Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Sep 6, 2023 4:31 PM
148.184.174.62
ኣስተውዕል!
=======
ጎበዝ!
"ቅድሚ ምዝላልካ ጠምት፣ ኣበይ ከም ትዓልብ"
ክባሃል ዶ ሰሚዕካ ትፈልጥ፧

ኣነስ ደንጊጸልካ ልበይ ሓዚኑልካ
መንገዲ ምስሓትካ ሂወት ምሕማስካ
ሓዲግ-መዲግ ምትራፍካ መጻኢ ዘይብልካ

ሰበይ!
ሕሰብ
ዘለዎ መኽሰብ
ብዓቕሊ ጥበብ

እወ ሕሰብ
ክልተ ግዜ ደጊምካ
ክብሪ ዝህበካ
ዘየጣዕሰካ

ደንጎላ ምስንዳው
ንብረት ህዝቢ ምዕናው
ምስ ፖሊስ ምግጫው
ቅርሕንቲ ምርራው
ዕሽነት'ዩ ጥፍኣት
ዝጎደሎ ንቕሓት 

ይኣክል!
ኣርሒቕካ ዓልም
ስራሕ ዝጠቅም
ሂወት ዘማዕብል

ምስ ጸላኢ ኰንካ
ምንሻው ሃገርካ
ዕሽነት'ዩ ፋሕታ

መርምር!
መን ኣሎ ብድሕሪት
'ቲ ክርቢት ዝሽርጥጥ
ዘጣፍእ ዘናቚት

ኣለዉ ዝተሞኮሩ
ሰብ ረብሓ ጓሓሉ
ጽልኢ ዝምዉሉ 
ሰብ ከይሓልፈሉ

ኣብ ክንዲ ተማሃር
ዝብሉኻ ስራሕ ጽዓር
የትሩፉኻ ድሓር

ሕሰበሉ!
ኣብ ትገብሮ ኩሉ
ግዜ ተጥፋኣሉ
ክሳራ መኽሰቡ 

ኣስተውዕል!
እቲ ንሰርሓሉ ነፍረየሉ
ዕድሜና ሓጺር'ዩ ብግዜ ተመኑ
ስእለ
Sep 5, 2023 6:41 PM
148.184.174.62

ነዊሕ ግዜ ይገብር ሓቲ ስሓቢት/ኣገዳሲት ዛንታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ነቢበ ነረ። ንሳ ድማ ኣርእስታ "ንወዲ ሓራም ወዲ ሓራም ይፈልጦ" እያ ትብል ነራ። ሕጂ ድማ እንሆ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኣብ መንጎ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ኣንጻር ክብርታቱን ህዝባዊ ባዓላቱን ዕግርግር ኣእዳው ናይ ወጻኢ ስለይቲ ትካላት ብድሕሪት ኮይኖም ዘሳውሩን ኡፍ ዝብሉን ከም ዘለዉ ኣተምቢሁልና ኣሎ። ከም በዓል "ሞስዓድ" ናይ ኢስራኤል ናይ ስለያ ትካል። እቲ ጽቡቕ ግን ካብ ዓይኒ ንስሪ ሻዕብያ ዝስወር እከይ ተግባራት ዘይምህላዉ'ዩ። ከምቲ "ንወዲ ሓራም ወዲ ሓራም ይፈልጦ" ኮይኑ። Long live Shaebia!

ስእለ
Sep 3, 2023 9:00 PM
173.73.27.183
ኣጀንዳ መን'ዩ፧
==========
መንእሰይ ዝንጉዕ እምኒ ትስንዱ
ልኡኻት ባዕዲ ካብ ዝሓንገዱ
ሰላም ምርባሽ 'ታይ 'ዩ እቶቱ፧

