World News

ቢቢሲ / ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ተኣዊጁ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 16 February 2018

ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ተኣዊጁ

ቢቢሲ  ለካቲት 16, 2018

ቀዳማይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሳለኝ

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ሎም መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ፖሊቲካን ፀጥታን ምስ ዘተየ'ዩ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኣዊጁ።

አንቀጽ 93 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከንብር ይኽእል እዩ።

ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ኣብ ገለ ኸባቢታት ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን፡ ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ዝዘርግ ናብ ሓደጋ ዘጥሕልን ኩነታት ከምዝተፈጠረ እቲ መግለፂ ይሕብር።

ብተወሳኺ ድማ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተርአየ ናዕቢ ባህሊ ሓቢርኻ ምንባር ዝጥሕስ፡ ምንቅስቓስ ስራሕ ዉልቀን መንግስትን ዘተኣጓጉል፡ ልዕልነት ሕጊ ዘዳኽም፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ብሓይሊ ዝተሓገዘ ስርዓት ኣልቦነት ዘንግስን ከምዝኾነ ኣብሪሁ'ሎ።

እቲ ኩነታት "ህይወት ብዙሓት ዘጥፈአን ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ክበፅሕ ዝገበረን፡ ቑጠባ እታ ሃገር እናተጎድአን ንብረት እናዓነወን፡ ብሰላም ወጺኣካ ናይ ምእታዉ ጸገም እናተሃወኸ" ከምዘሎ ብምግላፅ በቲ በቲ ዝተፈጠረ ናዕቢ ስግኣት ዝበፅሖም ህዝብታት መንግስቲ ሓለዋ ሕጊ ክገብረሎም ብመሰረት ዘቕረቡዎ ሕቶ ከምዝኾነ ድማ እቲ ብኢቢሲ ዝተፈነወ መግለፂ የመልከት።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኃ/ማርያም ደሳለኝ አካል ፍታሕ እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ንምዃን ካብ ስለጣኖም ንምልቃቕ ደብዳበ ምእታዎም ይዝከር።

መን ይትከኦም ይኸውን ዝብል አዘራረቢ ኾይኑ ቀፂሉ እናሃለወ እዩ እዚ ውሳነ መንግስቲ ተሰሚዑ።

"ኣካል ፍታሕ ንምዃን ካብ ስልጣነይ ንምውራድ ሕቶ ኣቕሪበ'ለኹ" ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም

መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ተንተንቲ ፖሊቲካን ዋላ እኳ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ መዘንቶም እንተወረዱ፡ ካብ መሰረቱ ለውጢ እንተዘይመፂኡ፡ ኣፈላላይ የብሉን ክብሉ'ዮም ዝሙጉቱ።

ምልቃቕ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣይተ ኃይለማርያም ደሳለኝ ዕላዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ መስራቲ ውድብ ዓረና ኣይተ ገብሩ ኣስራት፡ ብመንፅር ኣብታ ሃገር ዘሎ ዕግርግርን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ደንጉዮም እዮም ይብሉ።

"ውፅኢት ናይቲ ኣብዛ ሃገር ዝተፈጠረን እናተብኣኣሰ ዝቐፀለን ዘይምርግጋዕ'ዩ። ብገምጋም ምርድዳእ ዝተገበረሉ ደኣምበር ሃንደበት ዝተወሰነ ውሳነ'ውን ኣይመስለንን" ይብሉ ከቢድ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ኢትዮጵያ ብናይ ሓደ ሰብ ካብ ስልጣን ምውራድ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ብምሕባር።

"ክሳብ ታሕቲ እናወረዱ ዝገብርዎም ገምጋማት'ውን ፍታሕ ዘምፅኡ ኣይኮኑን። ኣብቲ ፓርቲ'ዩ መሰረታዊ ለውጢ ዘድሊ" ዝብሉ ኣይተ ገብሩ፡ ሕቶታት ዴሞክራሲ፣ ናፅነት ህዝቢ፣ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሕቶታት ምላሽ ክህብ ዝኽእል ውሳነ ከምዘድልይ ተዛሪቦም።

"ኢህወደግ እቲ ፀገም በይኑ ክፈትሖ ኣይኽእልን፤ ኣብዚ ጉዳይ ይምልከተና እዩ ዝበሉ ኩሎም ኣካላት ዘሳተፈ ሃገራዊ ዘተ ክግበር ኣለዎ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግና ነታ ሃገር ናብ ዘየድልይ ቅልውላውን ኩናት ሕድሕድን ክተምርሕ ትኽእል እያ" ኢሎም ኣይተ ገብሩ ኣስራት።

