World News

***ኩራዕ ተሓበን***ብገዲም ተ/ ኣሸናፊ ኣብርሃም / 2018 ጀርመን ***

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 13 November 2018

 ***ኩራዕ ተሓበን**
ብመጀመርያ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ደገን ፥ኣብ ምክልኻል ኡእላውነት  ንኻልኣይ ገድሊ ኣብ ፈታኒ እዋን ዝተጸመድካ ሓይልታት ምክልኻል፥ንክቡር ዘይጸዓድ 
ኣድሃ ነቢይ  ክቡር ፕረስደንት ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፥እንቋዕ ፍረ ናይቲ ከቢድ ሓልክን ፥ጽንኩር ጽንዓት ዝሓተተ መኸተን  ምህርቱ ምሕፋስ በጻሕካ ይብል ።
እዋን ጽማመን ንኽሰትካ ኣብ ዕላማ ተነጽረሉን፣በቲ ሓደ ወገን ድማ እዋን ተፈራረድን ወለቕ ዘለቕን  ዝረኣኻሉ ሓያል ቁርቁስ ሲዒርካ ናብ ድርኩኺት ዓወት ዝበጻሕካ ደጊመ እንቋዕ ሞጎሰካ፤፣!!
ሓድነትካ ዝፈታትን  ተንኮል ሲዒርካ፥ ኣሜን ኢልካ ኣብ እግሮም ከይሰገድካ ፥ንሶም ክፍሕሱ ንስኻን ክትብንጥስ ተረማሪምካ ኢኻ እሞ፣ ኣማስይኡ እንቋዕ ጎይታ ዕድሉን ወናኒ ሓራ መስመሩን 
ምኳንካ ኣመስከርካ ኣንታ ጽኑዕ ህዝቢ ፣ዮሃና ዮሃና !!! ንፋሳት ኔው-ነጀው ከዕለብጡ  ኣይተነኖኻን ፣ እንባ ኮንካ ፥ግዚያዊ ጸገምን ሕሰምን ግዚኡ በሊዑ ከም ዘብቅዕ፣ እከያት ዝጠጅእዎ 
ኣበርዒንካ ምስ ሓይልኻ ዳግም መሰስ ኢልካ ኢኻ እሞ ኩራዕ ።

      ***ኩራዕ**
ሕሱም እዋን ከም ስሙ ክሓስም
ኣብ መትከል ጸኒዕካ ምስ ከውሒ ተላትም
ጽማመኻ ሲዒሩ ሓላለይ ኩራዕ ደጊም
ኣይትዛነ ግና ዝቕረም ኣለካ ቀሪመ መሪም

      ኣብ መኸተ ግንባር ዝባኖም ትድርዕ
ኣብ መጋባእያ ብሓቅነትካ ሞጊትካ ትረትዕ
ወፊርካ በዛ ጽፍርኻ ብጨው ረሃጽካ ተልምዕ
ኣንታ ሕቡን ህዝቢ ክንደይ  ኮን ትጸንዕ

      ኩራዕ ተሓበን
     ደበስ ወጽዓኻ እዩ እዚ ዘመን
     ዓስቢ ጽማመኻ መሊኡልካ ትወን
ኣይምለኽን ዝበልካ ጭራሽ ኣበደን

     እንትርፎ ዛ ንያትካ መን ነይሩ ኣጆኻ ዝበለ
ብንኽሰትካን ጽንዓትካ ሓቦኻ ትልለ
ውሕጅ ተካል ግዜ ምስ ጋዕገልጠሙ
ኣጉሪፍካዮም ኢኻ ኣስናኖም ንዝሓርቀሙ

    ኣበይ ደኣ ኣበሉ ሰብ እከይ ኪዳን ሰንዓ ፎርም
ህጣሞም ዶ ሃጢሙ እኒ ሜሮን እኒ ኤልሳ ጭሩም
ኣበይ ደኣ ተሽርበት  እታ ነውራም ሺላ
ኣላሽ ኣቢልካዮም እኒ በዓል ዳፍላ ጉሒላ

    ኣንታ ጽኑዕ ማእገሩ
  እንቀዓ ሕሰም እተረሩ
ዘፍ ዶ ኣበልካዮም ገበታ ዝገዓሩ
ብግዜ ምሂርካዮም ንዳያት ዝኸሰሩ

    ኩራዕ ተሓበን ኣፍ ልብኻ ንፋሕ
ለጥላጥ ጌርካዮ መድሚድካ ኩርኳሕ
ብዓቕልን ጽሮትን  ትበጽሖ ዝብጻሕ
ተሓቢነልካ ህዝበይ ከውታኻ ኮይኑ ረፍዲ ጋሕጋሕ

     ኣርሓ ዘይዳነ መላኺ ጸበባ
ማይ የዕሚኽካዮም ኣጨሊጥካዮም ሰበባ
መቐለ ዶ ተሸጎጡ ከደምቲ  ተጸንቂቓ ዕምሪ
ሓቅነትካ ሲዒሩ ኩራዕ ተሓበን እንበሪ

    ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
        ጀርመን
       13/11/2018




7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events