World News

*****ሰብ ኣለዋ ሃገር*** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Saturday, 03 August 2019

*****ሰብ ኣለዋ ሃገር***

ሰብ ብሰቡ ስሑል
ጾር ሕድሪ ኣብ ዝባኑ፥ ኣርዑት ዘየዝብል
ኣብ ሕሰማ ራህዋኣ ፥ኣለኹልኪ ዝብል
ኣብ ጽንኩር ዝምንጉድ ፥ኣብ ውርሱ ዘትክል
  
    ፈልሲ ብሉጻት ፥ወዲ ረዛን ኣኽሊል
ቡቃልያ ሰብ ንያት ፥ ዶባታ ዝኽልል
ፍጥር ዘዝበለ ፥ብስማ ዝምሕል
መስርዕ ዝቀዳደም፥ ኣብ ጸገማ ዝውዕል

      ዕድለኛ እያ ፥እዛ ቅድስቲ  ምድሪ
መመሊሳ ትወልድ ፥ጾር ሕድሪ ዘብሪ
ንሱ ምንጻፋ  ፥ንሱ ጉዝጓዛ 
እሾኻ ምሕዩ ፥ዝፈሰላ ቃንዛ 

     ዕድመ ንእስነቱ ፥ንሲሊኣ ዝምንን
ባጃ "ኺ ዝብላ ፥ማባኣ ዝኸውን
ልባ ዘረስርስ ፥ ንብዓታ ዝሕንስስ
ጎኖቓ  ዝነቅስ ፥ ጻህያያ ዝምንቁስ

       ሰብ ኣለዋ ዓደይ፥ነጋርት ዘይጽበ
ጉሒላ ዝሕልወላ ፥ኣብ ድፋዕ ዘዝገበ
ተኽላ ዘጠጥዕ ፥ደሙ እንዳንጠብጠበ
ሓኾት ንህንጸታ ፥ጨው ረሃጽ እንዳተሓልበ

      ሰብ ኣለዋ፥ እዛ ህያብ ብሉጻት
ሰብ ኣለዋ ፥እዛ ምድረ ብጹኣት
ሰብ ብሰቡ ዝተሳሕለ ፥ኣብ ብልሒ መላጸ
ከም ቀርቂ ኣብ ሓዊ ፥ተፈቲኑ ዝወጸ

      ሰብ ኣለዋ ሰብ ብሰቡ ፥ሓድጊ ኣናብስ
ጎርቢ ዘይዓግቶ ኣርሓ ፥ስበት ዝብንጥስ
ዕርፉ ዘጽነዓ ፥ወንጭፉ ዘስነወ
ሰብ ኣለዋ ዓደይ፥ ሓሰመ ረሃወ

      ሰብ ኣለዋ ሃገር ፥ሳዋ ዘፍረየቶ
ብደመ ዝመለሰ ፥ንናይ ሃገር ሕቶ
ሕድሪ ዘየዕብር፥ዋርሳይ ከም ሽሙ
ሓየት ንኡስ ዕድመ ፣ዘጽነዐ ሪሙ

      ዝወራረስ ጸጋ ፥ድልድል መላግቦ
ፋርስ ሓጹር ጋባ ፥ ሰብ ኣፍርያ መሬት ዓደ ቦ
ሰብ ብሰቡ ብሱል ኣኣምሮ፣ ሓየት ኮርዒዳ
ስዋድያ  ፋርሳይ ፥ ኣርሓ ብዓል መንጉዳ

       ትማሊ ወፊሩ፥ ክብሪ መሬት ዝዓቀበ
ሎሚ ናብ ህንጸታ ፥ ብረሃጽ እንዳንጀብጀበ
ትማሊ ብረመጽ ጓህሪ፥ሩሕ ዝምንዝዕ ግጥም
ሎሚ ንዕብየታ ፥ምስ ማሽነሪ ጥምጥም

        ሰብ ኣለዋ ዓዲ፥ ዘይግበዝ  ዘይስልኪ
ሰብ ኣለዋ ሃገር ፥ ጽንዓት ሓቡኡ ዘይንኪ
ሰብ ኣለዋ እዛ ሓላል መሬት ፥ዓደይ ኤርትራ
ዘውዳ ዝዕቅብ  ክብራ ፥ ብደሙ ዝቐለማ ባንዴራ

           ሰብ ኣለዋ፥ ዙርያ መጸውዒኡ
ስጥም መሳርዑ፥ ጸዋር እንግድዕኡ 
ግርማ መጎስካ ርእዮም ፥ዋርሳይ ሕጂ ደም    ይንብዑ
ጻዕራም ንህቢ ፥ሕንዚ ዝተፍእ ዝትንክፍ ቆፍኡ

        ዓወት ንሓፋሽ
     ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
    ጀርመን 
      2019

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events