World News

( ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ዕግርግርን ምጥፋእ ህይወትን ከምዘተሓሳሰቦም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጾም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 13 February 2018


ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ዕግርግርን ምጥፋእ ህይወትን ከምዘተሓሳሰቦም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጾም

 ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ
ለካቲት 13, 2018  መለስካቸው ኣምሃ  እስክንድር ፍሬው  ገብረ ገብረመድህን

foto van U.S. Embassy Addis Ababa.
ኣምባሳደር ማይክል ረይነር
ዋሽንግተን — 
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ዕግርግርን ምጥፋእ ህይወትን ከምዝተሓሳሰቦም ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ገሊፆም።
ብኻልእ ዜና ትማሊ ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝተጀመረ ሞዕጻው ዕዳጋን ኣድማ ስራሕ ደው ምባልን ሎሚ እውን ከምዝቐፀለ ምንጭታት ገሊፆም።
ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ኣብ ናይ ኤምባሲ ናይ ፌስቡክ ገፅ ኣብ ዘውፅእዎ መልእኽቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኢትዮጵያ ከባቢታት ዘሎ እዋናዊ ኩነታት መበገሲ ዝገበረ እዩ።ብፍላይ ድማ ህይወት ሰባት ዝጠፍአሎም ግጭታትን ሰልፍታትን ኣብ መልእኽቶም ትኹረት ተዋሂቡዎ’ሎ።
ሰባት ሓሳቦም ብሰላማዊ መንገዲ ክገልፁ ክፍቀደሎምን ከምኡ ክገብሩ ከምዝኽእሉ መረጋገፂ ክህልዎምን ኣለዎም ኢሎም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብ መልእኽቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምቲ ክገልፁ ከለው ምጥቓም ቀታሊ ዝኾነ ሓይሊ ህውከት ኣብ ዝተውሓወሶ ሰልፊ’ዃ እንተኾነ ናይ መወዳእታ መማረፂ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።
ሰልፈኛታት እውን እንተኾኑ ሓሳባቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ ክገልጹ ከምዘለዎም ምዒዶም ኣለው።ፖለቲካዊ ስራሕ ትካላት ብምሕያል ጥራሕ እምበር ብምጥፋእን ንብረት ብምዕናውን ክኸውን ይብሉን ኢሎም።
ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ሃገሮም ምስ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብኣጋርነት ንምስራሕ ከም እትደልይ ብምሕባር ብመንግስቲ ዝተገለፁ ናይ ለውጢ ስጉምትታት ናብ ስሉጥን ጭቡጥ እንተድኣ ተቐይሮም ኢትዮጵያ ክተዕወተሎም ትኽእል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊፆም ኣለው ።ናይቶም ኣምባሳደር መልእኽቲ ንከብርሁ ዝተዓደሙ ወሃቢ ቃል ናይቲ ኤምባሲ ኒኮላስ ባርነት ከምዚ ኢሎም።
“ትኹረትና ኢትዮጵያ ንኩሎም ዜጋታት ብሩህ ዝኾነ መፃኢ ተስፍ ክትሃንፅ ምሕጋዝ እዩ።እንታይ ክኸውን ከምዘለዎን ከመይ ክብጻሕ ከምዝክኣልን ምዝራብ ግን ናይ ኣሜሪካ ቦታ ኣይኮነን።ንዘራረበሎም ዘለና ነዚ ምፍጣር እቶም መትከላት ጠቐምቲ ምዃኖም እዩ።”
ኣሜሪካ ዲሞክራሲያዊ ለውጥታት ብቕልጡፍ ክሳለጡ፣ሰብኣዊ መሰላት ክኸበሩ፣ኣስታፊ ልዝብ ዝካየደሉ ኩነታት ክፍጠር ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ከምዝፀንሐት ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ሓቢሮም።
ብኻልእ ዜና ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ትማሊ ዝጀመረ ናይ ዕዳጋ እገዳን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማን ሎሚ ብሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተዓጀበ ተፈሊጡ።
