Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Aug 24, 2023 4:49 PM
148.184.174.62
መን ከም ሻዕብያ!
==========
ጸወታ ፖለቲካ
ካብ እግራ ክሳብ ርእሳ
'ቲ ደጊኣ ውሽጣ
ኣብዛ ዓለም ጣጣ
ዓመጽ ሃይማኖታ
ብዕምቆት ዝፈልጣ
ሻዕብያ'ዩ ጎይታ

ማዓስ ከም ዘጥቅዕ
ደቂሱ ይትስእ
ጸላኢኡ ይፈግእ
ብሓሳብ ብግብሪ
ዝፈልጥ'ዩ ንስሪ
ጅግና ኣባ-ዳህሪ
ስእለ
Aug 23, 2023 1:05 PM
173.73.27.183
ሃቡኒ ደዋኒ ክብሪ
==========
"ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ"
ንመዋእል ዕምሪ

እዚ ምስላ
ኣበሃህላ
'ታ ዝስቆራ
ኤሩ'ያ በይና
ኣብ ኣፍሪቃና

ሃገረይ፡
ሓላዊት ክብራ
ወትሩ ብጽፍራ
ዕዳ ዘይብላ
ዘጓጥጠላ

እወ
"ሃቡኒ ህበይ ይገብር"
ክብሪ ይብልል
ርእስኻ የድንን

ነዚ ፈሊጣ
ኤሩ ምስ ደቃ
ስራሕ'ዩ ዕጥቃ

ንብስኻ ምኽኣል
ሰሪሕካ ምምባር
ኤርትራዊ መትከል
ዘይክለስ ዘይቅየር

እወ
መንገዲ ምዕባለ
ንሱ ስለ ዝኾነ
ቅኑዕ ዘመስከረ

ስእለ
Aug 22, 2023 1:31 AM
173.73.27.183
ከብዲ ኣደ ጉራምራ
=========
ኣደ ተዘሚትኪ
ዘይረብሕ ወሊድኪ
ከዳዕ ተላኣኺ
ወገኑ ሃዋኺ

ዘሐዝን'ዩ ተግባሩ
'ቲ ሓሳቡ ሕልሙ
ቁምነገር ዘየብሉ

ክንዲ ምምሃር ምስራሕ
ሂወቱ ምብራኽ
ብደንጎላ ይራጋሕ

ጉዳም ስደተኛ
ሰነፍ ኣበረኛ
ዘየብሉ ዳኛ
ዕላማ ሕልና

እወ ወድኺ፡
ፍጹም ኣይጥዓየን
ራኢ ኣየጥረየን
ብስርዓት ክምእዘን

ጸሎት ግበርሉ
ሲሒቱ'ዩ መስመሩ
ሰብ ሰላም ኣቕሒሩ

እዝስ
ብኻ ነይተወልደ
ብላሽ'ዩ ዕደ
ሰቡ ዘዋረደ

ኩሉ ኪዒብዎ
ከዳዕ ፈሪድዎ
ኪድ ራሓቕ ኢልዎ
ስእለ
Aug 17, 2023 4:04 PM
148.184.174.62
ሓቂ ተዛረብ!
=======
ሓቂ ተዛረብ
ኣለዎ መኽሰብ
ኣብ ሰማይ ኣብ መሬት

'ቲ ትማሊ
ካብ ኤርትራ ምድሪ
ብለይቲ ብቐትሪ
ጸላም ተኸድኒካ
መራሕቲ ከፊልካ
ክትስደድ ከለኻ
'ታይ ነሩ ሕልምኻ
ዕላማ ትምኒትካ፧

መንግስቲ ንምዕላው
ሰሪሕካ ምህብታም
ጨርቅን ወርቅን ምኳን፧

ወይስ
ትምህርቲ ንምምሃር
ስድራ ቤት ምጥዋር
ካብ ውግእ ኲናት ምህዳም፧

ተዛረብ ዝስማዕ
ዝድገም ዘይጽላእ
ኣብ ታሪኽ ዝኹላዕ

መን'ዩ ጨውዩካ
ክትቅይር ሓሳብካ
ኣንጻር ሃገር ህዝብኻ፧

'ቲ ውድቀት 'ቲ ፍሽለት
ምስ ተሳእነት ዓወት
ኣብቲ ሩሑቕ ስደት፧

ዶስ
ሰብ'ዩ ኣጋጉዩካ
ግንዖ ሂቡካ
ክትሃርም ኣሕዋትካ፧

ዝገርም'ዩ ዘደንጹ!
ፍጹም ኣየምሕርን ደንጎላ ክትስንዱ
ኣንጻር ፖሊስ ህዝቢ ሕጊ ዘይጣሓሱ
ኣብ ዓዲ እንዳማትካ ዕቑባ ዝለገሱ!

