World News

BBC.com: ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቱ ብሄር-ተኮር ጎንፂ ኣንፀላሊዩ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 12 November 2017

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቱ ብሄር-ተኮር ጎንፂ ኣንፀላሊዩ

  • 12 ኖቬምበር 2017
https://ichef-1.bbci.co.uk/news/834/cpsprodpb/23E5/production/_98698190_2b.jpg
ናይ ምስሊ መግለጺ ተመዛበልቲ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቱ

ተጋሩ ተምሃሮ፥ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ መቱ ለቒቖም ንኽወፁ ዝተገደዱ ብዝበፅሖም ምፍርራሕን መጥቃዕትን ዝተልዓለ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓለፍቲ ዩኒቨርሲቲ መቱ ብወገኖም፥ እቶም ተምሃሮ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ምውፀኦም አረጋጊፆም፥ ትምህርቲ ገዲፎም ንምውፃእ ዘብቅዕ እኹል ምኽንያት ግና ኣይነበረን ይብሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቱ፥ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ ጥራሕ ዘነፃፀረ ብኻልኦት ተምሃሮ ፍተሻ እናተገበረ ከምዝቐነየ እዮም ዝዛረቡ።

ነዚ ስዒቡ ንድሕንነቶም ስግኣት ዝተሰመዖም እቶም ተምሃሮ፥ 150 ኪ.ሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ጋምቤላ ኣቕኒዖም ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ኣፅሊሎም ቀንዮም።

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ሓለፍቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ዓበይቲ ዓዲ ኦሮሞን መራሕቲ ሃይማኖትን ሒዞም፥ ሓለፍቲ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝተረኸብሉ ብመሰረት ዝተገበረ ልዝብ ፥ እቶም ተምሃሮ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ስሩዕ ትምህርቶም ንክምለሱ ምርድዳእ ተገይሩ ነይሩ። ይኹን 'ምበር፥ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቱ ምስተመለሱ ኣብ ልዕሊ እተን ዘሳፈረኦም ሰለስተ አውቶቡሳትን ኣብ ልዕሊኦምን ብደንጎላ ጥቕዓት ስለዝተፈፀሞም ተመሊሶም ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ክወፁ ተገዲዶም።

"እቲ ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ምስቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢርና እናሰራሕና ኢና" ዝበሉ ከንቲባ ከተማ መቱ ኣይተ ኃይሉ መክብብ፥ እቶም ተምሃሮ ተጋሩ ካብ ጋምቤላ ተመሊሶም ናብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ እንትኣትዉ ኣብ ልዕሊ እተን ፅዒነንኦም ዝመፃ መኻይን ጥቕዓት ከምዝተፈፀመ ንቢቢሲ አረጋጊፆም።

ዝተጠጅአ ቂም

ኣብ ክልል ኦሮምያ፥ ዞባ ኢሉ-ኣባቦራ፥ እትርከብ ከተማ መቱ፡ ዝተፈላለዩ ብሄረሰባት ሓቢሮም ዝነብሩላ ምዃና ከንቲባ ኣይተ ኃይሉ ይገልፁ።

'ኣብታ ከተማ ኣብ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጎንፂታት ኮነ ቅርሕንትታት የለን" ይብሉ። ይኹን 'ምበር፥ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ነበርቲ እቲ ከተማ ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ በፂሑና ብዝበሉዎ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ተፍትሽ ምክያዶም ኣሚኖም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ብዝተኻየደ ፍተሻ ዝተልዓለ፡ ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ትግራይን ኦሮሞን ጥርጣረ ክፍጠር ክኢሉ ይብሉ።

ተምሃሮ ተወለድቲ ኦሮሞ ኣብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ስግኣት ኣለና ብምባል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ መሕደሪ ክፍልታት ፍተሻ የካይዱ ከምዝነበሩ ኣይተ ኃይሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ተምሃሮ ተወለድቲ ክልቲኦም ብሄራት ጥርጣረታትን ስግኣታትን ኣስዒቡ ይብሉ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/736/cpsprodpb/8ACA/production/_98703553_1b.jpg ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ዩኒቨርስቲ መቱ ሃዲሞም ኣብ ጋምቤላ ዘፅለሉ ተጋሩ ተምሃሮ

ጋምቤላ- በፂሕካ መልሲ

ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ገዲፎም ካብ ሞንጎ ዝወፁ ተጋሩ ተምሃሮ፡ ኣብርሃ ዘውዱ (ሽሙ ዝተቐየረ) ሓደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቱ ወፂኡ፡ ናብ ከተማ ጋምቤላ ዘምለጠ ተምሃራይ ኣብርሃ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ኦሮሞ ብዝተኻየዱ ቁፅሪ፡ ካብ ትግራይ ዝመፁ ተምሃሮ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ይውፅኡ ዝብሉ ተደጋጋምቲ ሕቶታት ከምዝለዓሉ ይገልፅ።

"ናብ መደቀሲ ክፍልታትና እናመፁ፡ ንስኻትኩም ተጠርጠርቲ ኢኹም፣ ፈንጂ ሒዝኩም ኣለኹም፣ ንክንፍትሸኩም ተፈቒዱልና 'ዩ ይብሉና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብርሃ፡ ኣብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተረፈ ተወላዲ ብሄረ ትግራይ ተምሃሪ የለን ይብል።

ሓላፊ ርክብ ህዝብን ኮሚዩኒኬሽንን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣይተ ኦልቀባ ኣሰፋ ግና፡ በዚ ኣይስማዕምዑን።

ኣይተ ኦልቀባ፡ ካብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝወፁ ተወለድቲ ትግራይ ካብ 100 ከምዘይበልፁ ብምግላፅ፡ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ገዲፍካ ንምውፃእ 'ዘብቅዕ እኹል ምኽንያት ኣይነበረን፤ ዋላ ሓደ ዘስግእ ምንቅስቓስ ኣይነበረን፤ ሕዚ እውን የለን" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ከም ኣገላልፃ ኣብርሃ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ 15 ተምሃሮ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቱ ክምለሱ ስለዘይደለዩ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዞም እዮም።

"ናብ ትግራይ ኢና ክንምለስ ንደሊ"

ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲን ዝምልከቶም ኣካላትን፡ እቲ ፀገም ንምፍታሕ እናተዘራረቡ ዋላ እኳ እንተኾኑ፡ "ንሕና ግና ልዕሊ ኩሉ ህይወትና ኢና ንደሊ። ትምህርቲ ንዓና ካልኣይ ነገር እዩ። ናብ ትግራይ ኢና ክንምለስ ንደሊ" ይብል፥ ኣብርሃ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣይተ ኦልቀባ፡ "ካብ ፈለማ ኣትሒዞም ንከይኸዱ እናፀዓርና ኢና ነይርና፤ ሕዚ እውን ናብዚ ዩኒቨርሲቲ ተመሊሶም ትምህርቶም ንክከታተሉ፡ ምስ መምህራንን ምስ ተምሃሮን እናተዛተና ኢና" ብምባል ይዛረቡ።

ንተቓውሞ ካብ ሞንጎ ዝወፁ ተምሃሮ ሓደ ዝኾነ ቶሎሳ ጋሪ (ስሙ ዝተቐየረ)፡ "ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ተምሃሮ ናብቲ ቀፅሪ እንትኣትዉ ኣይፍተሹን፡ እዚ ድማ ንክንጥርጥሮም ገይሩና" ብምባል ይዛረብ።

https://ichef-1.bbci.co.uk/news/736/cpsprodpb/63BA/production/_98703552_5b.jpg ናይ ምስሊ መግለጺ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቱ ኣብ ስግኣት ወዲቖም

"ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ንሕግታት እቲ ዩኒቨርሲቲ እሙናት ክኾኑ ብዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ኣመራርሕኦም እምነት ከምዘይህልወና ገይሩ" ይብል ቶሎሳ።

"ስለዝኾነ ድማ ካብ ሓላፍነቶም ንክለዓሉ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና። "

ኣይተ ኦልቀባ፡ ተቓወምቲ ተምሃሮ፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ መፂኡ ክሳብ ዘዘራርበና፡ ትምህርቲ ኣይንጅምርን ብዝበልዎ መሰረት፡ ተኣጓጒሉ ዝቐነየ ትምህርቲ ብዕሊ ተቛሪፁ ኢሎም።

ክሳብ ዓርቢንጉሆ ፡ ልዕሊ ሰማንያ ዝኾኑ ተምሃሮ ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወፂኦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተዓቂቦም ይርከቡ።

ሓላፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን ኦሮምያ ኣይተ ኣዲሱ አረጋ ኣብ ፌስቡክ ገፆም፥ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ ዝተፈፀመ ጥቕዓት ፥ ንመብዛሕተኦም ተምሃሮ ኦሮሞ ከምዘይውክል፥ "ብባህሊን ልምድን ኦሮሞ ተቐባልነት ዘይብሉ" ምዃኑን ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝሳተፉ ተምሃሮ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events