Dehai

New Book: By Tesfalem Gebreslasie Chare

Posted by: HBokure@aol.com

Date: Sunday, 13 November 2016

 ዝኽበርኩም ኣንበብቲ፡-

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ደሃይ ከም ሓባሪ (attachment) ዝሰደደክዎ ገምጋም መጽሓፍ ፡ ገሊኦም ክኽፍትዎ ከም ዘይከኣሉ ስለ ዝገለጹለይ፡ እንሆ ብድጋሚ ብቀጥታ ይሰዶ ኣሎኹ።

ሃይለ ቦኹረ

ኣርእስቲ፡- ጸሊም በረድ

ደራሲ፡- ተስፋዓለም ገብረስላሰ (ጫረ)

ገምጋም፡- ብሃይለ ቦኹረ

       ደራሲ ኣብ መእተዊ መጽሓፉ “ ዓብላሊ ተመኩሮ ህይወተይ ምስ ስነ-ጽሑፍ ዝተኣሰሳረ ኢዩ” ይብለና። በዚ ዝኣክል ነቶም ካብ ብንእሽቱኦም ፍሉይ ተውህቦ  ዘርእዩ (child prodigy/gifted): ብትምህርቲ መዳይ ሕሉፍ ኣቃልቦ ክዋሃቦም ዘድለየ። ብግዜና ግና ሓደ ብትምህርቱ ወይ ብኽእለቱ ጸብለልታ ምስ ዘርኢ… ወይ ሓደ ነገር ክገብር ምስ ዝህቅን “ ውዑይ ኢዩ፡ ቀንጠብጠብ በሃላይ ኢዩ” ብምባል ዝወርዶ ድህለትን፡ መግናሕትን፡ መቅጻዕትን ትዝ ይብለና ይኸውን። ኣብዚ በጽሕናዮ ዘሎና ግዜ ግን፡ ሳላ ምርምርን ስነ-ጥበብን: ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ስርዓተ-ትምህርቲ (Special Education) ብምትእትታው፡ ደረጃ ዓቅሞምን ተውህብኦምን ይስስን ኣሎ። ብወገኑ ደራሲ ካብዞም ዝጠቅስናዮም ፍሉያት ተማሃሮ ነጺልካ ዘይርኣይ ብምዃኑ፡ እስኪ ስልትታትን፡ ፈጠራን፡ ተሓድሶ ድርሰትን  ብምዝውታር ዘቅርቦም መሰጥቲ ግጥምታት ንዳሕራዩ ንመልከት።

       ብመሰረቱ ከም ሄምንግወይ ብውሑዳት ቃላት ሓሳቡን ስሚዒቱን ንምግላጽ ተኽእሎ ኣለዎ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸሓሕፋ (style)፡ ድሕሪ ብዙሕ ምልምማድን ምርቃቅን ዝስረጽ ኢዩ። ከምኡ ስዲ-ንባብ ጸሓፍቲ (free verse writers): ኣወዳድቃ ሙሉእ ሓሳባቶም ግጥሚ ኢዩ ዝጥዕም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ገጠምቲ ኣደራርስኦም ብዘመልክት ፍሉይ ባህሪ (mood) ኣለዎም። ገሊኦም ፋላስፋታት፡ ማሰይቲ፡ ተዋዘይቲ፡ መደርቲ፡ መዓድቲ፡ ቀስቀስቲ፡ ኣነቃቅሓቲ ኢዮም። ይኹን እምበር፡  ሓደ-ሓደ ገጠምቲ ሳሕቲ ኢዮም ነዞም ኩሎም ዝጠቀስናዮም መለዮታት ከጠቃልሉ ዝኽእሉ። ስለዚ’ውን  ደራሲ ሓደ-ሓደ ባህርያት ከም ዘለዎ እስኪ እዞም ዝስዕቡ ግጥምታት ኣብነት ይኹኑና፡-

