World News

BBC.com: "ባድመ ናብ ዋጋ ዕዳጋ እትቐርብ ኣይኮነትን" ኣማሓዳሪ ባድመ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 08 June 2018

08/06/2018
ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ
Image copyrightMARCO LONGARI

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ተግባራዊ ክገብር ወሲኑ'ሎ። በዚ መሰረት ንባድመ ሓዊሱ ካልኦት ንኤርትራ ዝተወሰኑ ከባብታት ዶብ ኣሕሊፋ ክትህብ ትፅቢት ይግበር።

ይኹን ዳኣ'ምበር እቲ ውሳነ ፖለቲከኛታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ነበርቲ'ውን ቅርታ ኣሕዲሩ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ ቅም ንምግላፅ ካብ ሞንጎ ዝተዳለዉ ከባብታት ሓንቲ ድማ ወረዳ ኢሮብ እያ።

ኣይተ ወልደማርያም ብስራት ዝተባሃሉ ነባሪ፡ እቲ ህዝቢ መንነቱ ንምርግጋፅ ክሳብ ናብ ውድብ ሃገራት ዓለም ዘቕረቦ ጥርዓን ከምዘሎ ብምዝኽኻር "መንግስታት ክልትኤን ሃገራትን እቲ ዓለማዊ ውድብን ነዚ ጉዳይ ብምርኣይ ፍታሕ ንኽህቡ እናተቓለስና ኢና" ኢሎም።

ነቲ ውሳነ ከምዘይተቐበልዎን ከምዝቃወምዎን ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ባድመ ኣይተ ጥላሁን ገብረመድህን፡ ህዝቢ እታ ከተማ ንሰላም ከቢድ መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ብምዝኽኻር፡ በቲ ናይ ሕዚ ውሳነ ግን ቅርታ ከምዝሓደሮም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"ባድመ ናብ ዋጋ ዕዳጋ እትቐርብ ኣይኮነትን። ካብ ቀደም ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝፀንሐት'ያ" ይብሉ።

ኣብ ፅባሕ ስምምዕ ኣልጀርስ ንዝተወሰነ ውሳነ ከምዘይቅበልዎ ክዛረቡ ከለዉ "ዘዳብወና ሩባ መረብ'ዩ። መረብ ምላሽ ዘሎ ቦታ ናትና'ዩ። ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ደላዪ ሰላም'ዩ። ሰላም ግን ብድልየት ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ብዝመፅእ ድልየት ጥራሕ ዝሰምር ኣይኮነን" ኢሎም።

ፈፃሚት ስራሕ መራሒ ውድብ ኢህወዴግ ግና ምእንተ ሰላም ክልቲኦም ህዝብታት ብዝብል ንብይን ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር ወሲኑ።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events