ኣብ ክንዲ ምምሃር ሂወት ምምቃር
ብስራሕ ራኢ ቅድሚት ምስጓም
ኣጀንዳ መን'ዩ ምህዋኽ ሰላም
ቆልዓ ሰብይቲ ኣኽቢብካ ምህራም፧

እንታይ ድዩ ነሩ 'ቲ ዕላማኻ
ንሩሑቕ ስደት እግሪ ዘምራሕካ
ንዕብየት ራህዋ ወይስ እምኒ ሲኢንካ፧

ዝገርም'ዩ ኣይ ሰብ እንስሳ
ከም ኣድገ በቕሊ ህላ ኣብዚሕካ
ዕላማ-ኣልቦ ዘይብሉ ጣቋ
ስእለ
Sep 3, 2023 12:47 AM
172.58.241.255
"ገረብ ብሓኽላ"
==========
ህዝቢ ኤረይ ኣስትውዕለሉ
ዝነፍስ ዘሎ ጥፍኣት ሓዚሉ
ገረብ ብሓኽላ ተንኮል ጓሓሉ

ብሓድነትካ 'ቶም ዝተሳዕሩ
ብኽብርታትካ ቅንኢ ዘሕደሩ
ሕማቕ ሓሊሞም ክብሪ ዘይብሉ
ኣብ መንጎ ኣሕዋት ጽልኢ ክተኽሉ

ከም ትማሊ ከምታ ቀደምካ
ኣብ ሰላም ጸገም ሓደ ድምጽኻ
ብድሆ በሎም ንቕሓት ዓጢቕካ

እወ
ኣይትተሃመል ጽናዕ ከም ቀደም
ኣእዳው ዓመጽቲ ኣደብ ኣትሕዘን
ዓወት ናትካ'ዩ ጸላኢ ይእለም
ስእለ
Aug 29, 2023 6:16 PM
173.73.27.183
ራህዋ ሃሚሙ
========
ሕጂ ግርም!
ጸገም ኣኽቲሙ
ራህዋ ሃሚሙ
ኣብ መሬት ኤሩ

ሎሚ ዱባሩባ
ብሻ ምስ ዛራ
ሺሻየን ይባ

ጽባሕ
'ተን ዝተረፋ
ከባቢ ኣስመራ
ባርካ ዓንሰባ
ብተራ ይባ

ሃብቲ ኮለሊ 
ዘይውዳእ ገምሪ
ጸግኡ ክህብ
ሰብ ማል ይስሕብ

ኤሩ፡
ክሳዳ ኣቕኒዓ
ወርቂ ነቲዓ
ክትህነጽ ሺዓ

ህዝበይ ተሓጐስ
ጸጋኻ ሕፈስ
ብኣካል መንፈስ

ጉዕዞ ክሰልጥ
ሩሑቕ ንጠምት
ኣወ
ብሓሳብ ግብሪ
ዕብየት ክዛሪ
ስእለ
Aug 25, 2023 2:40 AM
173.73.27.183
ሓቂ ደሚቓ!
======
ሓቂ ተቓሊሓ
ደሚቓ በሪሃ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
ኩሉ ሰብ ክሰምዓ

ሓቂ
ትሳግም ኣላ ትጋዋሕ
ሓይሊ ስሕበታ ክራባሕ
ፍትሒ ክነግስ ዓመጽ ክሽንዳሕ

ሱራ ኣስፋሕፊሑ
ሌባ መሊሑ
'ቲ ቅጥፈት ጉርሑ

ይድሂ'ሎ ድምጻ ተስፋ ሓዚሉ
ኣብ ምብራቕ ምዕራብ ኣእዛን ፈንቂሉ
'ቲ ደቡብ ዘሎ ይርሓሰና ኢሉ

ዕድመ ንጅግና ንመራሒና
ምስቲ ህዝብና
ንፍትሒ ሓቂ ዝተቓለሰ
ዝቃለስ ዘሎ
ንመዋእሉ ዕረፍቲ ኣልቦ
ስእለ
Aug 24, 2023 4:49 PM
148.184.174.62
መን ከም ሻዕብያ!
==========
ጸወታ ፖለቲካ
ካብ እግራ ክሳብ ርእሳ
'ቲ ደጊኣ ውሽጣ
ኣብዛ ዓለም ጣጣ
ዓመጽ ሃይማኖታ
ብዕምቆት ዝፈልጣ
ሻዕብያ'ዩ ጎይታ

