Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Feb 14, 2024 5:05 PM
172.58.242.228
ኣምስሉ መራሒ
===*****===
'ታይ ይብል ኣሎ ቆልዓ በሻሻ
ሓድሽ ከዳሚ ኣምስሉ ዋጣ
ቡዙሕ ዝዛረብ ዘይለባም ዓሻ፧

የብዝሕ ኣሎ ዘረባ ዓውዓው
መእሰሪ-ኣልቦ ዘይብሉ መጽዓን
ሰላም ዝኸልእ ዓዳሚ ጸላም

ሕልሚ ተንኮሉ
መልሓሱ ግብሩ 
ወያነ ባህሩ

ውላድ በሻሻ ዘይብሉ ጣቋ
መደናገሪ ዓቕሙ ዘይፈልጣ
ክሓዲ ሓቂ ናይ ህዝቡ ዕዳ

ታሪኽ ክዝንጥል ሕፍር ዘይብል
ዘይናቱ ይምነ ባሕሪ ይዝምር 
ኣፉ ከፊቱ ሃቡኒ ይብል

ክዛረብ ሓምየን
ኣምስሉ ተመን
ፍጹም ዘይእመን

ህዝቢ ኢትዮጲያ ዘይተዓደለ
ወትሩ ኣብ ኲናት ዘይብሉ ፍረ
ስቓይ የሐልፍ ራህዋ ክምነ

እወ

ይነብር ኣሎ ፍትሒ እንዳበለ
ሰላም ቅሳነት እንዳሓለም
መራሕቱ ደቁ እንዳረገመ

ኩሎም መራሕቲ
ሓደ ካብ ሓደ ዘይሕሹ ዕነ
ነጋውስ ሓሶት ዓመጽ ጠቐነ
ልኡኻት ባዕዲ ብጥረምረ

ኣብ ወራር ኲናት ህዝቦም ሸሚሞም
ለሚንካ ምምባር ገረሞ ባህሎም
ለኪሞሙና ራኢ ዘይብሎም
ስእለ
Feb 12, 2024 8:15 PM
108.45.183.178
ሃገረይ
****
ኤሩ ማዓረይ
ኵርዓተይ ክብረይ
ተስፋ መጻእየይ
"Wrong or right"
ወርትግ ኣብ ልበይ

ይምጥወኪ 
ኣይበቀልክን
እታ ሂወተይ
ሩሖይ ትንፋሰይ

እስኺ እንዲኺ
ክብሪ መንነተይ
መልክዐይ ሕብረይ
ኵርዓት ሓበነይ

ኤሩ!

ጸሓይ ብርሃን ኢኺ
ከም ኮኾብ ድምቕቲ
ዕንቊ ባሕሪ! 
ኩሉ ዝሃርፈኪ

ትማሊ ሎሚ
ብጽሓይ ቀትሪ
ኣብ በረኻ ባሕሪ
ጸልማት ዓይኒ ኣንቍሪ
ከርተት ዝበልኩ
ሕሰም ዝጸርኩ
ኣካለይ ዘጕደልኩ
ደመይ ዘፍሰስኩ
ዝተሰዋእኩ
ንዓኺ እንድዩ ነሩ
ኣንቲ ሽኮር ኤሩ

እወ
ትሽዓተ ሕብረይ
እስኺ
ስምቡኦይ ልበይ
ምስቀል ታቦተይ
ገዳም መስጊደይ
ዓቃቢት ክብረይ

እሞ
ኤሩ ወለላይ
ማዓር ጺጌናይ
ሰላም ኩንለይ
ሸማሕ በልለይ
ክቐስን ልበይ

ንሱ'ዩ ድልየተይ
‘ቲ ባህጊ ትምኒተይ
ከምቶም ኣቦታተይ
ጀጋኑ ኣዴታተይ
ኣሕዋት ኣሓተይ
ስእለ
Feb 8, 2024 9:25 PM
108.45.183.178
ኣድሓ
=*=
ሓባ ዓጽሙ
ሓቂ ቅልጽሙ
ዕጥቁ ማዕተቡ
መልክዑ ሕብሩ
ዓመጽ ስዒሩ

