World News

Re: እንቓዕ ኤርትራዊ ኮንኩ

Posted by: Germay Berhane

Date: Tuesday, 07 April 2020




እዚ ዘለናዮ እዋን ዓለምና ኣብ ኣዝዩ ኣሰቃቂ ኩነታት እያ ዘላ። ኮሮናቫይረስ19 ንዓለም ወጢሩ  ሒዙ ናይ ሓያላት ሃገራት ቁጠባን ሰብኣዊ ዓቅምን ክበልዕ ይርኤ ኣሎ። ኣብተን ድኹማት ሃገራት ከም ኤርትራ ሃገርና እዚ ሕማም ወስትኡ እንዳዛየደ ይመጽእ ኣሎ። ኣይግበሮ ኣብዘን ዱኹማት ሃገራት እንተድኣ ተላቢዑ ክሳብ ክንደይ መቅዘፍትን ዕንወትን ከስዕብ ከምዝኽእል እዚ ተሞክሮ ናይ ሃብታናትን ሓያላትን ሃገራት ተሞክሮ ክምህረና ይኽእል።

መንግስቲ ኤርትራ እዚ ሕማም ካብ ዘንጻላልወሉ ጀሚሩ ኣዝዩ ሓያል ጥንቃቀን ምድላዋትን ብምግባር ካብ'ዚ ቀዛፊ ሕማም ህዝቡ ንምድሓን ለይትን መዓልትን ከይተሓለለ ይሰርሕ ኣሎ። ምክልኻል ተላባዒ ሕማማት ኣብ ኤርትራ ሕጂ ንመጀመርታ ግዜ ዝፍተን ዘሎ ኣይኮነን። ድሕሪ ነጻነት በብዓይነቶም ነባራትን ሓደስትን ሕማማት ተራእዮም ሳላ ሓያል ጻዕሪ መንግስትን ህዝብን ብዙሕ ሱር ከይሰደዱ ቀልጢፎም ተፈዊሶም እዮም። 

ካብ ሓደሽቲ ሕማማት ናይ ኤይድስ ለበዳ ብሓያል ጎስጋስን ፍወሳን እዚ ሕማም ትሕቲ 1% ከምዝወርድ ኮይኑ እዩ። ካብ ነባራት ሕማማት ናይ ሕማም ሸሮኽን ሚዝልስን ካልኦት ተላገብቲ ሕማማት ዳርጋ ነበረ'ያ ነበረ ኣብ ዝኾነ ድረጃ በጺሖም ይርከቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዝተፈላለየ ተላጋብን ተላባዕን ሕማማት ኣብ ናይ ኩናትን እገዳን ሃዋህው እዩ መኪትዎ። እዞም ተላገብቲ ሕማማት ክሳብ ክንደይ ንምቑጽጻሮም ሓያል ጻዕሪ ይግበር ነይሩን ኣሎን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት በብግዚኡ እንዳ ሰገረ ንሃገርና ዕረፍቲ ይህብ ኣይነበረን። ንኣብነት ሕማም ሸሮኽ ኣብ ሱዳን ብዙሕ ዕንወት ጌሩ ኣብ ዶባት ዝርከብ መሬት ኤርትራ ኣትዩ፡ኤርትራ ግን ብዝወሓደ ክሳራታት ነዚ ሕማም ተቓጻጺራቶ።

ካልእ ዓቢ ወራር ስግኣት ሕብረተሰብና ወራር ኣንበጣ እዩ። ወራር ኣንበጣ ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ብዙሕ ዕንወት ክገብር እንከሎ፡ ኤርትራ ነዚ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጻ ወራር ብዝወሓደ ዕንወት ኣብ'ዚ ዓመት ካብ ኣርባዕተ ግዜ ዘይውሕድ ውራር ኣንበጣ መኪታ ኣጥፊኣቶ እያ።

ሕጂ ድማ ኣብ ርእሲ ዘለዎ ተወሰኾ ከምዝብሃል እዚ ንዓለምና ዘናውጽ ዘሎ ሕማም ኮቪክ19 ኣብ ኤርትራ ሃገርና እግሪ ኣንቢሩ ኣሎ። ነዛ መልእኽተይ እንዳጸሓፍኩ ቁጽሪ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት 31 በጺሑ ኣሎ።

ከምቲ ብሚንስትሪ ጥዕናን ሚንስትሪ ዜናን በብግዚኡ ዝሕበር ዘሎ፡መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዛጊት መድሃኒት ዘይተረኽቦ ዘሎ ሕማም ንምክልኻሉ በብመዓልቱ መምርሕታት ብምውጻእን ህዝቢ ካብ'ዚ ሕማም ዝድሕነሉ ኣገባባትን ትምህርትን ይሕብር ኣሎ። እዚ ድማ ከምቲ ናይ ሕክምና ኪኢላታት ዝብልዎ፡ ካብ ሓሚምካ ምፍዋስ ተኸላኺልካ ምድሓን ዝብል ኣምር ኣብ  ግብሪ ይረኤ ኣሎ።

