ሕልሚ ኣለኒ ------------ ሕልመይ'ዩ ሕልሚ ኤርትራዊ ማዓልቲ ለይቲ ኣብ ደመይ ዝዛሪ ምዕባለ ኤርትራ ክርኢ ኣብ ግብሪ እወ ከበሳ ቆላ 'ቲ ገምገም ባሕሪ ደሴታትና ንኣሽቱ ዓብዪ ከዕለቕሉቑ ብጋሻ ረኣዪ ሕልመይ'ዩ ሕልሚ ንእስነተይ ዘይሃስስ ዝዓበየ ኣብ ውሽጠይ መሬት ሕድሪ ገነት ክትኮነለይ ኤርትራ ሪሂዋ ክሪኣ ተጠቒማ 'ቲ ዘለዋ ጸጋ ቀይሕ ባሕሪ 'ቲ ማዓድን ወርቃ ተሓቢሩ ጉልበትና ፍልጠትና ተወፊና ጸጋ ትሕዝቶና ብሩህ'ዩ ጉዕዞ ምዕባሌና ብዝኾነ ኤርትራ ማዕቢላ ክንሪኣ ንደኽመላ ንሕና ኢና ደቃ ካልእ የለን ዝሃንጻ ዝነድቃ ንረብሓና ዝኸፍለላ ዋጋ
ምልስ ምልስ መቐለ - እንታይ ዝዓለመ፧ ----------------------------------- እዚ እከይ ሽላ ኣሞራ ዘይፈልጥ እንካ ትርፎ ሃባ ይመክር ኣሎ ምስታ ጭፍራ ዝተረፋ ኣዒንቲ ክነቚራ ካብ ሰብ ነውራም - ሕሱር ጎይታ ጥፍኣት ማይክ ሃመር ናይ ሰላም መንዳዓት ኣናቚቱ ዘኻዕብት እትዋት ተላመዶ ብሂወት ምጽዋት ይኣልም ኣሎ ምስታ ጃንዳ ሓሳድ ዕንወት ፡ ሞት - ኣንጻር ሰላም ልምዓት
"ትማሊ ሎሚ ኣይኮነን" ------------------- ቀልዓለም ዘይብሉ ዓው ኢሉ ትኽ ኢሉ ድምጺ ሓቂ ኣድህዩ ፍትሒ ተነብዩ ዓለም ክሰምዓሉ 'ቲ ወጽዓ በደሉ ብግልጺ ነጊሩ ትማሊ ንበይኑ ምስቲ ሓላል ህዝቡ ኩሉ ኣንድዩ ከፊሉ ሕሰሙ ምዕቀቡ ኣይደንን ኢሉ ሰብ-ዓመጽ ሰምቢዶም ብድምጹ ሪዒዶም ከጸልምዎ ኣንቂዶም ግና "ትማሊ ሎሚ ኣይኮነን"` ሓደ ኹጥቦ ዓለም ብኣመሪካ ዝዝወር "The Game is Over
ብሓጺሩ - ፖሊሲ ኣመሪካ ሕብሩ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ጥልዕ በለለይ ክብለጸልካ እወ ርክብ ጎይታን ጊላን ኣንጻር እንካን ሃባን ይብል፡ “ኣነ ዘይመረቕክዎ ኣስኒቐ ዘይላኣኽክዎ ረብሓይ ዘይሕሉ ዘየገልግል ትም ኢሉ ደፋር’ዩ - እዝጊ ዝጸላኣሉ” “ሃብቲ ጸጋ ኣለኒ ሓያል ወተሃድራዊ ዓቕሚ ብሰማይ ብምድሪ ወሪሩ ቀታሊ” “ምስ ነዊሕ ተመክሮ ተንኮል ዝውንኖ የለን ‘ቲ ሓይለይ ዝገጥሞ” “ኣብ ሰላም ምርባሽ ምሕንካር ምጥቛስ ሕላገተይ’ዩ - ዝብለሉ እዋሓስ” እዚ’ዩ ብሓጺሩ ስርዓት ኣመሪካ ዕላማ መትከሉ ‘ቲ እምነቱ ባህሩ ክሳብ ዝወድቕ ከምቶም ዝቐደሙ ብዙሓት ኢምፓየር ኣብ ዓለም ዝነበሩ
