World News

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቪሩስ

Posted by: dfdad dfad

Date: Monday, 16 March 2020


ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቪሩስ፡ 

አዚ ሓበሬታዚ ካብ ዶ/ር ሊድያ ሩታ አትበሃል ኣብ ኢጣልያ አትርከብ ሓኪም ዝተዋህበ ነዚ ሕማም ከመይ ከምአንከላኸሎ ዚገልጽ ምኽሪ ኢዩ። ነዚ ሕምም ንከላኸሎ ብሸቐልቀል ዘይኮነ ብብስለት ኢዩ። ሓደ ተመራማሪ ካብ ሸንዘን፡ ኣብ ዉሃን ዘጋጠመ ለብዒ ኮሮናቪሩስ ከመይ ምዃኑ፡ ብኸመይ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዚመሓላለፍን ሳዕቤናቱን ገሊጹዎሎ። ኮሮናቪሩስ ምልክት ጉንፋዕን ጸረርታን ምሕታም ኣፍንጫን ወይ ቀሓርን ዘይኮነ ደረቕ ሰዓልዩ ዘስዕብ። አዚ ቪሩስዚ ሙቐት ስለዘይጻወር ካብ 26-27 ዲግሪ ኣብ ዘሎ ሙቐት ይመውት። ስለዚ ከም ቡንን ሻሂን ዉዑይ መስተ ብዙሕ ምስታይ ንቪሩስ የምክኖ። 

ዝሑል መስተን በረድን ነወግድ። አዚ ኮሮናቪሩስ ዕቤቱ 400-500 ናኖሜተር ብምዃኑ፡ ብዝኾነ ናይ ኣፍ መከላኸሊ ኪውገድ ይከኣል፡ ፍሉይ መከላኸሊ ዘድልዮም ኣብ ሕክምና ንዚሰርሑ ጥራይ ኢዩ። ብኣጋጣሚ ሓደ ብኮሮናቪሩስ ዝሓመመ ሰብ ካባኻትኩም 3 ሜትሮ ርሒቑ አንተሰዓለ፡ አቲ ቪሩስ ንመሬት ወዲቑ ናባኹም ኪበጽሕ ኣይክአልንዩ። አዚ ቪሩስ ኣብ ሓጺናዊ ሽፋን ን12 ሰዓታት ኪጸንሕ ስለዚኽአል፡ ከም መዓጹ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን መኽፈቲ፡ ወዘተ አንተሒዝካ ኣአዳውካ ብግቡአ ኪትሕጸቦን ጸረ ተላባዒ ኪትለኽዮን የድሊ። አዚ ቪሩስ ኣብ ክዳውንቲ ልዕሊ6,5 ሰዓት ኣይነብርን ብንቡር ናይ ክዳን መሕጸቢ ከአ ይመውት። አቲ ክዳውንቲ ዘይሕጸብ አንተዀይኑ ከኣ ጸሓይ ብምስጣሕ ይጠፍአ።

 አዚ ቪሩስ ብኸምዚ ይፍለጥ። ኣብ ጎሮሮኻ ሰፊሩ ረኽሲ ፈጢሩ ን3-4 መዓልቲ ንቕጸት ይፈጥር። ካብዚ ብመንገዲ ሻምብቆ ናይ ምስትንፋስ ናብ ሰናቡአና ወሪዱ ንሰናቡአና ን 5-6 መዓልቲ ረኽሲ ይገብረልና። ረኽሲ ሳናቡአ ድማ ሓያል ረስንን ጸገም ምስትንፋስን ስለዘስዕብ ብዝቐልጠፈ ሓኪም ምርካብ የድሊ።

ብኸመይከ ደኣ ንከላኸሎ? አዚ ቪሩስ ዝመሓላለፍ ምስ ሰባት ቀጥታዊ ርክብ ብምግባርን በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ክዳውንቲ ወይ ኣቕሑ ብምሓዝን ኢዩ። ስለዚ ብቐጻሊ ኣአዳውና ንሕጸብ። ኣብ ኣአዳውና ልዕሊ 10 ደቒቕ ኣይጸንሑን፡ ግን ኣብ ውሽጢዚ ግዜ ብዙሕ ነገራት ኢና ንፍጽም።
በአዳውና ኣዒንትና ንደርዝ፡ ኣፍንጭና ንሓክኽ፡ ብኸምዚ ከኣ ቪሩስ ናብ ጎሮሮና ይኣቱ። ስለዚ ንድሕነትናን ድሕነት ካልኦትን ኣአዳውና ብቐጻሊ ክንሕጸብን ጸረ ረኽሲ ክንለኽዮን የድሊ። ብቪሩስ ዝተለኽፈ ሰብ ቀልጢፉ
ስለዘይፍለጥ፡ መን ምሕምሙ ኪፍለጥ ዘጸግምዩ። 

ከም ረስንን ሰዓልን ምስጀመረ ግን ዛጊት ሳናቡአ 50% ተለኺፎም ኣለዉ። ድሕርዚ ብዙሕ ዚግበር የለን። ናይ ዉሃን ክኢላታት ንግሆ ንግሆ ነዚ ፈተና ክንገብር ይመኽሩና። ን ዓሚቕ ትንፋስ ንውሽጢ ኣተንፊስና ን10 ሰከንድ ንዕቅቦ። ነዚ ከየስዓለካን ዓቕሊ ብዘይ ምጽባብን ኣብ ኣፍልብኻ ጸቕጢ ከይገበረልካን አንተፈጺምካዮ ሰናቡአካ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዉን ከምዘይተለኽፉን ዘርኢ ከምዘይሓመምካ መረጋገጽንዩ። 

አዚ ኣብ ጃፓን ንዚሓመሙ ሰባት ዚሕግዙ ዝርለዎ ሓካይም አውን ዘረጋገጹዎን ዚመኽርዎን ሓቂዩ። ኩሎም ሰባት አንተወሓደ ኣኣብ ርብዒ ሰዓት ኣፎምን ጎሮሮኦምን ብማይ ከተርክሱዎ ከምዘለዎም ዚሕብርዩ። ማይን ካልአ ፈሳስን ነቶም ቪሩስ ሒዞሞም ናብ ከስዐ ስልዚወርዱን ኣብኡ ድማ ብናይ ከስዐ መጺጽ ነገር ስለዚሞቱንዩ። ነዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ናብ ኩሎም ቤተሰብን ፈተውትን ደቂሃገርን ከምዚባጻሕ ብምግባር ሰብኣዊ ግቡአና ምፍጻም ስለዚኾነ አዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ናብ ኩሉ ኪባጻሕ ከይተሃመልና ነባጽሓዮ።
ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተክናክንካ ጥዕና !!



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events