ሕሳብ ብኸመይ ከም እንምህሮ ዳግማይ ምሕሳብ ከድልየና እዩ።
ሎሚ፡ ብዙሓት ተማሃሮ ፈተና ንምሕላፍ ጥራይ፡ ማለት ንምርዳእ ኣብ ክንዲ ንምጽዋር ጥራይ፡ ሕሳብ የጽንዑ።
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን መብዛሕትኡ ግዜ ሕሳብ ኣብ ክንዲ ትርጉም ዘለዎ ኣተሓሳስባ ከም ስብስብ ኣገባባት እዩ ዝቐርብ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ንፍልጠት ንምድላይን ንፈጠራን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ምልከትን ይድርቶ።
ኣብ መላእ ዓለም ትምህርቲ ሕሳብ ብሓሳብ ዘመናዊ ምግባር የድልዮ። ዋጋ ስለ ዝጎደሎ ዘይኮነስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተማሃሮ ብዕምቆትን ነባሪን መንገዲ ምትእስሳር ስለዘይክእል እዩ።
ሓደ ሓያል መንገዲ ንቕድሚት ሕሳብ ምስ ታሪኹ ዳግማይ ምትእስሳር እዩ። ተማሃሮ ናይ ሕ ሳብ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዝማዕበሉ፡ ማለት ኣምር ኣብ ውሽጢ ዘመናት ብኸመይ ከም ዝማዕበሉ፡ ጸገማት ብኸመይ ከም ዝፍታሑን ንኣተሓሳስባ ብኸመይ ከም ዝተቐየረን ምስ ዝፈልጡ፡ ንሕሳብ ከም እኩብ ርጡብ ሕግታት ዘይኮነስ ከም ህያው፡ ሰብኣዊ ምድላይ ጌሮም ክርእይዎ ይጅምሩ።
እዚ ኣረኣእያ እዚ ዓሚቝ ምርዳእ የተባብዕ። ተማሃሮ ዝሓሸ ሕቶታት ክሓቱ፣ ብነቐፌታዊ መንገዲ ክሓስቡን ንሓደ ጸገም ዝቐርበሉ ብዙሕ መገድታት ከምዘሎ ንኽግንዘቡን ይፈታተን እዩ።
ድልዱል መሰረታዊ ነገራት ምስ ታሪኻዊ ርድኢትን ሓቀኛ ትርጉምን ብምውህሃድ፡ ካብ ልዕሊ ዓቐን ርጡብ ኣስተምህሮ ክንርሕቕን ኣብ ክንድኡ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎምን ብቑዓትን ተማሃሮ ከነማዕብል ንኽእል ኢና፡ብፍላይ ብደረጃ ካልኣይ ደረጃ፡ ንሕጅሳብ ከም ጠለብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሓያል መሳርሒ ኣተሓሳስባን ምህዞን ዝርእይዎ ክከውን ኣለዎ።
Yonatan Math
ኣቀማምጣ ኤርትራ ብጣዕሚ ኢዩ ዝገርም ንማዓድን ንዝምልክት። ኤርትራ ከም ሓንቲ ሃገር ክንርእያ ከለና፥ ኣብ ሓንቲ ጎቦ ኮፍ ከምዝበለት ኢያ። እቲ ዝላዓለ ካብ1800 ስጋብ 2300 ምትሮ እዩ። እቲ ዝተሓተ ድማ 75 ትሕቲ ባሕሪ ኣብ ከባቢ ዓፋር ፖታሽ ዝርከበሉ ከባቢ እዩ። ኣአስመራ ድማ 1800 ሊዕሊ ባሕሪ ትርከብ።
ሕጂ እዚ እንታይ ከርድኣካ ይክእል፤ እቲ ማዓድናት ትሕቲ መሬት ዘሎ ንላዕሊ ከም ዝወጸ። ንሕና ሕጂ ከነስተውዕሎ ዝግባ ኣና፤ እንታይ ዓይነት መዓድን ኣብ ምንታይ ዓይነት ሓመድ ይጸንሕ።
እቶም ብቅጻሊ ከም ቀመማትን ማዓድናትን ዝፍለጡ ባእታታት ማለት ካብ ሃይድሮጅን ክሳብ ኦጋነሶን ኣብ ግምት የእቲና ኣብ ልዕልን ታሕትን መሬት ከም ዝርከቡ ኣብ ግምት ክንእቱ ይግባእ። ተመራመርናን ኣጽኒዕናን ክንፈልጦ ንክእል ንባህርያት ባእታታቱ።
ነቲ መሬት ንሕብሩ፥ ንዓይነቱ፤ ንከባቢኡ፥ ከነስተዉዕለሉ እንተ ጀሚርና ንምንታይ ከም ኡ ዓይነት ምሓዙ ምክንያት ኣለዎ። መሬትና ድማ ብጣሚ ሃብታም ምካኑ ነስተውዕል። ገለ ገለ ሰባት ቡዙሕ ይገርሞም ከምዚ ዓይነት ምዓድን ይርከብ እንተበልካዮም። ኣብ ኣፍሪቃ ዝይርከብ መዓድን ኣሎ ድዩ፧ ኤርትራውን ኣብ ኣፍሪቃ እያ ትርከብ። መብዛሕቱ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ማዓድናት መጠኑ ይበዝሕን ይዉሕድን ድ ኣ እምበር ዘይርከብ ነገር የለን።
የቀንየለይ
ዮናታን ማትስ`
Dear Dehai members,
If each of us need to shares our knowledge, skills, and expertise to our country Eritrea.