       ብፍላይ ደቂ-ሰባት ብሰንኪ ባዕሎም ዝፈጠርዎ ነገር ወይ ብልሓት ዝኣክል፡ ከይሓሰብዎ ጥፍኣትን ቅዝፈትን ከምዝወርዶም ይገልጽ። ንኣብነት ኣብ Frankstein መጽሓፍ ሓደ ተመራማሪ ካብ መቃብር ንሓደ ኣስከሬን ናብ ህይወቱ ክመልሶ ክብል ከይሓሰቦ ሓደ በላዕ-ሰብ (monster) የተንስእ’ሞ፡ ሙሉእ ህይወቱ ደድሕሪኡ እናጐየየ የሰንብዶን የጨንቆን። በዚ ዝተላዕለ፡ ጠንቁ ብከምዚ ዝስዕብ ይምስሎ፡-

“ሰብን ንህብን፡

ሰብ…

ክምህዝ ክመራመር

ድቃስ ዘይብሉ ይሓድር

ብጣቋ ምዕባለ

መጥፊኢኡ እጽሕትር።

በንጻሩ ሰራዊት ንህቢ

ተረፎም ይኸውን

ፈውሲ ልቢ (መዓር)። ገጽ 40

 

“ንእስነት ዘይጸገበ” ከም ዝበሃል፡ ብሰላሕታ ብምዕዛብ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብና ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ፡ ብኣካዳድንኦም ግና መንእሰያት ኰይኖም ክርኣዩ ዝደልዩ ከም ዘለው ይገልጸልና። ኣብ ሃገርና ከም ኣብ ኣሜሪካ “ዘንተ-ዕለት  ንእስነት”  (eternal youth) ዝብል መርኣያ (vanity fair)  ስሩ ከም ዝሰደደ ክንርኢ ከየተሓሳስበና  ኣይተርፍን። ምኽንያቱ ኣምልኮተ-ንዑሳን (youth worship) ምስቲ ብሃይማኖት አበው ዝጸንሓና  “ክብረ- ኣረጋውያን” ዘይቃዶ ብምዃኑ። ንኣብነት፡-

“ሓዲሽ ኪዳን”

ቊልዕነት’ዶ ተረካቢ ኰይኑ?

ከም ዝነበርካዩ እንበር ኰይኑ?

ንሱ’ዩ ጽቡቕ ዘሎ

ኣካሉ እናበለየ

ዝባኑ ዝኽውሎ

ሓዲሽ እናተኸድነ

ውልዶ ዝመስሎ። (ገጽ 19)

ከምኡ’ውን ጎፍማን ኣብ “ The Presentation of Self in Everyday Life” ዝብል መጽሓፉ፡ ኣሜርካውያን  ምስ ካልኦት ዝራኸብሉ መንገዲ፡ ኣዝዩ  ዘጨንቆም ምዃኑ ይጠቅሰልና። ንኣብነት ብኣዘራርብኦምን ኣከዳድንኦምን (dress to impress)። ባህሪያዊ ኢዩ፡ ዋላ ብኣታቶም “ሱፐርፊሻል”፡ ብዘመናዊ ኣዘራርባ ኣስመራ “ኣምሰሉ” ይኹን። እቲ ዘገድስ ግን… ብሰንኪ ምትእትታው ባህሊ ምዕራባውያን ዝኣክል፡  ምኩሑሓል (cosmetic beauty) ኣዝዩ  ገኒኑ ከም ዘሎ ኣይዝንጋዕን። ንኣብነት ደራሲ ኣብ’ቲ “መስትያት ዕዳጋ” ዝብል ስውያ (metaphor)  ከምዚ ዝስዕብ ይጠቅሰልና፡-

ክብረተይ…. ተስፋይ

ሕልመይ ሃንቀውታይ

መጻኢ ህይወተይ ኩለንትናይ

ግዳም እምበር ኣይጸንሓንን ውሽጠይ

ኢለ ኣዕገርጊረ ብመስትያት ኣንጸርጺረ። (ገጽ 81)

 

