Dehai

ገጽ-መጽሓፍ: ብስም ኤርትራዊያን ክሕተት ዝጸንሓ ዕቁባ ከብቅ'ዩ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 26 January 2017

 
 
 
 
ብስም ኤርትራዊያን ክሕተት ዝጸንሓ ዕቁባ ከብቅ'ዩ
 

---------------------------------------------------------------------------------
ንፖለቲካው ዕላማ ምምሕዳር ኣሜርካ ሓዊስካ ሃገራት ኤሮፓ ኤርትራዊየ ዝበለ ፖለትካዊ ዕቁባ ዘፍቅድ ሓጺጸንኦ ዝጽንሓ ናይ ሽርሒን ውዲትን ፖሊሲ ክስርዛን ሕጋጋተን ከትርራን ጂሚረን።

በዚ መሰረት፥ ሃገረ ጀርመን ዝኮነ ሓታቲ ዕቁባ ካብ ዝመጸሉ ሃገራት ወይ ካብ ሕጋዊ ዝኮነ ኣካል መረጋገጺ ዜግነቱ ( መንነቱ) ስጋብ ዘየቅረበ ዝሃለወ ምክንያት ሕቶ ዕቁባ ይሃልዎ ዕቁባ ከም ዘይውሃቦ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቃ'ላ።

ድሮ ውን እንግሊዝ ዝርከበኤን ሃገራት ኤርፓ ነቲ ብዋሕዚ ስደተኛታት ፈጢሩለን ዘሎ ጸቅጢ ንምቁጽጻር ሓያል ሕጋጋትን ፖሊስታትን ኣተኣታቴ ይርከባ ጥራይ ዘይኮን ስደተኛታት ናብ ዝመጽዎ ንምምላስ ምስ ሞቦቀላዊ ሃገራቶም መንግስታት ኣብ ምርድዳእ ተጸሚደን ከም ዘለዋ ናይ ዝተፍላልያ ሃገራት ካብ ሚኒስትርታት ውሽጣዊ ጉዳያተን ዝወጽእ ዘሎ ዜናዊ ሓበሪታታት የርድእ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምምሕዳር ኣሜርካ ብቀንዱ ብፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ልዕሊ መንእስያት ኤርትራ ዝተኣወጀ ፍልሰት መንእስያትን ሃገራት ኤሮፓ ዘሳሰዮኦን ብስም ኤርትራዊያን ዕቁባ ዝረከቡን ፥ ብፍላይ ስርዓት ወያነ ፈጠራዊ ኣሃዝ ንምፍጣር ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ብምትሕብባር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቀጸሩ ተውላዶ ትግራይ ብብልሓት ኣብ ዝተዶኮነ መዓስከራት ብስም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከም ዝኣትው ብምግባርን ገሊኣም ድማ ኣብ ገገዛኦም ከለው ከም ኤርትራዊያን ስደትኛታት ከም ዝምዝገቡ ብምግባር ኣብ ፍቀዶ ሃገራት ኤሮፓ ምልኣኩ ናይ ኣድባባይ ምስጢር ጥራይ ዘይኮነ ኣካል እውጅ ፖሊሲ ኣመሪካ ምድካምን ምድዋንን ሃገረ ኤርትራዩ።

ሎሚ ብሓያል መከተ ህዝብን መሪሒነትን ኤርትራ ጽሓይ ሓቂ ኣብ ዝደምቀትሉን መንግስቲ ኤርትራ ብስም ኤርትራዊያን ዝውሃብ ዘሎ ዕቁባ ኣደብ ይገበረሉ ብማለት ንዓመታት ከቅርቦ ዝጸንሓ ጥርዓናት ሸለል ክብሃል ከም ዘይጽንሓ ሎሚ ኩሉ ዊዲታቶም ምስ ተርኮመሸ መንነት ሓተቲ ዕቁባ ከነጻሪ ምባሎም ዘስደምም'ዩ ፥ እዚ ውን ኩውን ንክከውን መረዳእታታትን ሓቅታት ኣብ ምቀራብን ብብሎማሲያዊ ጻዕርታትን ተራ መንግስቲ ኤርትራ ዝናኣድዩ ነይሩ ሱቅ ኢሉ ዝመጸ ምዕባለ ኣይኮነን ሓያል ጽዕሪ ትሓሊፍዎ'ዩ።

ከም ዝፍለጥ ዝበዝሓ ሃገራት ኤሮፓ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲሞም ዝመጹ ግብኦም ክፍጽሙ ክመልስኦም ሙካነን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንተ ብምገዲ ኤሮፓዊ ሕብረት ዝተዘርግሓ ዜና ምንባሩ ዝዝከርዩ።

ሕጂ ኩሉ እቲ ሓቂ ምስ ተገልጺሎምን ኣብ ጠለብን ሕቶን መንግስቲ ኤርትራ ምውዳቆም ውን ዝጽላእ ኣይኮነን ወረ ካልእ ኣሎ ሎሚ ንኩሉ ብዝግባእ እንተ ትዓዚብና ነፍስ ውከፍ ዕለት ናብ ረብሓ እቲ ዘይጽዓድ ህዝብን መንግስትን ግንባርን ኤርትራ ትውዕል ኣላ ።

ጽንዓትን መከተን መጨረሽቱኡ ክብረትዩ ዝብልኩም ከምዚ'ዩ።

ዓወት ንሓፋሽ

ዘላለማዊ ዝክርን ክብርን ንሰምእታትና

ሕጂ ውን ሸጥ መዓንጣ

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events