ማዓስ ከም ዘጥቅዕ
ደቂሱ ይትስእ
ጸላኢኡ ይፈግእ
ብሓሳብ ብግብሪ
ዝፈልጥ'ዩ ንስሪ
ጅግና ኣባ-ዳህሪ
ስእለ
Aug 23, 2023 1:05 PM
173.73.27.183
ሃቡኒ ደዋኒ ክብሪ
==========
"ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ"
ንመዋእል ዕምሪ

እዚ ምስላ
ኣበሃህላ
'ታ ዝስቆራ
ኤሩ'ያ በይና
ኣብ ኣፍሪቃና

ሃገረይ፡
ሓላዊት ክብራ
ወትሩ ብጽፍራ
ዕዳ ዘይብላ
ዘጓጥጠላ

እወ
"ሃቡኒ ህበይ ይገብር"
ክብሪ ይብልል
ርእስኻ የድንን

ነዚ ፈሊጣ
ኤሩ ምስ ደቃ
ስራሕ'ዩ ዕጥቃ

ንብስኻ ምኽኣል
ሰሪሕካ ምምባር
ኤርትራዊ መትከል
ዘይክለስ ዘይቅየር

እወ
መንገዲ ምዕባለ
ንሱ ስለ ዝኾነ
ቅኑዕ ዘመስከረ

ስእለ
Aug 22, 2023 1:31 AM
173.73.27.183
ከብዲ ኣደ ጉራምራ
=========
ኣደ ተዘሚትኪ
ዘይረብሕ ወሊድኪ
ከዳዕ ተላኣኺ
ወገኑ ሃዋኺ

ዘሐዝን'ዩ ተግባሩ
'ቲ ሓሳቡ ሕልሙ
ቁምነገር ዘየብሉ

ክንዲ ምምሃር ምስራሕ
ሂወቱ ምብራኽ
ብደንጎላ ይራጋሕ

ጉዳም ስደተኛ
ሰነፍ ኣበረኛ
ዘየብሉ ዳኛ
ዕላማ ሕልና

እወ ወድኺ፡
ፍጹም ኣይጥዓየን
ራኢ ኣየጥረየን
ብስርዓት ክምእዘን

ጸሎት ግበርሉ
ሲሒቱ'ዩ መስመሩ
ሰብ ሰላም ኣቕሒሩ

እዝስ
ብኻ ነይተወልደ
ብላሽ'ዩ ዕደ
ሰቡ ዘዋረደ

ኩሉ ኪዒብዎ
ከዳዕ ፈሪድዎ
ኪድ ራሓቕ ኢልዎ
ስእለ
Aug 17, 2023 4:04 PM
148.184.174.62
ሓቂ ተዛረብ!
=======
ሓቂ ተዛረብ
ኣለዎ መኽሰብ
ኣብ ሰማይ ኣብ መሬት

'ቲ ትማሊ
ካብ ኤርትራ ምድሪ
ብለይቲ ብቐትሪ
ጸላም ተኸድኒካ
መራሕቲ ከፊልካ
ክትስደድ ከለኻ
'ታይ ነሩ ሕልምኻ
ዕላማ ትምኒትካ፧

መንግስቲ ንምዕላው
ሰሪሕካ ምህብታም
ጨርቅን ወርቅን ምኳን፧

ወይስ
ትምህርቲ ንምምሃር
ስድራ ቤት ምጥዋር
ካብ ውግእ ኲናት ምህዳም፧

ተዛረብ ዝስማዕ
ዝድገም ዘይጽላእ
ኣብ ታሪኽ ዝኹላዕ

መን'ዩ ጨውዩካ
ክትቅይር ሓሳብካ
ኣንጻር ሃገር ህዝብኻ፧

'ቲ ውድቀት 'ቲ ፍሽለት
ምስ ተሳእነት ዓወት
ኣብቲ ሩሑቕ ስደት፧

ዶስ
ሰብ'ዩ ኣጋጉዩካ
ግንዖ ሂቡካ
ክትሃርም ኣሕዋትካ፧

ዝገርም'ዩ ዘደንጹ!
ፍጹም ኣየምሕርን ደንጎላ ክትስንዱ
ኣንጻር ፖሊስ ህዝቢ ሕጊ ዘይጣሓሱ
ኣብ ዓዲ እንዳማትካ ዕቑባ ዝለገሱ!