ሓወይ
ናይ ብሓቂ ኣኽፊእካ
ኩሉ ኪዒቡካ
ዕሽነት ዘርዩካ
ናብ ቀልብኻ ተመለስ ሰላም ይሕሸካ
ስእለ
Aug 15, 2023 3:42 PM
173.73.27.183
== ኣይተዓደልናን ==

"መባእስተይ ለባም ይግበረለይ"
ንሰላም ዝመርጽ ጸያን ግብረ-እከይ
ይሎም ይምስሉ ባዓል ኣቦ ኣደይ

ግና ኣይተዓደልናን
ዕድል ኣይገበርናን
ኣይሰመረን -
ድልየትናን ትምኒትናን

ገጢሞሙና "ኣእዱግ ንሓመዶም" 
እምኒ ዱላ ዝዓተረ ኢዶም
ጸረ-ሰላም ዘይፈልጡ መንገዶም
ብርሃን ከሎ ሂወት ዝጸልመቶም

ነውራማት!

ሕጊ ዘይፈልጡ ስርዓት
ናይ ሰላም መንዳዓት
ካብ ሰብ ፍጥረት ዘየብሎም ብቕዓት

እወ!

ተጋግዮም ዘጋግዩ
ወቒዖም ዘእውዩ
ይርብሹ ኣለዉ መልሲ ክንበሉ
ዘየሐጕስ ፍረ ዘየብሉ
ዝለኻኽም ንቑጹ ጥልሉ

ስእለ
Aug 2, 2023 1:27 PM
148.184.174.62
ምንቅጥቃጥ ምድሪ
ተፈጥራዊ ናዕቢ
ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ

'ቲ ጽባቐ ምድሪ
ይገላበጥ ሃውሪ
ብፍጥነት ብነድሪ
ጨካን ዘይማሓሪ

ኣለኹ እንዳበልካ
ኣብ ስራሕ ድቃስካ
ኩሉ ይጠልመካ

ኣብ ደቒቕ ክልኢት
ስዓታት ዘይመልእ
ምምባርካ የብቅዕ

ሂወት
ዘይብላ ውሕስነት
ተራእያ ትሽረብ
ብዘይ ቅድመ ኲነት
ስእለ
Aug 1, 2023 4:50 PM
148.184.174.62
ሓባ ዓጽሙ
ሓቂ ማዕተቡ
ጽኑዕ መትከሉ

ዝያዳ ኩሉ
ኤረና ዓይኑ
ኩርዓቱ ክብሩ

ኣብ ዝወዓሎ
ዝተዛረቦ
መዂርዒ ሰቡ
ሃገሩ ህዝቡ

ንበር በልዎ
ተኸተልዎ
ራኢ ኣለዎ
ስእለ
Jul 10, 2023 5:23 PM
148.184.174.62
ፖለቲካ ጉድ'ምበር ረኺብካ!
=================
ኩሉ ተንታኒ
ፖለቲካ ማሃሪ
ከሳሲ ኣራሚ
ምስ ኮነ ሰብ ሎሚ
ፖለቲካ ዓርዒሩ
ፈዂሱ ሚዛኑ
ዝኣምኖ ሲኢኑ

