World News

(ድምጺ ኣመሪካ) ኣምባ. ጅቡቲ ኣብ ሶማል ንጻውዒት ምልዓል እገዳ ኤርትራ ብፕረ. ሶማል ነቒፉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 01 August 2018

ኣምባ. ጅቡቲ ኣብ ሶማል ንጻውዒት ምልዓል እገዳ ኤርትራ ብፕረ. ሶማል ነቒፉ


ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን
ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን

ዋሽንግተን/ሶማል — 

ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል: ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ንሕቡራት ሃገራት ዘቕረብዎ ጻውዒት መንግስቲ ሪፖብሊክ ጅቡቲ ምሕዛኑ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ብመገዲ ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል ሎሚ ባሕቲ ነሓሰ ዝወጸ መግለጺ- “ሶማል ከም ልኡላዊት ሃገር ምስ ዝኾነት ሃገር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት መሰላ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ: እንተኾነ ከም ሶማል ዝአመሰለ ሓው ጅቡቲ ዝኾነ መንግስቲ: መሬትን እሱራት ጅቡትን ንዝሓዘ መንግስቲ ኤርትራ ድጋፍ ክህብ ግን ቕቡል ኣይኮነን ” ኢሉ ።

ፕረዚደንት መሓመድ ከም ፕረዚደንት ሓው ሃገረ ሶማል፡ ኣብ መግለጺኡ ንጉዳይ ዶባዊ ሽግር ኤርትራን ጅቡትን ክጠቕሶ ይግባእ ነይሩ ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል፥ ፕረዚደንት መሓመድ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሪፖብሊክ ጅቡቲን ዘሎ ናብ ዶብ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍትሓሉ መንገዲ ክጽውዕ ይግባን ኔሩ ክብል ብተወሳኺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ብዝተፈጥረ ናይ ዶብ ግጭት ጅቡቲ ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈለትን እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈትሓን ብምግላጽ: ሶማል ነቲ ንኤርትራ ትህቦ ደገፍ ንጅቡቲ ቅቡል ከምዘይኮነ'ዩ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን ነዚ ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ: መግለጺ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላህ መሓመድ ኣብ ጉዳይ ምልዓል ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ "ኣዝዩ ዘሰንብድ" ክብል ገሊጽዎ።

"ዞባዊ ሰላምን ዕብየንት ዝምጽእ ኩሉ ንድግፎ ኢና። እንተላይ ዲፕሎማውያዊ ምብጻሕ ኣብ ሞንጎ ሃገራት" ዝበለ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን "ይኹንምበር ቁጠባን ኣህጉራዊ ምስልን ጅቡቲ ክጎድእ ተሓሲቡ ንዝካየድ ግን እቲ ደረጃ ሓሊፍናዮ ኢና" ክብል ብተወሳኺ ንድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ።




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events