ዕሱብ ሃስሱ
ሽዩጥ መንፈሱ
ክሓዲ ኩሉ
ኢዱ ኣረኪቡ
ክሳዱ ኣድኒኑ
ንሻረኽ ኢሉ

ሓቂ መትከሉ
ህዝቡ ጽላሉ
ኵርዓት ሓበኑ
ዓለም ኣእሚኑ
ዋዕዋዕ ዘይብሉ

እቲ ወሽላኽ ‘ቲ ሓሳዊ
ግዙእ ረብሓ መታለሊ
ተሳዒሩ ብዘይክብሪ
ስእለ
Feb 7, 2024 1:29 PM
108.45.183.178
ስሪሒት ፈንቅል
==***==
ፈንቅል
ባዕዲ ዝፈንቀለ
ዕድሚኡ ዘሕጸረ
ከምዛ ዘይነበረ
ኣብ ወደብ ሃገርና
ሉል ባጽዕ ስማ

ግጥም ጻጸ ሓርማዝ
ዳዊት ምስ ጎልያድ
ብርሃን ገሩ ጸልማት
ኤርትራዊ ንያት

እወ

ታሪኽ ተፈጺሙ
ብሙዑታት ጀጋኑ
ሃገሮም ዘፍቅሩ

ክዝከር ዝነብር
ዘዅርዕ ዘሐብን
ወታሃደራዊ ግጥም

ፈንቅል
ዝነግር ዝሕብር
ጽንዓት ኤርትራዊ
ናይ ልቡ ገባሪ
ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ
ስእለ
Feb 6, 2024 7:56 PM
108.45.183.178
ካብ ሰብ ጨካናት
===00===
ኣመሪካ ዝመራሒቶም
ምዕራባውያን ኩሎም
ብሰብኣዊ መሰል
ዲሞክራሲ ጸብለል
ክዛረቡ ከዕልሉ
ተጣበቕቲ ኢና ክብሉ
ሞራላዊ ብቕዓት
ሕልናዊ ንቕሓት
ፍጹም የብሎምን
ክምድሩ ኣይክእሉን

ዓይኖም የዐሚቶም
ሕልንኦም ሸይጦም
ህዝቢ እንዳሃለቐ
ብጥይት ኣድራጋ
ብናይ ታንኪ ቦምባ
ኣብ ፍልስጢአም ቃዛ
ስቕ ኢሎም ይርእዩ
ብግህዶ ይዘርዩ

ጨካናት’ዮም ካብ ሰብ
ክትኣምኖ ዘይሕሰብ
ዝርአ ኣብ መሬት
ጸረ-ሰላም ዕብየት
ተጻባኢ ፍጥረት
ስእለ
Feb 5, 2024 2:58 PM
108.45.183.178

ልእኽቲ ጥፍኣት
===//===
እዛ ጭፍራ
ልሙስ ኣካላ
ባዶ ሓንጎላ
ክብሪ ዘይብላ
'ታይ ትብል ኣላ፧

ሓሳድ ከዳሚት
መሰረት ትዒቢት
መንቀላወጢት

ንስልጣን ከብዳ
ትህብ ክብረታ
ሕስሪት ጃንዳ

ጭፍራ፡
ዘይብላ እንዶ
ሕልና ኣልቦ
መጋበርያ
ናይቶም ነጋዶ

ዓለም ክሕምበብ
ብፍልጠት ጥበብ
ወይን
ድሕሪት ትጉተት

ጽሊኢ ትጽሕትር
ሓሶት ትዅምር
ሓቂ ትቐብር

ልእኽቲ ጥፍኣት
ሕማም መንድዓት
ናይ ትግራይ ኣበር
ኣልቦ ቁምነገር

ስም ኤርትራ ትዝንጥል ኣላ
ስዕረት ትማሊ ኪሒዳ ቁስላ
ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘየምሕረላ

ኤርትራውነት
ሃገራውነት
ልእላውነት
ዜግነት
ሓድነት
ዝተርንዐ ብመስዋእትነት
ዝረገጸ!
ኣብ ድልዱል መሰረት
"ተመንያ"
ከተጥፍኦ ብዘይ ሕፍረት

