Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Dec 4, 2023 2:18 PM
108.45.183.178
ዕዝዝቲ ምህዞ
=======
ሰብ ከይድቅስ ኣስተርሕዩ
ስክፍታ ዘይብሉ ተገምብዩ
እንተ ጸጊቡ ወይስ ጠምዩ
ትማሊ ደርሆ
ሎሚ ስዓት ትንቕንቖ
ኣፍርዩ ሰኒዑ
ድቃስ ተመንዚዑ

ስዓት ገዛና
ኣብ መንደቕ ዘላ
ኣብቲ ከብሒ ኣብቲ ጣውላ
ኣብቲ ኢድና ተኣሲራ
ቲክ ቲክ
ቂም ቂም ትብል
ንግዜ ትነግር
ክሓልፍ ከሎ ክበርር
'ቲ ዕድሜና ክድመር ክጎድል

ስዓት

ኣብዚ ምዕቡል ዘበን
‘ቲ ጥቕማ ክንገር
ዘየብላ ወደር

ብዘይሃወኽ ብዘይ ዝላ
ብትዕግስቲ ህድእ ኢላ
ክንሰርሕ ትነግረና
ከይባኽን 'ቲ ግዜና

እወ ትነግረና
ብስዓት ብደቒቕ
ብንኡስ ክልኢት
ቁምነገር ክንገብር
ዝረብሕ ዝጠቅም
ሂወትና ዘመቅር

ንስዓት ዝእዘዝ
ዘኽብር ዝምእዘዝ
በሊሕ'ዩ ጎበዝ
ኣፍራዪ ዘይግበዝ
ስእለ
Nov 28, 2023 12:22 AM
108.45.183.178
ሕድሪ'ለና
======
ዜጋ ኤረይ ጉድ ረኺብና
ሰላም ራህዋ ተሓሪምና
ብሱሳዓት ጎረቤትና

ብዋሕድና ተዓሺዮም
ሕግን ፍትሕን ወጊድ ኢሎም
ብዝሒ ህዝቢ ማእከል ገሮም
ተሃለቑ ዘይሓሙሎም
ይወሩና ኣብ ዝጠዓሞም

ግና 
ሓቂ ሒዝና ተወዲብና
ምስ ሓብሓብቶም ዘረይትና
ሲዒርናዪም ሓደ ኮይና

ምኽንያቱ፡
ንመሬትና ንባሕርና
ንነጻነት ንኽብርና
ደው ክንብል ሕድሪ 'ለና
ሕድሪ ስዉእ ሕድሪ ጂግና

እወ

ሕድሪ ኣለና ሕድሪ ጂግና
ሕድሪ ስዉእ 'ቲ ሓርበኛ
ኣብ ዕርፈቱ ዝበለና፡
"ኤርትራ ሓልውዋ
ኣልምዕዋ ሰልምዋ
ልዕሊ ማንም ክብሪ'ለዋ"

ስለዚ ኢና፡
ኣብ ቃሉ ዘለና ኣብ መትከሉ
ንትግብሮ ዕላማ መደቡ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ቀልዓለም  ዘይብሉ

ስዉእ፡
ዕዙዝ'ዩ ቃሉ ስሩሑ ተግባሩ
ዓወት ንሓፋሽ ጭርሖ መዝሙሩ
'ተበጀወ ንሃገሩ ህዝቡ 
ኤርትራ ዘልኣለም ክትህሉ
ስእለ
Nov 27, 2023 1:47 AM
108.45.183.178
ፈታን ግዜ
=======
ርቡሽ ግዜ ሓንኳል እዋን
ጸረ-ፍትሒ ዘባል ሚዛን
ዋግዋጎ ስቓይ ሕማም

ዝፈላሊ ሩጡብ ዓዋን
ካብቲ በሊሕ ካብቲ ቋሕማም
ካብቲ ዕጉስ ካብቲ ለውላው
ካብቲ ህኩይ ካብቲ ጻዕራም
ካብቲ ጂግና ካብቲ ጠላም
ብዘይ ዳኛ ዓውዓው ምባል
ብሰላሕታ ድምጺ ምህጣም

እወ ዝፈላሊ፡
ሰፈፋን ወለላን 
ግለትን ሓተላን 
እቲ ወርቅን ዒባን

ሓያል ግዜ፡ 
ጽኑዓት ዝኸድዎ
ብኣካል ኣእምሮ
ብብልሒ ተመክሮ

ግዜ፡
ማንም ዘይማልዶ
ብገንዘብ ብጉቦ
ናይ ኩሉ ውህብቶ

ትኩርነት ዝሓትት
ዘሸግር ክትግምት
እንታይ ከም ዝወልድ

ልቦና ትዕግስቲ
ኣፍልጦ ትምህርቲ
ሓቂ ምስ ጭብጢ
ዝጠልብ
ረቂቕ 
ግዜ ወርቂ

እወ

ግዜ 'ዚ መዅባዕቲ
ናይ ፍጡራት ሃብቲ
ብስቕታ ፈራዲ

ክትዕወት፡ 
"ምጽማም መስዋእቲ
ውዳበ፡ ንቕሓት፡ ዕጥቂ
ምዃን ሓደ - ክሳድ ርእሲ"
ኩኖ ዝብል - ኪዶ 'ቲ መንገዲ
ስእለ
Nov 24, 2023 7:35 PM
108.45.183.178
ሓበሻ ኣይትበሉኒ
========
ሰማዕቲ ጽን በሉ!
ክብሪ መንነተይ ትዝንጥሉ
ኣብ ክንዲ ኤርትራዊ “ሓበሻ” እትብሉ

በዓል ርስቲ’የ በዓል ሃገር
ሕብረ-ብዙሕ ትሻዓተ ብሄር
ብኤርትራውነተይ ዝኾርዕ ዝሕበን

ኣይተድምጹ “ሓበሻ” እናሻዕ
ጽውጽዋይ ኣይስተ ኣይብላዕ
በራዚ መንነት ናይ ደናቁር ጉሳዕ

አረ 
እንታይ’ዩ ትርጉሙ እንታይ’ዩ ነጋሪ
ኣበይ’ዩ ደረቱ ንመን’ዩ ወካሊ፧

ሃገር ኣላትኒ ደመይ ዘፍሰስኩላ
ዓለምና ዝፈለጣ ኤርትራ ስማ
ሃልየ ሓሊፈ ‘ታ ዝጽወዓላ

ሓደራ ክብለኩም ክደጋግመልኩም
“ሓበሻ” ከይሰምዕ ከይቅየሞ ቃልኩም

ኤርትራዊ’ዩ ወርቂ መንነተይ
ክሰምዖ ዝሕበን ኣብ ሙሉእ ሂወተይ

እወ
 ልዕሊ ኤርትራዊ መለለዪ ክብሪ
ኣሎ ኣይብልን ኣብ’ዛ ዓለም ምድሪ

ስለዚ 
“ሓበሻ” ኣይትበሉኒ
ኵርኳሕ’ዩ ንእዝኒ
መጸለሚ ክብሪ
ዘየብሉ ጣዕሚ
ስእለ
Nov 17, 2023 8:25 PM
172.58.240.179
እንታይ'ዮም ኢለሞ፧
=============
እወ
እንታይ'ዮም ኣስሚዖሞ
ርክብና ክቐትሎ
መልሓሱ ክስሕሎ
ኣንጻር ኤሩ ዋዕሮ፧

