World News

(ቢቢሲ) ኢትዮጵያዊ ኢንጅነር ህዳሰ ግድብ ስመኘው በቀለ ኣብ መኪንኡ ሞይቱ ጸኒሑ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 26 July 2018

ኢትዮጵያዊ ኢንጅነር ህዳሰ ግድብ ስመኘው በቀለ ኣብ መኪንኡ ሞይቱ ጸኒሑ

መኪና

ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መኪንኡ ሞይቱ ተረኺቡ።

ሬስኡ ሎሚ ንጉሆ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝተረኸበ እንትኾን፡ ፖሊስ ንምርመራ ናብ ሕክምና ንምውሳድ ምድላው ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ምኽንያት ሞቱን ዝርዝሩን ዛጊድ ኣይተፈልጠን።

ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ሞይቶም ዝተረኸቡላ ላንድ ክሩዘር ኢት፡ A29722 ቁፅሪ ታርጋ ዘለዋ መኪና ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ መስቀል ኣደባባይ ደው ኢላ ዘላ እንትትኮን፡ ኣብቲ ኸባቢ ብዝሕ ዝበሉ ኣባላት ፀጥታ ይረኣዩ።

ምርመራ ፎረንሲክ ድማ ይካይድ ኣሎ።

ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብርክት ዝበለ ሰብ ተኣኪቡ ነቲ ኹነታት ይዕዘብ ኣሎኣብ መስቀል ኣደባባይ ብርክት ዝበለ ሰብ ተኣኪቡ ነቲ ኹነታት ይዕዘብ ኣሎ

ቢቢሲ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝምልከት ከዘራርቦም ትማሊ ናብቶም ኢንጅነር ደዊሉ ዝነበረ እንትኾን፤ እቲ ፕሮጀክት ፅቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ገሊፆም ነይሮም።

ኢንጅነር ስመኘው መን እዩ?

ቅድሚ ሸዉዓተ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ሩባ ኣባይ ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ዝሳተፈሉ ገዚፍ ፕሮጀክት ጸዓት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ጉባ ክሃንጽ ወግዓዊ እንትገብር፡ ነቲ ፕሮጀክት ከፈጽም ብሓላፍነት ዝሃቦ ንኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ ነይሩ።

ኢንጂነር ስመኘው በቀለGETTY IMAGES

ክሳብ ሕጂ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኾይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢንጅነር ስመኘዉ በቀለ፡ ኣካል ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ሩባ ኣባይ'ዉን እዩ ነይሩ።

ኢንጅነር ስመኘው ኣካያዲ ስራሕ ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግልገል ግቤ 3 ኾይኑ'ውን ኣገልጊሉ እዩ።

እቲ ኢንጅነር ብዘለዎ ድሕረ ባይታ ትምህርቲ፣ ተሞኩሮን ክእለትን ብብዙሓት ዝንኣድ እንትኾን፡ ኣብ ዓበይቲ ሃገራት እንተዝሰርሕ ዚያዳ ኣብ ኢትዮጵያ ኾይኑ ካብ ዝረኽቦ ኣታዊ ክረክብ ይኽእል ከምዝነበረ ይንገረሉ።

ልዑል መጠን ዋዒን ሓያል ዝርግሐ ጣንጡን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዝህነጽ ዘሎ ንኢትዮጵያዉያን "ታሪኻዊ" ዝበሃል ግድብ ንምህናጽ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራሕተኛታትን ከበድቲ ናውቲ ህንጸትን ዝሓትት ፕሮጀክት ምምራሕ ቀሊል ዕዮ ኣይነበረን።

ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብቶም ዝሓለፉ ሸዉዓተ ዓመታት ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ ዑደት ገይሮም'ዮም።

ልዕሊ 200 ትካላት ሚዲያ፣ ዲፕሎማትን ልኡኻትን'ዉን ዑደት ገይሮም'ዮም።

ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣባይ 6540 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፍሪ ብዘኽእል ዓቕሚ ክህነጽ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events