World News

EriGazette.org: ልዕሊ ቃላቱ ተግባሩ..

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 13 February 2017

Feb
13
2017
 
 

ናይ 2017 ቃለ-መሓተት ፕረሲደንት ኢሰያስ ብኩሉ መለኪዒታት ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዩ ተስፋ ዝህብን ግብራዊ መግለጽን መምዘንን ዝሓዘለ ምንባሩ ንኩሉ እቲ ብጽሞናን ልቦናን ዝተኸታተሎ ዘስተባህለሉ ሓቂ እዩ። ሓንጎል ብቅርሕንትን ኣንነትን እንተመሊኡ ግን ንዝኾነ ሓቂ ክቅበልን ክርዳእን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዲ ንሓሳባት ብሙሉእ ትሕዝትኦምን ኣመታቶምን ሪኢኻን ሰሚዕካን ክትርዳእ ምፍታን; ቃላት ቆሚልካ ካብ ሃመማ ሓኸለ ከተውጽእ ምፍታን ልሙድ  ባህርያት ናይ ተቛመርቲ ወልቀሰባትን ጉጅለታትን ኩይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ገበን ኣብ ምፍጻም ይርከቡ።

ኣብ ዝተኻየደ ቃለ-መሓትት ሚንስትሪ ዜና ዋላዃ ብናቶም መደባት ዝኸዱ እንተኾኑ ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብ መስከረም ዶት ቀሪቡ ዝነበረ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ትሕተ-ቅርጻ ነባሪ ኣይኮነን። እንተድኣ ብቀጻሊ ምክትታልን ምትዕርራይን ዘይተገርሉ ካብ’ቲ ክህቦ ዝግባእ ኣገልግሎት ኣቀዲሙ ይዓኑ። ብዝኾነ ዋላ ሙሉእ ምክትታል ተጌርሉ ከም ኩሉ ሓላፊ ነገራት ጊዚኡ ኣብቂዑ ምጉሓፉ ወይ  ካብ ስራሕ ወጻኢ ሙኻን ኣይተርፎን እዩ። መንጨዊ ሓይሊ ኤለትሪክ ሒርጊጎ ዝሓለፈ 15-20 ዓመታት ንህዝብን ሃገርን ዝሃቦ ኣገልግሎት ቀሊል ከምዘይነበረ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እዚ ሕጂ ብፕረሲደንት ተገሊጹ ዘሎ ጉድለት ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ዝሕተተሉን ዝከታተሎን ኣካል ስለዘሎ ኣንቱም ድያብሎሳት ብዙሕ ኣይትሸገሩ፣ ኩሉ ነገር ኣብ ኢድ ዋናታቱን ሓለይቱን እዩ ዘሎ።

ከም ርዱእ ሃገራት ሱሉስ ዓለም ወይ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ካብ ዝተፈላለያ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራትን ሓገዛት ይረኽባ እየን። ኤርትራ እታ ዝነእሰ ሓገዝ እትርክብን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ጥቅሚ ህዝባ እተውዕል ብተዛማዲ ነጻ ካብ ብልሽውና ሃገር እያ። ብዙሕ ካብ’ዚ ዝወሃብ ሓገዛት ገለ ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ ፕሮጀችት ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ ገለ ድማ ብህዝብን መንግስትን መመላእታ ተጌርሉ ዝስራሕ ኣሎ። ካብ’ዞም ኣብ’ዚ እዋን ካብ ኣስመራ ቦቒሎም ዘለዉ ሓሰውቲ ኩሉ ዝስተ ጽሩይ ማይ ብዩኒሰፍ ክም ዝምወል ተጠሊዑ ሓስዩ ኣሎ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርሓትን ጠለባት ህዝብን ዩኒሰፍ ልዕሊ ህዝብናን መንግስትናን ከምዝፈልጡ ሰይጣናዊ ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ።

ብዝኾነ ኣሃዛዊ ምዕባሌታት ኤርትራ ኩለን ዝምልከተን ሚንስትርታት ብመልክዕ ኣኼባታትን ጹሑፋት ብምዝርጋሕን ናብ ህዝብን ሜድያን ከቅርብኦ ጸኒሓን ስለዘለዋ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኮነን። ኤርትራ ሃገርና ምስ’ቲ ኩሉ ዘጓነፋ ተጻብኦታት ሰጒማቶ ዘሎ ጉዕዞ ካብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ቃለ-መሕተት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዘጓነፉ ጸገማት ገምጋም ብምግባር ሓዲሽ መደብ ስራሕ ገለ ካብ ዝጠቀሶም ብቃላቱ ጠቂሰዮ ክሓልፍ እደሊ። እቲ ዝውጸ መደብ ዝትግብሩ ኣካላት ሚንስትርታት ሰለዘለዉ ድማ ክትግበሩ ኣለዎም እናተባህለ ተጠቂሱ ኣሎ’ሞ እቶም ክሉ ግዜ ብዝንቡዕ ርዲኢታት ዝርድኡ ባሃማት ከስተውዕሉሉ ይግባእ።