ኩሉ መታለሊ
ሃዳዲ ዓፋኒ
ይፈልጥ'የ ባሃሊ
ይብል ኣመኑኒ

ኣብ ፈይስቡክ ቲዊተር
ዩቲዩፕ መሰንጀር
ዝጸሓፍ ዝንገር
ርእስኻ የናውጽ
ልብኻ ይህውጽ
የቃጽል የሐርቕ

ተፈተሽካ ባዶ
ዘይብሉ ትሕዝቶ
ጸረ-ሰላም ኮንቶ
ንፋስ ዘራጊቶ
ሌባ ዝገዓቶ

"ፖለቲካ ኩሉ ለመዶ - ከፈአ
ጣፍ ኩሉ ዘረኦ - ጠፈአ"
ዝበሃልስ ሓቂ ኮይኑ
ምስ ሰማዕካ ወሽላኻት ገዋኑ
ሓሳባቶም ካብ ማዕዶ ዝጨኑ
ጸረ-ሰላም ልኡኻት ጓሓሉ።
ስእለ
Jul 9, 2023 3:42 PM
172.58.243.120
"ፍትሒ፡"
"ዲሞክራሲ፡"
ምጽራፍ ተዀይኑ ሰብ ምውራድ
ህውከት ናዕቢ ምስዋር ምንብድባድ  
ብኽብርታት ምሽክዕላል ምቕላድ
ይትረፈና ይሰኳዕ ኣብ ጉድጓድ

እወ
ይትረፈና ቀይዲ-በተኽ ዲሞክራሲ
ፍትሒ ራህዋ ሰላም ዘየሳሲ 

ፍትሕን ሕግን እንዳፈለጥካ ምርጋጽ
ብእምኒ ብዱላ - ሰላም ህዝቢ ምዝራግ
ንብረት ሃገር ኮነ ኢልካ ምዕናው ምንዳድ
ብስም ነጻ ፕረስ ምዝንጣል ምልጋጽ
እንተ ኾይኑ ዲሞክራሲ ትርጉሙ
ይትረፈና  ሰላም ካብ ዝዓኑ

ላግጺ'ዩ ስድነት ምዅስኳስ
ጸረ-ሰላም - ሂወት ሰብ ምሕማስ
ሕጊ-ኣልቦ ምብኣስ ምጥቛስ
ብስም ዲሞክራሲ - መሰል ሰባት ምግሃስ
ስእለ
Jul 7, 2023 11:53 AM
173.73.27.183
==እንታይ ትብልዎ፧==

ኣታ ዜጋ ኤረይ
ጂግና ወገነይ
እንታይ ትብልዎ ነዚ ማእሲ
ዘይረብሕ ፈልሲ
ብሃገር ዝውርዚ
ከዳዕ ተበላጺ፧

ነዛ ባንዲራና ኣርማ ነጻነትና
ሰለስተ ዝሕብራ ቆጽሊ ኣብ ማእከላ
ዋጋ ዝተኸፍላ ናይ ኣሽሓት ኣፍላ
ናይ “ውልቀ ሰብ’ያ” ክብላ
‘ዚ ከዳዕ ጒሒላ
ጸረ-ሃገር ተዅላ

ኣነስ ኪዒበዮ
ከም ሰብ ጸይፈዮ
ጸሊአ ክርእዮ

እስኹምከ እንታይ ትብሉ
ነዚ ሕሱር ግብሩ
ሕልና ዘይብሉ
ዝድውን ሃገሩ፧ 
ስእለ
Jun 30, 2023 2:16 PM
148.184.174.62
ብኒ ነቒሉ መርቑኒ ኢሉ
ቱር-ዲ-ፈረንሳ ክዕንድረሉ
ኣብ መላእ ዓለም ከስሚ ኤሩ

እወ ነቒሉ
መራሒ ኮይኑ
ክሰርሕ ታሪኽ
ስሙ ከበርኽ
ከድምቕ ጋንታ
ጸላም ኣፍርቃ
ብብሽግለታ

በልዎ ኣጆኻ
ዓወት ንዓኻ!

