World News

(ድምጺ ኣመሪካ) ሄርማን ኮሀን፡ ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣብ ዕብየት ኤኮኖሚኣ ዝያዳ ክትሕግዛ ይጽውዕ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 03 June 2019

ሄርማን ኮሀን፡ ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣብ ዕብየት ኤኮኖሚኣ ዝያዳ ክትሕግዛ ይጽውዕ

-
ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን

ሰነ 03, 2019  ተወልደ ወልደገብረኤል

ዋሽንግተን — 

ኣሜሪካ፡ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር ኣብ ጸረ-ግብረ ሽበራ ዘይተሓባበራ ሃገራት ድሕሪ ምውጽኣ እቲ ስጉምቲ ነታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ዳሕራዋይ ዲፕሎማቲክ ዓወት ኮይኑ ተራእዩ`ሎ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣብ 2008`ዩ፡ ንኤርትራ፡ ምስ`ተን ኣብ ዘመተ ጸረ-ሽበራ ዘይተሓባበራ ዝብለን ሃገራት ጸንቢርዋ።

ድሕሪ ሓደ-ዓመት ድማ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ነቲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ጉጅለ ሽበራ ኣልሸባብ ብምድጋፍ ብምኽሳስ፡ ማዕቀብ ኣንቢሩላ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ጉጅለ ግብረሽበራ ከምዘይድግፍ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ተቖጻጻሪ ጉጅለ`ውን፡ ንዓመታት፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከም እትድግፍ መርትዖ ክረክብ ኣይክኣለን።

ነዚ ዳሕራዋይ ስጉምቲ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝነኣደ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ “ኤርትራ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዘለዋ መትከል ነቕ ዝብል ኣይኮነን፡ እዚ መትከል`ዚ ድማ ካብ`ቲ ግዳማዊ ምትሕብባር ንላዕሊ፡ ካብ ሃገራዊ ጸጥትኣ ዝብገስ ዘይቕየር መትከል`ዩ” ኢሉ።

ምስ`ተን ኣብ`ቲ ናይ ዘይተሓባበራ ዝብል ዝርዝር ዘለዋ ከም በዓል ሶርያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኢራን ዝበላ ሃገራት ዝጸንሐት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኤርትራ`ምንባራ ይፍለጥ።

ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበረ ሄርማን ኮሀን፡ ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኣቀማምጣን፡ ምስ የመን ከምኡ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዘለዋ ናይ ቦታ ቅርበትን፡ ኣገዳሲት ወታሃደራዊት መሻርኽቲ ይገብራ ይብል።

“ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ቦታ እትርከብ ሃገር`ያ። ኣብ ማዕዶ ስዑዲ ዓረብን የመንን`ያ ትርከብ። ንኣሜሪካ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ወደባት ኣለውዋ። ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእ ኣምባሳደር ክህለወና ይግባእ : ኣብ`ቲ ኣገዳስን ተኣፋፍን ከባቢ፡ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ወታሃደራዊ ሰባት ክህልውና ኣገዳሲ`ዩ። ቅድሚ ሎሚ`ውን ኣብ ኣስመራ ወታሃደራዊ መደበር ኔሩን`ኳ`ዩ። ንዕኡ ዳግም እንተቐጸልናዮ ጽቡቝ `ዩ ዝመስለኒ”

ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤል፡ ኣብ ኪንግስተን ኦንታርዮ ካናዳ፡ ኣብ ኩንስ ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሶር ታሪኽ ክኸውን ከሎ፡ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር`ተን ኣብ ግብረ ሽበራ ዘይተሓባበራ ምውጻእ ከም ሓደ መርኣያ ምልክት ክውሰድ ዝክኣል`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ንዳርጋ 10 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ`ዩ ኣብ`ታ ሃገር ዝያዳ ርኡይ ጽልዋ ጸኒሕዎ ይብል።