We can create a powerful foundation. But knowledge alone is not enough.
What we need first is wisdom—the ability to apply knowledge effectively through the right methods.
So what are the methods?
Build a culture of learning Encourage curiosity, critical thinking, and problem-solving from early education.
Shift from memorization to understanding and application by teaching the theory of numbers.
We need collaborate and share knowledge so our scientists, teachers, engineers, and thinkers can work together.
Let's create platforms to exchange ideas.
Focus on practical solutions
Let's apply science and technology to real national challenges: agriculture, water, energy, health, and infrastructure.
Let's Invest in education and research Strengthen STEM education (science, technology, engineering, mathematics). Support innovation, experimentation, and local research.
Our long-term thinking can make us. responsible toward society.
Let's start small, scale smart Begin with small projects, test ideas, improve them, and expand.
Knowledge gives us power. But wisdom gives us direction—and method turns vision into reality.
Thank you
Yonatan Math
አብ ኤርትራ ኣልጎሪዝም ዝባሃል ንደቅና (ንቆልዑትና) ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ክንምህሮም ክንጅምር አለና። ንሐደ ዕማም ንክፍጽሙ ወይ ንክፈትሕዎ ንዝደልዩ ሕቶ ወይ ነገር ብከመይ መንገዲ ኣጋባብ መሰረት ተጠቂሞም ብዝተማሃርዎ ናይ ኣጋባብ ኣፋታትሓ (ኣልጎሪዝም) መምርሕታት ዝሓዘ ሚሂርና ንክፈትሕዎ ክሕግዞም ይክእል እዩ። ንዑኡ ክንምህሮም መጀመርታ ክለሰ ሓሳብ ናይ ቁጽርታት ንምህሮም፤ ንሱ ኣጋባብ ናይ ቁጽርታት ብከምይ ከም ዝራብሑ ቁጽርታት ዘምህር ኮይኑ፤ ንዑኡ ምስ ተማሃርካ፤ ንሱ ብከመይ መምርሒ ብ ኣሃዝ ተውጽ ይሕግዘካ። ንዑኡ ድማ ክትቀርጾ ስለ ዘለካ ብመልክዕ ቅርጺ (ስእሊ)፤ ነቲ መምርሒ ቁጽርታት እንዳ ሃብካ ትቀርጾ ይግባእ። ስለዚ ነዚ ኣጋባብ ብቁጽርን፥ ኣሃዝን(ፊደላትን)፥ ብቅርጽን(ስእሊን) መተረድ ኦ ሓደ ተማሃራይ፤ ንዝተፈላለየ ኣጋባብ ንዘድልዮ ነገራት ክትፈትሓሉ ይክእል ሓደ ተማሃራይ።
Thank you
Yonatan Math.
ዓይኒና
ኪኖ ምርኣይ፡ ዓይኒ እንታይ ትርእዮ፡እንታይ ትስእኖ ብዙሕ ግዜ ደቂ ሰባት ንዓለም ብሓሙሽተ ህዋሳት ማለት ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምትንኻፍ፡ ምጥዓምን ምሽታትን ከም ዝረኽባ ንመሃረና። ካብዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ምርኣይ ከም ዝሓየለ እዩ ዝቑጸር። ብዓይንና ኣቢልና ነንብብ፡ ንመሃር፡ ንጓዓዝ፡ ንጽባቐ ነለልዮ፡ ኵንነት ድማ ንትርጉም። ራእይ ንዓለም ብኸመይ ከም እንርድኣ ይቐርጻ።
ሎሚ ግን ኣብ ጽቡቕ ባህሪ ዓይኒ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ድሩትነቱ እውን ከድህብ እደሊ።
ብስነ ፍልጥት መዳይ፡ ዓይኒ ወዲ ሰብ ዜደንቕ እዩ—ግን ምሉእ ኣይኰነን። ኣዒንትና ንሓደ ጸቢብ ብርሃን [ባንድ ናይቲ ኤሌክትሮማግኔቲክ ስፔክትረም] ጥራይ እየን ክርድኣ ዝኽእላ፣ እዚ ድማ ዝርአ ብርሃን ኢልና እንጽውዖ (400 - 700 terahertz (THz) Frequency ~ ካብ 400 ክሳብ 700 ናኖሜተር ዝቑመቱ ኮይኑ፡ ብዝርአ ብርሃን ዝፍለጥ እዩ።)
ኪኖ እዛ ንእሽቶ መስኮት እዚኣ ሰፊሕ ኵንነት ኣሎ፥ ትሕተ ቀይሕ፥ ኣልትራቫዮሌት፥ ማዕበል ሬድዮ፥ ራጂ ኤክስ፥ ከምኡውን ጨረርታ ጋማ። እዞም ፍሪኩዌንሲታት እዚኣቶም ናይ ብሓቂ፡ ዝዕቀኑን ሓያላትን እዮም፡እንተኾነ ግን "ብዘይ ሓገዝ ንዓና ኣይንርኣየናን እዩ"።
እዚ ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል፤ ካብቲ ኣዒንትና ዝረኣዮ ንላዕሊ ክንድዚ ዝኣክል ነገር እንተሃልዩ፡ ክንደይ ክውንነት እዩ ዝጎድለና ዘሎ?
