Basic

ካበይ:ኣበይ:ናበይ:

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 19 May 2017

ካበይኣበይናበይ

“ህግደፍ ሰፊሕ ሱታፌ ኤሪትራዊ ዜጋ ኣብ መኣዲ ዓወደ ዘተ ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ኸረጋግጽ ይኽእልዶ?።

ሃብተ ገብረ ችፓላ

19 ግንቦት 2017

     ናይ ሎሚ 9 ወርሒ፡ ብልክዕ 13 መስከረም 2016 ብዛዕባመደብ ብጋህዲ ኣብ ወጻኢ ቁጽሪ 4 5 ከምኡውንውልቃዊ ርእይቶ ምሕሬ ወዲ ኣባሻውል ኣመልኪተ፡ ሓደ ዓንቀጽ ናብ መስከረም ዶት ኔት ሊኢኸ ኔረ። ኣብ`ዚ ጠዊቕካ ኣምብብ- http://africahornnow.com/2016/09/23/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8D%88%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%8D%8B%E1%8D%8C%E1%8A%A4%E1%8D%A1-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%95%E1%8C%BD/

ናብ ናይ ሎሚ መዛተይ ኣርእስተይ ቅድሚ ምስጋረይ፡ ከም መእተዊ፡ ቁሩብ ካብታ ዓንቀጽ ክጠቅስ። ኣብታ ዓንቀጽ፡ንሕና ኤሪትራውያን ብሓባር ክንርዕመሉ ዘሎና ሓደ ደረቅ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ ንፕረሲደንትና ሽሕ ግዜ ንፍትዎ ንዘልኣለም መተካእታ ልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ክኸውን ኣይክእልን። ኣይግባእንውን። ኢለ ኔረ። ብምቅጻል፡ነዚ ደረቅ ሓቂ ብጸጋ ምስ እንቅበልን ምድኻም ተጻባእትና ኣብ ግምት ምስ እነእቱን እምብኣር፡ ከምቲ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንትና ዝበሎ ቀዳምነታትናን ኣድህቦናን ፈቲና ጸሊእና ናብ ልዕልና ሕጊ ምንጋስን ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካልን ከም ዝዝምብል ዘጠራጥር ኣይኮነን ውን ኢለ ኔረ። ኣብ መደምደምታ ኣንቀጸይ ከኣህዝቢ ኤሪትራ ኣጀንዳ ልዕልና ሕጊ ምንጋስን ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካልን በቲ ዝመደቦ ናይ ግዜ ሴሌዳ ኣየተግበሮን። ዊዒሉ ሓዲሩ ካብ ምትግባሩ ካልእ ኣምራጺ ግን የቡሉን። ምትግባሩ ንባዕሉ፡ ዓቢ ብድሆ ምዃኑውን ዝካሓድ ኣይኮነን። ካባ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤሪትራን ስውኣትናን ተጎልቢብና ጥራይውን ዝብዳህ ከምዘይኮነ ንኹልና ቡሩህ ይመስለኒ። ስለዚ፡ ንሕና ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ኤሪትራውያን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ክንዲ ብሕሉፍ ንካሰስን ንምካሕን ንቅድሚትን መጻእን ብምምዕዳው ንጉዳይና ጉዳይ ዜግነት ዘማእከለ ህንጸት ሃገር ልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ቀሲናን ረጊእናን ብጋህዲ ሓሳባትና እንገልጸሉን ኢሂን ሚሂን እንበሃሃለሉን መድረኽ ብዓንተቦ ነጣጥሕ ውን ኢለ ኔረ።  .......................................

***ምንጪ ጽሑፍ፡ ሰኪዔት መስከረም
ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።
ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም
156212-ካበይ፡ ኣበይ፡ ናበይ፡.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events