ነጣቓዓሉ
ኣይንብቀቐሉ
ድምጽና ኣብ ኩሉ

ጅግና'ዩ ወትሩ
ሓበን ሃገሩ
መዂርዒ ሰቡ

I am wishing you Bini to have a happy, safe, and victorious Tour-De-France!
ስእለ
Jun 20, 2023 12:19 PM
173.73.27.183
==ቀኒአልኩም==

ስዉኣት ቀኒአልኩም
በሪኹ ታሪኽኩም
ረዚኑ ክብርኹም
ክልዓል 'ቲ ስምኩም

እወ ቀኒአልኩም
መንዶ ገሩ’ዩ ከማኹም
ንሃገሩ ህዝቡ
ዝኸፈለ ዕድሉ
ዝሃበ ግምባሩ
ዓወት ንሓፋሽ ኢሉ፧

ናጽነት ዘግዘመ
ሃገር ዝሓረረ
ብዓወት ዝልለ
እስኻትኩም እንዲኹም
ወዲ ምስ ጓልኩም

ሃብሮማት!
ምስጋና ንዓኹም
ሃገር ዝዓቀብኩም
ታሪኽ ዝሰነድኩም

ስዉኣት ሰብ ሕድሪ
ሕድሪ ኢልኩም ዝሓለፍኩም ንሕድሪ
ተግባርኩም ዓብዪ ነባሪ
ወርትግ ተዘካሪ
ኣብ ኤርትራ ምድሪ

ንዓኹም ክዝክር
ይኾርዕ የንቃዕርር
እንኳዕ ሰብኩም ኮንኩ ይብል

ግና ከማኹም 
ሓደ ርብዕኹም
ቅንጣብ ቁምነገርኩም
ገለ ዘይምግባረይ
ንህዝቢ ሃገረይ
ንእሽቶ ብዓቕመይ
ዘቕስን ኣእምሮይ
ይወቕሳ ንነብሰይ

እወ
ይቐንእ ቅዱስ ቅንኢ
ብላሽ ከይሓልፍ
ብዘይታሪኽ መጸወዒ

ይሻቐል 
ጽባሕ 
ድሕሪ ጽባሕ
ከይመውት ከይድበ
ስመይ ኣኸቲለ
ብዘይ ቁምነገር ተመዝገበ
ስእለ
Jun 18, 2023 8:33 PM
173.73.27.183
ይዘከሩ!
-----------
ትኣምር ዜጋ ጽኑዕ ህዝቢ
ንኹሉ እንተታት ወትሩ ድልዊ
ንሕሰም ሽግር ወርቂ ባሃሊ
ንሱ'ዩ እንኮ 'ቲ ተጋዳሊ
ብኽብሪ ሃገር ዘይተቛማሪ

ነቲ ማዕቀብ ነቲ ኲናት
ነቲ ዓሎቕ ናይ ዝሩጋት
ዝመከተ ብጽንዓቱ
ዝስዓረ ብስምረቱ
ጸሓይ ኮይኑ ተዓዊቱ

'ቶም ስዉኣት 'ቶም ጀጋኑ
ኩሉ ዋጋ ዝኸፈሉ
ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ
እቲ ሕልሞም ጋህዲ ኮይኑ
ልእላውነት ተዓቂቡ

ስዉኣትና
'ቶም ኩርዓትና
'ታ ሂወቶም ዝገበሩ
ኩሉ ዕድል ዝመጠዉ
ኤርትራ ንኽትህሉ
ህዝቢ ኤረይ ክወግሓሉ
ይመስገኑ ይዘከሩ
ንዘልኣለም ንሓዋሩ!

ስእለ
Jun 15, 2023 3:35 PM
148.184.174.62
ዘክር!

ብውሽጥኻ
ብሕልናኻ
ኣብ ዘለኻ ሃሊኻ
ሎሚ ጽባሕ
ክሳብ ዘለኻ
ሕሹኽ በሎም
ዘክሮም
ኣዕልሎም
ኣብ ሕድርኹም ኣልኹ በሎም
ነቶም ስዉኣት
ጀጋኑ ምዑታት
ዝሓለፉ ንዓይ ንዓኻ
ዝኸፈሉ ናይ ሂወት ዋጋ
ንሰላምና ንኽብርና
ንኤርትራ መጻኢና
ክንስራዕ ማዕረ ዓለምና