  • … ኣብ 2017 ተታሒዙ ዘሎ ምደብ ክሳብ 120 ሚጋ ዘምንጩ ተደራቢ ወይ ደጋፊ መምንጨዊ ክውሰኽ ከም መደብ ተታሒዚ ኣሎ።

…. ነዚ ናይ ሎሚዓመት እዚ ተደራቢ ዝብሃል ዘሎ እንተድኣ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ከነተግብሮ ኪኢልና ነቲ ዘሎ ሕጽረት ክሽፍኖ ይክኣል እዩ። ዘተእማምን ኣገልግሎት’ውን ክህብ ይኽእል እዩ።… (ድሮ ውጺኢቱ ክርኤ ጀሚሩ ኣሎ) ርእይቶይ

  • …ኣብ 2015-16 ውህለላ ማያትና ኣብዘን ሓደሽቲ ሓጽብታት 250 ሚልዮን ሜተር ኩዩብ እዩ። ከም ዓቢ ፕሮጀችት ተወሲዱ ዝስርሓሉ ዘሎ ናይ ጋሕተላይ ኣብ 2017 እንተተዛዚሙ ክሳብ 300 ሚልዮን ኩዩብ ማይ ክንሕዝ ንኽእል ኢና።….

(ብዓይንካ ከድካ ኣብ ከባቢኡ ዝለምዕ ዘሎ ቦታት ምርእይ ምእማን እዩ።)ርእይቶይ

  • … ናይ ሞጓዓዝያ መሳለጥያታት ብፍላይ ከኣ ናይ ኣየር መጓዓዝያ ከነዋድድ ክንክእል ኣሎና። ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ብቀዳምነት ናይ ባጽዕ ኣየርፖርት ንገያሾን ጽዕነትን ብቁዕን ሙሉእን ኣገልግሎት ዝህብ ብደረጃ ዓለም ክሰርሕ ዝክእል ክኸውን ካብ መደባት 2017 እዩ።
  • … ዝጽገንን ሓዲሽ ዝስራሕ ጽርግያታት ምስ’ቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ናይ ቁጠባን ልምዓትን መደባትና ተኣሳሲሩ ክትግበር መደብ ኣሎ። ናይ ትምህርትን ጥዕናን ትሕተ ቅርጺ ሙሉእ ብሙሉእ ከነዕብዮም ምእንቲ ብቑዕን ዘዕግብን’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ 2017 መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ንምምላእ ዝሓሸ ኣገልግሎት  ጥዕናን ዕድላት ትምህርትን ንምውዳድ ክንሰርሕ ኢና። ንጸዓት፣ ንማይ፣ ንመጓዓዝያ፣ ንመራከብታት ዝምልከቱ መሳለጥያታት እናካየድና እንከለና ኣብቶም መሰረታውያን ማሕበራውያን ኣገልግሎታት ዝኾኑ ትምህርትን ጥዕናን በቲ በጺሖሞ ዘለዉ ብቕዓት ጥራይ ዓጊብና ክንቅጽል ስለዘይብልና፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከነማሓይሾም ስለ ዘለና ኣብ 2017 መደባት ኣሎ። ጎድኒ ጎድኒ መጓዓዝያ፣ ናይ መራከቢታት ፕሮግራም እውን ኣሎ። ብናይ ቻይና ኩባንያታት ዝስራሕ ትሕተ-ቅርጺ መራኸቢታት፣ ምስቶ’ም ካልኦት መድባት ፣ ኣብ 2017 ዝጅመር ካብ ዝጸንሖ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝድይብ ዝገብር ውዱእ ፕሮግራም ኣሎ።….

እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ካብ ቃላት ድማ ተግባራት ይዓብዩ። ንኹሉ ድማ ድሌት ጥራሕ ዘይኮነስ ትሕዝቶ ይሓትት። ሓደ ጉቡኡ ዘየማልኤ መንግስቲ ከምዚ ዘይገበረ ፕረሲደንት ከምዚ በለ ምባል ትርጉም የብሉን። ሰብ ሂወታን ዕድሚኣን ስድራቤታን ሰዊኣ ሃገር ትሃንጽ ስለ ዘላ ቅድም ቀዳድም ኣነ ንሃገረይ እንታይ ጌረላ ወይ ይገብረላ ኣለኹ ኢልና ነብስና ንሕከኽ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

tzinaat@gmail.com

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events