ተስፋዓለም ከም ሸክስፒር ገጣማይ ጥራይ ከይኰነስ፡ ከም ኣዳላዋይ ተዋስኦ  (dramatist) ይፍለጥ። ከምዚ ክንብል ከሎና፡ ካልኦት  ዝተፈላለዩ ስራሓቱ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍን መራኸቢ ብዙሓንን ከይዘርዘርና  ኢና። ንኣብነት ኣብ’ቲ “ድራማ” ዝብል ግጥማዊ ድርሰቱ ብልምዲ ዝጸንሐ ስርዓት መውስቦ ከመይ ኢሉ መኣዝኑ ከም ዝሰሓተ ብውርዙይን ልኡሙን ኣዘራርብኡ የተሓሳስበና፡-

መርዓዊ ንመርዓቱ

“መን’ዩ ተዓኒዱ ዘምሰየ

እንታይ’ዩ ዝነብዐ ዓይንኺ እናረኣየ” ይብላ። (ገጽ 78)

ኣይፈለጠን ሽዕኡ ድቂ ከም ዝነበራ። ስለ ዝሓባእትሉ።

ብወገነይ ከም እተዓዘብክዎ፡ ብዙሓት ደረስቲ ሃገርና ብህዋሳትናን ብኣካላትናን እንገልጾም ስምዒታት (non-verbal expressions) ኣየዘውትሩን ኢዮም። ሸክስፒር action is stronger than word ይብለና። ወይ ከም ኣባሃህላና “ ካብ ፍትፍቱ ፊቱ” ማለትና ኢና። እስኪ ደራሲ ከም ትልሂት ኣሰናድኣይ ዘቅረቦ ግጥሚ ንተዓዘብ፡-

 “ኲናት ስቕታ”

ግንባረይ ኣዕጢረ

ገጸይ ኣሲረ

ኣፍንጫይ ኸቢሰ

ስነይ ነኺሰ

ከናፍረይ ረጊጠ

ኣዕንተይ ኣጨምቲለ፡

ኣይጠመትኩኹን ብቐጥታ

ኲናት’የ ወርዊረ ብስቕታ

ዘይትከላኸልዮ ብዋልታ። (ገጽ 29)

 

ቀጺሉ  ኣብ ግጥምታቱ ዋዛን ቁም-ነገርን እናሓዋወሰ ከዘናግዓና ንርኢ። ንኣብነት ንሱ ይኹን ካልእ፡ ብኣጋጣሚ ሓደ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣዝዩ ዝፈትዎ ግጥሚ ተሓቲሙ ዝወጸሉ ኣብ ገዝኡ ይጠፍእ። ብሰንኪ ምሽራቡ  ዝኣክል፡ ሻቅሎት ምስ ስድራ ቤቱ ይፈጥረሉ። ኣብ መወዳእትኡ ምስ ቀበጹ ግን…፡ ከም ናይ ኦ-ሄንሪ ጀይምስ ዝዓይነቱ  ዘይሕሰብ ፍጻሜ ዛንታ (surprised climax): ከመይ ኢሉ ከም ዝረኸቦ ክገልጸልና ከይተገረምና ኣይንተርፍን….

“ዘዋሪት ዋንጫ”

…… ደሓር ግን

ጉዳይና ግዜ በሊዓ

ከም ኩሉ ተረሲዓ።

ትማሊ ሰንበት

ኣብ ዓመት ቆልዓ

ተዓቲራ መጺኣ

ጋዜጣ ተጨቢጣ

መሲላ “ዘዋሪት ዋንጫ”

ከም ዕቁብ እናወደቀት ዕጫ

ገዛና ኣትያ ናይ ብሓቂ

ተጠቕሊላ ኣብ ጥርሙዝ ኣረቂ። (ገጽ 85)

