርድታት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኲሉ ከባቢታት ሃገር ብደባይን ተንቃሳቓሲን ውግኣት ን13 ዓመታት መመላእታ ትንፋስ ዘይህብ መሪር ውግኣትን ሓያል ጽንዓት ዝሓትት ፈታኒ መድረኽን ኣሕሊፉ እዩ፣፣ መጥቃዕቲ ደቀምሓረ ኸኣ፣ ደምዳሚ ስርሒት ቃልሲ 30 ዓመት ኰይኑ፣.....................

ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።

ብርሃነ ሃብተማርያም

 


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events