ብቅድሚ ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ዋና ጸሓፊ አርበኞች ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ አወንታዊ ምይይጥ ከምዝገበሩ ገሊጾም።
ንሶም ብተወሳኺ ዝጀመርዎ ቃልሲ ከምዝቅጽልዎ’ውን ኣፍሊጦም።
አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ቅድሚ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ የመን ሰንዓ ብኸመይ ሓይልታት ጸጥታ የመን ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎም ክገልጹ ከለው ብመንገዲ ኣየር የመን ስለዝተጉዓዙ ዝፈልጥዎም ሰባት ርእዮም ናብ ኢትዮጵያ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ቀሊል’ዩ ድሕሪ ብምባል ከምዚ ኢሎም።