ሳላ ጽንዓተይ... 'ቲ ትማሊ ኣብ ጸገም ከለኹ ኣብ ወጥሪ 'ቲ ሓገዝ ክደሊ ቅኑዕ መገላገሊ ዓራቒ ሸምጋሊ... ቃሉ ዝዓቀበ ዱላ ዘቐበለ በልዎ ዝበለ ብውሽጢ ብደገ ሕሱር በዓለገ ሲዒረዮ ሕብሩ በሊለዮ ምዃኑ ኮቪድ ንፍዮ ጸረ-ፍትሒ ዓለም ዘለለዮ ሳላ ጽንዓተይ ክቡር መስዋእተይ ቅኑዕ መትከለይ እንሆ ሕጂ በሪኹ ስመይ ሎሚ ከም ትማሊ ንጽባሕ ቀጻሊ ፍትሒ'ዩ ጭርሖይ ሰላም መዝሙረይ ብሓባር ምምባር ምስ ጎረቤተይ
ኣስተውዕል! እቲ ዝሰመረ ሓቂ ዝዓተረ ዝነቐሐ ሓይሉ ዝወደበ ዕጥቁ መሳርዑ ዘደልደለ ዕዉት'ዩ ዝኾነ እንተኾነ ሓሰመ መረረ ነወሐ ሓጸረ ሽግር ይበራረ ኣብነት'ያ ኤርትራ ሃገረይ ክድምና ባርነት ዝበለት እምብለይ መኪታቶ ናብራ ጠለይ-ጠለይ ዓመጽ ኣመሪካ ግብረ እከይ ክብለጸልካ ጥልዕ በለለይሓ
"ዝነዓቕካዮ የጥንስ" - ጋህዲ ኮይኑ ክነግስ እዛ "ንእሽቶ" "ድኻ" ምስ ትሕዝቶ ብህዝባ ትፍቶ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከመይ ኢላ ሰሪሓ ትድረር ባዕላ ትማሓደር፧ ዘደንጹ'ዩ ዘገርም ሪኢኻ ክትኣምን ጽንዓታ የስደምም ኩሉ 'ቲ ሸርሕታት ማዕቀብ እገዳታት ኲናት 'ቶም ልኡኻት ትብጥሶ ብብቕዓት ይበል መሪሕነት ጽንዓት ተወፋይነት ዘይተምበርካኽነት 'ቲ ሓድነት ህዝቢ ቆፎ ድኾን ንህቢ ብሓደ ይፋኒ ብጽንዓት ብዓቕሊ ኣመሪካ ኣውሮጳ ናይ ምዝመዛ ጃንዳ እቲ ትዕቢትኩም ሃርጋፍ ጠባይኩም ሓሊኹ ኣውዲቕኩም
ይኣክል! ===== "ኣፍርቃ ዝበልናኩም ስምዑ ዝሃብናኩም ብልዑ ከም ከልቢ ቆልዑ" ደጊም ኣኽቲሙ'ዩ ኣብቂዑ ኣውሮጳ ኣመሪካ ይኣክል! 'ቲ ዓመጽ ዘቃትል ዓዲ ዘየጋብር ትሕቲ ሰብ ዘሐድር ኣይግባእን፣ ወርቅና ሂብና ሺሻይ ማዓድና ብርሃጽ ጉልበትና ክትሰብሑ ኣብ ቅድሜና ንሕና ብዕሩቑና ብጥሙይ ከብድና እወ ይኣክል 'ቲ ዝምታ ዓይኒ የዐሚትካ ማዕቀብ ቅጥፈት ሚሂዝካ ዘይብሉ ጣቋ