ምዕባለ ደቂ ሰባት ወትሩ ካብ ተፈጥሮኣዊ ደረት ንላዕሊ እንርእየሉ መገድታት ምስ ረኸብና እዩ ዝስጉም።
ምርኣይ ብዛዕባ ዓይኒ ጥራይ ኣይኮነን- ብዛዕባ ምርዳእ እዩ። ንምርዳእ ድማ ጻዕሪን ፍልጠት ንምድላይ ድሌትን ኪኖ እቲ ብኡንብኡ ዝርአ ድልውነትን የድሊ።
እቲ ክንርእዮ ዘይንኽእል ነገር ዘይነበረ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከመይ ጌርና ከም እንርኢ ክንመሃር ጥራይ እዩ ዝጽበየና።
ኣብ መደምድምታ ንዓይንና ዝሕግዝ ንገለ ሸነክ ንናይ ቁጠባና ንምሕያል ገለ ገለ ንኣሽቱ ነገራት ኣታ ኣታቲና ነንጥቀመሎም ቁሩብ ሓጋዚ ምኮነ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።
Thank you
Yonatan
Yonathanmath at gmail dot com
ኩሉ ንዓይ ===== ኩሉ መሬቱ ባሕሩ ሰማዩ ጠፈሩ እኽለማይ ማዓሩ ናተይ እዩ ንዓይ ዘሎ ትሕቲ ጸሓይ ናተይ እዩ ሃብተይ ሺሻይ ብጽሒተይ ዝሃበኒ ሓይለይ ዓርሞሾሽ ቕልጽመይ እወ ኹሉ ወርቁ ማዕድኑ ኦክስጂን ኣየሩ ነዳዲ በንዚኑ መሬት ዝዓቖሮ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ናተይ'ዩ ናተይ ኣይትተንክፉለይ ይብል ኣሎ ጉማረ ስርዓት ዘበና ዝተጸለለ ብሕጊ ዓለም ሕንጊድ ዘይእለ ዕቡይ ትምክሕተኛ ዘየብሉ ዳኛ ሃዊኹ ዓለምና እንታይ ተሪፍዎ እዝጊሄር'የ ክብል ዝምሕር ዝቐትል ዓለም ዘማሓድር ድላዩ ዝገብር ኩሉ ገሪምዎ ዝብሎ ሓርቢትዎ ሓይሉ ደኺምዎ ይብል ኣሎ እዝግዮ ፈጣሪ ክኣልዮ
==== ኩሉ መሬቱ ባሕሩ ሰማዩ ጠፈሩ እኽለማይ ማዓሩ ናተይ እዩ ንዓይ ዘሎ ትሕቲ ጸሓይ ናተይ እዩ ሃብተይ ሺሻይ ብጽሒተይ ዝሃበኒ ሓይለይ ዓርሞሾሽ ቕልጽመይ እወ ኹሉ ወርቁ ማዕድኑ ኦክስጂን ኣየሩ ነዳዲ በንዚኑ መሬት ዝዓቖሮ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ናተይ'ዩ ናተይ ኣይትጠሙቱለይ ይብል ኣሎ ጉማረ ልቡ ዝተረረ ዓለም ዘደንገለ ብሕጊ ዘይእለ እንታይ ተሪፍዎ እዝጊሄር'የ ክብል ዝምሕር ዝቐትል ዓለም ዘማሓድር ድላዩ ዝገብር ኩሉ ገሪምዎ ዝብሎ ሓርቢትዎ ሓይሉ ደኺምዎ ይብል ኣሎ እዝግዮ ፈጣሪ ክኣልዮ
ሺፍትነት ===== ሺፍትነት ብጋህዲ ዝጥሓሰ ዓለማዊ ሕጊ ተፈጺሙ ጭውያ መንግስቲ ብኣመሪካ ዘይብላ ቀይዲ እወ ተፈጺሙ ዘቖጥዕ! ዘሐፍር! ልብኻ ዘነድር ነውራም ኣብ ዓለም ዘኾንን ዕብዳን'ዩ ጽላለ ዘይብሉ ጠገለ መራሒ ክጭወ ኲናት ዘይውዓለ ዝገርም'ዩ! ኣብ ክንዲ ዝእረም ዝደጋገም ገበን ኣብ ቡዙሓት ሃገር እወ ተፈጺሙ ኣብ ኢራቕ ኣፍጋኒስታን ሓይሊ ዓመጽ ብምጥቃም ኣብ ሶርያ ኣብ ሊብያ ኣብ ቃዛ ሶማልያ ብመደብ ብሕርያ ወንጀል ኣመሪካ፡ ይደጋገም ኣሎ ስስዐ ዘንቀሎ ብስዉር ብጋህዲ ልብኻ ዘድሚ ሞት ዕንወት ዓዳሚ እቲ ለባም ፈታው ሰላም ይብል ኣሎ ዓገብ ዓመጽ ወራር ብመደብ ዘየብሉ መኽሰብ ምንጪ ዕንወት ከልበትበት ብዝኾነ ሕጊ ፍትሒ ይንገስ ብስርዓት ይቀለስ ይከበር ኣይፍረስ
