World News

Tigrigna.VoaNews.com: ኣቶ እንዳርጋቸው ጽጌ ምስ ቀ/ሚ ኣቢይ ተራኺቦም

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 03 June 2018


 

ስምዓዮ፡ "ናብ ቃልሰይ ክምለስ`የ"

https://tigrigna.voanews.com/a/interview-andargachew-tsegie/4418230.html

Exclusive Interview With Andargachew Tsige

https://www.youtube.com/watch?v=3tJamaQJMd0

ብቅድሚ ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ዋና ጸሓፊ አርበኞች ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ አወንታዊ ምይይጥ ከምዝገበሩ ገሊጾም።

ንሶም ብተወሳኺ ዝጀመርዎ ቃልሲ ከምዝቅጽልዎ’ውን ኣፍሊጦም።

አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ቅድሚ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ የመን ሰንዓ ብኸመይ ሓይልታት ጸጥታ የመን ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎም ክገልጹ ከለው ብመንገዲ ኣየር የመን ስለዝተጉዓዙ ዝፈልጥዎም ሰባት ርእዮም ናብ ኢትዮጵያ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ቀሊል’ዩ ድሕሪ ብምባል ከምዚ ኢሎም።

 

“ኣብዚ በረራ’ዚ አሎ ዝብል መልእኽቲ ናብ ደሕንነት ኢትዮጵያ ንምትሕልላፍ ሰባት ብቀሊሉ ዝኽእልሉ ኩነታት’ዩ ዝኾነ ይኹን ውዲት ኣይረኣየንን። ናይ አጋጣሚ’ዩ እዚ ምስ ፈለጡ ኸአ ንደሕንነት የመን ክከፍልዎ ዝኸአሉ ኹሉ ኸፊሎም ብገንዘብ ዝሰርሕዎ ስራሕ’ዩ ዝመስለኒ ካልእ ውዲት ወይ ምስጢር ዘለዎ ነገር ኣይኮነን ኣነ ክሳብ ዝርደኣኒ።”

ትርጉም ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ቃለ መጠይቅ አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

 

 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events