Dehai

In the Rural Eritrean Landscape:

Posted by: HBokure@aol.com

Date: Saturday, 05 November 2016

 

 

ንዓናይ

ንዓናይ ናብ’ቲ ሻኻ

ኣዕዋፍ ክንርኢ ክለቅማ ሓሰኻ።

ንዓናይ ናብቲ ግራታውቲ

ሸዊት ክንቅንጥብ ጥሒስእና ሕዛእቲ።

ንዓናይ ናብታ ሳግላ

በዓል ባረቶ ዘጽልላ።

ንዓናይ ናብቲ ዓውዲ

ከነዕርፍ ንእግረ መንገዲ።

ንዓናይ ናብቲ ዔላ

የለዋን ኣዋልድ ዝግልላ።

ንዓናይ ናብቲ ገምገም ቀላይ

ኣብኡ’ለዋ በዓል ደርሆ-ማይ።

ንዓናይ ናብቲ ዛራ

ማይ ዝሰትያሉ በዓል ዛግራ።

ንዓናይ ናብቲ ጐላጉል

እምኒ ከየብለና ሕንኩል።

ንዓናይ ናብቲ ስንጭሮ ጸቢብ

ኣማዕድዮም ከይርኡና ሽርብ።

ንዓናይ ናብቲ ጐቦ

ጽሓይ ክንርእያ ብዓራርቦ።

ንዓናይ በቲ ጸድፊ ታሕታይ

ብማዕዶ ክንርኤን በዓል ኣህባይ።

ንዓናይ ናብቲ ከውሒ

ሓንሳእ ክንመጺ ኣውሒ።

ንዓናይ ናብቲ ጨርሒ

ቅልቅል ከይበለት ወርሒ።

ንዓናይ ብድሕሪ ቂሚጦ

ሰብ ከይርኤና እንፈልጦ።

ንዓናይ ንመለስ ገዛና

ኣሓ ክይኣተዋ ቀቅድሜና።

ሃይለ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events