ተዝምርመር ======= መራሕ ኢትዮጲያ ፕራይም ሚኒስተር ተዝፍተሽ ርእሱ ተዝምርመር ብሓካይም ፈላጣት ኣብ ዓለም እወ ተዝምርመር ብለባማት ዓበይቲ ወለዲ ብኣቕሺሽቲ ባረኽቲ ቀደስቲ ኣብ ሆስፒታል ኣብቲ ባይቶ ዓዲ ብርግጽ! ዓቢዱ'ዩ ተጸሊሉ ምበሉ ብሓደ ድምጺ ብዘይጥርጥር ብጭቡጥ ብግልጺ 'ቶም ስዓብቱ ኩሎም ዝገደዱ ብቕዓት-ኣልቦ ሚዛን ዝሰሓቱ ክልተ ሓደ ኣብ ሓሶት ዘዅድዱ እወ ኩሎም ሓደ ወረርቲ ኣስፋሕፋሕቲ ጸረ-ሰላም ዕሱባት ከደምቲ ዘይቅይዶም ናይ ዓለምና ሕጊ
እንተ ሓሰብኵኦ እኮ፡ ተታሊለ። ብዛዕባ ሕሳብ፡ብፍላይ ድማ፡ እቲ ሓቀኛ ኣገባብ ኣቃርጻ ኡ፡ ንነዊሕ እዋን ዝተማህረ ናይ ሓሶት ትምህርቲ እሞ ዘየጠራጥር ሓቂ ክኸውን እሞ ሕሰብ። ሎሚ ኣብዚ መጺአ ዘለኹ ኵንነት ዘመናዊ ዘመንናን ከመይ ጌርና ኣቀራርባና ከነመሓይሾ ከም እንኽእልን፡ ሕሳብ ብግቡእ መንገዲ ምምሃር ክጅር እየ ኣብ ኤርትራ። ከምኡ ብምግባርና ነቲ ኣድማሳዊ ቋንቋ ማለት ሕሳብ ተጠቒምና ኣብ ስነ ፍልጥትን (ሳይንስን) ስነ ኪነትን (ቴክኖሎጅን) ክንስጉም ንኽእል መታን።
ብ1982 ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ዝሓሸ ትምህርቲ ንምርካብ ካብ ኤርትራ ወጺአ ናብ ምዕራብ ኣምሪሐ። ኣብቲ እዋን’ቲ ሊቅ (ሳይንቲስት) ኮይነ ናብ ዓደይ ተመሊሰ ንንኤርትራ ብስነ ፍልጥት (ብሳይንስን ብቴክኖሎጅን) ንቕድሚት ንምስጓም ብዝነበረኒ ተስፋ ተሓጒሰ። ምዕራባውያን ናይ ትምህርቲ ጥርዚ ከም ዘቕርቡ እኣምን ነይረ። ሽዑ፡ መሰረታዊ ነገራት ጥራይ እየ ዝሕዝ ነይረ፡ ኣብ ሕሳብን ስነ ፍልጥትን ምሁራዊ ትምህርትታት ብዕምቆት እናኣዕመቕኩ ምስ ከድኩ ግን፡ ሓደ ነገር ተሰሚዑኒ። እዚ ኩሉ ፍልጠት እናሃለወ ንባዕለይ ናብ ምሁር ወይ ሊቅ (ሳይንቲስት) ኣይቀየረኒን። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣጨነቐኒ፣ ስርዓተ ትምህርቶም ድማ ክጠራጠር ጀመርኩ።
ንነፍሲ ወከፍ ዝመሃሩኒ ኣምር ኣብ ሕቶ ምልክት ከእትዎ ጀሚረ፡ ዕላምኡ እንታይ እዩ ነይሩ፧ መምህራን ደሓራይ ክጠቕመካ እዩዕ ዝብል መመኽነይታታት ሒዞም ይህቡኒ ነበሩ። ስለምንታይ ከም ዝመሃሮ ግን ክርድኣኒ ደለኹ፣ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ። ብፍላይ ኣብ ሕሳብ ኩሉ ነገር ኣብ ሀንለን ፈራቂ፡ ተቐሪጹ፡ ውጽኢቱ ድማ ጥዉይዋይን ማዕበልን ዝመስል ኣቃርጻ እዩ። ንነብሰይ እዚ ኣብ ሓቀኛ ህይወት መዓስ እየ ክጥቀመሉ፧ ጥርጣረታተይን ዘይሕለል ሕቶታተይን ኣብ መወዳእታ ናብቲ ሓቀኛ ኣገባብ ኣቃርጻ ሕሳብ እዩ ኢለ ዝኣምነሉ መንገዲ ኣምሪሑኒ። ብኣጋጣሚ እዩ ጀሚሩ፣ ኣብ ርእሰይ ቁጽርታት ከመይ ጌረ ከርብሖም መንገዲ ከም ዝሰርሕ ምስ ፈለጥኩን ነቲ መሰረታዊ ስነ፡መጐት ምስ ኣቃላዕኩን ምስጢሩ ክቃላዕ ጀመረ።
ንመምህረይ (ፕሮፌሰራት) ገጢመዮም፡ ንምንታይ ኣብ ክንዲ ኣብ ካልኩለስን ውህደትን ምትኳር፡ ብሓንጎልና ቁጽርታት ክነራብሕ ከም ንክ እል ዘይትምህሩና፧ ንዑ ኡ ድ ኣ ቀማሪት ማኪና (ካልኩሌተር) ኣለና እንዶ ኢላ መለሰትለይ። ኣብታ ዝበለታ ህሞት እቲ ቀማሪት ማኪና (ካልኩሌተር) ንባዕላ ብከመይ ጌራ ውጽኢት ትረክብ፧ ምኽንያቱ ስነ፡መጎት ስለ ዝፈልጥዕ ኢለ መልሲ መጻኒ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ታሪኽ ሕሳብ ንምጽናዕ ንነብሰይ ወፍየ ንሓሙሽተ ዓመት ። ኣብ መፋርቕ 1600ታት፡ ሕሳብ ምቅራጽ ዝስኣልሉ ኣገባብ ዓሚቝ ለውጢ ከም ዝነበረ ረኺበ። ረነ ዲካርጽ ብ1637 ሀንለን ፈራኪ (x and y-axis) ምሂዙ ነይሩ፣ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣይዛክ ኒውተንን ጎትፍሪድ ዊልሄም ላይብኒዝን ሀንለን ፈራኪ (x and y-axis) ክብርታት ብምምዳብ ነዚ ሃኒጾም። ንናይ ሕሳብ ዝምድና (ፋንክሽን) ከም ጥዉይዋየትን ማዕበልን ዓቃርጻ ዝዓይነቱ ክስእሉ ጀመሩ። ኒውተን ኣብዛ ኣርእስቲ ዝጸሓፋ ናይ መጀመርታ መጽሓፉ ከይተረፈ *ኣገባብ ፍላክሽን* ዝብል ኣርእስቲ ሂብዋ፣ ምኽንያቱ እቶም ክብርታት ካብ ነጥቢ ናብ ነጥቢ ይቕየሩ ስለ ዝነበሩ፣ እቶም ቦታታት (ኮርዲኔ፡ ወይ ነጥብታት፡ክተኣሳሰሩ ከለዉ ጥዉይዋይ ፈጥሩ ብምንባሮም።
እቲ ሓቀኛ መበገሲ ሕሳብ ኣቃርጻ ግን ኣብ ጥዉይዋይን ወይ ማዕበል ዓይነት ኣይኮነን። እቲ ምዝንባል ብረነ ዲስካርድ፡ ብሀንለን ፈራኪ ብምትእትታው ጥራይ እዩ ዘጋጠመ። ንልዕሊ ፫፷ ዓመታት፡ ሕሳብ ብሓቂ ብኸመይ ይቅረጽ ኣሎ ኣብዚ ሰዓት ከም ዘለዎ ተታሊልና ኢና። ሕሳብ ኣድማሳዊ ቋንቋ እንተኾይኑ፡ ንድፊ መጥልዕ ሰለዳ ሰርኪዩት ኣብ ግምት ኣእትውዎ፡ ስነ፡መጐቱ እንታይ እዩ፡ ስለምንታይከ ከም ጥዉይዋይን ወይ ከም ምማዕበን ዝዓይነቱ ዘይውከል ይቅረጽ ኣሎ፧ ቡልያን ኣልጀብራ ካበይ መጺኡ፧ ነዚ ታሪኽ ዝምህር ሰብ የለን፤ ምስጢር ተዓቂቡ ኣሎ።
ብሓቂ ኣብ ስነ ፍልጥትን ስነ ኪነትን (ሳይንስን ቴክኖሎጅን) ክንስጉም እንተ ደሊና፡ ነቲ ሓቀኛ ኣገባብ ኣቃርጻ ሕሳብ ክንሓቑፎን ክንምህሮን ኣሎና። ሽዑ ጥራይ ኢና ምሉእ ዓቕሙ ክንከፍቶ እንኽእል።
Yonathanmath at gmail
ኩቡራት ኤርትራዊያን
ዝተማሃርና እኮ፥ ንነብስና ከምእዉን ንህዝብና ብዓቢኡ ድማ ንሃገርና ኢና። ስለዚ ንሃገርና ዝኮነ ሕጽረት ናይ ጽዓት ከየጋኒፋ ኣድላዪ እንተ ኮይኑ ዋሕስ ዘለዎ ንሎሚን ንመጻኢ ወለዶ፣ ናይ ኒክለራዊ ጸዓት ንኤርትራ ክነዉሕሰላ ንክእል ኢና። ብከመይ ነክሶ፥ ብምንታይ ንዕቅኖ ንሓይሉን ንምንቅስቃሱ ንዑኡ ዝከውን ናይ ሕሳብ ቁጽሪ መምሪሒ ኣሎ። ኑክለራዊ ጽዓት እንተ ኣለና ድማ ሓይሊ ኣለና ማለት እዩ። ምስኡ ዝመጽእ ነገራት፣ ጥንቃቀ፣ ዘረባ ቡዙሕ እዩ፣ እንተኮነ ግን ብዘይ ጽዓት ፋብሪካታት፣ ስራሓት ቡዙሕ ክስራሕ ኣይካኣልን እዩ። ስለዚ ኑክለራዊ ጸዓት ዊዒሉ ሓዲሩ ከዲሊየና እዩ። እቲ ዕላማ ነቲ ማዕድናዊ ሓመድ ብከመይ ኣንኪስካ ምንቅስቃስ ምፍጣር ኢዩ። ንዑኡ ድማ ዘገልግል ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ኣሎ። ብሓንሳብ ተወዲብና ንጀምሮ ይብል።
Awet NiHafash
Yonatan Math
ክነብር ነርዎ! ======== ኣብዛ ዓለም ኩሉ ይቀያየር ከጽልኣካ ናይ ተፈጥሮ ነገር ገለን ይሓልፍ ገለን ይፍጠር ይውለድ ይመውት ተር ከም ዓተር ኣይግባእን ኩሉ ክሓልፍ ክመውት እቲ ተጋዳላይ እቲ ዉፉይ ህርኩት ሃገሩ ኣፍቃሪ ኣብ መኸተ ዕዉት ተጋዳላይ፡ ክነብር ነርዎ ጻምኡ ክርኢ ክሕጎስ ከዐርፍ ከማእዝን ተካኢ ኤርትራ ክሪኣ ማዕቢላ መጻኢ እወ ጨልግድ፡ ፍጹም ኣይግባእን ክሓልፍ ክስዋእ ኣብቲ ገድሊ ኣብቲ መኸተ ኣብቲ ህንጸት ኮይኑ እንድዩ ሞባእ ኣለኹ ኢሉ ንፍትሒ ክዋጋእ ብርግጽ! ተዋጊኡ ኣዋጊኡ ኣቃሊሱ ተቓሊሱ ደም ረሃጹ ክዕዩ ኣፍሲሱ ምስ'ታ ጂግና መጋድልቱ ተጋዳላይ - ይካኣሎ ዋርሳይ ዝተቓለሰ ኣንጻር ከዳዕ ጣልማይ ዝመከተ ኣንጻር ሸርሒ ኣባይ ይምበር ድኣ - ሎሚ ይዅን ዳሕራይ ንዘልኣለም ከምዚ ምድሪ ሰማይ