እዚ ትዕቢተኛ ጸረ-ሰላም መንቀኛ ኣመሪካ - ዘይብሉ ዳኛ ትፈልጡዶ - እንታይ ከም ዝብለና ብቑሉዕ ጽሞና? "እዛ "ድኻ" ሃገር "ንእሽቶ" ዘይትድፈር ሰሪሓ ትድረር ዘይትብል ሃረምረም... ነሳቕያ፡ ከይትኸውን - "ናይ ሕማቕ ጽቡቕ ኣብነት" ኣብ ኣፍሪቃ መሬት" እወ "ትምኒታ ክጉንደብ ክትበሊ - ኣብ ድኽነት ድሕረት ኣብ ኲናት ከልበትበት ነሸግራ ንነጽላ ብሸርሒ ብማዕቀብ"
ይበል ኣቀባብላ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገር ቻይና! ብጣዕሚ ምዕሩግ ቀልብኻ ዝሰልብ ውሽጥኻ ዘዐግብ ክብርኻ ዝድርብ ምሕዝነት ዝሕብሕብ የቐንየልና ቻይና! ንብል ኣለና ድንን ትሕት ኢልና ስለ'ቲ ኣኽብረትኩም ዘርኣኽሞ ኣብ ዕድምኩም ፕረሲደንቲ ኢሳያስ ጋሻኹም "ክብሩ መጠን ነብሱ የኽብረካ"
'ቲ ምጽማም 'ቲ መስዋእቲ እቲ ስቓይ 'ቲ መውጋእቲ እቲ ግፍዒ 'ቲ ጭንቂ እቲ ከርተት ላዕሊ ታሕቲ ኣብ በረኻ ኣብ ጸናዕቲ ንዓመታት ቀትሪ ለይቲ ኣንጻር ሸርሒ 'ቶም ዓመጽቲ ንነጻነት'ዩ ነሩ ንሓርነት ንዜግነት ኤርትራውነት ንማዕርነት ልእላውነት ተዓዊቱ ጋህዲ ኮይኑ ሳላ ጽንዓት 'ቶም ጀጋኑ ኩሉ ሕሰም ተጻወሩ ከይሰምበዱ ከይተዳህሉ ኣብ መትከሎም ደው ዝበሉ ዮሃና! እንኳዕ ኣሐጎሰና ናብ መበል 32 ማዓልቲ ነጻነትና ብዓወት ዝበጻሕና! ኣብ በጂንግ ኣብ ቻይና ኣምበልቢላ ባንዴራና እልል በሉ ዘምሩላ ጽንዓትና'ዩ 'ቲ መትከልና እቲ ራኢ ስዉኣትና ፍረ ሂቡ ንዕብየትና ንቐጽሎ ሓደ ኰና
"ኮኾብ ጽባሕ ተወሊዱ" ቊርጽ ቅምጥ ኢሉ ኤርትራዊ መሸከሉ 'ቲ መልክዑ ሕብሩ ዓለም ኣገሪሙ ኣብ ኲዕሶ ጥበቡ 'ቲ ኽእለቱ ዓቕሙ ብርእሱ ብእግሩ ምትኳስ ቀብቂቡ ኣውሮጳ ኣጸሊሉ ኢሳቕ! ኢሳቕ! ኣቢሉ ዝወለደ ተሓቢኑ ፈታው ኲዕሶ ኣመስጊኑ ዕድመ ይሃብካ ኢሉ ኹሉ Keep it up Alex. The future is yours.
መን ይገርሞ በዚ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ንዮርክ ኣብ ጀነቫ - መጋባእያ ውዕሎ ንዓይ ጥራሕ ስምዑ ፍትሒ ጎደሎ፧ እወ መን ይገርሞ ብዓርከይ ዓርክኻ ወገነይ ወገንካ ሕኸኸኒ ክሓከካ ጥልዕ በለለይ ክብለጸልካ ፍትሒ እንተሞተት ሲኢና ማሓዛ ኣብቲ ጸልማት ናይ ዓመጽቲ ገዛ፧ ዩኤን/UN ዝብልዎ ዘይቕበጽ ባይቶ ድልየት ምዕራባውያ ዘኳድዶ ሸውራር ሓደ ዓይኑ ጋህሚ ዘዐመቶ ታሪኹ ዘሐፍር ክንገር ክዝንቶ ብኣመሪካ ዝዝወር ውድብ ኮንቶ ጸረ-ፍትሒ ኩሉ'ቲ ዘድምጾ እወ ንዓመታት ፍትሒ ዝቐተለ ዝሓንገደ ከይሕደስ ከይዕረ ብልሺው ውድብ ዘይብሉ ጠገለ ብስም ዓቃብ ሰላም ሰባት እንዳዋፈረ ብስለላ ተንኮል ጅቡኡ ዘህጠረ ነውራም ውድብ ብቕጥፈት ዝልለ ብቻርተሩ ዘይምራሕ ዘይእለ ቀይዲ-በተኽ ኣብ ስራሕ ዘየለ ቅበጽዎ! መይቱ'ዩ! ሬሳ ዘይተቐብረ
ኣሰይ! ኣሰይ! ባህ ኢልዋ ነብሰይ ምዅርማይ ኣብቂዑ ኣሳፊሑ ብርከይ ድሕሪ ብዙሕ ገልታዕታዕ ገልጠምጠም ምግጫው ምግፋዕ በቲ ንፋስ ማዕበል ንዓመታት ንፍርቂ ዘበን መስዋእቲ ከፊለ ስቓይ ሕሰም በጺሐዮ ምዕራፍ ከዐርፍ ክሕከም ንጽባሕ ክጥምት ጸገመይ ክድምደም ኣብ ሕርሲ ቃንዛ ኣብ ጉዕዞ ደውታ ምውዳቕ ጻሕታ ምቑራጽ ተስፋ ... ኣሎ ኣብዛ ሂወት ዒታ ግና ህጻን ምስ ተወልደ ደውታ ምስ ኣኽተመ ዓወት ምስ ጓዘመ ሓጐስ ኮይኑ - ይርሳዕ ኩሉ ዘጋጠመ እሞ ንኺድ ጥራሕ ዓወት ብጻዕሪ'ዩ ዝብጻሕ!
ንሰይጣን ዘሰምብድ ንምዕራብ ዘሐርቕ እንታይ’ዩ፧ ======================= ንሰይጣን - “መስቀል” ንምዕራብ፡ . ዘይክድም መራሒ ሃገር . ምዝመዛ ዓመጽ ዝጻረር . ፈታሕ ሽግሩ ባዕሉ ዝናበር . ነብስኻ-ምርኮሳ እምነቱ መትከል … ‘ዘን ቍንጪ ትዃን ሳልሳይ ዓለም ርእሰን ዝሓማ ህዝቢ ክድረር ሰላም ይዘርጋ ክሕሎ ጥቕመን ስምምዕ ሰላም ሓቢርካ ምምባር ቅድሚት ምስጓም ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያ ሃገረ ሶማልያ ገርለን ነውጺ ጸጕሪ ዘንጺ በዚ ሰምቢደን ልበን መሊቖን ይሕብሕበኦ ይምውልኦ ነቲ ኣበከነ ጃንዳ ወያነ ሰላም ክዘርግ ጽልኢ ክሕብሕብ ንረብሓ ኣዛብእ ኣመሪካ ኣውሮጳ ናይ ዓመጽ ጃንዳ ሃገራት ከይዓብያ ብነጻ ሕርያ ይገብራለን ድብያ
መርከብ ሰላም ======= መርከብ ሰላም ጡሩምባ ነፊሓ መለኸት ራህዋ ብስራት ተስፋ ካብ ወደብ ባጽዕ ናይ ልምዓት ቦታ ኣምበልቢላ ኣርማኣ ሰንደቓ ኣልዒላቶ ‘ቲ ታኮ መልሕቓ ጀሚራቶ ጉዕዞ ቡሩህ ተስፋ ጉዕዞ ሰላም ምስ ጐረባብታ ከይትጽገም ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ከይቲድንጒ ‘ቲ ወደብ ክትበጽሖ ካፕቴን ሓገዝ ኣይንንፈጎ ከይህውኻ እቲ ማዕበል ባሕሪ ሞሾምቦባ ‘ቲ ንፋስ ደሃሊ ንሓልዋ ብለይቲ ብቐትሪ ንዅነላ እምባ ትኵር ንስሪ
ፖለቲካ ጉድ'ምበር ረኺብካ! ================= ኩሉ ተንታኒ ፖለቲካ ማሃሪ ከሳሲ ኣራሚ ምስ ኮነ ሰብ ሎሚ ፖለቲካ ዓርዒሩ ፈዂሱ ሚዛኑ ኩሉ መታለሊ ሃዳዲ ዓፋኒ ይፈልጥ'የ ባሃሊ ይብል ኣመኑኒ ኣብ ፈይስቡክ ቲዊተር ዩቲዩፕ መሰንጀር ዝጸሓፍ ዝንገር ርእስኻ የናውጽ ልብኻ ይህውጽ የቃጽል የሐርቕ ተፈተሽካ ባዶ ዘይብሉ ትሕዝቶ ጸረ-ሰላም ኮንቶ ንፋስ ዘራጊቶ "ፖለቲካ ኩሉ ለመዶ - ከፈአ ጣፍ ኩሉ ዘረኦ - ጠፈአ" ዝበሃልስ ሓቂ ኮይኑ ምስ ሰማዕካ ወሽላኻት ገዋኑ ሓሳባቶም ካብ ማዕዶ ዝጨኑ
ህዝባዊ ሰራዊት ብዓል ሙሉእ ኣምዑት፣ ክትኣቱ ሰላሕታ ክትወጽእ ብዓውታ ብዓወት እልልታ ቀጺዕካ 'ታ ዒታ ምኽዳም ክእለታ ንባዕዲ ንጻዕዳ ሕጂኸ ናበይ ናበይ፧ እስከ ንበረለይ ሰስን ዓንትረለይ ሓበን ኢኻ ክብረይ
ስምዑ'ባ እዚ ሻዕብያ ሰራሒ ቅያ እንታይ'ዩ ጉዱ ዓው ዓው ዘይፈቱ፧ ባቃ ትም! ስቕ ሕትም! ወይከ ትንፍስ! ዘይጅሃር ፋርስ ጸላእቱ ክድምስስ ክስዕር ከዐግስ 'ቲ ድምጹ ኣህጥሙ የሳልጥ ዕማሙ ርኣዩለይ ስምዑለይ ዘይብሉ እዝስ ትብዓት ድዩ ርዝነት ነብሰ-ተኣማምነት ልቦና ብልህነት ወይስ ምኽታት ምዕራባዊ ቅጥፈት፧ ዶስ ጸሊኡ ፈኾስኮስ መሪጹ ክዕገስ፧ በቲ ስቕትኡ ተባዕ ስርሑ ዓመጽቲ ሪዒዶም ኣትዩ ኣብ ከብዶም የጸልሙ ስሙ ጭብጢ ዘየብሉ እንዳተቐባበሉ ወይ ሻዕብያ ኣብነት ኣርኣያ ምዕራብ ቀዊጥካያ ወያነ ተደብያ ስሪኣ ኣፍቲሕካያ ጸበልካ ኣስቲኻያ ግርም ገኒዝካያ