ወጣም ደረቐኛ!
ዘይብላ ሕልና
ጭፍራ ኣስተውዕሊ!
ምትንካፍ ክብርና
ዋጋ ኣለዎ ዘይብሉ መዘና
Yonatan Math
Feb 2, 2024 3:12 PM
166.196.110.102

ትምህርቲ ት/ም

እቲ ጹቡቅ ነገሩ ንሕና ኤርትራዊያን ት/ም ንፈቱ ሰባት ኢና።

እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ት/ም፥ ኣፍረይትን ፈጠርትን ከምእዉን ሕልና ዘለና ተማሃሮ ክነፍርይ ኢና ንደሊ። ንምንታይ'ሲ ሃገርና ብልጽግትን ምዕብልትን ክትኮነልና ስለ ንደልይ።

ት/ም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዝተካ እለ መጠን መስተውዓልቲ ተማሃሮ ምፍራይ እዩ።

ነቲ ንማሃሮ ዘለና ት/ም እንተኮነ'ዉን ከነስተዉዕለሉ ዘለና ጥቅሙ ክንፈልጦ። ብሕልፊ እዚ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ (Mathematics) ት/ም። ምክንያቱ ነዚ ሕጂ ኣብ ቤት ት/ም ዝማሃር ዘል ዓይነት ኣቃርጻ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ 358 ዕድመ ጥራሕ ዘለዎ ኢዩ። ንሕና ክንፈልጦ ዘለና ግን ቅድሚ ኡ ዝነበረ ዓይነት ኣቃርጽ እዩ። መታን ክንፈጥርን ክንምህዝን ብዓቢ ኡ ድማ ጥቅሙ ክንፈልጦ።

Yonatan Math

ስእለ
Feb 2, 2024 12:16 PM
108.45.183.178
“ጂግና ኣይነብርን’ዩ ታሪኹ’ዩ ዝውረስ!”
==================
እወ ኣይነብርን
ሰብ እንድዩ ፍጡር
ሰጋ ዝለበሰ - ዝመውት ዝሓምም

ጂግና’ዩ ንሱ 
ሓያል መንፈሱ
ዘይዕሉቕ ዘይሕሱ

ዕላማ ዘቐድም
ነብሰ-ፍትወት ዝዅንን
ሰራሕ ቅያ እሩም

ውፉይ ኣብ ስርሑ
‘ቲ ጽንዓቱ ብልሑ 
ጸላእቲ ዝገንሑ 

ሃብሮም’ዩ ኣብ ኩሉ
ጽኑዕ ኣብ መትከሉ
ዝወጾ ዘይብሉ

ንጹር ዕላምኡ
ዘየርኢ ቃንዝኡ
ዓወት ንሓፋሽ ጭርሖኡ

ተፈታዊ ብኹሉ
ብሃገሩ ህዝቡ
ቀልዓለም ዘይብሉ

ታሪኹ ዓብዪ
ማሓዛ ነብዪ
ወርትግ ተዘካሪ
ብታሪኽ ብህዝቢ

ታሪኹ ዝወራረስ
ዝነብር ክጥቀስ
ክጽዋዕ ክውደስ

ሓበን’ዩ ኵርዓት
ኣብነት መንፍዓት
ናይ ህልዋት ጽዓት 

ኤሩ ዝደኮነ
ካብ ወራር ዘድሓነ
ብፍትሒ ዝዳነ

"ጅግና ኣይነብርን ታሪኹ’ዩ ዝውረስ!"
ስእለ
Feb 2, 2024 1:23 AM
172.58.188.204
ናይ ልቢ ይግበሮ
==========
ይነፍስ ኣሎ ንፋስ ጥዕና
ንፋስ ሰላም ሰናይ ዝበና
ካብ ዋሽንግቶን 'ቲ ዓመጸኛ
ካብ ኣውሮጳ 'ቶም ገበነኛ
ንዓመታት ዝበደሉና

