World News

(ኤፍ ቢ ሲ) ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣስመራ ኣትዩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 16 December 2019

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣስመራ ኣትዩ



ኣዲስ ኣበባ፣ (ኤፍ ቢ ሲ) ብሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝምራሕ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሎሚ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሕ፥ ኮሚሽነር ባህሊን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመዴ ተክሌ፣ ቀዋሚ መልእኽተኛ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍካ ኣምባሳደር ኣርዓያ ደስታ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሬድዋን ሑሴን፣ ፍሊጣት ስነጥበባውያን ኤርትራን ካልኦትን ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን፣ ብሄራዊ ቲያትር፣ ፍሉጣት ከየንትን ሙዚቀኛታት ጃኖ ባንድን ዝተውፃእፅኡ ዝሓወሱ ኢዮም።

   

እቲ ጉዕዞ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ስዒቡ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ኣብ ከተማታት ኣስመራ፣ ከረንን ምፅዋዕን ሙዚቃዊ ምድላዋቶም ከቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።









6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events