World News

(ቢቢሲ) ኤርትራ፡ ትዕድልቲ ቀይሕ ባሕርን ሮዛዊ ቀላይን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 15 January 2019

ኤርትራ፡ ትዕድልቲ ቀይሕ ባሕርን ሮዛዊ ቀላይን

  • 15 ጥሪ  2019 


ገማግም ባሕሪ ኤርትራMAHEDER HAILESELASSIE TADESE
እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ናይ ኩናትን ወጥርን ዓመታት፡ ዓመታት ሰላምን ቅሳነትን እንተዝነብር ባሕሪ ኤርትራ ንወነንቱን ጎረባብቱን ልዕሊ እቲ ሮዛዊ ዝሕብሩ ቀላይ ሰኔጋል መጠን ኣልቦ ረብሓ መበርከተ ነይሩ።

ሮዛዊ ዝሕብሩ ቀላይ ሰኔጋል መስሕብ በጻሕቲ ካብ ዝኸውን ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ካብ ርእሰ ከተማ ሰኔጋል ዳካር፡ ሓደ ስዓት ርሒቑ ዝርከብ ቀላይ ረትባ፡ ምስ ምዉት ባሕሪ ዝወዳደር ጨው ኣለዎ።

እቲ ካብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብጸቢብ ሑጻ ባሕሪ ዝተፈልየ ቀላይ ''ላክ ሮዝ'' ብፍላይ ኣብ ሓጋይ ጨዋምነቱ ካብ ምውት ባሕሪ ይዛይድ።

ቀላእ ረትባGETTY IMAGES

ምኽንያት ናይዚ ሮዛዊ ሕብሪ ከኣ በቲ ጨው ተሳሒቦም ዝመጽኡ 'ዱናሌላ ሳሊና' ዝተባህሉ ባክተርያ ዝሰዓበ ኢዩ።

እቶም ባክተሪያ ጩራ ጸሓይ ንምስሓብ፡ ቀይሕ ሕብሪ የመንጭዉ፡ እዚ ከኣ ነቲ ቀላይ ፍሉይ ሕብሪ ይህቦ።

ዋላኳ ከምቲ ናይ ቀላይ ሴኔጋል ብሕብሪ እንተዘይኮነ ሓያሎ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ እውን መሕደር ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዓሳታት ዝኾነ ሃብታም ኮራል ሪፍ ከምዘለዎን ርግኣትን ሰላምን ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን መስሕብ በጻሕቲ ብፍላይ ከኣ ጠለቕቲ ውሽጢ ባሕሪ ( ዳይቨርስ) ከምዝኸውን ሓቢሮም ነይሮም።

ሕብሪ ቀላይ ረትባ ሴኔጋል፡ ኣብ ቀውዕን ሓጋይን፡ ማለት ካብ ሕዳር ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን ክደምቕ እንከሎ፡ ካብ ሓምለ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን ክራማት ግን ሃሳስ እዩ። እቲ ቀላይ ኣስታት 3 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ኣብቲ ገማግም ናይቲ ቀላይ ከተማ እትበሃል የብላን።

ዕደና ጨው ኣብ ቀላይ ረትባGETTY IMAGES

ቀላይ ረትባ ብሰንኪ ልዑል ጨዋምነቱ ብዙሓት ሂወታውያን ኣይነብሩሉን እዮም። ግን እቲ ቀላይ ጨው ይዕደኖ በጻሕቲ እውን ይውሕዙዎ።

ናብቲ ቀላይ ምስ እትኸይድ፣ ከም ግራት ጨው ሳሊና ኤርትራ ኣብ ፈለማ ተስዓታት ብዓደንቲ ጨውን ኩምራ ምህርትን መሊኡ ትረኽቦ።

ኣብቲ ቀላይ ምስ በጻሕካ፡ በቲ ጎቦ ዝመስል ዝተኾመረ ጨውን፡ በቲ ሮዛዊ ዝሕብሩ ማይን፡ ወርቃዊ ሑጻ ቀላይ 'ላክ ሮዝን' ትምሰጥ።

ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ግብጺGETTY IMAGES

ኤርትራ ኣብ ሓምሳታት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ምጽዋዕን ዓሰብን፡ ብእትዕድኖ ዝነበረት ጨው ዓመታዊ ኣሽሓት ቶናት ናብ ሃገራት ምዕራብን ርሑቕ ምብራቕን ትልእኽ ከምዝነበረት ሰነዳት ይሕብሩ።

ጨው ንጥዕና ደቂ ሰባት ዘገድስ ሶድዩም ክሎራይድ ዝተባህለ ተደላዪ ማዕድን ኣለዎ።

ኣብ ርእሲኡ ጨው ዝዕሸግ መግብታት ንነዊሕ እዋን ዘጽንሕ ናይ ምዕቃብ ባህሪ ስለዘለዎ ኣብ ኢንዲስትሪታት መግቢ ኣዚዩ ተደላይ እዩ።

ምስዚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ዘሎ ዕርቀ ሰላም ከኣ እዚ ብቐሊሉ ክሕፈስ ዝከኣል ማዕድናዊ ሃብቲ እቶት ሃገር ኣብ ምኽዕባት ናቱ ግደ ክህልዎ እዩ።

ቀላይ ሂሊየርGETTY IMAGES ቀላይ ሂሊየርስለዝኾነ ከኣ እዮም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ባጽዕ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቦይ ባህረ " ሰላም እንተተረኺቡስ ካልእ ይትረፍ ጨውና እኳ ንሸይጥ!" ብምባል ነቲ ብቐሊሉ ዝዕደን ሃብቲ ባሕሪ ዝዘከሩ።

ምስ ባሕሪ ፍሉይ ፍቕሪ ከምዘለዎም ዝዛረቡ ኣቶ ሃይለ እውን " ጸጋታት ባሕሪ እልቢ ስለዘይብሉ ሰላም እንተሰፊኑ፡ ኤርትራዊ ብጸጋታት ባሕሩ ጥራሕ ክመሓደር ዘይክእል ኣይኮነን" ይብሉ ብዙሕ መኽሰብ ክርከቦ ዝኽእል ዝተፈላለየ ዕምባባታት ባሕሪ ከምዘሎ እውን እናዘኻኸሩ።

እቲ ቀላይ ረትባ ሴኔጋል ፍሉይ ሕብሪ ዝህቦ 'ዱናሌላ ሳሊና' ዝተባህለ ባክተሪያ፡ ንደቂ ሰባት ዘስዕቦ ጉድኣት ሰለ ዘየለ ኣብቲ ቀላይ ምሕንባስ ሳዕቤን የብሉን።ኣብ ዓለምና ቀላይ ረትባ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ጥቃ ባኩ ኣዘርባጃን፡ ከምኡ'ውን ጂዳ ስዑዲ ዓረብ'ውን ሮዛዊ ሕብሪ ከምዘለዎም ይዝረብ።

እንተኾነ እቶም ቀላያት ባህርያውያን ቀላያት እውን ኣይኮኑን። ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ቀላይ ሂሊየር እውን ብዙሓት በጻሕቲ ዝስሕብ ከም ቀላይ ረትባ ሮዛዊ ሕብሪ ዘለዎ ኣሎ።

መን ይፈልጥ ኣብቲ ገና ብዕምቆት ዘይተዳህሰሰን ዘይተጸንዐን ኣስታት 300 ዝኸውን ዓበይትን ናእሽቱን ደሴታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ዕምበባን ሕብርን እውን ይርከብ ይኸውን ይብል ኣቶ ሃይለ ብዝኽርታት ህይወት ባሕሪ እናስተንተነ።



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events