ሕማቅን ጽቡቅን ክንፈልጥዶ ንደሊ፧ ንሓደ ነገር እኮ እንተዘይ ተመራሚርናሉን ኣቅልብናሉን ኣየነስተብህለሉን ኢና፥ ቡኡ ከኣ እቲ ነገር ረቂቅ ይከዉን። ክተስተብህለሉ እንተ ጀሚርካ ግን ቅርብ ኢልና ዛይዳ ከነስተብህለሉ ንጅምር፥ ንመጀመርታ ድማ ትርጉሙን ጥቅሙን ትሕዝትኡን ክራኣየና ይጅምር እሞዛይዳ ጥልቅ ኢልካ ክትንትኖ ምጀመርካ ድማ ኣዚዩ ዓሚቅን ረቂቅን ምካኑንንመጀምርታ ክራ ኣየካ ይጅምር እሞ ብልሓቱ ኣዚዩ ነዊሕ ምካኑ ይራኣየና።
እንታይ ንክብል ደሊየ፥ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌታት ናይ ቀመርቲን ጸሓፍትን ስነ ኪነታት፥ እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ ትብሉ ነዛ ንሕና ማዕተብ ኢልና ኣብ ክሳድና ንለብሳ ወይ ድማመስቀል ኢልና ንሳለማ፧ ሕጂ እንታይ ክብል ደሊየ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተንቲነዮ ዘለኩ ተመሊስኩም ኣንብ ብዎ በጃኩም።
የቀንየለይ
ሓዉኩም ተመራማሪ nay ሕሳብ (ቁጽሪን ኣሃዝን ቅርጽን) ዮናታን ሰለሙን
Yonathanmath@gmail.com
Thank you ድምጻዊ ዶክተር ንፍሲሄር በረኸት መንግስትኣብ! እስኻ እወ እስኻ ኩሉ ዝምስክሮ ድምጽኻ ዝነግሮ በረኸት ሃገር ጸጋ ባህሊ ኵርዓት ኤርትራዊ ሓበን ዜጋ ድምጹ ዘይበሊ ነርካ ኣለኻ ሎሚ ዘልኣለም ወትሩ ተዘካሪ ሓሊፍካ እምበኣር ሞት ኮይኑ ቀብሪ ስምካ ወቒርካ ኣብ ርእሲ ኤርትራዊ 'ቲ ጥዑም ዜማኻ ስምዒት ሰርሳሪ ሰሚዕካ ዘይምኖ ኤርትራ ኣፍቃሪ
In any event, thank you for your immeasurale services for the people of Eritrea! You will be terribly missed!
R.I.P.
ነዚ ሓዲሽ ቅዲ ኣቃርጻ ናይ ሕሳብ (ቁጽሪ) ከተኣታትዎ ተዳሊየ ዘለኩ ኣብ ኤርትራ፥ ሓዲሽ እኳ፥ እንተ ዘይኮነ ብዓይነቱ፥ ስለ ቅድሚ ሰለስተ ሚኢትጹሳን ዓመት (፩፮፮፭) ይማሃር ብምንባሩ፥ ሎሚ ሓዲሽ ኮይኑ እንተ ተሰሞዖ ሰብ ግን ኣይኮነን። እዞም ሎሚ ከም ሊቃዊንቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይ ሕሳብ (ቁጽሪ) ነቲ ሓዲሽ ቅዲ ኣቃርጻ ዘተኣታውዎ ካባኡ ኢዮም ኣመንጮም ኣብ ትሕቲ ሽም ፡ፍላክሽን፥ ብዝብል። ንሱ ድማ ትርጉሙ ካብ ቦታ ንቦታ እቲ መወሃሃዲ ናይ ሀንለን ወይ ኤክስን ዋይን ኣክሰስ እንዳ ተላዋወጠ ይህብ ስለ ዝነብርረ እቶም ነጥብታት እሞ ከኣ ንጥብታት ብሕንጣት ክተላግቦም ምስ ጀመርካ ጥውይዋይ ዝዓይነቱ ቅርጺ ስለ ዝ ህበካ ፍላክሽን ስም ተዋሂቡዎ እቲ ሓዲሽ ኣቃርጻ። ነቲ ኑቡርን ቀሊሊን ዝሓሸን ዝነበኣቃርትሳ ሰለስተን ካብ ሰለስተን ንላዕሊ ኩርናዓዊን ኣቃርጻ ተኪኡዎን ኣረሲዑዎን ሎሚ። ኣብዚ ሰዓት እዞ በቲ ብ፩፱፮፭ ዝተጀመረ ሓዲሽ ዓይነት ፍላክሽን ወይ ካልኩለስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ት ህማሃር ኣሎ ተማሃራይ ጥራሕ ሕጂ። ሕጂ ንሕሳብ ቁጽሪ ዋላ ኣፋታትሕ ኡ ዋላ እንተ ፈለጥካዮ ንጥቅሙ ረቂቅ ጌሩዎ። ካብ ዓይኒ ዝገለለ ካብ ልቢ ገለለ ከም ዝባሃል፣ ነዚ መብዛሕቱ ናይ ኤሌክትሪክ ባህሪያት ፈሊጥካ ብከምይ ከምትቃጻጸሮ ትክእል ናይ ስነ ሞጎት ናይ ቡሉወን ኣልገብራ ዝባሃል ካብ ምንታይ ዓይነት ኣቃርጻ ከምዘመንጭዎም ረቂቅ ጌሩዎ ኣሎ እቲ ናይ ቀደም ኣቃርጻ ስለ ተረሰዔ።