ሃብሮማት'ዮም ተዘካርቲ
ልዕሊ ማንም ተናፈቕቲ
ወዶም ጓሎም ሚዛን ወርቂ

እወ

ንዘክር!
ነስተንትን!
ሕሉፍና'ዩ ምምህር

እቲ ግፍዒ 'ቲ መግረፍቲ
'ቲ ጭቆና 'ቲ መግዛእቲ
መሪር ሂወት ኣስካሕካሒ
ዝቐንጠጡ ብዘይፍርሒ
ስዉኣት'ዮም 'ቶም ሰብ ብልሒ
'ቶም ጽኑዓት ተጋደሊት
ስእለ
Jun 13, 2023 12:36 AM
173.73.27.183
ኣይትጠሙቱለይ
---------------
ኤሩ ሃገረይ 'ዛ ብሌን ዓይነይ
ክብርቲ ዕንቊ ንዓይ ዓለመይ
ኣይተንቃዕርሩ ናተይ'ያ ርስተይ

ንሳ ኣነ'የ
ንሳ'ውን ኣነ
ከም ዓጽሚ ስጋ ዘይንፈላለ

ኤሩ ዘይብሉ ምምባር ኣብ ዓለም
ፍርቂ ሂወት'ዩ ብዘይቀልዓለም
ክብሪ ጎደሎ ፍጹም ዘይሕለም

ሓበን'ያ ክብረይ
መልክዐይ ሕብረይ
ግርማ ጽባቐይ

ዓሪቐ ጠምየ
ሓሪቐ ጉህየ
ዓዲ ቀይረ
እንተ ብኤሩ
ወትሩ ኩሩዕ'የ

ንሰላማ ንድሕነታ
ነቲ ባሕራ ንመሬታ
ንሕና ደጀና ጋሻኣ ዋልታ

ንሳ ቀንዴል ጽሓይ ወርሒ
ሽግ ነጻነት ጸሓይ ሓቂ
ዘይትዕሉቕ ኣደ ፍትሒ

እሞ
ዘምጻናያ ብጀጋኑና
ዘውሓስናያ ብመስዋእትና
ንሓብሕባ ከይሰልከና

ሕድሪ ብግብሪ!

ንሓልዋ ሓደ ኰና
ከም ትማሊ ከም ቀደምና
ካብ ዓመጽቲ ባዓል ቃርማ

ነገርማ ነማዕብላ
ማእከል ወሰን ምስቲ ባሕራ
ፈታሕ ሽግር ንጸገምና
 
ስእለ
Jun 9, 2023 10:31 PM
172.58.243.85
"ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ"

ናይ ሓቁ ተኾይኑ
ብመትከል ኣሚኑ
ኣመሪካ ጨኪኑ
ኣብ ልዕሊ ኩርኩሩ

እዚ ለማኒ
ዕሱብ ከዳሚ
ሰላም ደዋኒ
ናይ ባዕዲ በትሪ
ዜሮ ብዓቕሚ
ሕጂ'ዩ ኣኽቲሙ
ዕድመ ምምባሩ
ቀለብ ሲኢኑ

ኣመሪካ
ክፋእ ለቖታ
ሓለቓ ዝምታ
ንወይን ጭፍራ
ልኡኽ ኩርኩራ
መዚና ዓቕሙ
ሙዉት ምዃኑ
ተስፋ ዘይብሉ
ክፍጽም ትልሙ
ኣብቂዑ'ዩ ኢላ
ሓገዛ ኣቚማ

እቲ ዘሕዝን
ልቢ ዘቝስል
ብሰንኪ ወይን
ለይባ ጽንጊሊል
ኩሉ 'ቲ ስኡን
ትግራዋይ ጽጉም
ሓገዝ ዝደሊ
ሂወት ክትቅኒ
ተፈሪዱ
ጾሙ ክሓድር
ዕድል ከማርር
ስእለ
Jun 8, 2023 2:19 AM
173.73.27.183
ሕልሚ ኣለኒ
------------
ሕልመይ'ዩ ሕልሚ ኤርትራዊ
ማዓልቲ ለይቲ ኣብ ደመይ ዝዛሪ
ምዕባለ ኤርትራ ክርኢ ኣብ ግብሪ