ሓወይ
ናይ ብሓቂ ኣኽፊእካ
ኩሉ ኪዒቡካ
ዕሽነት ዘርዩካ
ናብ ቀልብኻ ተመለስ ሰላም ይሕሸካ
ስእለ
Aug 15, 2023 3:42 PM
173.73.27.183
== ኣይተዓደልናን ==

"መባእስተይ ለባም ይግበረለይ"
ንሰላም ዝመርጽ ጸያን ግብረ-እከይ
ይሎም ይምስሉ ባዓል ኣቦ ኣደይ

ግና ኣይተዓደልናን
ዕድል ኣይገበርናን
ኣይሰመረን -
ድልየትናን ትምኒትናን

ገጢሞሙና "ኣእዱግ ንሓመዶም" 
እምኒ ዱላ ዝዓተረ ኢዶም
ጸረ-ሰላም ዘይፈልጡ መንገዶም
ብርሃን ከሎ ሂወት ዝጸልመቶም

ነውራማት!

ሕጊ ዘይፈልጡ ስርዓት
ናይ ሰላም መንዳዓት
ካብ ሰብ ፍጥረት ዘየብሎም ብቕዓት

እወ!

ተጋግዮም ዘጋግዩ
ወቒዖም ዘእውዩ
ይርብሹ ኣለዉ መልሲ ክንበሉ
ዘየሐጕስ ፍረ ዘየብሉ
ዝለኻኽም ንቑጹ ጥልሉ

ስእለ
Aug 2, 2023 1:27 PM
148.184.174.62
ምንቅጥቃጥ ምድሪ
ተፈጥራዊ ናዕቢ
ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ

'ቲ ጽባቐ ምድሪ
ይገላበጥ ሃውሪ
ብፍጥነት ብነድሪ
ጨካን ዘይማሓሪ

ኣለኹ እንዳበልካ
ኣብ ስራሕ ድቃስካ
ኩሉ ይጠልመካ

ኣብ ደቒቕ ክልኢት
ስዓታት ዘይመልእ
ምምባርካ የብቅዕ

ሂወት
ዘይብላ ውሕስነት
ተራእያ ትሽረብ
ብዘይ ቅድመ ኲነት
ስእለ
Aug 1, 2023 4:50 PM
148.184.174.62
ሓባ ዓጽሙ
ሓቂ ማዕተቡ
ጽኑዕ መትከሉ

ዝያዳ ኩሉ
ኤረና ዓይኑ
ኩርዓቱ ክብሩ

ኣብ ዝወዓሎ
ዝተዛረቦ
መዂርዒ ሰቡ
ሃገሩ ህዝቡ

ንበር በልዎ
ተኸተልዎ
ራኢ ኣለዎ
ስእለ
Jul 10, 2023 5:23 PM
148.184.174.62
ፖለቲካ ጉድ'ምበር ረኺብካ!
=================
ኩሉ ተንታኒ
ፖለቲካ ማሃሪ
ከሳሲ ኣራሚ
ምስ ኮነ ሰብ ሎሚ
ፖለቲካ ዓርዒሩ
ፈዂሱ ሚዛኑ
ዝኣምኖ ሲኢኑ