ነዚ ከም ሓዲሽ ጥውይዋይ ዝዓይነቱ ኣቃርጻ ዝተኣታተወ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ብ ባዓል ኣይዛክ ኑይተኒን ጎድፍርድ ዊልሄም ላይብዚንግ በሰንኪ ወዲ ፈረንሳ ሬነ ዲስካርተ ዝተባህለ ሕሳቤኛን ፈላስፋን ንመጀመርታ ዘላለየ ሀንለን ፈራቂን ኤክስን ዋይን ኣክሰስ ዝባሃል ዋልለየ ሓንቲ ፊደል ተ ትመስል፣ ሹዑ ነዚ ተገንዚቦም፣ኣንቲ ፊደልተ ነቲ ምር ኢት (ኢኮሽን) ከም ትዉይዋይ ዝዓይነቱ ክቀርጸኦ ጀመሩ። ሎሚ መምሃራናን ተማሃሮናን ኣብ ፊደል ተ ትመስል ጥራሕ ዝቅረጽ ዝመስሎም ሕሳብ ቁጽሪ ኣቃርጻ።
ንሕና ኤርትራዊያን ነቲ ናይ ቀደም ቅዲ ኣቅርጻ እንተ ኣተ ኣታቲናዮ ቡዙሓት ሊቃዊንቲ ከነፊሪ ጥራሕ ዘይኮና ብርግጽ ሕሳብ ቁጽሪ ቀሊሊን ስነ ሞጎታዊን (ሎጂካልን) ቡዙሕ ዓይነት ክለሰ ሓሳባት ካቡኡ ከነመንጩ ምካና ይዋሓሰኩም ኣነ። ሃገርና ድማ ዝማዕበለትን ዝሰልጠነትን ክትኮነልና እያ። ብቁጠባ ድማ ክትዓቢ እያ ብድሕሪኡ። እሞ ነተኣታትዎ ዶ እዚ ሓዲሽ ኣቃርጻ፧ See YouTube Link below:
https://youtube.com/shorts/oT_L0PtMylE?feature=shared
Yonatan Math
ክሳብ ማዓስ...፧ ========= ሻዕብያ ክሳብ ማዓስ ክትልቡሙ ዓቕሊ ጠባይ ክትገብሩ ኣርሒቕኩም ክትሓስቡ ምኽሪ ክትምጥዉ ንባዓል ገዋኑ ኣብ ጽምዶ ዘይኣምኑ እዚኦም፡ ፍጥር ቡቑል ክብሉ ሃገር ከይኮኑ ክወሩ'ዮም ዝነበሩ ስለዚ ዓመጽቲ ተዃሉ ሕጊ ዘየኽቡሩ ማዕሬኹም ክሓስቡ ዘይከውን'ዩ ፈጺሙ ኢሂን ክላመዱ ምስ ሓቂ ክጸምዱ ኣይፈልጥዎን መንገዱ ኩሎም'ዮም ጓሓሉ ጽውጽዋይ ዝኣምኑ ክልተ መልሓሶም ቀልቦም ዝተደፍኑ እወ! ጸረ-ሰላም - ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ ጸጋዕተኛ - ኣብ ነብሶም ዘይኣምኑ ተላኣኽቲ ባዕዲ ዘገልግሉ ስለዚ ዙሩጋት'ዮም ራኢ ዘይብሎም ምዕብልና ግዜ ዝጠንጠኖም ሓደ ካብቲ ሓደ ዝቐርዓነ ልቦም እሞ ደጀነይ! ሓበነይ! ግዜኹም ኣይተጥፍኡ ምስ ጠላማት ፈጺሞም ዘይሰምዑ ባህሎም ዝገበሩ ወቂሮም ክጎስዑ ጥራሕ ሓድነትኩም ይጽናዕ 'ቲ ዕጥቅኹኹም 'ቲ ዘይዕጸፍ ኒሕ ወናም መኸተኹም ዘምበርከኸ ኣባይ ደመኛኹም
እስኻ እወ እስኻ ኩሉ ዝምስክሮ ድምጽኻ ዝነግሮ በረኸት ሃገር ጸጋ ባህሊ ኵርዓት ኤርትራዊ ሓበን ዜጋ ድምጹ ዘይበሊ ነርካ ኣለኻ ሎሚ ዘልኣለም ወትሩ ተዘካሪ ሓሊፍካ እምበኣር ሞት ኮይኑ ቀብሪ ስምካ ወቒርካ ኣብ ርእሲ ኤርትራዊ 'ቲ ጥዑም ዜማኻ ስምዒት ሰርሳሪ ሰሚዕካ ዘይምኖ ኤርትራ ኣፍቃሪ
In any event, thank you for your immeasurale services for the people of Eritrea! You will be terribly missed!
R.I.P.
