Dehai

Eve The Creative

Posted by: Haile Bokure

Date: Monday, 21 November 2016

"ፈጣሪት መሃዚት ጓል-ሄዋን"

ሰብኣይ የምጽኣልኪ ጥረ-ምረእቨ
ኣቃምምኪ ትገብርዮ ዝመቀረ።

ሰብኣይ የምጽኣልኪ ጡጥ ቁኒን 
ፈትልኪ ፈታትልኪ ተብልዮ ክድን።

ሰብኣይ የምጽኣልኪ ቆርበት ንገዛ 
ኣልፍዕኪ ትሰርሕዮ ማሓዘል ኣጎዛ።

ሰብኣይ የምጽኣልኪ መዓር
ሜስ ተስትይዮ ነዚ ሰካር።

ሰብኣይ የምጽኣልኪ ቀሸም ዕንጨይቲ
ኣጒድኪ ተሙቁዮ ምሉእ ለይቲ።

ሰብኣይ የምጽኣልኪ ጸባ ላሕሚ 
ኣቃምምኪ ትገብርሉ ጥዑም ጠስሚ።

ሰብኣይ የምጽኣልኪ ጭቃ ጸብሪ
ገንኢ፡ ዕትሮ ትሰርሒ መዕቆሪ።

ሰብኣይ ይሓርደልኪ ደርሆ ጋሕ-ጋሕ
ክሽን ተብልሉ ጥዑም ምሳሕ።

ሰብኣይ የምጽኣልኪ ፈውሲ ሕማም
ግን ንስኺ ተለልዮ ጠንቁ ጉዳም።

ሰብኣይ የምጽኣልኪ ጥረ-ገንዘብ
ቆጥብኪ ትሽምቲ ቀለብ።

በዚ ዝተላዕለ ይብሉኺ ባህሊ ዓቃቢት
ሃይለ ክዝግፍ ንስኺ ተቆናኒት።

ሃይለ ቦኹረ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events