Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Nov 15, 2023 6:43 PM
108.45.183.178
ሳእኒ ጻዕዳ
=======
እዚ ልኡኽ ኣገልጋሊ
ደረቐኛ  ዓይኒ ኣንቍሪ
ተመንዩ ወደብ ባሕሪ

ህንጡይ ጎበዝ ዘይበሰለ
ታሪኽ ሓሶት እንዳኣልዓለ
ሓያል'የ ኢሉ  ከይሓፈረ

ኣጉባዕቢዑ ተመኪሑ
ረሲዕዎ 'ቲ ስርሑ
ክኣኻኽብ ተፈንጥሑ

እወ 

ረሲዕዎ ክጥውሮም
ክድግፎም ቀልቢ ክቦም
ዝጠመዩ ዝዓረቑ
ዜጋ ሃገር ተጨነቑ
ሰላም ራህዋ ዝናፈቑ

መርገጽ-ኣልቦ እዚ ፋሕታ
ተናባዪ ብምጽወታ
ዘመስከረ ሳእኒ ጻዕዳ
ሓያል'የ ኢሉ ተጃሂሩ
ቀይሕ ባሕሪ ኣንቃዕሪሩ
መጥፊኢኡ መሕጸር ዕምሩ
ስእለ
Nov 14, 2023 10:25 AM
108.45.183.178
ዉዑል ዘይቅይዶም!
=============
ኣንታ እንታይ'ዩ ጸገሞም
እቲ ሓሶት ዓመጽ ዘይበልየሎም
ሰላም ክቕበሉ ዝእግሞም
ኣብ ወራር ኣብ ዓመጽ ዘውዕልዎ ዓቕሞም፧

ድንቁርና ድዩ ትዕቢት
ስስዐ ዘይናትካ ክትግብት
ወይስ ኣጆኻ -
ናይ ሰብ ረብሓ ውዲት፧

ዝገርም'ዩ ዘደንጹ
ትጽገም 
ክትረኽበሉ መልሱ!

ቅድሞም ድሕሮም
መለሳ ዘይብሎም
ዉዑል ዘይቅይዶም

ጣሓርናኩም ክብሉ
ውግእ  ክሳዓሩ
ተረባረብ ኮይኑ

ይሓይሽ ዝበልናዮ
ክብሪ ዝሃብናዮ
ሓንጊዱ ብርእዮ

ነውራም እዩ ጠላም
ሓሳድ ጸረ-ሰላም
ከም ወያነ ቋሕማም

ኣይቆልዓ ዓብዪ ዘይከውን ሓላሚ
ብቕዓት ዘየብሉ ገዝኡ ከዐሪ
ወደብ እንዳማቱ ክውንን ዘውሪ  
ስእለ
Nov 13, 2023 11:45 AM
108.45.183.178
ሰብዶ ኣራዊት ይጭክን፧
===============
ተውሳኹ ኣራዊት ዝፈልጦ ዘይብሉ
ተፈጥሮ ዝሃቦ ዝበልዕ ማእሪሩ
ኣይውንን መድፍዕ ፍጡር ዘጽንተሉ

ኣይእውጅን ኲናት ሚልዮን ዝሃልቅሉ
ጓሓፍ ኣይኩምርን መሬት ዘጭንወሉ
ኣይብክልን ኣየር ጣዕሙ ዘጥፋኣሉ

ኣራዊት ሓላል'ዩ ኣይተልዕሉ ስሙ
መሮር ተሰፈረ ካብ ሰብ'ዩ ሃዲሙ
ብጥይት ብኻራ ከየሕጽሮ ዕምሩ

ሕጊ ዓሳ ኣብ መሬት ዘስፈነ
ወራር ዓመጽ ባህሉ ዝገበረ
ኣራዊት ኣይኮነን ሰብ'ዩ ዝተማህረ

ቊሊሕ በሉ ልብያ ተዓዘቡ
ዜጋ ኢራቕ ቅሳነት ሲኢኑ
ህዝቢ ሶርያ ኩሉ ተበቲኑ
ኲናት ውግእ ደዊኑ ዓለሙ

ወዲ ኣዳም ሕሱም'ዩ ጨካን
ካብ ጌግኡ ፍጹም ዘይማሃር
ክንዲ ልዝብ ዝህንደድ ናብ ምቕታል

እወ

ሰብ'ዩ ጨካን ክፉእ መጋብሩ
ንኽብድል መስዩ ዘይወግሓሉ
ጎይታ ዕንወት ድንጋጸ ዘይብሉ
ህዝቢ  ቃዛ ህያው ምስክሩ
ስእለ
Nov 10, 2023 9:20 PM
108.45.183.178
ይኣምኖ'የ!
=======
ይኣምኖ'የ ከመይ ዘይኣምኖ
ዓንዲ ሓጺን ብማንም ዘይንኖ 
ጎይታ ጽንዓት  ውዲት ዘይድህሎ

እወ
የኽብሮ'የ ከመይ ዘየኽብሮ
ዘየዐብር ቃሉ ዝበሎ ዝኾኖ
ሸርሒ ኣባይ ብጽንዓት ዘምክኖ

ፍሉይ'ዩ እሙን ትኩር መስተውዓሊ
ራሃወ ጸበበ ሃገረይ ባሃሊ
ጒሒላን ዓማጽን ካብ ሩሑቕ ዘለሊ

ወዲ ህዝቢ ጽንዓት ሕላገቱ
ፈታው ስራሕ ዝበልዕ ጺዒቱ
ሃብሮም ጂግና ምስሊ ኣቦታቱ

ይኣምኖ'የ ከመይ ዘይኣምኖ
ዘይድሃል ብውዲት ተጽዕኖ
መትከላዊ 
መሬት ቃሬት ትጭኖ 
ስእለ
Nov 8, 2023 11:41 PM
108.45.183.178
ፈኲስ
====
እዚ ወጠጦ
ዘይብሉ እንዶ
እንታይ'ዩ 
ዘሎ ዘዕብዶ፧

ጽላለ ድዩ ዕብዳን
ዘይምሕር ሕማም
ወይስ
ጸፊዕዎ ሰይጣን፧

ሃለውለው ኣብዚሑ
ሰማዒ ኣሰኪሑ
ወጺኡ ጥሩሑ

መን'ዩ ሊኢኽዎ
ኣጆኻ ኢልዎ
ክርብሽ ጎደቦ፧

ኣመሪካዶ ኣውሮጳ
ዉሑዳት ሰብ ረብሓ
ወይስ
ህንጡይነት ቆልዓ ፧

ወጠጦ
ጠገለ ሲኢኑ
ይንፈ ስቕ ኢሉ
ሚዛን ዘየብሉ

ኣርምዎ ርኸብሉ ፈውሱ
ወግዝዎ ይገረዝ መልሓሱ
ኣይጥዓየን ቃላቱ መንፈሱ
ስእለ
Nov 5, 2023 2:34 PM
108.45.183.178
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ
----------------------------------------------------------
በለጽ ሕላገተን ኣምስሉ ዓጣሮ
ሓብሩኒ ዝረኣየን እንተሎ
ክሕለቓ ንሰብ ዝሸገሮ
ክጣበቓ ብዓውታ ጎረሮ
ተበደለ ፍትሒ ዝጎደሎ፧

ጨካን ውድብ ዘይብለን ሕልና
ግዙእ ረብሓ ሸቃጦ ዘበና
ዕዉር ዓይነን ዘይርኢ ጭቆና
ኣብ ፍልስጢኤም 'ቲ ቦምባ ደበና
ኲናት ዕንወት ዘይብሉ መዘና

ዓለም ጠላም ኣጽቂጣ ኣሻርያ
ትዓሚታ መስሚዕዓ ዓጽያ
ምስ ዓመጽቲ ወጊና ዛዝያ
ቦምባ ጥይት ከተቐብል ሓርያ

ክንዲ ዓገብ ንሰላም ደው ምባል
ሕግን ፍትሕን ምስሳን ምዕንታር
ወገን ሒዘን የዳኽራ ኣብ ምቕታል
በላዕቲ ሰብ ዋና ኣብ ምጭብርባር
ስእለ
Oct 26, 2023 5:43 PM
148.184.174.62
"ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ"
===============
እዚ ዶክተር
ባዓል ቡዙሕ ኣበር
ኣብዚሑ ደምበርበር

እወ እዚ ቆልዓ
ተዛራቢ እንቅዓ እንቅዓ
መርገጽ-ኣልቦ ዘየብሉ መርሓ
ሽግር ኲናት ዝኣቱ መብጽዓ
ክንዲ ሰላም ኢትዮጵያ ዘርብሓ

ዝረዓሞ ጌጋ ኣቦታቱ
ዘይሓይሽ ካብ ህጻን ካብ ዕንዱ
ባሕሪ ይብል ወድብ እንዳማቱ

መታለሊ ክልተ መልሓሱ
ኣገልጋሊ ሰብ መትከል ዝኸሱ
ዶክተር ቅጥፈት ዝርህጽ ክሕሱ

ኣርምዎ ርኸብሉ ፈውሱ
ይተኣለ ይገረዝ መልሓሱ
ከይርብሽ ሰላም ጎረቤቱ
ስእለ
Oct 25, 2023 7:25 PM
108.45.183.178
ኣስተውዕል!
=======`
ኣየ እዋን
ኣይብርሃን ጸላም
ዋግዋጎ ደባን
ዘየብሉ ምራን

‘ቲ ኹሉ ዝውረ
ዝተዋጃበረ
ዘይብሉ ፍረ

ልብኻ ይህውጽ
ርእስኻ የናውጽ
ድቃስካ ይብጽብጽ

እወ

ርእይ እንተበልካ
ውሽጡ ተፈተሽካ
ዘይብሉ ጣቋ
ጉሓፍ ሳባለቃ

እሞ ሰበይ
ትኩር ኩን ኣስተውዕል
ልቦና ኣይተጕድል
ግዳይ ከይትኸውን

‘ቲ ዝበሃል ኩሉ
ሓሰሩ ገፈሉ
ግዜ ኣይተጥፋኣሉ

ግና
ንኤረና
ነዛ ብሌን ዓይንና
ኣለናልኪ ንበላ
ንመሬታ ባሕራ
ሰማያ ጠፈራ

እቲምንታይ፡
ንሕና ንሳ
ንሳ ንሕና
ብምዃና
ስእለ
Oct 24, 2023 5:55 PM
108.45.183.178
"ሕማም ጥዕምቶ"
=========
እዛ በሰሮ ዘይብላ እንዶ
መርገም ጎረቤት ሕማም ጥዕምቶ
ዝተዓደለት ሰብ ርእሲ ባዶ
ኣብዚ ሂወትና
ናብራ ጉዕዞና
ኮይና ጸገምና

ሰላም ረኺብና
ከይርህወና
ንሳቐ ኣለና
ለኪማትና
ስእለ
Oct 23, 2023 3:20 PM
108.45.183.178
ንባሕርና - ክቡር ሂወትና!
===============
ቀይሕ ባሕሪ - ባሕሪ ኤርትራ
ዝፈሰሶ እቲ ሓፊስ ደምና
ዝወሓጠ ኣዕጽምቲ ስጋና
መን’ዩ ዝብል ናተይ’ዩ ናትና፧

ምምባር ዝቐበጸ መልሃሰኛ
ዝረሰዐ ጽንዓት ጅግንነትና
ወስ ይበል ሽዑ ይርእየና
እንታይ ከም ንገብር ንባሕሪ መሬትና
ስእለ
Oct 23, 2023 1:38 PM
108.45.183.178
መለሳ ዘይብሎም
==========
ኤሩ ሃገረይ
ኵርዓተይ ክብረይ
ሰላም ኩንለይ!

እንታይ ድኣሉ ዝበሃል ዘሎ
ኣብዚ ከባቢ ኣብዚ ጎደቦ
እዝኒ ዘደንቍር ጸገም ክትኣምኖ፧

ሕማም ባሕሪ ፈውሲ ዘየብሉ
ይጋዋሕ ኣሎ እእዛን ኣጽሚሙ
ኲናት ዝዕድም ዘይትኸስበሉ

‘ታይ ዝበለ ጽላለ ‘ታይ ዝበለ ሕልሚ
ጽውጽዋይ ታሪኽ ዘይብሉ መእሰሪ
ሃንቀውታ ዓመጽቲ ዘተባብዕ ግብሪ

ሓደ ድሕሪ ሓደ ዘይብሎም መለሳ
ኣብ ሓሶት ዘዅድዱ ብዘይ ሓደ ጣዕሳ
ድሕረት ስቓይ ህዝቦም ዝፈጥረሎም ባህታ 

ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ዘየብሎም መርሓ
ሓሳዳት ጠላማት ልኡኻት ሰብ ረብሓ

ትርጉም ጉርብትና ዘይርድኦም ጥረ
ኲናት ዝጽሕትሩ ዘይርከቦ ፍረ

“ወየ ተቓሊስና ተዋዲቕና”
ኣብ ሕጊ ቀሪብና ተፈሪድና
ዶብና ብጺሕትና ኣነጺርና
ሕጂ ‘ታይ ኣምጽኦ ወደብኩም ሃቡና
ዓዲ ዘየጋብር ሓንካር ጉርብትና
ኣጀንዳ ዓመጽቲ ድሕሪት ዘትርፈና፧

ስሱዓት መራሕቲ ቀልቢዶ ግበሩ
ካብ ሕሉፍ ጌጋኹም ብልሑ ተማሃሩ
ክንዲ ኲናት ውግእ ህዝብኹም ጠውሩ

‘ቲ ጌጋ ትማል ተቖጠብሉ
ንሰላም ልዝብ ኣለና በሉ 
ሓቢርካ ምዕባይ ይዓቢ ጥቕመ 
ስእለ
Oct 21, 2023 5:09 PM
108.45.183.178
ኣለኻዶ፧
=====
ኣንታ ፈጣሪ
“ኩሉ ክኣሊ”
በጃኻ ዳኒ
ንሰብ ጓሓሊ

እንታይ'ዩ ጉዱ
ዓመጽ ዛይዱ
ፍቕሪ ዊሒዱ፧

ፍትሒ ተረጊጹ
ሰላም ተሃዊጹ
ሌባ ሰዊዱ

እወ

ስስዐ ነጊሱ
ጭካነ ቢኢሱ
ተሳኢኑ ፈውሱ 

እቲ ተበደለ
ዓቕሚ ዝሰኣነ
ኣምላኽ ዝኣመነ
ይበኪ ኣሎ ደኒኑ
ረዳኢ ሲኢኑ
ሰላም ተኾኒኑ

ኣብ ገዛእ መሬቱ
‘ቲ ንብረቱ ሃብቱ
ኩሉ ተዘሚቱ

ዓለምና ኣጽቂጡ
ከይገንሕ ሓንጊዱ
ጭካኒኡ ኣግሂዱ

በጃኻ ኣርህወሉ
የብቅዕ ‘ቲ ሕሰሙ
ሰብ’ዩ ከም ኩሉ
ዝጽሊ ኣዘውቲሩ
ናብ እዝጊኣብሄሩ

እዛ ዓለምና ትህወጽ ኣላ
ብሰብ ተፈጥሮ ወሰን ማእከላ
ኲናት ምስ ማዕበል ልባ ኣጥፊኡላ

እሞ
ብፍቕሪ ሰላም ሰናይ ክራባሕ
ቊሊሕ በለና ዓማጺ ግናሕ
ከም ሰብ ኣይትኹን ጨካን ኣመና
ምሕረትካ ለግስ ኣርም ጠባይና
ስእለ
Oct 17, 2023 12:57 AM
108.45.183.178
ሃገረይ
====
ሃገረይ ማዓረይ
ተስፋ መጻእየይ
ኵርዓተይ ክብረይ
"Wrong or right"
ወርትግ ኣብ ልበይ!

እስኺ
ክብሪ መንነተይ
መልክዐይ ሕብረይ
ትዛርዪ ኣብ ልበይ

ኤሩ!
ጸሓይ ብርሃን ኢኺ
ከም ኮኾብ ድምቕቲ
ዕንቊ ባሕሪ ኩሉ ዝሃርፈኪ

ትማሊ ሎሚ
ብጽሓይ ቀትሪ
ኣብ በረኻ ባሕሪ
ጸልማት ዓይኒ ኣንቍሪ
ከርተት ዝበልኩ
ሕሰም ሽግር ዝጸርኩ
ኣካለይ ዘጕደልኩ
ዝተሰዋእኩ
ንዓኺ እንድዩ ነሩ
ኣንቲ ሽኮር ኤሩ

ሰላም ንበርለይ
ማዕብሊ ሓላለይ
ሓብሕብዮ ህዝበይ
ንሱ'ዩ ድልየተይ
ልባዊ ትምኒተይ
ስእለ
Oct 15, 2023 6:38 PM
108.45.183.178
ዓገብ!
------
ዓብዪ
ተስፋ-ኣልቦ ራኢ
ጠላም ተጻባኢ

እንታይ ተረኽበ ኣብ ትማልን ሎምን
ሓሳብካ ዘቐይር ፈታዊ ዘቐይም
ክልተሳዕ ዘዛርብ ክትሰምዖ ዘስድምም
ባሕሪ እንዳማትካ ዘቋምት ክትውንን፧

እንታይ'ዩ ጸገምካ ሃለውለው ዘረባ
መእሰሪ ዘይብሉ ጽውጽዋይ ዛዕባ
ፈጣር ነውጺ ምስ ሩሑቕ ቀረባ፧

ሓሳባካ ድዩ ተንኮል ናይ መወልቲ
ኢሎሙኻ ሕሹኽ ክትጥምዝዝ ንሓቂ
ክትሕምስ ዞባና ከይርህዎ ከይዓቢ፧

እወ
እንታይ'ዩ 'ቲ ረብሓ ካብ ኲናት ዕግርግር
ሰላም ዘየምጽእ ዓዲ ዘየጋብር
ኣብ ጸገም ድኽነት ሂወት ሰብ ዝሸምም፧

ናይ ብሓቂ ጠላም ኢኻ ፋሕታ
ዝወረስካ ጠባይ ኣቦታትካ
"ውረር ዝመት... ዋላ እንዳማሓልካ"

ዓገብ!
ቆልዓዊ ወልመጥመጥ
ሰሚዕካዮ ዘየብሉ ርዝነት
ካብ መራሒ ፈጺምካ ዘይሕሰብ
ተሰለመ ኖቤል ናይ ሰላም ኣብነት
ስእለ
Oct 14, 2023 5:05 PM
108.45.183.178

ዝወራረስ ሕማም ኣፍደገ ባሕሪ
------------------------------------

ኤርትራ/መንግስት ኤርትራ ነዚ ለውላው መእሰር ዘይብሉ ሃታፍ መልሓሱ ነዊሕ ከይደጎየት'ያ ነቲ ሽጣሩኡን ሕቡእ ተልእኹኡን ፈሊጣቶ/ፈሊጥዎ። እቲ ምንታይ ከምቲ ስብሓት ነጋ ዝበሎ ብባሩኾት ኣመሪካ'ዩ ኣብ ስልጣን መጺኡ። ኣመሪካ ባሪኻ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዘበለቶ መራሒ ድማ ብቐዳምነት ተልእኾ ኣምሪካ'ዩ ዝፍጽም። ግና ኤርትራ ክትጥቀመሉን ኣብ ረብሓኣ ከተውዕሎን ቀልጢፋ ከተሰምብዶ ኣይደለየትን። ንጎራሕ ጎራሕ'ዩ ዝፈልጦ። ቅንይ ኢላ ግን ፈሊጥናካ ኣለና ንምባል ኢምባሲኣ ሲሒባ ናብ ዝትሓተ ድረጃ ኣውሪዳቶ። ኣይበተኸቶን ግን።

ነቲ ሕልፍ ዝበለ ከዳሚ ወያነ ንኤርትራን ንስልጣን ዓብዪን ሓደገኛ ዝነበረ ስሙር-ግምባር ገራ ኣብ ምድቓቕን ነበረያ-ነበረ ኣብ ምግባርን ተጠቒማትሉ። ንሱ'ውን ሳላ መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ሓገዝ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኪኢሉ ኣሎ። ምስጋንኡ'ውን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ዓው ኢሉ ገሊጹ'ዩ። እሞ ሕጂ ድኣ እንታይ ተረኽበ ኣፉ ከግፍሕን ናብ ባሕርን ኣፍደገ ባሕርን ኤርትራ ከቋምትን ሃለውለው ክብልን ኪኢሉ፧ ንኤርትራ ብግልጺ ክጻባእን እቲ ሕቡእ ተልእኹኡ ብኣመሪካውያንን ፈረንሳን ዝተዋህቦ ከግህዶ ወሲኑ፧ ክሳብ ነቲ ሓይሊ ባሕሪ ከነቕውም ከለና ሓሲብና ኢና ገርናዮ ዝብል ዘሎ፧

ዕብዪ-መልሓሱ ነቲ ናይ ወያነ ሽጣራ'ዩ ደጊምዎ። ወያነ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፎእ ምስ በሎ ምስ ኤርትራ'ዩ ኲናት/ወራር ኣውጁ። ተወሪርና ክተት ኢሉ። ዓሰብ ከምልሰልኩም'የ ክብል ቃል ኣትዩ። እዚ ዓዳዅ ድማ ብደገን ብውሽጥን ዓቕሉ ጸቢብዎ ኣብ መዋጥር ስለ ዝኣተወ'ዩ ዘህተፍትፍ ዘሎ። ንኢትዮጵያ ብጉቡእ ከማሓድራን ሰላም ከምጽኣላን ኣይከኣለን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣብ ሽግርን ጸበባን ጥምየት ወዲቑ ኣብ ነንሕድሕዲኡ ይፋለስ ኣሎ። ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣንጠጥዩ ዘሎ ሓደጋ ገለ እንተኣፍኮሰሉ'ዩ ድማ ሕቶ መዝሙር-ባሕሪ ዝዝምር ዘሎ። ኣረጊት ሽጣራ።

ብዝኾነ ትማሊ ብመስዋእትናን ጽንዓትናን ኤርትራ ነጻ ገርናያ፣ ዓቂብናይ'ውን ኣለና። ንዘልኣለም'ውን ክንዕቅባ ኢና። ብጽውጽዋይን ምጉዕባዕባዕን ዝፍታሕ ስረ የለን። ብዝሒ ሰብ ስለ ዘልካ ባሕሪ እንዳማትካ ክትወርርን ወይ ክምጠወልካ ዘፍቅድ ሕጊ ኣብ ዓለምና የለን። ህንድን ቻይናን ብዝሒ ህዝቢ ስለ ዘለወን መሬት ጸቢብወን መሬት እንዳማተን ክወራ ወይ ክፍቀደልን ኣይረኣናን።

ዓብዩ-መልሓሱ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ታሪኻዊ ኣቋውማ ረሲዑን ኪሒዱን'ዩ ኣብ ዘይኮነ ክትንትንን ክዛረብን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከታልልን ዝርአን ዝስማዕ ዘሎ። "ዒራ ዘይስንኻ ሕጻ ቆርጥመሉ እዩ።" ብህዝቦም ዘይግድሶም ጨካናት ናይ ጥፍኣት መራሕቲ ካብ ሃይለስላሰ፣ መንግስቱ፣ ወይንቲ ጀሚርካ ካሳብ ናይ ሎሚ ጽላሎት ዓብዪ።

እዚ ተደጋጋሚ ዓማጺ መደረን ዓጀውጀውን ንሃይለ ስላሰ፣ ንመንግስቱን ወየንትን ኣይጠቐመን። ለኪምዎም'ዩ ሓሊፉ። ዓብዪ'ውን ካብዚ ውድቀት'ዚ ኣይከምልጥን'ዩ። ብስዉርን ብግልንጽን ኣጆኻ ናይ ኣመሪካን ምዕራባውያንን ኣይከድሕኖን እዩ። የግዳስ ኣብ ክንዲ ንምዕባለን ስልጣነን ኣድሂብና ንሰርሕን ሙሉእ ዓቕምና ነውዕልን ብውግእን ወረ ውግእን ከም ሰብ ኣብ ስነ-ኣእምሮ ሸቐልቀልን ክነብር'ዩ እቲ ዕላማ ናቱን ናይ ልኣኽቱን። "ዋላ እንተዘይበላዕክዎ ጻሕቲረ የፍስሶ'ዩ" እቲ ስዉር ዕላሞኦም። ሰብ ከይሓልፈሉ፣ ከይምዕብል ከይቀስን፣ ብሰላም ከይኣቱን ከይወጽእን ተወዳራሪ ከይከውንን። ብፍላይ ናይ ምዕራባውያን እቲ ነውራም ዘይቅዱስ ሓሳብት'ዩ።

ኮይኑ ግን ካብ ንመሬትናን ባሕርናን ካብ ዓመጽትን ወረርትን ምክልኻል ከም ቀደምና ዝዓግተና ሓይሊ የለን። ነዚ ድማ ታሪኽ ምውካስ እኹል'ዩ። ንሃገርናን ባሕርናን፣ ንነጻነትና ክብርናን ንሚኢቲ ዓመት'ውን ይኹን ክንምክትን ክንቃለስን ድልዋት ምዃና ኣብቲ ናይ 2018 ኣብ ኣስመራ መጺእሉ ዝነበረ ግዜ ባዕሉ ዓብዪ ዓው ኢሉ ዝተዛረቦን ዝመስከሮን'ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ተበራበር ኣስተውዕል ንቓሕ። ካብ ሕሉፍ ጌጋታት መራሕትኻ ተማሃር ኣመዛዝን። ጸላእትኻ ኣለሊ። ካብ ኲናትን ውግእን ዝርከብ መኽሰብ የልን። ብጀካ ዕንወትን ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ድሕረት ምምባርን። ኩሉ መኽሰብ ኣብ ሰላም'ዩ ዘሎ። ንሰላም ደው በል።

ስእለ
Oct 7, 2023 8:41 PM
108.45.183.178
ተንፈኽፍኽ ኣላ
=========
እዛ ዓለም ተንፈኽፍኽ ኣላ
ከም ሽሮ ጻሕሊ ወሰን ማእከላ
‘ቲ ማዕበል ኲናት ልባ ኣጥፊኡላ

እወ

ጋሃነም ኮይና ረመጽ ክትነብራ
ዕረ መረረት ጣዕሚ ዘይብላ
እንዳካፈለት 
ስቓይ መከራ 
ኣሕፊሳ ኣቕጢና

ምንቅጥቃጥ ምድሪ
ሃንደበት ሃውሪ
የሐጽር ኣሎ ፍጡራት ዕምሪ

እቲ ተፈጥሮስ ባህሪኡ ኮይኑ
ሰብ ተዛራቢ ‘ታይ ‘ዩ ጸገሙ
እንዳፈለጠ ቤቱ ዘዐኑ፧

ርሑቕ ቀረባ ዘይትሃድመሉ
ኣብ ደቒቕ ስዓት ዓለም ዘዐኑ
ምህዞ ወዲ ሰብ ምሕረት ዘይብሉ
ኒኲለር ቦምብ ሂወት ዝቖሉ
ይጥምት ኣሎ እፍጢጡ ዓይኑ

ኣቤት! 
ኣየርእየና ክዓኑ ኩሉ
ሜዳ ክኸውን ሳዕሪ ዘይበቕሎ
ከተማ ገጠር ሰብ ዘይነብሮ
ስእለ
Oct 6, 2023 3:16 PM
148.184.174.62
ወቒዑ ዘአዊ
=======
ከም ሃገር ከም ህዝቢ
ጎረቤት ክንሓሪ
ዕድል ኣይገበርናን
ኣብዛ ዓለም ምድሪ

መን'ዩ በደለኛ
'ቲ ዝፈረደና
ኣምላኽ ድዩ ዕድልና
ወይስ ገዛኢ መንቀኛ፧

እንድዒ፧

'ታይ ዝግበር ኮይኑ
ናብራ ቆልቋል ዓጋም
ኪኢልናዮ ኣለና
ኣብዛ ዓለም ደጋል

ውድቀት ዘይስቆሮ
ግዜ ዘይምህሮ
ዘርብሕ ብዜሮ
ኮይንና መንሽሮ

ሓስዩ ዝንየት
ሓሳድ ጸረ-ዕብየት
መንቀኛ ጎረቤት
ወያነ'ዩ 'ዚ  መሽረፈት

እወ
ልኡኽ 'ቶም ኣመጽቲ
ካብ ሰብ ኣጋንንቲ
ዘይከውን ሓላሚ
ወቒዑ ዘእዊ
ወያነ'ዩ
ግብረ እከይ ቁጥሚ
ስእለ
Oct 4, 2023 4:32 PM
108.45.183.178
ክትፈቱ ክትጸልእ ውሕጥ'ያ ተዋጽእ
===================
ሓባ ዓጽሙ ጂግና
ፈታው ኤርትራ
ህዝቡ ብሓበራ

ሓቂ ማዕተቡ
ጽኑዕ መትከሉ
ካብ ብንኡሱ ካብ ብዕሸሉ

ኤረና ዓይኑ
ውንኡ ቀልቡ
ሓበኑ ክብሩ
ዝያዳ ኩሉ

ኣብ ዝወዓሎ
ዝተዛረቦ
መዅርዒ ሰቡ
ሃገሩ ህዝቡ

ዝወጠኖ ዝሰምረሉ
ዘይርበሽ ብገዋኑ
ብዓመጽቲ 'ቶም ጓሓሉ

ሰላም ራህዋ 'ቲ መዝሙሩ
ንኸባቢ ንሃገሩ
ሓደ ኰንካ ትዓብየሉ

ስርቂ ሓሶት ዝጽይኖም
ጸጋ ሃገር ዘይባኽኖም
ወዲ ህዝቢ ሓደ ልቦም

ፍሉይ'ዩ!

ከም መራሒ ትኾርዓሉ
እምነት ተስፋ ተምብረሉ
በቲ ብልሑ በቲ ጻዕሩ

ንበር በሎ ንሓዋሩ
ነቦይ እዝጊ ንገረሉ
ጸጋ ዕድመ ከይበቀሉ

እወ

ክሕመሱ ጸረ-ኤሩ
'ቶም ሃሱሳት 'ቶም ጓሓሉ
ብጽንዓቱ ዝብህርሩ
ስእለ
Oct 3, 2023 3:24 PM
108.45.183.178
ፍለጡለይ
======
ከም እንስሳ ዝኹብኮብ
ናበይ ዘይብል መትረብ
ንኸብዱ ዝዕሰብ፧

ከልቢ ከይትብሎ ሰብ
ሓሳድ ጸረ-ዕብየት
ኣባት ነብሲ ቅጥፈት
መን’ዩ እዚ ጎይታ ክሕደት ፧

እወ
ዝንየት ብሓሶት
ተጻባኢ ፍጥረት
ዝሓልም ዘይከውን ዘይሕሰብ
መን’ዩ እዚ መስከብ፧

ንሱ ድኣ፡
ወያነ’ዩ ስሙ
ትግራይ መደበሩ
ዘይማሃር ፈጺሙ
ካብ ውድቀቱ ሕልሙ

‘ቲ ሓሳቡ ዜሮ
ዝተዋጃበሮ
ሕልሚ ዓባይ ትግራይ
ሃገር ጽውጽዋይ
ክፈጥር ዝሓልም 
ውያነ ጠራራይ

ኣገናዕ!

እወ 
ዘየስተውዕል ደምባር 
ሕማም ዓባይ ስዓል
ማሃንድስ ምንቛር
ወያነ’ዩ ‘ዚ ሓውላል
ስእለ
Sep 27, 2023 1:06 PM
148.184.174.62
እፈልጥ'የ ጸላእተይ
=============
እፈልጥ'የ ጸላእተይ
እቶም ኣዐንቀፍተይ
ጸረ-ጉዕዞ ሃገረይ

ኣወ
ግርም ገረ'የ ዝፈልጥ
ካብ ቀረባ ሩሑቕ
ሓደ ክልተ...ኢለ ብደቂቕ

1ይ - እቲ ወራሪ ስግረ-ባሕሪ ዝነብር
         ኢዱ ነዊሕ ናይ ምትላል መምህር
        ብሰብኣዊ-መሰል ፡ ዲሞክራሲ ዘሽካዕልል
        ኣመሪካ ናይ ዕብለላ ጽሉል
        ጸረ-ሰላም ኣብ ቃሉ ዘይነብር
        ኣናቚቱ መንዚ ዑ ዝሃጥር
2ይ - እቲ ሃሱዕ ዑሱብ ወዲ ሩባይ
        "ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ" ባሃላይ
3ይ - 'ቲ ከዳሚ ወይን ጣልማይ
         ኣዳኻሪ ናይ ኣእምሮ ቆራይ
 
ኣነ ክምክት ንሳቶም ክፈሽሉ
ተረባረብ ኮይኑ ዓመታት ኣቚጺሩ
ሃርበኛታት ሽደናት መንጢሉ

ኣወ
ምዕባለ ኤርትራ ከይዓቢ ደው ኢሉ
ወዲ ሃገር ሩባ ተሳጊሩ
ብሰንኪ ሱሱዓት ናይ ጥፍኣት ጓሓሉ


ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events