ግጥምታቱ ብዝመልክት ኣሰራርዕኦምን (stanzas) ትሕዝትኦምን (contents)  ፈጠራታት ዝመልኦም ኢዮም። ንኣብነት ሓደ ሙሉእ ገጽ ዘይተጻሕፎ ወይ  ብጥርሑ ትርኢ። ደራሲ “ብፍላጥ ዝተሓድገ ኢዩ” ይብለካ። ምኽንያቱ ቅድሚኡ ዘንበብካዮ ግጥሚ ከይተውድኤ “መልኣሉ! መልኣሉ!” ዝብል ዘሎ ስለ ዝመስለካ። ብዝተረፈ ከም’ቲ ንቡር ስለ ዘይጸንሓና፡ “ስግንጢር” ይመስለና ይኸውን። ግን ስግንጢር ምልክት ወይ ኣምር ናይ ፈጠራ (creativity) ኢዩ። በዚ ምኽንያት “ If you want to be creative, break the rules” ዝተባህለ። ብኻልእ መንገዲ፡ ከም  ናይ ጃፓናውያን ስነ-ቅኒት (Haiku)፡ ብኽልተ መስመር  ዝተጻሕፈ ግጥሚ ከምዚ ዝስዕብ ጌይሩ የቅርበልና፡-

“ፍልልይ”

ሕሳይ ለሚን መኣዛ

ሓሳይ ልቢ ቃንዛ (ገጽ 41)

ደራሲ ኣብ መወዳእታ  ሓደ ነዊሕ ግጥሚ “ጸሊም በረድ” ዝብል፡ ብፍላይ ናይ’ዚ  መጽሓፍ ኣርእስቲ ዝዀነ የቅርብ። ብትሕዝቱኡ  ዓሚቚ ትርጒም ዘለዎ ኢዩ።  ከም ኩሎም ፋላስፋታት ዓለም ብናይ ላዕሊ-ላዕሊ ወይ ብልጭልጭ ፈጺሙ ዝታለል ኣይመስልን። እኳድኣ ልዕል ኢልና  ከም ዝጠቀስናዮ፡ ውሽጡን ውሻጥኡን ክብርብርን ከብራርህን  ይሕልን። ስለዚ’ውን ንህይወት ከም “ጸሊም-በረድ” ይምስላ። ብልዕሊኣ ጻዕዳ “ሓጐስ” ብትሒትኣ ግና ጸሊም “ሓዘን”። ስለዚ’ውን  “እንታይ ኢዩ ትርጒማ?”  እናበለ ደጋጊሙ ከስተንትን ነንብቦ።

ተስፋዓለም ጫረ በብግዚኡ ካብ ሾሞንተ ሚእቲ ንላዕሊ ግጥምታት ዝደረሰ ኢዩ። ኣብ’ዚ መጽሓፍ ሰማንያ ግጥምታት ጥራይ ኢዮም ተሓቲሞም ዘለው። ብወገኑ ብዙሓት መጽሓፍቲ ብቋንቋታት እንግሊዝን ትግርኛን ብምንባብ፡ ነቲ ብተፈጥሮ ዝተዋህቦ ክእለት ኣዝዩ ኣደንፊዕዎን ኣማዕቢልዎን ኢዩ።

 እስኪ እቶም ጽሑፋቱ ይመስክሩ።

 ኣነ ከም ብጻይ ገጣሚ፡ መጽሓፍካ ኣንቢበ ርእይቶይ ክህብ ዕድል ስለ ዝሃበካኒ ብልቢ የመስግነካ። “ትርጉም ግጥሚ፡ ኣብ ደራሲኡ” ከም ዝበሃል፡ ብወገነይ ዘቅረብክዎም ርእይቶታትን፡ትንተናታትን፡ ገምጋማትን መልእኽቲ ጽሑፍካ ዝሰሓቱ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ’ውን ጒድለተይ ምዃኖም እኣምን።

ብዝተረፈ  ዝተዓደለን ዝበሰለን  ደራሲ ምዃንካ ብምግንዛብ፡ ክትቅጽሎ እላበወካ።

ስነ-ጽሑፍ ይለምልም!!!

ሃይለ ቦኹረ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events