ናይ ልቢ ይግበሮ ናይ ብሓቂ
ተበደለ ዝኽሕስ ደባሲ
ይቕረ ዝብል ንሰላም ዘሳሲ

እንድዒ፧

"ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ" እዩ።
Alemseged Makonnen
Jan 23, 2024 11:20 PM
148.167.132.223
TEST
ስእለ
Jan 6, 2024 5:40 PM
108.45.183.178
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንመን፧
=================
ነቲ ድኻ በሊዑ ዘይሓድር
ዕሩቕ ዝባን ኣብ ደገ ዝነብር
ወይስ 
ነቲ ጽጉብ ዓሚጹ ዝሃጥር 
ዓለምና ክብሕታ ፈጺሙ ዘይሓፍር
ኩሉ ትሕዝቶኣ ንዓይ ዝብል፧

ዋላስ 
ነቲ ጭቝን ፍትሒ ዝሰኣነ
ዘየቋርጽ ጸሎት ራሃወ ሓሰመ
ሰላም ዓለም ካብ ልቢ ዝምነ፧

እወ
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንመን፧

ነቲ ዓገብ ዘይብል ሃርጋፍ ስሱዕ
ገንዘብ ዓመጽ በሊዑ ዝጎስዕ
ኣሸባሪ ኣብ ሬሳ ዝስዕስዕ፧

ኣነስ ኣይብልን 
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንኹሉ ብሓበራ
ነቲ እሾኽ መርገም ዓማጺ ጒሒላ
እዝጊሄር ዘይፈትዎ ኣምስሉ ዘረባ

እወ ኣይብልን ነቲ ስሱዕ መደናገሪ
መትከል-ኣልቦ ወቒዑ ዘአዊ
ንጹህ ህዝቢ ዘሳቒ ዘድሚ

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ነቲ ተበደለ
ስኒት ራህዋ ሰላም ዝሰኣነ
ዕዉት ኮይኑ ብፍትሒ ክዳነ 
ስእለ
Dec 19, 2023 12:30 PM
172.58.187.62
ሂትለር "ኣይሞተን" 
===========
ሂትለር "ኣይሞተን" ኣይተረሰዐን
ይዝከር ኣሎ 'ቲ ገበኑ ይድገም
ኣብ ቃዛ መሬት ፍልስጢኤም

ብታንኪ ብመድፍዕ
ብቦምቢ ዘናግዕ
ህዝቢ
ይሃልቕ ኣሎ መከርኡ ይበልዕ

ቃዛ ተደምሲሳ
ዓንያ ፈሪሳ
ሂወት ኮሊሳ

ጉዳም ጭካነ
ክትርኢ
ክደጋገም ትማሊ ዝኾነ
ኣብ ኢራቕ ኣብ ሶርያ
ኣብ ኣፍጋኒስታን ልብያ....
ኣሽሓት ዘህለቐ ዘይብሉ ንሕስያ

እወ
ኣስካሕካሒ ገበን
ዘጸግም ክእመን
ኣብዚ ምዕቡል ዘበን

ኢስራኤል ወራሪት
ኣመሪካ ኣጆኻ ባሃሊት
ፈሪዶሞ ፍልስጠኤማዊ 
ክመውት ክጸንት

ዓለም ዓገብ ኢሉ
ጃምላ ቅትለት ኮኒኑ
ግና ኣመሪካ 
ተጠቒማ ድምጻ
ቪቶ ገራቶ
ህዝቢ ፍልስጥኤም ኮይኑ ህንኩቶ
ስእለ
Dec 13, 2023 5:19 PM
108.45.183.178
ጅግና ሓሊፉ
======
ሃብሮም ከይዱ
ታሪኽ ሰኒዱ
ለበዋ ኣኽቢዱ