እዞም ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ብዘይገለ ዕግርግር ምዝዛሙ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩንሀ ገምታ ፓርቶም ኣብዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተሳቲፎም ከምዘይብሉ ብምግላፅ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ኣባላቱ ግን ከምዜጋ ምስታፎም ሓቢሮም።
“ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማን ምዕፃው ዕዳጋን ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ምክያድ ይርከብ።ሓሓሊፉ ግን ግጭታት ከምዝነበሩ ተረዲኢና ኣለና።”
ኣርጆ ዴደሳ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር ተኽሊ ቓንጫ ሽኮር ብሓዊ ከምዝተባርዐ እውን ኣቶ ጥሩነህ ገሊፆም ኣለው።
ኣብ መብዛሕቲኦም ከተማታት ኣብ ዝተኻየዱ ስልፍታት ዝተለዓሉ ጭርሖታት እውን ዝተኣስሩ ፖለቲካዊ እሱራትን ጋዜጠኛታትን ይፈትሑ ብብልሽውና ዝኽሰሱ ሰበስልጣን መንግስቲ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ ዝብሉ ከምዝርከቡዎም ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ደብረዘይት ወይ ቢሾፍቱ ሎሚ ኣሽሓት ዝተረኸብሉ ሰልፊ ከምዝነበረ፣ናይ ውልቂ ይኹን መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ተዓፅዩ ከምዝወዓለን ኣቶ ለገሰ ታደሰ ዝተባህሉ ነባሪ እታ ከተማ ሓቢሮም ኣለው።
ኣብ ኣርሲ ቦቆጂ እውን ተመሳሳሊ ሰልፍን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማን ከምዝነበረ ነበርቲ ገሊፆም።
“ብኻልእ ዜና ካብ ሰራሕተኛታት መንግስትን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ይረኽቡዎ ዘለው ድጋፍ ናይቲ ህዝቢ ቓልሲ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምኻዱ እዩ ዘርኢ ኢሎም ኣቦ ወንበር ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና።ትማሊ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ ናይ መንበሪ ገዛ ዶ/ር መረራ ትማሊ ብምርካብ ዝኸፈልኩምዎ መስዋእትነት ንዓና እውን ክብሉ ህያብ ከምዝለገስሎም ተፈሊጡ።”
ካብቶም በፃሕቲ ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ ከምዝርከቡዎም ኣተሓበበርቲ ዝገለፁ ክኾኑ ከለው ዕላምኡ ድማ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ሰራሕተኛ መንግስቲ ከምዚ ኢሎም።
“ናብዚ መፂእና ክነሕልፎ ዝደለና መልእኽቲ ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ንሰርሕ ሰራሕተኛ ንሶም ዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ኣብ ጎኖም ደው ከም እንብል ወይ ድማ ንሶም ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ንርእሶም ጥራሕ ከይኮነስ ንዓና እውን ስለዝኾነ ነዚ ንምድጋፍ እዩ።”
ዶ/ር መረራ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ደገፍ ህዝቢ ካብ ከንቲባ ከተማ ጀሚሩ ናይ ፖሊስ ዓጀባን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሮም።
“ሎሚ ኣብ ኦሮሚያ ዝርከብ ህዝቢ ንመሰሉን ክብሩን፣ህዝቢ ኦሮሞ የካይዶ ዘሎ ቓልሲ ኣብ ጎኑ ደው ክብል እዩ ኢሉ ይንቀሳቐስ እዩ ዘሎ።ፍርሖም ተቐንጢጡ ክንድ’ዚ ዝኣክል ሰራሕተኛ መንግስቲ ተኣኪቦም መፂኦም ሽልማት ምሃቦም ናይ ብሓቂ ናይ ህዝብና ቓልሲ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝተጉዓዘ ይመስል።”
ዶ/ር መረራ ሓዊሱ ኣቶ በቀለ ገርባን ካልኦትን መራሕቲ ፖለቲካ ዝተፈትሑ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምስፋሕ ምዃኑ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ምግላፁ ይፍለጥ።

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events