World News

(ቢቢሲ) ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ኣብ ወጻኢ ተሓኪሙ ተመሊሱ ይብል ሓደ በዓል ስልጣን ኤርትራ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 12 August 2019

ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ኣብ ወጻኢ ተሓኪሙ ተመሊሱ ይብል ሓደ በዓል ስልጣን ኤርትራ

ሰኑይ 12 ነሓሰ 2019 

ጀነራል ስብሓት ኤፍረምERI-TV  ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ታሕሳስ 2018 ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ

ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ኣብ ወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ተሃስዩ ኣብ ወጻኢ ሕክምና ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓውዩ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመለሰ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፍወርቂ ሎሚ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

ብዛዕባ ኩነታቱ ብዝምልከት፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞ፡ ማህረምቱን ኣበየናይ ሃገር ከም ዝተሓከመን ብመንግስቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ የለን።

"ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ዝተገብረሉ ዕዉት ሕክምና፡ ሓውዩ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ኣስመራ ምምላሱ ደስ ይብለኒ" ክብል ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ጽሒፉ።

ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 2018 እቲ ጀነራል ኣብ ገዝኡ ፈተነ ቅትለት ከም ዝተኻየደሉን፡ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ቆሲሉ ንሕክምና ካብ ሃገር ከም ዝወጸን ምስ ተሰምዐ ግን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣምባሰደር እስቲፋኖስ'ዩ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጀነራል "ናይ ፈራሓት ፈተነ" ዝበሎ መጥቃዕቲ ከም ዝተኻየደሉ ተዛሪቡ። ባዕሉ ብኣካል ከም ዝበጽሖ'ውን ሓቢሩ ነይሩ።

ካብኡ ሓሊፉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ብመንግስቲ ተኣዚዙ ድዩ ብዛዕባኡ ሓበሬታታት ዝህብ ዘሎ ብውልቁ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ኣብ እዋን ቃልሲ ክልቲኦም ብሓባር ንነዊሕ ከም ዝሰርሑን ጥቡቕ ምቅርራብ ከም ዘለዎም ግን ይዝረብ'ዩ።

ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና ብዛዕባ ሃለዋት ናይቲ ጀነራል ብግለጺ ስለዘይተነግረሉ ብዙሕ ከዛርብ ጸኒሑ'ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተፈላለየ ግምታትን መደምደምታታትን ክህቡ ዕድል ፈጢሩ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

መበገሲ ናይዚ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ጀነራላት ይኹን መራሕቲ ዘጋጠመ ሓደጋታት ወይ ናይ ጥዕና ጸገማት ተገሊጹ ብምነባሩ'ዩ ተባሂሉ ይግለጽ።

ስለዚ ድማ'ዩ ስለምንታይ ኣብ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ክበጽሕ ማዕከናት መንግስቲ ትም መሪጸን ዝብል ዘበገሶ ምጥርጣራት ክስማዕ ጸኒሑ። ንሱ ካብቶም ፍሉጣት ዝበሃሉ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ብምዃኑ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ሽመትን ኩነታትን ሰበስልጣን፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ንምሕደራ ዝምልከት ግሉጽነት ብዘይ ምርኣዩ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽቦ መስመራት ክዓጹ ተራእዩ። እቲ ዶባት ንሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ምኽፋቱ'ዩ ተዓጽዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኤርትራ ናይ ጸጥታ ሕቶታት ከም ዘልዓለት'ውን ድሒሩ ጠቒሱ ነይሩ'ዩ።

እቲ ጀነራል ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክእለ ከም ዝጸንሐ'ዩ ዝንገር።

በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ቅድሚ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድን ኮይኑ ምሻሙ፡ ከምቲ መዓርጉ ዘመልክቶ፡ ካብ 1997 ንደሓር ሚኒስተር ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ንሰራዊት ኤርትራ መሪሑ።

ንሱ፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር እውን'ዩ ነይሩ። ካብ 1977 ክሳብ 1994 ከም ኣባል ፓለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ግንባር'ዩ ነይሩ።

ሎሚ ካብቶም ፍሉጣት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ መራሕቲ፡ ብዘይካኡ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ዘሎ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን፡ ኣብ 1994 ብጥሮታ ዝወጸ ሮሞዳን መሓመድ ኑርን ጥራይ'ዮም ብሂወት ዘለዉ። 6 ካብኣቶም ኣብ ማእሰርቲ፡ ሓደ ኣብ ስደት፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ብሂወት ዘየለዉ'ዮም።

ሚኒስተር ስብሓት፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ምስጢራዊት ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከም ዝነበረ'ውን ይፍለጥ።
-----------------------

ኣርሓ ናቕፋ ክቡር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

Thumbnail

ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ናብ ሃገሩ ምምላሱ ተገሊጹ




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events