World News

ECSS-Online.com/: መልሲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 05 February 2017

መልሲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ወርሒ የካቲት ዕለት 05, 2017 ዓ'ም

ናይ ቐጠር ተለቭዥን “ኣልጀዚራ” ብ22 ታሕሳስ 2016 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብዙሕ ታሪኻዊ ጌጋታትን ፖለቲካዊ ምድንጋራትን ዝሓዘ ቃለ መሕትት ኣካይዳ ነይራ። ስለዚ ከኣ ነገራት ብምንጻር ቅኑዕ መረዳእታ ንምሃብ ብዛዕባ’ቲ ዝተዛረቦ መሰረታዊ ጉዳያት ከነቅርብ ንፈቱ።

ቀዳማይ፦ ብኣንጻር ናይ’ቲ ጋዜጠኛ “ኣልጀዚራን” ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዘለዎም ጉጉይ መረዳእታ ብታሪኻዊ መዳይ ሓበሻ ዝብል ቃል ነዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ዝምልከት ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ዝብል ስም ካብ 19 ክፍለ ዘመን ብፍላይ ከኣ ካብ እዋን መስራቲ ኢትዮጵያ ሃጸይ ምኒሊክ ካልኣይ ዝጀመረ እዩ። ሓበሻ ግን ንኹለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መጨረስታ 19 ክፍለ ዘመንን ዕስራ ክፍለ ዘመንን ናይ ሎሚ ዶባተን ቅድሚ ምንጻሩ ዝወሃበን ዝነበረ ስም እዩ። ከም ዝፍለጥ ኢትዮጵያ ህልዊ ዶባዊ መልክዓ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ማለት ፋሽስታዊት ኢጣልያ ምስ ተሳዕረት ብተጽዕኖ ኣሜሪካ ናይ.........................

ኣብ'ዚን ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣንብብዎ።

ብርሃነ

 

መልሲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events