ዝኾነ ሰብ ዝሰማማዓሉን ብዓይኑ ዝርእዮን ዘሎን ሃብቲ፡ ብዝሒ ሓካይም፡ ዓይነት መሳርሒ ይሃሉኻ ነዚ ቀዛፊ ሕማም ክከላኸል ዝኽእል ነይሩ እንተዝኸውን እዘን ሓያላትን ሃብታማት ሃገራትን ህይወት ዜጋታተን ከድሕና ምኸኣላ ነይረን። እንተኾነ እዚ ሕማም መድሃኒት ስለዘይተረኽበሉ ኩሉ ዓቕሚ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ምክልኻል እዚ ቀዛፊ ሕማም ኣተኺረን እየን ዝሰርሓ ሰለዋ።

ኣብ'ዚ ፈታኒ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ እቶም ጀጋኑ ሓካይምናን ኣብ ቅድመ ግንባርን ተሰሪዕም ዘለዉ ዜጋታት ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቲ ብደረጃ ዓለም ኣድናቆት ይረኽቡ ኣለዉ። ከምኡ'ውን በብግዚኡ ብሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮቭ19 ቫይረስ ዝወሃብ ዘሎ መምሪሕታት፡ ሚንስትሪ ዜና ድማ እቲ መልእክቲ ናብ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንክበጽሕን ህዝቢ ዝገብሮ ዘሎ ጌጋታት ብምስናድ ጌጋታት ንምእራምን ንምምሃርን ዝቃላሕ ዘሎ መግለጽታት ኣዝዩ ዘሐብን እዩ።

ኤርትራ ሃገራዊ ነጻነታ ብመስዋእትን ርእሰሙርኮሳ ናይ ህዝባ እያ ኣረጋጊጻቶ። ዲሒሩውን ወራር ወያነ ምስ መጸ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና ዘርኣዮ ተወፋይነትን ኣበርክቶን ካብ ኣእንሮና ዘይሃስስ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። 
ሕጂ'ኸ! እንታይ ንግበር እዩ እቲ ሕቶ።
ኤርትራዉ ኩሉ ግዜ ኤርትራዊ እዪ። ከምቲ ትማሊ ወራር ወያነ ምስ ተኸስተ ከም ቆፍኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ነዲሩ ዝወጸ ሕጂ'ውን እዚ ወትሩ ጽንዓትን ሓድነቱን ዝሕላገቱ ህዝቢ ፡ ንሃገሩ ንምድጋፍ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ነዚ ቀዛፊ ሕማም ንምምካት ዘሐብን ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለው። እዚ ድማ እንቃዕ ኤርትራዊ ኮንኩ ዘብል እዩ።

ኩሉ ግዜ ኣብ ሞንጎ ስርናይ ውሑድ ክርዳድ ክርከብ ንቡር እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ'ዚ ጽንኩር ኩነታት ንሃገረይን ህዝበይን እንታይ ክገብረሎም ምባል፡ መእሰሪ ዘይብሎም ዘረባታት ብምጥባቅ ፖለቲካውን ወልቃዊን ዕላማታቶም ከተግብሩ ዝጽዕሩ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ኣይተሳኣኑን። ሰብ ጉቡኡ ከይገብር ካብ ሃገር ሃዲሙ፡ ብዝረኸቦ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ትምህርቲ ተጠቂሞም፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምጽላም ዝጽዕሩ ተበለጽቲ ሙሁራን ኣይተሳእኑን። እዛ ሃገር መራሕ መንግስትን ሓለፍትን ምስ ህዝቦም ኣብ ኤርትራ እዮም ዝነብሩ።እዚ ቀዛፊ ሕማም እንተመጺኡድማ ንመራሕን ተራ ህዝብን ዝፈላሊ ኣይኮነን። ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቡኪን ፓላስ ክኣቱ ክዕገት ዘይተኻእለ፡ነቲ ኣብ ፈቆዶ ናይ ልምዓት ቦታታት ዝነብር መሪሕነትን ህዝብን ክፈላሊ ዘይሕሰብ እዩ።

ስለ'ዚ መንግስቲ ንድሕነት ህዝቢ ክሰርሕ እንከሎ ንኹሉ ህዝቢ ዘጠቃልል እዩ።ዝኾነ ዝግበር ሽለልትነት ድማ ንኹሉ ዘጥፍእ ምኻኑ ኣብ ኣእምርኦም ክገብርዎ ምተገበኤ። እቲ ዕላማ ግን ጌጋታትካ ንምሽፋን ዝግበር ሓቢርና ንጥፋእ ዝዕላምኡ ምስምስ ስለዝኾነ ህዝቢ ነዚ ተረዲኡ ነዞም ሉሙሳት ክኹኑኖምን ኣጥቢቁ ክቃወምን ኣለዎ። እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ተቃውሞ ድማ ዕላምኡ ህዝቢ ንህዝቡን ሃገሩን ዝገብሮ ኣበርክቶ ንምዕጋትን ንሃገርና ናብ ሕሰምን ለበዳን ሕንፍሽፍሽ ንምእታው ዝተወጠነ ስለዝኾነ እዞም  ብስም ዶክተራትን ጉጅለታንን ውድባትን ኣብ ታሪኽ ጸሊም ታሪኽ ይገድፉ ከምዘለዉ ክበርሃሎም ኣለዎ።

እቲ ዘይጻዕድ ሓፋሽ ህዝብና ሎሚ ከምትማሊ ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ ግን ዘሐብን እንቓዕ ኤርትራዊ ኮንኩ ዘብል እዩ።
God Bless our country!

ግርማይ የማነ


 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events