እወ
ከበሳ ቆላ 'ቲ ገምገም ባሕሪ
ደሴታትና ንኣሽቱ ዓብዪ
ከዕለቕሉቑ ብጋሻ ረኣዪ

ሕልመይ'ዩ ሕልሚ ንእስነተይ
ዘይሃስስ ዝዓበየ ኣብ ውሽጠይ
መሬት ሕድሪ ገነት ክትኮነለይ 

ኤርትራ ሪሂዋ ክሪኣ
ተጠቒማ 'ቲ ዘለዋ ጸጋ
ቀይሕ ባሕሪ 'ቲ ማዓድን ወርቃ

ተሓቢሩ ጉልበትና ፍልጠትና
ተወፊና ጸጋ ትሕዝቶና
ብሩህ'ዩ ጉዕዞ ምዕባሌና

ብዝኾነ
ኤርትራ ማዕቢላ ክንሪኣ
ንደኽመላ ንሕና ኢና ደቃ
ካልእ የለን ዝሃንጻ ዝነድቃ
ንረብሓና ዝኸፍለላ ዋጋ

ስእለ
Jun 7, 2023 1:56 PM
173.73.27.183
ምልስ ምልስ መቐለ - እንታይ ዝዓለመ፧
-----------------------------------
እዚ እከይ ሽላ ኣሞራ
ዘይፈልጥ እንካ ትርፎ ሃባ
ይመክር ኣሎ ምስታ ጭፍራ
ዝተረፋ ኣዒንቲ ክነቚራ

ካብ ሰብ ነውራም - ሕሱር ጎይታ ጥፍኣት
ማይክ ሃመር ናይ ሰላም መንዳዓት
ኣናቚቱ ዘኻዕብት እትዋት
ተላመዶ ብሂወት ምጽዋት
ይኣልም ኣሎ ምስታ ጃንዳ ሓሳድ
ዕንወት ፡ ሞት - ኣንጻር ሰላም ልምዓት 
ስእለ
Jun 6, 2023 1:24 PM
173.73.27.183
"ትማሊ ሎሚ ኣይኮነን"
-------------------
ቀልዓለም ዘይብሉ
ዓው ኢሉ ትኽ ኢሉ
ድምጺ ሓቂ ኣድህዩ
ፍትሒ ተነብዩ

ዓለም ክሰምዓሉ
'ቲ ወጽዓ በደሉ
ብግልጺ ነጊሩ

ትማሊ ንበይኑ
ምስቲ ሓላል ህዝቡ
ኩሉ ኣንድዩ ከፊሉ
ሕሰሙ ምዕቀቡ
ኣይደንን ኢሉ

ሰብ-ዓመጽ ሰምቢዶም
ብድምጹ ሪዒዶም
ከጸልምዎ ኣንቂዶም

ግና
"ትማሊ ሎሚ ኣይኮነን"`
ሓደ ኹጥቦ ዓለም
ብኣመሪካ ዝዝወር

"The Game is Over
ስእለ
Jun 5, 2023 12:48 PM
173.73.27.183
ብሓጺሩ - ፖሊሲ ኣመሪካ ሕብሩ

ፖሊሲ ኣመሪካ
ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ
ጥልዕ በለለይ ክብለጸልካ

እወ
ርክብ ጎይታን ጊላን
ኣንጻር እንካን ሃባን

ይብል፡
“ኣነ ዘይመረቕክዎ
ኣስኒቐ ዘይላኣኽክዎ
ረብሓይ ዘይሕሉ
ዘየገልግል ትም ኢሉ
ደፋር’ዩ - እዝጊ ዝጸላኣሉ”

“ሃብቲ ጸጋ ኣለኒ
ሓያል ወተሃድራዊ ዓቕሚ
ብሰማይ ብምድሪ
ወሪሩ ቀታሊ”

“ምስ ነዊሕ ተመክሮ
ተንኮል ዝውንኖ
የለን
‘ቲ ሓይለይ ዝገጥሞ”

“ኣብ ሰላም ምርባሽ
ምሕንካር ምጥቛስ
ሕላገተይ’ዩ - ዝብለሉ እዋሓስ”

እዚ’ዩ ብሓጺሩ
ስርዓት ኣመሪካ ዕላማ መትከሉ
‘ቲ እምነቱ ባህሩ
ክሳብ ዝወድቕ ከምቶም ዝቐደሙ
ብዙሓት ኢምፓየር ኣብ ዓለም ዝነበሩ

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events