መራሒ ውድብ ኢዴፓ ነበር ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብወገኖም፡ "መንግስቲ ናይ ኣመራርሓ ክፍተት ከምዘለዎ፣ ክመርሕ ከምዘይከኣለን ሕግን ስርዓትን ክኽበሩ ምግባር ከምዝተስኣኖን ግልፂ እዩ ኜዕዑ። እዛ ሃገር ምስ ዘላትሉ ዘይተረጋግአ ፖለቲካዊ ኩነታት እንትረአ ትፅቢት ዝግበረሉን ኣገዳስን ውሳነ'ዩ" ይብሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ግና ለውጢ ኣተሓሳስባ መጺኡ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከሰጋግር ዘኽእል ትኽክለኛ መመሓየሺ ስጉምቲ ክዉሰድ እንተዘይተኻኢሉ ሰብ ብምትካእ ዝመጽእ ለዉጢ ከምዘየሎ ይዛረቡ።

ብኻልእ ወገን ካብ ዘረባ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘይተረዳእናዮ ነገር ኣሎ ዝብሉ ኣይተ ልደቱ፡ ግደ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር እንታይ ከምዝኸውን፣ ሲቪል ምሕደራ ከመይ'ዩ ክቕጽል ክብሉ ይሓቱ።

"እዚ ስጉምቲ ምምሕያሽ ካብ ኢድ ኢህወደግ ወፂኡ፡ ብኣዋጅ ምምሕያሽ ዝሰርሕ ኮሚሽን ብምጥያሽ፡ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ልዝብ ክግበር ኣለዎ" ዝብሉ ኣይተ ልደቱ ኢህወደግ በዚ መንገዲ ክንደየናይ ተዳሊዉ ዝብል ግና፡ ንኣይተ ልደቱ ግልፂ ኣይኮነን።

ምሁር ታሪኽ ኣይተ ኣበባዉ ሙላቱ ድማ፡ ካብ መደረ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር "ኣካል መፍትሒ ክኾኑ ብዘይምኽኣሎም ካብ ስልጣኖም ክለቁ ከምዝወሰኑን ኣብታ ሃገር ዘሎ ፀገም ንምፍታሕን ዝተልዓሉ ሕቶታት ንምምላስን ከምዝወሰኑ እየ ተረዲአ" ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር፡ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ኣይፈልጥዎን። ካብ ፈለማ ናብ ስልጣን እንትመፅኡ፡ ብሙሉእ ስልጣኖም ንከይሰርሑ ንይመሰል ዝተቐመጡ ነይሮም ዝብል፡ ርኢቶ ብዙሓት እዩ ነይሩ ዝብሉ ኣይተ ኣበባው፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሳለኝ በዚ ውሳንኦም ክሙገሱ ይግባእ ኢሎም።

"ኣካል ፍታሕ ንምዃን ካብ ስልጣነይ ንምውራድ ሕቶ ኣቕሪበ'ለኹ"

ቀዳማይ ሚንስትር ኃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ቀዳማይ ሚንስትርነቶምን ኣቦ-መንበርነት ኢህወዴግን ንምውራድ ሕቶ ኣቕሪቦም።

ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈጠሩ ዘይምርግጋኣት ህይወት ሰባት ምጥፍኡ፣ ሰባት ካብ ከባቢኦም ምፍንቓሎምን ምትእጉጓል ምንቅስቓሳት ኢንቨስትመንት ከምዝተፈጠረን ተዛሪቦም።

ኢህወዴግ ኮነ መንግስቲ'ውን ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሮም። "ስለዝኾነ ድማ ንዕውትነት እዞም ምምሕያሻት ብምሕሳብ ብገዛእ ፍቓደይ ኣብ ኢህወዴግን መንግስትን ዝነበረኒ ሓላፍነት ንምልቓቕ ሕቶ ኣቕሪበለኹ" ኢሎም።

ደኢህዴንን ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግን ድማ ንሕትኦም ቅቡል ገይሮም ኣለዉ።

ሕቶኦም ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝረክብ ብቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ድማ ሕቶኦም ተቐባልነት ክረክብ ተስፋ ገይሮም።

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events