ኣየ ሰብ! ===== ክበዝሕ ዓይነቱ ጠባይ ኣንደበቱ ሕልሚ ሓሳባቱ 'ቲ ራኢ ድፍረቱ ዘገርም ዘደንጹ! እወ 'ቲ ፍልጠት ክእለቱ ጥበቡ ብቕዓቱ ስፍሓቱ ዕምቀቱ ሰማይ'ዩ ደረቱ! ኩሉ ንጥፈታቱ ስንፍና ድኽመቱ ዕሺነት ብስለቱ ዝድነቕ ዝውቀስ ዝነኣድ ዝሙጎስ ዝርሳዕ ዝውረስ ኩሉ'ዩ ባዕሉ ዝሃንጽ ዘዐኑ ጨካን ዝወጸሉ ንሕስያ ዘይብሉ ካብ ፍጡራት ኩሉ ሰብ እወ እዚ ሰብ እንዳፈለጠ 'ቲ ክሳራ መኽሰብ ንሰላም ጎስዩ ሰራውሮም ምሕዩ ይብል ተሳነዩ ትኽ ተበለ ማዕጺድ ተግባሩ የሰምብድ ኲናት ውግእ የአንግድ ኣዕናዊ ዘስገድግድ ሰብ ተለመጸ ተመን ፍጹም ዘይእመን መርዛም እሾኽ መርገም መሬት ብገፋሓ ምስ ኩሉ ሺሻያ ዘጋኣ ኣይካለን ብሲኒት ክነብራ ክበልዓ
ዝኾነት ሃገር ንክስጉም ትብህግ ኣገዳስነት ናይ ሕሳብ (ቁጽሪ) ክፈልጥ ጥራይ ዘይኮነስ ኣየኖት ዓይነታት ሕሳብ (ቁጽሪ) ኣብዞም ዓውድታት እዚኦም ተግባራዊ ምዃኖም ክፈልጥ ኣለዎ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ታሪኽ ሕሳብ (ቁጽሪ) - ምስ ግዜ ብኸመይ ከም ዝተቐየረን መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ብቐሊልን ተበጻሒን መገዲ ብረቂቅ ኣገባብ ከም ዝምሃርን ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ደቂ ሰባት ከም ምሁራት ፍጡራት መጠን፡ ንኣረኣእያታት ክቆጻጸሩ ይኽእሉ። እቶም ዝያዳ ኣፍልጦ ዘለዎም ወይ ሓያላት ኮይኖም ክረኣዩ ዝደልዩ፡ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ከጉድል ዝኽእል ሓበሬታ ክኽልክሉ ይኽእሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ርእሰ ነገር እምነትን ምርዳእን እዩ ዝወርድ።
ንተማሃሮ ብዛዕባ ታሪኽ ሕሳብ (ቁጽሪ) ብኣድማዒ መንገዲ ንምምሃር፡ ቅድሚ 360 ዓመት ብኸመይ ከም ዝተማህረ ንድሕሪት ተመሊስና ክንጥምቶ ይግባእ፡ ብፍላይ ድማ ቅድሚ ምምጻእ ካልኩለስ ብመንጽር ስእላዊ መመዓራረይቲ ሕሳብ (ቁጽሪ)።
መሰረታዊ መትከላት ሕሳብ (ቁጽሪ) ምርዳእ ንመጻኢ ኣጣቃቅማ (ኣፕሊኬሽናት) ወሳኒ እዩ። ነቶም ከማይ ብዕምቆት ክድህስሱ ዝደልዩ፡ ቁጽርታትን ተለዋዋጢ ረቛሒታትን ብኸመይ ከም ዝተረኽበ ምድህሳስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ናብ መበገሲ ምንባብ፡ ምጽሓፍን ምሕንጻጽ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ብመመዓራረዪታት ዝመርሓና እዩ።
If you want to comment, you can email me at ficocredit@yahoo.com
ንምህናጽ ሃገርና
ከምቲ ሓደ እዋን ኣብርሃም ሱልጣንን ወልደኣብ ወልደማርያምን ዝኣወጅዎ፡
ህዝብና ምስ ተላዕለ፡ኩላትና ብዝነበርናዮ ሕልሚ ንናጽነት ተባሂሉ።
ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ልቢ ነቲ ጻውዒት መለሰሉ፣
ምጽንናዕ ገዲፍና፡ ኩላትና ምሃብ፡ ምሃብ ኮነ።
ናብ ናቕፋና መጽእና፣ ብሓውን እምንን፣
ምቕሉልነት ንቃልሲ፡ ብናይ ገዛእ ርእስና መሬት ንግዲ።
ብትብዓት ንናጽነት መራሒና፣
ንኤርትራ ብመንፈስ ተሰኪምናያ፣
ብዘይስበር ትምክሕቲ።
ዓወት ንሓፋሽ ኮነ ጭሮሖና።
ብመስዋእትን ሓድነትን ናጽነት ተዓዊትና ዛንታ ናይ ብዙሓት፡
ዓወት ናይ ኤርትራ ኮነ።
ንምህናጽ ሃገርና ሕጂዉን እቲ ጻውዒት ይደገም ፣ ብተመሳሳሊ ሃልሃልታ ተሰኪምና፣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ደው ኢልና፡ ተመሳሳሊ መልሲ ንመልስ። ኤርትራና ሓያልን ዘይቲድፈርን ንምህናጽ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ መሬት፡ብሓባር ዕድላ ነዕብዮ።
Yonatan Solomon &
Yemane Tesfai (idea)
Make song 🎵