World News

ድምጺ ኣመሪካ / "ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተወሰነ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብትሪ ንቃወሞ" መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 17 February 2018

"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተወሰነ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብትሪ ንቃወሞ" መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

ቀዳም 17 ለካቲት 2018  ዊንታ ኪዳነ


ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተወሰነ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብትሪ ከምዝቃወሞ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ: እቲ ኣዋጅ ንዘጠቓልሎ ገደብ መሰረታዊ ናጽነታት መሰል ምእካብን ሓሳባትካ ምግላጽን ተቓዊምዎ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ: ንጎነጽን ምጥፋእ ህይወትን ሻቕሎት መንግስቲ ከምዝካፈል ዝጠቐሰ ክኸውን እንከሎ፤ እቲ ናይዚ ፍታሕ ግን ዝዓበየ ናጽነት ምሃብ እንበር ናጽነት ምቕናስ ከምዘይኮነ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።
ኢትዮጵያ ኣጋጢምዎ ዘሎ ብድሆታት ዲሞክራስያዊ ተሃድሶ: ቁጠባዊ ዕብየት ወይድማ ነባሪ ርግኣት ብኣሳታፊ ልዝብን ፖለቲካዊ መስርሕን ክፍታሕ ዝግብኦ ድኣ'ዩምበር ገደብ ብምትግባር ከምዘይኮነ እቲ ካብቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝተረኣየ ኣወንታዊ ስጉምታት ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ፖለቲካዊ ሱታፌን ምፍታሕ እሱራትን ዘዳኽም'ዩ ክብል ድማ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። ። ኢትዮጵያውያን ሓሳባቶም ብሰላማውን ናጻን ኣገባብ ከይገልጹ ገደብ ምግባር ድማ ድምጾም ከምዘይተሰምዐ ምልክት ዝህብ ሓባሪ መልእኽቲ'ዩ ኢሉ።
እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘመሓላለፎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ዳግማይ ክሓስበሉ "ብጽኑዕ ነተሓሳስብ” ከምኡ`ውን፡ ህይወትን ንብረትን ህዝቢ ንምሕላው ካልእ መንገዲ ከላልን፡ ንዘላቒ ደሞክራሲ መንገዲ ዝኸፍት ትርጉም ዘለዎ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ልዝብን ከስፍሕን ነተሓሳስብ ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ።
--

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ዝወጸ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕ`ዩ ኢሉ ሚንስተር ምክልኻል`ታ ሃገር

ቀዳም 17 ለካቲት 2018  ተወልደ ወልደገብረኤል


ሚንስተር ምክልኻል ኣቶ ሲራጅ ፈርጌሳ

ዋሽንግተን — 
ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ኣዋጅ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ናብ ቤትምኽሪ ወከልቲ ቀሪቡ ምስ ጸደቐ ንሹድሽተ ኣዋርሕ ተግባራዊ ከምዝኸውንን፡ ኣብ ኩሉ ከባብታት`ታ ሃገር ተግባራዊ ከምዝኸውንን ተሓቢሩ`ሎ።
ንጋዜጠኛታት ዝተዋህበ መግለጺ “ ካብ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ዝተዋህበ መግለጺ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ነቲ መግለጺ ዝሃበ ሚንስተር ምክልኻል ኣቶ ሲራጅ ፈርጌሳ፡ ነቲ ኣዋጅ ንምፍጻም ሓዲሽ “ወተሃደራዊ እዚ” ከምዝቐውም ተዛሪቡ።
ብመሰረት`ቲ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ “ ዝኾነ ሁከትን ረብሻን ዝገብር፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምጥርጥራትን ምቅሕሓርን ዝፈጥር፡ ብዕልን ብሕቡእን ትኹተዃ ዝገብሩ፡ ጽሑፋት ምድላውን ኣሕቲምካ ምዝርጋሕን፡ ሰልፊ ምውጻእ፡ ብምልክት ምግላጽ ወይ ድማ መልእኽቲ ብዝኾነ ካልእ መንገዲ ንህዝቢ ወግዓዊ ምግባር ክልኩል`ዩ” ይብል።
እቲ ዝቐውም ወተሃደራዊ እዚ ኣድላይ ኢሉ ምስ ዝኣምን “ ዝኾነ መራኸቢ ሜላታት ክዓጹን ከምዝቋረጽ ክገብርን ይኽእል`ዩ፡ ኣብ ኣደባባይ ሰልፊ ምውዳብን፡ ብጉጅለ ኮይንካ ምንቅስቓስን ይኽልክል“ ኢሉ`ሎ።
ብተወሳኺ ኣዋጅ ሰዓት ሕላፍ ተፈጻሚ ዝኾነሉ ኩነታት ከምዝውሰን ብግላጽ “ እቲ ናይ 6 ወርሒ ኣዋጅ ምንዋሕ እንተድልዩ`ውን ኩነታት ተገምጊሙ ንተወሳኺ 4 ኣዋርሕ ክናዋሕ ከምዝኽእል ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ`ቲ እዋን ኣፍሊጡ`ሎ።
ብኻልእ ወገን ሕጂ መግለጺ ዘውጽአ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ “ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘውጽኦ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ ፍጹም ኣይንሰማማዕን” ብምባል እቲ ኣዋጅ መሰረታዊ መሰላት ዝግድብ`ዩ ኢሉዎ`ሎ።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events