World News

(ቢቢሲ) "ጋሻ ኣለና ተዳለዉ" ምምሕዳራት ኤርትራ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 07 July 2018

"ጋሻ ኣለና ተዳለዉ" ምምሕዳራት ኤርትራ


7 ሓምለ 2018 
ህዝቢ ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ ከረንን መንደፈራን ንጽባሕ ሰንበት ዝኣቱ ጋሻ ክቕበሉ ካብ ሰዓት 7:30 ንግሆ ኣትሒዞም ናብ ጎደናታት ክውጽኡ ብምምሕዳራት ከምእተሓበሮም ምንጭታትና ሓቢሮም። መንእሰያትን ተምሃሮን ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ዕዳጋ ሓሙሰን ፓራዲዞን ድሮ ንኢትዯጵያውን ኣጋይሽ ንምቕባል ባነራትን ታቤላታትን ክጽሕፉ ከምዝጀመሩ እውን ተፈሊጡ።

ነበርቲ ከረን ግን ጋሻ ከምዝመጽእ እምበር እቲ ጋሻ መን ምዃኑን መዓስ ከምዝኣቱን ከምዘይተግሩ ገሊጾም።

ይኹን እምበር ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት ባንዴራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ተሰቒሉ የምበልብል ስለዘሎ እቲ ጋሻ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንኣስመራ ክበጽሕ ምዃኑ ምንዮቱ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ትማሊ፡ ዓበይቲ ስነጥበባውያን ኤርትራ " ጋሻ'ለኪ ኣስመራ" "ንሰላም ብሰላም" ዝብልን ካልእን ግጥምታት ኣብ ገጻት ፌይስ ቡኮም ለጢፎም።

ምስ ህሉው ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ኩነታት ኢትዮ ኤርትራ ብምዝማድ ከኣ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ዘዘራረብናዮም ሰባት እቲ ጋሻ ዶር ኣቢይ ኣሕመድን መሳርሕቱን እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ ይብሉ።

ምንጭታትና እቲ ንኤርትራ ዝመጽእ ጋሻ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ክኸውን ከምዝኽእል እኳ እንተገለጹልና፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ብመንግስቲ ኤርትራ ይኹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

እቲ ጋሻ እንታይ ዓይነት መጓዓዝያ ከምዝጥቀምን በየን ከምዝኣቱን እውን ዛጊት ዝተፈልጠ ሓበሬታ የሎን።

Presentational grey line

ታሪኻውን ፖለቲካውን ፍመታት ኣብ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን

  • 24 ግንቦት 1993: ኤርትራ ብ99.8% ድምጺ ህዝበ ውሳነ፡ ከም ናጻ ሃገር ናጽነታ ኣዊጃ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ናጻ ሃገር ብወግዒ ተፈሊጣ ኣንዴራኣ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰቂላ
  • 6 ግንቦት 1998: ኲናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ጀሚሩ።
  • 1998-2000: ኲናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ቀጺሉ፡ ብክልቲኡ ሸነኽ ኣስታት 70,000 ሰባት ሞይቶም።
  • 18 ሰነ 2000: ኲናት ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተፈሪሙ።
  • 12 ታሕሳስ 2000: ውዕል ኣልጀርስ ተፈሪሙ።
  • 13 ሚያዝያ 2002: ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ "ናይ መወዳእታን ቀያድን" ብይኑ ሂቡ።
  • ለካቲት 2002: ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንድፊ ሕጊ ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣጊዱ።
  • ሕዳር 2005: ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ናይ 2000 እማመ ሰላም እንተዘይተቐቢሎም እገዳ ከምዝግበረሎም ሐሓቢሩ።
  • 2 ሚያዝያ 2018: ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ ዕለት ምስ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰላም ክፈትሖ ከምዝደሊ ብዕሊ ገሊጹ።
  • 5 ሰነ 2018፡ ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወደግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምዝቕበሎ ገሊጹ።
  • 20 ሰነ 2018፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰድድ ገሊጹ።
  • 26 ሰነ 2018፡ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

  • "ጋሻ ኣለና ተዳለዉ" ምምሕዳራት ኤርትራ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events