እቲ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሳዕቤናት ጸኒሕዎ`ዩ- ምኽንያቱ ኣብ ኣጠቓቕማ ዶላር ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ናይ ወጻኢ ምልውዋጥ ሒሳባት ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱ`ዩ- ወላ ኣብ`ቲ ሕጋዊን ሰላማውን ዕላማታት ከይተረፈ” ይብል።

ካብ 2015 ጀሚራ ኤርትራ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን፡ ንመደበራት ሓይሊ ባሕሪን ክሊ ኣየርን ኤርትራ ተጠቒመን፡ ንዕጡቓት የመን ክሃርማ ኣፍቂዳትለን`ያ ዝበለ ዶ/ር ዓወት፡ እዚ`ውን ብዓይኒ ኣሜሪካ፡ ከም ወታሃደራዊ መሻርኽቲ ንረብሓ`ታ ሃገር ክብ ኣቢልዎ ክኸውን ይኽእል`ዩ ይብል።

ብዛዕባ ምሕዝነት ኤርትራን ኣመሪካን ክዛረብ ከሎ “ድሮ`ውን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዕቱብ ምትሕብባር ብተዘዋወሪ ይግበር ኣሎ`ዩ” ይብል ።

ኤርትራ፡ ገና ኣብ ጽኑዕ ቁጽጽርን ትርከብ፡ ብዘይ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ መንግስቲ፡ ጽኑዕ ደረት ናጽነት ፕረስን ሃይማኖትን ዘላ ሃገር ምዃና፡ ከምኡ`ውን ካብ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሃድሙ ኣሸሓት መንእሰያት ካብ`ታ ሃገር ከምዘወጹ ነቐፍቲ ይገልጹ።

እንተኾነ፡ ም/ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበረ ሄርማን ኮሀን፡ ቁጠባ`ታ ሃገር ይመሓየሽ ከምዘሎ ይእምን። ኣብ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ዝወሰኸ ምንቅስቓስን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዶብ-ሰገር ንግድታትን ከምኡ`ድማ፡ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ሃብታም ማዕድናዊ ጸጋታት ከም ኣብነት ይጠቅስ።

“ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ዝቕጽል ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሎ። ተወሰኽቲ ናይ ዕደና ኩባንያታት ናብ ኤርትራ ይኣትዋ ኣለዋ። ኣዝዩ ዓቢይ ዝኾነ ናይ ማዕድን ጸጋታት ኣሎ። ስለዚ ሕጂ እቲ ውጥረት ኮነ እቲ ተጻብኦታት ኣዝዩ ስለዝጎደለ፡ ነገራት ብሓቂ ብጽቡቕ ክሰፍሑ ይግባእ”

ሀርማን ኮሀን ፡ ኣሜሪካ ነዚ ዳሕራዋይ ዕድላት፡ ናብ ዝያዳ ምሕዝነት ምስ ኤርትራ ክትወስዶ ተስፋ ይገብር።

“ንኤርትራ ከም መሓዛን፡ ኣገዳሲት ስትራተጂካዊት ሃገራን ብምርኣይ፡ ነዚ ዕድላት ክንጥቀመሉን፡ ኣብ ቁጠባዊ መዳያት ክንሕግዞምን ኣለና። ምኽንያቱ ንቁጠባኦም ዘመናዊ ንምግባር`ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።”

እዚ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ዘዝሕል ዳሕራዋይ ስጉምቲ`ዩ። ዝሓለፈ ዓመት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ 20 ዓመታት ምስሕሓበን ከም ዝዓርፍ ጌረን ሰላም ድሕሪ ምፍጣረን፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ`ታ ሃገር ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ኣልዒልዎ፡ዝሓለፈ መጋቢት ድማ፡ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ግዚኡ ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ዑደት ጌሩ ኔሩ`ዩ።

ሄርማን ኮሀን፡ ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣብ ዕብየት ኤኮኖሚኣ ዝያዳ ክትሕግዛ ይጽውዕ



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events