እወ ሓሊፉ
ብርሃን ወሊዑ
ህዝቡ ኣዅሪዑ
እንዳበለ ጽንዑ

ሃብሮም ኣብ ኩሉ
ኣርሓ ተዃሉ
‘ቶም ንሕና ዝብሉ

ተሰዊኡ
ጸላእቱ ኣብክዩ
ኣብ ጉድጓድ ደብዩ
እንዳኣእወዩ

ጽኑዕ ኣብ መትከል
ኣብ ክብሪ ሃገር
ዘይደናገር

ሓቂ መንገዱ
ሙሉእ ሓመቱ
ከም ኣቦታቱ

ኣብ ዝኣምነሉ
ዝመሓለሉ
ዘይዓጽፍ ቃሉ

ሃብሮም ኮርዒዳ
ሕጹብ ማዓንጣ
ዘይብሉ ዕዳ

ሓሊፉ
ታሪኽ ኣጽሒፉ
ቅያ ሰሪሑ
ብደሙ ብልሑ
ስእለ
Dec 9, 2023 1:43 PM
172.58.191.19
ኣውርሰኒ
=====
ዎ ኣምላኸይ ኩሉ ክኣሊ
ዝኣምነካ 
ካብ ውሽጢ ካብ ልቢ
ዓቕመይ ደርዕ ጸጋኻ ሃበኒ
ከም ሰብ ፍጡር ባህጊ ሕልሚ'ሎኒ

እቲ ብቕዓት ሻዕብያ ኣዕጥቐኒ
ዘመስከረ 
ኣብቲ ጸልማት ወጥሪ
ዝሰዓረ ዓማጺ ወራሪ

እወ
ጸላኢ ዘርዓደ 
ሓፋሽ ዘነየተ
ኣብ ስራሕ መኸተ 

ሻዕብያ፡
ፍቕሪ ሰላም ሓድነት ጠማሪ
ዘንጸባርቕ ኤርትራዊ ክብሪ
ጎይታ ጽንዓት ዝሕደስ ዘይበሊ

ዘይንቕነቕ
ኤርትራዊ ጽንዓት
ተወፋይነት ብቕዓት
ንሌባ መንድዓት

ኣዕጥቐኒ
መንፍሱ ሓመቱ
'ቲ ራኢ ክእለቱ 
ዘይተምበርካኽነቱ

እወ 
ክከላኸለሉ ኤርትራ ሓራ
ካብ ዓመጽቲ ካብ ኣሞራ ሺላ
ሃንቀው ዝብሉ 'ቲ ሰማያ ባሕራ 
ክውንኑ  ወርቂ ማዕድና
ስእለ
Dec 4, 2023 2:18 PM
108.45.183.178
ዕዝዝቲ ምህዞ
=======
ሰብ ከይድቅስ ኣስተርሕዩ
ስክፍታ ዘይብሉ ተገምብዩ
እንተ ጸጊቡ ወይስ ጠምዩ
ትማሊ ደርሆ
ሎሚ ስዓት ትንቕንቖ
ኣፍርዩ ሰኒዑ
ድቃስ ተመንዚዑ

ስዓት ገዛና
ኣብ መንደቕ ዘላ
ኣብቲ ከብሒ ኣብቲ ጣውላ
ኣብቲ ኢድና ተኣሲራ
ቲክ ቲክ
ቂም ቂም ትብል
ንግዜ ትነግር
ክሓልፍ ከሎ ክበርር
'ቲ ዕድሜና ክድመር ክጎድል

ስዓት

ኣብዚ ምዕቡል ዘበን
‘ቲ ጥቕማ ክንገር
ዘየብላ ወደር

ብዘይሃወኽ ብዘይ ዝላ
ብትዕግስቲ ህድእ ኢላ
ክንሰርሕ ትነግረና
ከይባኽን 'ቲ ግዜና

እወ ትነግረና
ብስዓት ብደቒቕ
ብንኡስ ክልኢት
ቁምነገር ክንገብር
ዝረብሕ ዝጠቅም
ሂወትና ዘመቅር

ንስዓት ዝእዘዝ
ዘኽብር ዝምእዘዝ
በሊሕ'ዩ ጎበዝ
ኣፍራዪ ዘይግበዝ
ስእለ
Nov 28, 2023 12:22 AM
108.45.183.178
ሕድሪ'ለና
======
ዜጋ ኤረይ ጉድ ረኺብና
ሰላም ራህዋ ተሓሪምና
ብሱሳዓት ጎረቤትና

