World News

ገጽ-መጽሓፍ: “ዘመንያ ግርምቢጥ ዘስደምም እዋኑ”

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 21 November 2018

ኣብ ግዜ ሰውራ፡ “ዘመነ ግርምቢጥ ተካል እዋኑ!” እናተባህለ ክድረፍ ከሎ ይዝከረኩም ዶ? ሎሚ ድማ ዘመነያ ግርምቢጥ ዘስደምም እዋኑ ኢለ ዶ ክጅምሮ!. . . .

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ንወጻኢታት ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) ንምሕጋስ ወይ ንምሽፋን ኢሉ ወፍሪ “Biddho TOUR” ካብ ዘዳሉ እነሆ 11 ዓመት ኣቅጺሩ ኣሎ። ነዚ ወፍርን ዋዕላ መንእሰያትን ዝጻባእ ካብ ከብዲ ኢትዮጵያ ክንደይ ዘይተጻሕፈን ንምፍሻሎም ድማ ክንደይ ወጻኢታት ዘይተገብሮን! ኣይተኻእለን ኣይሰለጦምን ከኣ፡ “እዚ ናይ ሙዚቃ ኮንሰርትን ዋዕላ መንእሰያትን” ሓደ ካብቶም ክምህ ከይበሉ ዝተፈጸሙን ጌይና ዝትግበሩን ዘለዉ ፕሮጀክትታት ህግደፍ እዮም። ሎሚ ዓመት ድማ ንመበል 11 ዓመቶም ደሃዮም ከስምዑና እነዉ ይሸባሸቡ ኣለዉ።

ናይ ሎሚ ዓመት ጉዕዞ ግን እቲ ፍልይ ዘብሎ “በኢትዮጵያን ኣየር መንገድ” ስፖንሰር ዝኾነን ብዲፕሎማሲ ኢትዮጵያውያን ዝተደገፈን ዑደት ምዃኑ እዩ! እዝስ “ዘመንያ ግርምቢጥ ዘስደምም እዋን” ዶ ኣየብልን. . .

ቤተ ቸሩ
ኣምስተርዳም

Bild könnte enthalten: 1 Person, Text


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events