Dehai

New Book: Translation Work

Posted by: HBokure@aol.com

Date: Thursday, 17 November 2016

                                  መስርሕ ፑሉምባት

እዚ “ጉዳይ ፑሉምባት፡ ኣስመራ ሸሚ” ዝብል መጽሓፍ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ናብ ትግርኛ ተርጒመዮ። ዕማሙ (ፕሮጀክት) ቀሊል ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ብስልቲ ኣጸሓሕፍኡን ትሕዙትኡን ሓቀኛ ታሪኹን ንብዘለዓለ ደረጃ ዝተመሃሩ ኣንበብቲ ዝዓለመ ብምዃኑ።

         ፕሉምባት (ብኮድ ስም) ዩራንዩም ማለት ኢዩ። እስራኤል ንዩክሊየር ፕሮግራም ኣብ ስራሕ ንምውዓል ብዝመደበቶ መሰረት፡ ነቲ ብጥብቂ ዝተኸልከለን ብጽኑዕ ኣብ ኤውሮጳ ሃገር ዝተሓለወን “ዩራንዩም”፡   ብኢድ-ኣዙር ንምውጻእ ብስለያ ማዕከል ማለት ሞሳድ፡ ኣዝዩ  ሕልኽልኽን ድንግርግርን ዝመልኦ ዝተኻየደ  ስርሒት (ኦፐረሽን) እዚ መጽሓፉ ብዝርዝር ይገለጽ። ነዚ መጽሓፍ ብምርምር መልክዕ ዘዳለውዎ ሰለስተ ሰባት ክኾኑ ከለው፡ ንሰለሰተ ዓመታት ዝኣኽሉ ማዕረ ዓሰርተ ሾሞንተ ሃገራት ብምብጻሕ ንኽልተ ሚእቲ ሰባት ብቃለ-መጠይቅ ብምይያጥ ዘድልዩ ሓበረታታት ክእክቡ ከኣሉ። እዚ ኹሉ ኣብ ኤውሮጳ፡ ብስም’ታ ቅድስቲ ርእሲ ከተማና “ኣስመራ-ሸሚ” ማለት “ኣስመራ ቤት-ቅመም” ዝብል ኢዩ ምስጥራዊ ዝመልኦ ስለላ መስርሕ ዝተኻየደ። በዚ ምኽንያት ከኣ’የ ነዚ ከቢድ ትርጒም  መዓልትን ለይትን ዝተሓሓዝክዎ። በዳሂ ኢዩ ነይሩ ከበሃል ይከኣል። ስለዚ’ውን እዚ መጽሓፍ ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክዀነለይ እምነ።

        እዚ መጽሓፍ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝተኻየዱ ዓሰርተ ትሽዓተ ስለያታት መስርሕ ሓደ ምዃኑ ተጠቂሱ ኣሎ። ናብ ቋንቋታት ሩሲያ፡ ፋርሲ (ፐሪሺያ)፡ ኢብራይስጥ፡ ማንዳሪን (ቻይና) ከምኡ ጃፓን ተተርጒሙ ኣሎ። ነዞም ዝገለጽናዮም ቋንቋታት ዘዝውትራ ሃገራት ናይ ንዩክሊየር ፕሮግራም ኣለወን። በዚ ምኽንያት ኣገዳሲ ይገብሮ።

        እዚ መጽሓፍ ብመጠኑ (ሊሚቲድ ኢድሽን) ተሓጊሙ ኣሎ። ንመጀመርያ ግዜ ዝተዘርግሓሉ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ ኦክላንድ ዝተኻየደሉ በዓል ኤርትራውያን ኢዩ። ዝተረፉ ውሑዳት መጽሓፍቲ ንተገደስቲ ክንሸይጥ መሪጽና። ዋጋ ናይ'ዚ መጽሓፍ ምስ መሰደዲኡ ኣብ ኣሜሪካ $30.00 ንወጻኢ ግና ምስ መስደዲኡ ይውሰን። ኣታዊ ገንዘብ ብተወሳኺ ንምሕታም ክውዕል ኢዩ። ንሓበሬታ HBokure@aol.com ክጽሓፍ ይከኣል።

የቀንየለይ።

ሃይለ ቦኹረ  


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events