ብዋሕድና ተዓሺዮም
ሕግን ፍትሕን ወጊድ ኢሎም
ብዝሒ ህዝቢ ማእከል ገሮም
ተሃለቑ ዘይሓሙሎም
ይወሩና ኣብ ዝጠዓሞም

ግና 
ሓቂ ሒዝና ተወዲብና
ምስ ሓብሓብቶም ዘረይትና
ሲዒርናዪም ሓደ ኮይና

ምኽንያቱ፡
ንመሬትና ንባሕርና
ንነጻነት ንኽብርና
ደው ክንብል ሕድሪ 'ለና
ሕድሪ ስዉእ ሕድሪ ጂግና

እወ

ሕድሪ ኣለና ሕድሪ ጂግና
ሕድሪ ስዉእ 'ቲ ሓርበኛ
ኣብ ዕርፈቱ ዝበለና፡
"ኤርትራ ሓልውዋ
ኣልምዕዋ ሰልምዋ
ልዕሊ ማንም ክብሪ'ለዋ"

ስለዚ ኢና፡
ኣብ ቃሉ ዘለና ኣብ መትከሉ
ንትግብሮ ዕላማ መደቡ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ቀልዓለም  ዘይብሉ

ስዉእ፡
ዕዙዝ'ዩ ቃሉ ስሩሑ ተግባሩ
ዓወት ንሓፋሽ ጭርሖ መዝሙሩ
'ተበጀወ ንሃገሩ ህዝቡ 
ኤርትራ ዘልኣለም ክትህሉ
ስእለ
Nov 27, 2023 1:47 AM
108.45.183.178
ፈታን ግዜ
=======
ርቡሽ ግዜ ሓንኳል እዋን
ጸረ-ፍትሒ ዘባል ሚዛን
ዋግዋጎ ስቓይ ሕማም

ዝፈላሊ ሩጡብ ዓዋን
ካብቲ በሊሕ ካብቲ ቋሕማም
ካብቲ ዕጉስ ካብቲ ለውላው
ካብቲ ህኩይ ካብቲ ጻዕራም
ካብቲ ጂግና ካብቲ ጠላም
ብዘይ ዳኛ ዓውዓው ምባል
ብሰላሕታ ድምጺ ምህጣም

እወ ዝፈላሊ፡
ሰፈፋን ወለላን 
ግለትን ሓተላን 
እቲ ወርቅን ዒባን

ሓያል ግዜ፡ 
ጽኑዓት ዝኸድዎ
ብኣካል ኣእምሮ
ብብልሒ ተመክሮ

ግዜ፡
ማንም ዘይማልዶ
ብገንዘብ ብጉቦ
ናይ ኩሉ ውህብቶ

ትኩርነት ዝሓትት
ዘሸግር ክትግምት
እንታይ ከም ዝወልድ

ልቦና ትዕግስቲ
ኣፍልጦ ትምህርቲ
ሓቂ ምስ ጭብጢ
ዝጠልብ
ረቂቕ 
ግዜ ወርቂ

እወ

ግዜ 'ዚ መዅባዕቲ
ናይ ፍጡራት ሃብቲ
ብስቕታ ፈራዲ

ክትዕወት፡ 
"ምጽማም መስዋእቲ
ውዳበ፡ ንቕሓት፡ ዕጥቂ
ምዃን ሓደ - ክሳድ ርእሲ"
ኩኖ ዝብል - ኪዶ 'ቲ መንገዲ
ስእለ
Nov 24, 2023 7:35 PM
108.45.183.178
ሓበሻ ኣይትበሉኒ
========
ሰማዕቲ ጽን በሉ!
ክብሪ መንነተይ ትዝንጥሉ
ኣብ ክንዲ ኤርትራዊ “ሓበሻ” እትብሉ

በዓል ርስቲ’የ በዓል ሃገር
ሕብረ-ብዙሕ ትሻዓተ ብሄር
ብኤርትራውነተይ ዝኾርዕ ዝሕበን

ኣይተድምጹ “ሓበሻ” እናሻዕ
ጽውጽዋይ ኣይስተ ኣይብላዕ
በራዚ መንነት ናይ ደናቁር ጉሳዕ

አረ 
እንታይ’ዩ ትርጉሙ እንታይ’ዩ ነጋሪ
ኣበይ’ዩ ደረቱ ንመን’ዩ ወካሊ፧

ሃገር ኣላትኒ ደመይ ዘፍሰስኩላ
ዓለምና ዝፈለጣ ኤርትራ ስማ
ሃልየ ሓሊፈ ‘ታ ዝጽወዓላ

ሓደራ ክብለኩም ክደጋግመልኩም
“ሓበሻ” ከይሰምዕ ከይቅየሞ ቃልኩም

ኤርትራዊ’ዩ ወርቂ መንነተይ
ክሰምዖ ዝሕበን ኣብ ሙሉእ ሂወተይ

እወ
 ልዕሊ ኤርትራዊ መለለዪ ክብሪ
ኣሎ ኣይብልን ኣብ’ዛ ዓለም ምድሪ

ስለዚ 
“ሓበሻ” ኣይትበሉኒ
ኵርኳሕ’ዩ ንእዝኒ
መጸለሚ ክብሪ
ዘየብሉ ጣዕሚ
ስእለ
Nov 17, 2023 8:25 PM
172.58.240.179
እንታይ'ዮም ኢለሞ፧
=============
እወ
እንታይ'ዮም ኣስሚዖሞ
ርክብና ክቐትሎ
መልሓሱ ክስሕሎ
ኣንጻር ኤሩ ዋዕሮ፧

ሺሻይ ድዩ እኽሊ
ገንዘብ መታለሊ
ወይስ
ዝትኮስ መቕተሊ፧

ካብ ምስ ሃጸይነት
ሰናይ ምስ ጎረቤት
ፍቕሪዶ ኣይምሓሸን
ንራህዋ ንዕብየት፧

"ጎበዝ" ተጋግዩ
 ሰላም ዞባ ጎስዩ
መጥፊኡ ሓርዩ

ስርናይዶ ምስ ሓመድ ይቕየር
ወደብ ባሕሪ ምስ ተሌፎን ኣየር
መን ኢሉ ብማዕረ ይዕየር፧

ዝገርም'ዩ ክትሰምዖ ዘደንጹ
እቲ ሓሳብ ብዓውታ ምድማጹ 

ዓብዪ፡
መን'ዩ ሚዒዱካ
ኣጆኻ ኢሉካ
ክትሽውድ መድሕንካ፧

ኪድ ድኣ ንዓሻኻ በሎ
ትርጉም ርስቲ ዘይርድኦ እንተሎ

እንተ ንሕና
ኣይራኣናን 
ኣይሰማዕናን
ሰብ ኮይኑ እንስሳ ዘይትብሎ
ሰጋር ብቕሊ ዝቕይር ብቖሎ
ስእለ
Nov 16, 2023 1:39 PM
108.45.183.178
ንዓመታ ዝጽለል ለዘበን እምኒ ይስንዱ"
========================
ኢትዮጵያውያን፡
መራሒኹም ፈትሽዎ
ኣይጠዓመን ዝዛረቦ
ዝሰመዐ ኪዒብዎ

ሓሚሙ'ሎ ጸልይሉ
ንፈጣሪ ንገሩሉ
ተጣዓየ ዕድል ገሩ 

"ንዓመታ ዝጽለል ለዘበን እምኒ ይስንዱ"
ተባሂሉ'ዩ ተሰኒዱ
ግበሩሉ ቀልቢ ንጉስኩም ማዓዱ

የፈራርሕ ኣሎ የዋጣውጥ በትሪ
ክወረና ብትዕቢት ብሓይሊ
ዘንጊዕዎ ስዕረት ናይ ትማሊ

"ከም ሃይለስላሰ
ፈደረሽን ዘፍረሰ
ዉዑል ዝገሃሰ"
ይብል ኣሎ 
"ክኽሕዶ'የ ነጻነትኩም
ዝተኸፍሎ ዓጽመ ደምኩም
ወደብ ባሕሪ ተዘይሂብኩም"

እወ
ይብል ኣሎ ተገቲሩ
ከይሓነኸ ድምጹ ኣልዒሉ
"ከይወረኩም ዓሰብ ሃቡ"

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events