ኩሉ መታለሊ
ሃዳዲ ዓፋኒ
ይፈልጥ'የ ባሃሊ
ይብል ኣመኑኒ

ኣብ ፈይስቡክ ቲዊተር
ዩቲዩፕ መሰንጀር
ዝጸሓፍ ዝንገር
ርእስኻ የናውጽ
ልብኻ ይህውጽ
የቃጽል የሐርቕ

ተፈተሽካ ባዶ
ዘይብሉ ትሕዝቶ
ጸረ-ሰላም ኮንቶ
ንፋስ ዘራጊቶ
ሌባ ዝገዓቶ

"ፖለቲካ ኩሉ ለመዶ - ከፈአ
ጣፍ ኩሉ ዘረኦ - ጠፈአ"
ዝበሃልስ ሓቂ ኮይኑ
ምስ ሰማዕካ ወሽላኻት ገዋኑ
ሓሳባቶም ካብ ማዕዶ ዝጨኑ
ጸረ-ሰላም ልኡኻት ጓሓሉ።
ስእለ
Jul 9, 2023 3:42 PM
172.58.243.120
"ፍትሒ፡"
"ዲሞክራሲ፡"
ምጽራፍ ተዀይኑ ሰብ ምውራድ
ህውከት ናዕቢ ምስዋር ምንብድባድ  
ብኽብርታት ምሽክዕላል ምቕላድ
ይትረፈና ይሰኳዕ ኣብ ጉድጓድ

እወ
ይትረፈና ቀይዲ-በተኽ ዲሞክራሲ
ፍትሒ ራህዋ ሰላም ዘየሳሲ 

ፍትሕን ሕግን እንዳፈለጥካ ምርጋጽ
ብእምኒ ብዱላ - ሰላም ህዝቢ ምዝራግ
ንብረት ሃገር ኮነ ኢልካ ምዕናው ምንዳድ
ብስም ነጻ ፕረስ ምዝንጣል ምልጋጽ
እንተ ኾይኑ ዲሞክራሲ ትርጉሙ
ይትረፈና  ሰላም ካብ ዝዓኑ

ላግጺ'ዩ ስድነት ምዅስኳስ
ጸረ-ሰላም - ሂወት ሰብ ምሕማስ
ሕጊ-ኣልቦ ምብኣስ ምጥቛስ
ብስም ዲሞክራሲ - መሰል ሰባት ምግሃስ
ስእለ
Jul 7, 2023 11:53 AM
173.73.27.183
==እንታይ ትብልዎ፧==

ኣታ ዜጋ ኤረይ
ጂግና ወገነይ
እንታይ ትብልዎ ነዚ ማእሲ
ዘይረብሕ ፈልሲ
ብሃገር ዝውርዚ
ከዳዕ ተበላጺ፧

ነዛ ባንዲራና ኣርማ ነጻነትና
ሰለስተ ዝሕብራ ቆጽሊ ኣብ ማእከላ
ዋጋ ዝተኸፍላ ናይ ኣሽሓት ኣፍላ
ናይ “ውልቀ ሰብ’ያ” ክብላ
‘ዚ ከዳዕ ጒሒላ
ጸረ-ሃገር ተዅላ

ኣነስ ኪዒበዮ
ከም ሰብ ጸይፈዮ
ጸሊአ ክርእዮ

እስኹምከ እንታይ ትብሉ
ነዚ ሕሱር ግብሩ
ሕልና ዘይብሉ
ዝድውን ሃገሩ፧ 
ስእለ
Jun 30, 2023 2:16 PM
148.184.174.62
ብኒ ነቒሉ መርቑኒ ኢሉ
ቱር-ዲ-ፈረንሳ ክዕንድረሉ
ኣብ መላእ ዓለም ከስሚ ኤሩ

እወ ነቒሉ
መራሒ ኮይኑ
ክሰርሕ ታሪኽ
ስሙ ከበርኽ
ከድምቕ ጋንታ
ጸላም ኣፍርቃ
ብብሽግለታ

በልዎ ኣጆኻ
ዓወት ንዓኻ!

ነጣቓዓሉ
ኣይንብቀቐሉ
ድምጽና ኣብ ኩሉ

ጅግና'ዩ ወትሩ
ሓበን ሃገሩ
መዂርዒ ሰቡ

I am wishing you Bini to have a happy, safe, and victorious Tour-De-France!
ስእለ
Jun 20, 2023 12:19 PM
173.73.27.183
==ቀኒአልኩም==