ሺሻይ ድዩ እኽሊ
ገንዘብ መታለሊ
ወይስ
ዝትኮስ መቕተሊ፧

ካብ ምስ ሃጸይነት
ሰናይ ምስ ጎረቤት
ፍቕሪዶ ኣይምሓሸን
ንራህዋ ንዕብየት፧

"ጎበዝ" ተጋግዩ
 ሰላም ዞባ ጎስዩ
መጥፊኡ ሓርዩ

ስርናይዶ ምስ ሓመድ ይቕየር
ወደብ ባሕሪ ምስ ተሌፎን ኣየር
መን ኢሉ ብማዕረ ይዕየር፧

ዝገርም'ዩ ክትሰምዖ ዘደንጹ
እቲ ሓሳብ ብዓውታ ምድማጹ 

ዓብዪ፡
መን'ዩ ሚዒዱካ
ኣጆኻ ኢሉካ
ክትሽውድ መድሕንካ፧

ኪድ ድኣ ንዓሻኻ በሎ
ትርጉም ርስቲ ዘይርድኦ እንተሎ

እንተ ንሕና
ኣይራኣናን 
ኣይሰማዕናን
ሰብ ኮይኑ እንስሳ ዘይትብሎ
ሰጋር ብቕሊ ዝቕይር ብቖሎ
ስእለ
Nov 16, 2023 1:39 PM
108.45.183.178
ንዓመታ ዝጽለል ለዘበን እምኒ ይስንዱ"
========================
ኢትዮጵያውያን፡
መራሒኹም ፈትሽዎ
ኣይጠዓመን ዝዛረቦ
ዝሰመዐ ኪዒብዎ

ሓሚሙ'ሎ ጸልይሉ
ንፈጣሪ ንገሩሉ
ተጣዓየ ዕድል ገሩ 

"ንዓመታ ዝጽለል ለዘበን እምኒ ይስንዱ"
ተባሂሉ'ዩ ተሰኒዱ
ግበሩሉ ቀልቢ ንጉስኩም ማዓዱ

የፈራርሕ ኣሎ የዋጣውጥ በትሪ
ክወረና ብትዕቢት ብሓይሊ
ዘንጊዕዎ ስዕረት ናይ ትማሊ

"ከም ሃይለስላሰ
ፈደረሽን ዘፍረሰ
ዉዑል ዝገሃሰ"
ይብል ኣሎ 
"ክኽሕዶ'የ ነጻነትኩም
ዝተኸፍሎ ዓጽመ ደምኩም
ወደብ ባሕሪ ተዘይሂብኩም"

እወ
ይብል ኣሎ ተገቲሩ
ከይሓነኸ ድምጹ ኣልዒሉ
"ከይወረኩም ዓሰብ ሃቡ"
ስእለ
Nov 15, 2023 6:43 PM
108.45.183.178
ሳእኒ ጻዕዳ
=======
እዚ ልኡኽ ኣገልጋሊ
ደረቐኛ  ዓይኒ ኣንቍሪ
ተመንዩ ወደብ ባሕሪ

ህንጡይ ጎበዝ ዘይበሰለ
ታሪኽ ሓሶት እንዳኣልዓለ
ሓያል'የ ኢሉ  ከይሓፈረ

ኣጉባዕቢዑ ተመኪሑ
ረሲዕዎ 'ቲ ስርሑ
ክኣኻኽብ ተፈንጥሑ

እወ 

ረሲዕዎ ክጥውሮም
ክድግፎም ቀልቢ ክቦም
ዝጠመዩ ዝዓረቑ
ዜጋ ሃገር ተጨነቑ
ሰላም ራህዋ ዝናፈቑ

መርገጽ-ኣልቦ እዚ ፋሕታ
ተናባዪ ብምጽወታ
ዘመስከረ ሳእኒ ጻዕዳ
ሓያል'የ ኢሉ ተጃሂሩ
ቀይሕ ባሕሪ ኣንቃዕሪሩ
መጥፊኢኡ መሕጸር ዕምሩ
ስእለ
Nov 14, 2023 10:25 AM
108.45.183.178
ዉዑል ዘይቅይዶም!
=============
ኣንታ እንታይ'ዩ ጸገሞም
እቲ ሓሶት ዓመጽ ዘይበልየሎም
ሰላም ክቕበሉ ዝእግሞም
ኣብ ወራር ኣብ ዓመጽ ዘውዕልዎ ዓቕሞም፧

ድንቁርና ድዩ ትዕቢት
ስስዐ ዘይናትካ ክትግብት
ወይስ ኣጆኻ -
ናይ ሰብ ረብሓ ውዲት፧

ዝገርም'ዩ ዘደንጹ
ትጽገም 
ክትረኽበሉ መልሱ!

ቅድሞም ድሕሮም
መለሳ ዘይብሎም
ዉዑል ዘይቅይዶም

ጣሓርናኩም ክብሉ
ውግእ  ክሳዓሩ
ተረባረብ ኮይኑ

ይሓይሽ ዝበልናዮ
ክብሪ ዝሃብናዮ
ሓንጊዱ ብርእዮ

ነውራም እዩ ጠላም
ሓሳድ ጸረ-ሰላም
ከም ወያነ ቋሕማም

ኣይቆልዓ ዓብዪ ዘይከውን ሓላሚ
ብቕዓት ዘየብሉ ገዝኡ ከዐሪ
ወደብ እንዳማቱ ክውንን ዘውሪ  
ስእለ
Nov 13, 2023 11:45 AM
108.45.183.178
ሰብዶ ኣራዊት ይጭክን፧
===============
ተውሳኹ ኣራዊት ዝፈልጦ ዘይብሉ
ተፈጥሮ ዝሃቦ ዝበልዕ ማእሪሩ
ኣይውንን መድፍዕ ፍጡር ዘጽንተሉ

ኣይእውጅን ኲናት ሚልዮን ዝሃልቅሉ
ጓሓፍ ኣይኩምርን መሬት ዘጭንወሉ
ኣይብክልን ኣየር ጣዕሙ ዘጥፋኣሉ

ኣራዊት ሓላል'ዩ ኣይተልዕሉ ስሙ
መሮር ተሰፈረ ካብ ሰብ'ዩ ሃዲሙ
ብጥይት ብኻራ ከየሕጽሮ ዕምሩ

ሕጊ ዓሳ ኣብ መሬት ዘስፈነ
ወራር ዓመጽ ባህሉ ዝገበረ
ኣራዊት ኣይኮነን ሰብ'ዩ ዝተማህረ

ቊሊሕ በሉ ልብያ ተዓዘቡ
ዜጋ ኢራቕ ቅሳነት ሲኢኑ
ህዝቢ ሶርያ ኩሉ ተበቲኑ
ኲናት ውግእ ደዊኑ ዓለሙ

ወዲ ኣዳም ሕሱም'ዩ ጨካን
ካብ ጌግኡ ፍጹም ዘይማሃር
ክንዲ ልዝብ ዝህንደድ ናብ ምቕታል

እወ

ሰብ'ዩ ጨካን ክፉእ መጋብሩ
ንኽብድል መስዩ ዘይወግሓሉ
ጎይታ ዕንወት ድንጋጸ ዘይብሉ
ህዝቢ  ቃዛ ህያው ምስክሩ
ስእለ
Nov 10, 2023 9:20 PM
108.45.183.178
ይኣምኖ'የ!
=======
ይኣምኖ'የ ከመይ ዘይኣምኖ
ዓንዲ ሓጺን ብማንም ዘይንኖ 
ጎይታ ጽንዓት  ውዲት ዘይድህሎ

እወ
የኽብሮ'የ ከመይ ዘየኽብሮ
ዘየዐብር ቃሉ ዝበሎ ዝኾኖ
ሸርሒ ኣባይ ብጽንዓት ዘምክኖ

ፍሉይ'ዩ እሙን ትኩር መስተውዓሊ
ራሃወ ጸበበ ሃገረይ ባሃሊ
ጒሒላን ዓማጽን ካብ ሩሑቕ ዘለሊ

ወዲ ህዝቢ ጽንዓት ሕላገቱ
ፈታው ስራሕ ዝበልዕ ጺዒቱ
ሃብሮም ጂግና ምስሊ ኣቦታቱ

ይኣምኖ'የ ከመይ ዘይኣምኖ
ዘይድሃል ብውዲት ተጽዕኖ
መትከላዊ 
መሬት ቃሬት ትጭኖ 
ስእለ
Nov 8, 2023 11:41 PM
108.45.183.178
ፈኲስ
====
እዚ ወጠጦ
ዘይብሉ እንዶ
እንታይ'ዩ 
ዘሎ ዘዕብዶ፧

ጽላለ ድዩ ዕብዳን
ዘይምሕር ሕማም
ወይስ
ጸፊዕዎ ሰይጣን፧

ሃለውለው ኣብዚሑ
ሰማዒ ኣሰኪሑ
ወጺኡ ጥሩሑ

መን'ዩ ሊኢኽዎ
ኣጆኻ ኢልዎ
ክርብሽ ጎደቦ፧

ኣመሪካዶ ኣውሮጳ
ዉሑዳት ሰብ ረብሓ
ወይስ
ህንጡይነት ቆልዓ ፧

ወጠጦ
ጠገለ ሲኢኑ
ይንፈ ስቕ ኢሉ
ሚዛን ዘየብሉ

ኣርምዎ ርኸብሉ ፈውሱ
ወግዝዎ ይገረዝ መልሓሱ
ኣይጥዓየን ቃላቱ መንፈሱ
ስእለ
Nov 5, 2023 2:34 PM
108.45.183.178
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ
----------------------------------------------------------
በለጽ ሕላገተን ኣምስሉ ዓጣሮ
ሓብሩኒ ዝረኣየን እንተሎ
ክሕለቓ ንሰብ ዝሸገሮ
ክጣበቓ ብዓውታ ጎረሮ
ተበደለ ፍትሒ ዝጎደሎ፧

ጨካን ውድብ ዘይብለን ሕልና
ግዙእ ረብሓ ሸቃጦ ዘበና
ዕዉር ዓይነን ዘይርኢ ጭቆና
ኣብ ፍልስጢኤም 'ቲ ቦምባ ደበና
ኲናት ዕንወት ዘይብሉ መዘና

ዓለም ጠላም ኣጽቂጣ ኣሻርያ
ትዓሚታ መስሚዕዓ ዓጽያ
ምስ ዓመጽቲ ወጊና ዛዝያ
ቦምባ ጥይት ከተቐብል ሓርያ

ክንዲ ዓገብ ንሰላም ደው ምባል
ሕግን ፍትሕን ምስሳን ምዕንታር
ወገን ሒዘን የዳኽራ ኣብ ምቕታል
በላዕቲ ሰብ ዋና ኣብ ምጭብርባር
ስእለ
Oct 26, 2023 5:43 PM
148.184.174.62
"ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ"
===============
እዚ ዶክተር
ባዓል ቡዙሕ ኣበር
ኣብዚሑ ደምበርበር

እወ እዚ ቆልዓ
ተዛራቢ እንቅዓ እንቅዓ
መርገጽ-ኣልቦ ዘየብሉ መርሓ
ሽግር ኲናት ዝኣቱ መብጽዓ
ክንዲ ሰላም ኢትዮጵያ ዘርብሓ

ዝረዓሞ ጌጋ ኣቦታቱ
ዘይሓይሽ ካብ ህጻን ካብ ዕንዱ
ባሕሪ ይብል ወድብ እንዳማቱ

መታለሊ ክልተ መልሓሱ
ኣገልጋሊ ሰብ መትከል ዝኸሱ
ዶክተር ቅጥፈት ዝርህጽ ክሕሱ

ኣርምዎ ርኸብሉ ፈውሱ
ይተኣለ ይገረዝ መልሓሱ
ከይርብሽ ሰላም ጎረቤቱ
ስእለ
Oct 25, 2023 7:25 PM
108.45.183.178
ኣስተውዕል!
=======`
ኣየ እዋን
ኣይብርሃን ጸላም
ዋግዋጎ ደባን
ዘየብሉ ምራን

‘ቲ ኹሉ ዝውረ
ዝተዋጃበረ
ዘይብሉ ፍረ

ልብኻ ይህውጽ
ርእስኻ የናውጽ
ድቃስካ ይብጽብጽ

እወ

ርእይ እንተበልካ
ውሽጡ ተፈተሽካ
ዘይብሉ ጣቋ
ጉሓፍ ሳባለቃ

እሞ ሰበይ
ትኩር ኩን ኣስተውዕል
ልቦና ኣይተጕድል
ግዳይ ከይትኸውን

‘ቲ ዝበሃል ኩሉ
ሓሰሩ ገፈሉ
ግዜ ኣይተጥፋኣሉ

ግና
ንኤረና
ነዛ ብሌን ዓይንና
ኣለናልኪ ንበላ
ንመሬታ ባሕራ
ሰማያ ጠፈራ

እቲምንታይ፡
ንሕና ንሳ
ንሳ ንሕና
ብምዃና
ስእለ
Oct 24, 2023 5:55 PM
108.45.183.178
"ሕማም ጥዕምቶ"
=========
እዛ በሰሮ ዘይብላ እንዶ
መርገም ጎረቤት ሕማም ጥዕምቶ
ዝተዓደለት ሰብ ርእሲ ባዶ
ኣብዚ ሂወትና
ናብራ ጉዕዞና
ኮይና ጸገምና

ሰላም ረኺብና
ከይርህወና
ንሳቐ ኣለና
ለኪማትና
ስእለ
Oct 23, 2023 3:20 PM
108.45.183.178
ንባሕርና - ክቡር ሂወትና!
===============
ቀይሕ ባሕሪ - ባሕሪ ኤርትራ
ዝፈሰሶ እቲ ሓፊስ ደምና
ዝወሓጠ ኣዕጽምቲ ስጋና
መን’ዩ ዝብል ናተይ’ዩ ናትና፧

ምምባር ዝቐበጸ መልሃሰኛ
ዝረሰዐ ጽንዓት ጅግንነትና
ወስ ይበል ሽዑ ይርእየና
እንታይ ከም ንገብር ንባሕሪ መሬትና
ስእለ
Oct 23, 2023 1:38 PM
108.45.183.178
መለሳ ዘይብሎም
==========
ኤሩ ሃገረይ
ኵርዓተይ ክብረይ
ሰላም ኩንለይ!

እንታይ ድኣሉ ዝበሃል ዘሎ
ኣብዚ ከባቢ ኣብዚ ጎደቦ
እዝኒ ዘደንቍር ጸገም ክትኣምኖ፧

ሕማም ባሕሪ ፈውሲ ዘየብሉ
ይጋዋሕ ኣሎ እእዛን ኣጽሚሙ
ኲናት ዝዕድም ዘይትኸስበሉ

‘ታይ ዝበለ ጽላለ ‘ታይ ዝበለ ሕልሚ
ጽውጽዋይ ታሪኽ ዘይብሉ መእሰሪ
ሃንቀውታ ዓመጽቲ ዘተባብዕ ግብሪ

ሓደ ድሕሪ ሓደ ዘይብሎም መለሳ
ኣብ ሓሶት ዘዅድዱ ብዘይ ሓደ ጣዕሳ
ድሕረት ስቓይ ህዝቦም ዝፈጥረሎም ባህታ 

ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ዘየብሎም መርሓ
ሓሳዳት ጠላማት ልኡኻት ሰብ ረብሓ

ትርጉም ጉርብትና ዘይርድኦም ጥረ
ኲናት ዝጽሕትሩ ዘይርከቦ ፍረ

“ወየ ተቓሊስና ተዋዲቕና”
ኣብ ሕጊ ቀሪብና ተፈሪድና
ዶብና ብጺሕትና ኣነጺርና
ሕጂ ‘ታይ ኣምጽኦ ወደብኩም ሃቡና
ዓዲ ዘየጋብር ሓንካር ጉርብትና
ኣጀንዳ ዓመጽቲ ድሕሪት ዘትርፈና፧

ስሱዓት መራሕቲ ቀልቢዶ ግበሩ
ካብ ሕሉፍ ጌጋኹም ብልሑ ተማሃሩ
ክንዲ ኲናት ውግእ ህዝብኹም ጠውሩ

‘ቲ ጌጋ ትማል ተቖጠብሉ
ንሰላም ልዝብ ኣለና በሉ 
ሓቢርካ ምዕባይ ይዓቢ ጥቕመ 
ስእለ
Oct 21, 2023 5:09 PM
108.45.183.178
ኣለኻዶ፧
=====
ኣንታ ፈጣሪ
“ኩሉ ክኣሊ”
በጃኻ ዳኒ
ንሰብ ጓሓሊ

እንታይ'ዩ ጉዱ
ዓመጽ ዛይዱ
ፍቕሪ ዊሒዱ፧

ፍትሒ ተረጊጹ
ሰላም ተሃዊጹ
ሌባ ሰዊዱ

እወ

ስስዐ ነጊሱ
ጭካነ ቢኢሱ
ተሳኢኑ ፈውሱ 

እቲ ተበደለ
ዓቕሚ ዝሰኣነ
ኣምላኽ ዝኣመነ
ይበኪ ኣሎ ደኒኑ
ረዳኢ ሲኢኑ
ሰላም ተኾኒኑ

ኣብ ገዛእ መሬቱ
‘ቲ ንብረቱ ሃብቱ
ኩሉ ተዘሚቱ

ዓለምና ኣጽቂጡ
ከይገንሕ ሓንጊዱ
ጭካኒኡ ኣግሂዱ

በጃኻ ኣርህወሉ
የብቅዕ ‘ቲ ሕሰሙ
ሰብ’ዩ ከም ኩሉ
ዝጽሊ ኣዘውቲሩ
ናብ እዝጊኣብሄሩ

እዛ ዓለምና ትህወጽ ኣላ
ብሰብ ተፈጥሮ ወሰን ማእከላ
ኲናት ምስ ማዕበል ልባ ኣጥፊኡላ

እሞ
ብፍቕሪ ሰላም ሰናይ ክራባሕ
ቊሊሕ በለና ዓማጺ ግናሕ
ከም ሰብ ኣይትኹን ጨካን ኣመና
ምሕረትካ ለግስ ኣርም ጠባይና
ስእለ
Oct 17, 2023 12:57 AM
108.45.183.178
ሃገረይ
====
ሃገረይ ማዓረይ
ተስፋ መጻእየይ
ኵርዓተይ ክብረይ
"Wrong or right"
ወርትግ ኣብ ልበይ!

እስኺ
ክብሪ መንነተይ
መልክዐይ ሕብረይ
ትዛርዪ ኣብ ልበይ

ኤሩ!
ጸሓይ ብርሃን ኢኺ
ከም ኮኾብ ድምቕቲ
ዕንቊ ባሕሪ ኩሉ ዝሃርፈኪ

ትማሊ ሎሚ
ብጽሓይ ቀትሪ
ኣብ በረኻ ባሕሪ
ጸልማት ዓይኒ ኣንቍሪ
ከርተት ዝበልኩ
ሕሰም ሽግር ዝጸርኩ
ኣካለይ ዘጕደልኩ
ዝተሰዋእኩ
ንዓኺ እንድዩ ነሩ
ኣንቲ ሽኮር ኤሩ

ሰላም ንበርለይ
ማዕብሊ ሓላለይ
ሓብሕብዮ ህዝበይ
ንሱ'ዩ ድልየተይ
ልባዊ ትምኒተይ
ስእለ
Oct 15, 2023 6:38 PM
108.45.183.178
ዓገብ!
------
ዓብዪ
ተስፋ-ኣልቦ ራኢ
ጠላም ተጻባኢ

እንታይ ተረኽበ ኣብ ትማልን ሎምን
ሓሳብካ ዘቐይር ፈታዊ ዘቐይም
ክልተሳዕ ዘዛርብ ክትሰምዖ ዘስድምም
ባሕሪ እንዳማትካ ዘቋምት ክትውንን፧

እንታይ'ዩ ጸገምካ ሃለውለው ዘረባ
መእሰሪ ዘይብሉ ጽውጽዋይ ዛዕባ
ፈጣር ነውጺ ምስ ሩሑቕ ቀረባ፧

ሓሳባካ ድዩ ተንኮል ናይ መወልቲ
ኢሎሙኻ ሕሹኽ ክትጥምዝዝ ንሓቂ
ክትሕምስ ዞባና ከይርህዎ ከይዓቢ፧

እወ
እንታይ'ዩ 'ቲ ረብሓ ካብ ኲናት ዕግርግር
ሰላም ዘየምጽእ ዓዲ ዘየጋብር
ኣብ ጸገም ድኽነት ሂወት ሰብ ዝሸምም፧

ናይ ብሓቂ ጠላም ኢኻ ፋሕታ
ዝወረስካ ጠባይ ኣቦታትካ
"ውረር ዝመት... ዋላ እንዳማሓልካ"

ዓገብ!
ቆልዓዊ ወልመጥመጥ
ሰሚዕካዮ ዘየብሉ ርዝነት
ካብ መራሒ ፈጺምካ ዘይሕሰብ
ተሰለመ ኖቤል ናይ ሰላም ኣብነት

Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea