World News

(ድምጺ ኣመሪካ) ኤርትራ፡ ካብ ኣርባዕተ ሃገራት ዝኣትው ገያሹ ክውሸቡ ሓቲታ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 13 March 2020

ኤርትራ፡ ካብ ኣርባዕተ ሃገራት ዝኣትው ገያሹ ክውሸቡ ሓቲታ

መጋቢት 12, 2020  ብርሃነ በርሀ

ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ

ኣስመራ — 

ኤርትራ ካብ ሃገራት ቻይና፡ኢጣልያ፡ደቡብ ኮርያን ኢራንን ብቐጥታ ኾነ ብትራንዚት ናብ ኤርትራ ዝኣትው ገያሹ ክውሸቡ ሓቲታ’ላ።

ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘየለ እንተኾነ ኤርትራ ብኣየር፣ብመሬትን ባሕርን ጽልዋ ናይቲ ሕማም ምስ ዝተራእየለን ሃገራት ትዳወብ ብምዃና ናይ ምክልኻል ስራሕ ምስራሕን ንእንተታት ድልው ምኳንን ግዚኡ ዝጠለብ ምኳኑ ብምሕባር እቲ ሕማም ካብ ዝተራእየለን ሃገራት ዝመጹ ገየሾ ኣብ መወሸቢ ከምዝጸንሑ ኣፍሊጡ’ሎ።


ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብዛዕባ ለብዒ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ መግለጺ የውጽእ

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኮቪድ 19 ካብ ዝጅምር ድሮ ሳይሳይ ወርሑ ኣሕሊፉ ኣሎ። ኣዝዩ ቅልጡፍ ብዝኾነ ምልባዕ ናብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ተዘርጊሑ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ክልከፉ ከለዉ፡ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝተለኽፈ ሰብ እዃ እንተዘየለ፡ ብኣየር መሬትን ባሕርን ምስ ዝተፈላለያ በቲ ለበዳ ምስ ዝተጸልዋ ሃገራት ስለ እንራኸብ፡ ኮሮና ቫይረስ ናብ ሃገርና ከይኣትው ክንከላኸልን ንኹሉ እንተታት ድልዋት ክንከውንን መድረኽ ዝጠልቦ ጉዳይ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ የቕርብ፡

1. ኣፍልጦ ህዝቢ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ 19 ክብ ንምባል ቀጻሊ ጎስጓስ ብማዕከናት ዜና ከካይድ ምዃኑ እናፍለጠ፡ ህዝቢ ንዝወጽእ ሓበሬታ ምክትታል ክገብር ይሕተት።

2. ኩሎም ካብን ናብን ኤርትራ ክገሹ መደብ ዘውጽኡ ኤርትራዉያን ይዂኑ ወጻእተኛታት፡ ነዚ ዘሎና ወቕቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንድሕነቶምን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብምሕላይ፡ መገሻታቶም ኪውንዝፉ ይምሕጸን።

3. ሚኒስትሪ ጥዕና ቀጻሊ ምክትታል ብምግባር፡ ንናህሪ ዝግርሐን ካልኦት ኣመትቲ ረቛሒታትን ናይዚ ለበዳ ብምግምጋም፡ ምስኡ ዝሳነ ውሳነታትን ሓበሬታትን ኪህብ እዩ።

4. ካብ ሃገራት ቻይና ኢጣልያን ደቡብ ኮርያን ኢራንን ብቐጥታ ወይ ትራንዚት ናብ ኤርትራ ኪኣትው ዝሓቱ ገያሾ ኪውሸቡ ምዃኖም ነፍልጥ።

ሚኒስትሪ ጥዕና
11 መጋቢት 2020
ኣስመራ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events