Dehai

(Haddas Ertra) በዓል ጥምቀት፡ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተኸቢሩ

Posted by: Yemane Abselom

Date: Friday, 20 January 2017

በዓል ጥምቀት፡ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተኸቢሩ

በዓል ጥምቀት፡ ትማሊ 19 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተኸቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናን ኣብ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ብድሮ ካብ ኩለን ኣብያተ-ክርስትያን ብመእመናን ተሰንዮም ኣብ ባሕረ-ጥምቀት ዝሓደሩ ታቦታት፡ ብወከልቲ መዘምራን በዓል ተራ ደብሪን ሕብረት ውሉደ-ክህነትን ሰበኻ ተኻይዱ። ብመሪሕነት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ድማ ቡራኬን ኣስተምህሮን ተዋሂቡ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ብመሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ሉቃስን ሊቃውንትን ኣብ ዙርያ ባሕረ-ጥምቀት ቅዳሴን ጸሎተ ወንጌልን ዓሪጉ።
ኣብ’ቲ በዓል፡ መምህር ኤልያስ ሃብታይ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ በዓል ጥምቀት ዝምልከት ስብከት ኣስሚዖም። ብመሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብጹኣን ጳጳሳትን ሊቃውንትን ባሕረ-ጥምቀት ተባሪኹ ናብ ህዝቢ ምስ ተነጽገ ድማ፡ ካህናት ነቲ በዓል ዝምልከት ዜማ እናስምዑ ኣስረጊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ ቡራኬ ምስ ተዋህበ፡ ታቦታት ብምእመናን ተሰንዮም ነናብ ኣድባራቶም ተመሊሶም። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡  ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ብምውካል - ዋና ዳይረክተር ምምሕዳርን ፋይናንስን ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ብርሃነ ነጋሽን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም ነይሮም። ኣብ ኩለን ዞባታት እውን ብተመሳሳሊ፡ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከም ዝበዓለ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።






EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events