World News

Tigrigna.VoanNews.com: 'ህዝቢ ካብ ኣኼባ ህወሓት ኣብ መቐለ እንታይ ይጽበ?' ዝብል መዘራረቢ ኮይኑ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 17 November 2017

'ህዝቢ ካብ ኣኼባ ህወሓት ኣብ መቐለ እንታይ ይጽበ?' ዝብል መዘራረቢ ኮይኑ

ሕዳር 17, 2017
ሓወልቲ ሰማእታት - መቐለ ትግራይ
ሓወልቲ ሰማእታት - መቐለ ትግራይ

ዕጹው ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ናብ ምዝዛም ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ምንጭታትና ገሊጾም።

ብመሰረት ስሞም ክጥቀስ ዘይመረጹ ምንጭታትና ‘እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ መቐለ ይካየድ ዝቐነየ ርሱን መድረኽ ክትዕን ገምጋምን፣ ኣብ ሰለስተ ተመቓቒሉ ይካታዕ ከምዝቐነየ’ ተሓቢሩ’ሎ።

እቶም ሰለስተ ደምበታት ቀዳማይ ‘ጽቡቕ ኣለና፣ ክንነኻኻእ ኣየድልን’ ባሃልቲ፣ እቲ ካልኣይ ደምበ ‘ብሓደ ወገን ጽቡቕ ኣለና’ ብካልእ ወገን ‘ጸገም ኣለና’ ባሃልቲ ወይካኣ ማእኸል ሰፈርቲ ዘጠቓለለ፣ እቲ ሳልሳይ ደምበ ግና ‘ተበላሺና ኢና፣ ነቒዝና ኣለና፣ ክንዕረን ሱር ነቀል ለውጢ ክንትግብር ግድን’ዩ’ ባሃልቲ ከምዝነበሩ’ውን ምንጭታትና ይገልጹ።

ብመሰረት ቀጺሉ ዝቐነየ ኣኼባ ህወሓት ‘ደለይቲ ሱር ነቀል ለውጢ ይስዕርሩን ይስዕሩን ከምዘለው እውን’ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

ድሕሪ ሓያልን ጽዑቕን ገምጋም፣ ነቐፌታን ዓርሰ ነቐፌታን፣ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝኾና ወ/ሮ ኣዜብ መስፍንን ኣቶ ብርሃነ ኪ/ማርያምን ትማሊ ነቲ ኣኼባ ረጊጾም ከምዝወጹን ንኣዲስ ኣበባ ከምዝተመለሱን ተፈሊጡ’ሎ።

እንተኾነ ኣባል ፖሊት ቢሮ ህወሓት ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ሎሚ ሓሙስ ናብ’ቲ ኣኼባ ንክምለሳ ንክፍቀደለን ከምዝሓተታን፣ እቲ ጉባኤተኛ ‘ሕቶአን ብጽሑፍ ንከቕርባን ኣብ ሚድያ ቀሪበን ንሕገ ደምቢ ከምዝጣሓሳ ንክዛረባን ከምዝሓተተን’ ምንጭታትና ሓቢሮም። ግብረ መልሲ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ገና ኣይተፈለጠን ዘሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብምኽንያት ኣብ ጎንደር ንክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ሓባራዊ ኣኼባ ህዝቢታት ኣምሓራን ትግራይን ክቛረጽ’ዩ።

እቲ ዝተቋረጸ ኣኼባ ድሕሪ መዓልታት ከምዝቕጽልን መሰረታዊ ለውጢ መሪሕነት ኣታኣታትዩ ኣኼብኡ ክዛዝምን’ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዛዕባ ኣኼባ ህወሓት ምስ ክልተ ኣጋይሽ ዘካየድናዮ ክትዕ ተኸታተሉ፣

https://tigrigna.voanews.com/a/4119161.html


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events