World News

ኣይትበል ዕንኪሊል - ገብረንጉስ መስመር፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 28 August 2019


"ኣይትበሉ ዕንኪሊል"  
-ኣንቱም ጉጉያት ኣይትበሉ ዕንኪሊል፡
ስራሕኩም ኩፉእ ባህሊ ሓድነት ዝብልል፡
ብሃገር ምጥላዕ የብቅዕ ይኣክል፡ 
ሓይሊ የለን ጥምረትና ዝፍንቕል።
-ተመሃሩ ካብ ዕንደራ ጃንዳ፡
ካብዝን ካብትን ተለቂሓ ዕዳ፡
መሬት ገዲፋ ኣብ ሰማይ ኣኽዲዳ፡
ኣማስይኣ ኣብ ክልል ተዓኒዳ።
-መልሓስ እንተለፍለፈ ኣይነግርን ሓቂ፡
ሓሶት እንተበዝሔ ኣየእቱን ጽድቂ፡
ክልቲኡ ተደሚሩ ውጺኢቱ ጸይቂ፡
ንወያነ ኣይጠቐመን እዚ ዓይነት ዕጥቂ።
-ልቢ ግበሩ በዓይ ይኣክል ትብሉ ፍትሒ፡
ዓንገረር ኣይጠቅምን ግዜ መናውሒ፡
ንሱዩ ዝደሚ ተራጸመ ምስ ከውሒ፡
ዕሽነት ይኣክል ኣጥርዩ ጉርሒ።
-ዘክሩ ታሪኽ ናይ ትማሊ፡
ኣውራጃ ጾታ ሃይማኖት ዘይፈሊ፡
ስሙር ቅልጽም በዓል ሙሉእ ዓቕሊ፡
ሕጂውን ኣሎ ኣብ ጉዕዞ ቀጻሊ።
-ይኣክል ዘብዘብ ደድሕሪ ነጋዶ፡
ከፍርሱ ዝጓየዩ ዝተሃንጸት ኣጉዶ፡
ነታ ኣጉዶ መጽለሊት ኩልና፡
ተሃንጸት ብዓጽምን ደምን ስዉኣትና።

ዘይሃስስ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡
ዓወት ንሓፋሽ፡
ገብረንጉስ መስመር፡
ነሃሰ 28, 2019


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events