ስዉኣት ቀኒአልኩም
በሪኹ ታሪኽኩም
ረዚኑ ክብርኹም
ክልዓል 'ቲ ስምኩም

እወ ቀኒአልኩም
መንዶ ገሩ’ዩ ከማኹም
ንሃገሩ ህዝቡ
ዝኸፈለ ዕድሉ
ዝሃበ ግምባሩ
ዓወት ንሓፋሽ ኢሉ፧

ናጽነት ዘግዘመ
ሃገር ዝሓረረ
ብዓወት ዝልለ
እስኻትኩም እንዲኹም
ወዲ ምስ ጓልኩም

ሃብሮማት!
ምስጋና ንዓኹም
ሃገር ዝዓቀብኩም
ታሪኽ ዝሰነድኩም

ስዉኣት ሰብ ሕድሪ
ሕድሪ ኢልኩም ዝሓለፍኩም ንሕድሪ
ተግባርኩም ዓብዪ ነባሪ
ወርትግ ተዘካሪ
ኣብ ኤርትራ ምድሪ

ንዓኹም ክዝክር
ይኾርዕ የንቃዕርር
እንኳዕ ሰብኩም ኮንኩ ይብል

ግና ከማኹም 
ሓደ ርብዕኹም
ቅንጣብ ቁምነገርኩም
ገለ ዘይምግባረይ
ንህዝቢ ሃገረይ
ንእሽቶ ብዓቕመይ
ዘቕስን ኣእምሮይ
ይወቕሳ ንነብሰይ

እወ
ይቐንእ ቅዱስ ቅንኢ
ብላሽ ከይሓልፍ
ብዘይታሪኽ መጸወዒ

ይሻቐል 
ጽባሕ 
ድሕሪ ጽባሕ
ከይመውት ከይድበ
ስመይ ኣኸቲለ
ብዘይ ቁምነገር ተመዝገበ
ስእለ
Jun 18, 2023 8:33 PM
173.73.27.183
ይዘከሩ!
-----------
ትኣምር ዜጋ ጽኑዕ ህዝቢ
ንኹሉ እንተታት ወትሩ ድልዊ
ንሕሰም ሽግር ወርቂ ባሃሊ
ንሱ'ዩ እንኮ 'ቲ ተጋዳሊ
ብኽብሪ ሃገር ዘይተቛማሪ

ነቲ ማዕቀብ ነቲ ኲናት
ነቲ ዓሎቕ ናይ ዝሩጋት
ዝመከተ ብጽንዓቱ
ዝስዓረ ብስምረቱ
ጸሓይ ኮይኑ ተዓዊቱ

'ቶም ስዉኣት 'ቶም ጀጋኑ
ኩሉ ዋጋ ዝኸፈሉ
ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ
እቲ ሕልሞም ጋህዲ ኮይኑ
ልእላውነት ተዓቂቡ

ስዉኣትና
'ቶም ኩርዓትና
'ታ ሂወቶም ዝገበሩ
ኩሉ ዕድል ዝመጠዉ
ኤርትራ ንኽትህሉ
ህዝቢ ኤረይ ክወግሓሉ
ይመስገኑ ይዘከሩ
ንዘልኣለም ንሓዋሩ!

ስእለ
Jun 15, 2023 3:35 PM
148.184.174.62
ዘክር!

ብውሽጥኻ
ብሕልናኻ
ኣብ ዘለኻ ሃሊኻ
ሎሚ ጽባሕ
ክሳብ ዘለኻ
ሕሹኽ በሎም
ዘክሮም
ኣዕልሎም
ኣብ ሕድርኹም ኣልኹ በሎም
ነቶም ስዉኣት
ጀጋኑ ምዑታት
ዝሓለፉ ንዓይ ንዓኻ
ዝኸፈሉ ናይ ሂወት ዋጋ
ንሰላምና ንኽብርና
ንኤርትራ መጻኢና
ክንስራዕ ማዕረ ዓለምና

ሃብሮማት'ዮም ተዘካርቲ
ልዕሊ ማንም ተናፈቕቲ
ወዶም ጓሎም ሚዛን ወርቂ

እወ

ንዘክር!
ነስተንትን!
ሕሉፍና'ዩ ምምህር

እቲ ግፍዒ 'ቲ መግረፍቲ
'ቲ ጭቆና 'ቲ መግዛእቲ
መሪር ሂወት ኣስካሕካሒ
ዝቐንጠጡ ብዘይፍርሒ
ስዉኣት'ዮም 'ቶም ሰብ ብልሒ
'ቶም ጽኑዓት ተጋደሊት

Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea