Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Oct 14, 2023 5:05 PM
108.45.183.178

ዝወራረስ ሕማም ኣፍደገ ባሕሪ
------------------------------------

ኤርትራ/መንግስት ኤርትራ ነዚ ለውላው መእሰር ዘይብሉ ሃታፍ መልሓሱ ነዊሕ ከይደጎየት'ያ ነቲ ሽጣሩኡን ሕቡእ ተልእኹኡን ፈሊጣቶ/ፈሊጥዎ። እቲ ምንታይ ከምቲ ስብሓት ነጋ ዝበሎ ብባሩኾት ኣመሪካ'ዩ ኣብ ስልጣን መጺኡ። ኣመሪካ ባሪኻ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዘበለቶ መራሒ ድማ ብቐዳምነት ተልእኾ ኣምሪካ'ዩ ዝፍጽም። ግና ኤርትራ ክትጥቀመሉን ኣብ ረብሓኣ ከተውዕሎን ቀልጢፋ ከተሰምብዶ ኣይደለየትን። ንጎራሕ ጎራሕ'ዩ ዝፈልጦ። ቅንይ ኢላ ግን ፈሊጥናካ ኣለና ንምባል ኢምባሲኣ ሲሒባ ናብ ዝትሓተ ድረጃ ኣውሪዳቶ። ኣይበተኸቶን ግን።

ነቲ ሕልፍ ዝበለ ከዳሚ ወያነ ንኤርትራን ንስልጣን ዓብዪን ሓደገኛ ዝነበረ ስሙር-ግምባር ገራ ኣብ ምድቓቕን ነበረያ-ነበረ ኣብ ምግባርን ተጠቒማትሉ። ንሱ'ውን ሳላ መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ሓገዝ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኪኢሉ ኣሎ። ምስጋንኡ'ውን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ዓው ኢሉ ገሊጹ'ዩ። እሞ ሕጂ ድኣ እንታይ ተረኽበ ኣፉ ከግፍሕን ናብ ባሕርን ኣፍደገ ባሕርን ኤርትራ ከቋምትን ሃለውለው ክብልን ኪኢሉ፧ ንኤርትራ ብግልጺ ክጻባእን እቲ ሕቡእ ተልእኹኡ ብኣመሪካውያንን ፈረንሳን ዝተዋህቦ ከግህዶ ወሲኑ፧ ክሳብ ነቲ ሓይሊ ባሕሪ ከነቕውም ከለና ሓሲብና ኢና ገርናዮ ዝብል ዘሎ፧

ዕብዪ-መልሓሱ ነቲ ናይ ወያነ ሽጣራ'ዩ ደጊምዎ። ወያነ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፎእ ምስ በሎ ምስ ኤርትራ'ዩ ኲናት/ወራር ኣውጁ። ተወሪርና ክተት ኢሉ። ዓሰብ ከምልሰልኩም'የ ክብል ቃል ኣትዩ። እዚ ዓዳዅ ድማ ብደገን ብውሽጥን ዓቕሉ ጸቢብዎ ኣብ መዋጥር ስለ ዝኣተወ'ዩ ዘህተፍትፍ ዘሎ። ንኢትዮጵያ ብጉቡእ ከማሓድራን ሰላም ከምጽኣላን ኣይከኣለን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣብ ሽግርን ጸበባን ጥምየት ወዲቑ ኣብ ነንሕድሕዲኡ ይፋለስ ኣሎ። ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣንጠጥዩ ዘሎ ሓደጋ ገለ እንተኣፍኮሰሉ'ዩ ድማ ሕቶ መዝሙር-ባሕሪ ዝዝምር ዘሎ። ኣረጊት ሽጣራ።

ብዝኾነ ትማሊ ብመስዋእትናን ጽንዓትናን ኤርትራ ነጻ ገርናያ፣ ዓቂብናይ'ውን ኣለና። ንዘልኣለም'ውን ክንዕቅባ ኢና። ብጽውጽዋይን ምጉዕባዕባዕን ዝፍታሕ ስረ የለን። ብዝሒ ሰብ ስለ ዘልካ ባሕሪ እንዳማትካ ክትወርርን ወይ ክምጠወልካ ዘፍቅድ ሕጊ ኣብ ዓለምና የለን። ህንድን ቻይናን ብዝሒ ህዝቢ ስለ ዘለወን መሬት ጸቢብወን መሬት እንዳማተን ክወራ ወይ ክፍቀደልን ኣይረኣናን።

ዓብዩ-መልሓሱ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ታሪኻዊ ኣቋውማ ረሲዑን ኪሒዱን'ዩ ኣብ ዘይኮነ ክትንትንን ክዛረብን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከታልልን ዝርአን ዝስማዕ ዘሎ። "ዒራ ዘይስንኻ ሕጻ ቆርጥመሉ እዩ።" ብህዝቦም ዘይግድሶም ጨካናት ናይ ጥፍኣት መራሕቲ ካብ ሃይለስላሰ፣ መንግስቱ፣ ወይንቲ ጀሚርካ ካሳብ ናይ ሎሚ ጽላሎት ዓብዪ።

እዚ ተደጋጋሚ ዓማጺ መደረን ዓጀውጀውን ንሃይለ ስላሰ፣ ንመንግስቱን ወየንትን ኣይጠቐመን። ለኪምዎም'ዩ ሓሊፉ። ዓብዪ'ውን ካብዚ ውድቀት'ዚ ኣይከምልጥን'ዩ። ብስዉርን ብግልንጽን ኣጆኻ ናይ ኣመሪካን ምዕራባውያንን ኣይከድሕኖን እዩ። የግዳስ ኣብ ክንዲ ንምዕባለን ስልጣነን ኣድሂብና ንሰርሕን ሙሉእ ዓቕምና ነውዕልን ብውግእን ወረ ውግእን ከም ሰብ ኣብ ስነ-ኣእምሮ ሸቐልቀልን ክነብር'ዩ እቲ ዕላማ ናቱን ናይ ልኣኽቱን። "ዋላ እንተዘይበላዕክዎ ጻሕቲረ የፍስሶ'ዩ" እቲ ስዉር ዕላሞኦም። ሰብ ከይሓልፈሉ፣ ከይምዕብል ከይቀስን፣ ብሰላም ከይኣቱን ከይወጽእን ተወዳራሪ ከይከውንን። ብፍላይ ናይ ምዕራባውያን እቲ ነውራም ዘይቅዱስ ሓሳብት'ዩ።

ኮይኑ ግን ካብ ንመሬትናን ባሕርናን ካብ ዓመጽትን ወረርትን ምክልኻል ከም ቀደምና ዝዓግተና ሓይሊ የለን። ነዚ ድማ ታሪኽ ምውካስ እኹል'ዩ። ንሃገርናን ባሕርናን፣ ንነጻነትና ክብርናን ንሚኢቲ ዓመት'ውን ይኹን ክንምክትን ክንቃለስን ድልዋት ምዃና ኣብቲ ናይ 2018 ኣብ ኣስመራ መጺእሉ ዝነበረ ግዜ ባዕሉ ዓብዪ ዓው ኢሉ ዝተዛረቦን ዝመስከሮን'ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ተበራበር ኣስተውዕል ንቓሕ። ካብ ሕሉፍ ጌጋታት መራሕትኻ ተማሃር ኣመዛዝን። ጸላእትኻ ኣለሊ። ካብ ኲናትን ውግእን ዝርከብ መኽሰብ የልን። ብጀካ ዕንወትን ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ድሕረት ምምባርን። ኩሉ መኽሰብ ኣብ ሰላም'ዩ ዘሎ። ንሰላም ደው በል።

ስእለ
Oct 7, 2023 8:41 PM
108.45.183.178
ተንፈኽፍኽ ኣላ
=========
እዛ ዓለም ተንፈኽፍኽ ኣላ
ከም ሽሮ ጻሕሊ ወሰን ማእከላ
‘ቲ ማዕበል ኲናት ልባ ኣጥፊኡላ

እወ

ጋሃነም ኮይና ረመጽ ክትነብራ
ዕረ መረረት ጣዕሚ ዘይብላ
እንዳካፈለት 
ስቓይ መከራ 
ኣሕፊሳ ኣቕጢና

ምንቅጥቃጥ ምድሪ
ሃንደበት ሃውሪ
የሐጽር ኣሎ ፍጡራት ዕምሪ

እቲ ተፈጥሮስ ባህሪኡ ኮይኑ
ሰብ ተዛራቢ ‘ታይ ‘ዩ ጸገሙ
እንዳፈለጠ ቤቱ ዘዐኑ፧

ርሑቕ ቀረባ ዘይትሃድመሉ
ኣብ ደቒቕ ስዓት ዓለም ዘዐኑ
ምህዞ ወዲ ሰብ ምሕረት ዘይብሉ
ኒኲለር ቦምብ ሂወት ዝቖሉ
ይጥምት ኣሎ እፍጢጡ ዓይኑ

ኣቤት! 
ኣየርእየና ክዓኑ ኩሉ
ሜዳ ክኸውን ሳዕሪ ዘይበቕሎ
ከተማ ገጠር ሰብ ዘይነብሮ
ስእለ
Oct 6, 2023 3:16 PM
148.184.174.62
ወቒዑ ዘአዊ
=======
ከም ሃገር ከም ህዝቢ
ጎረቤት ክንሓሪ
ዕድል ኣይገበርናን
ኣብዛ ዓለም ምድሪ

መን'ዩ በደለኛ
'ቲ ዝፈረደና
ኣምላኽ ድዩ ዕድልና
ወይስ ገዛኢ መንቀኛ፧

እንድዒ፧

'ታይ ዝግበር ኮይኑ
ናብራ ቆልቋል ዓጋም
ኪኢልናዮ ኣለና
ኣብዛ ዓለም ደጋል

ውድቀት ዘይስቆሮ
ግዜ ዘይምህሮ
ዘርብሕ ብዜሮ
ኮይንና መንሽሮ

ሓስዩ ዝንየት
ሓሳድ ጸረ-ዕብየት
መንቀኛ ጎረቤት
ወያነ'ዩ 'ዚ  መሽረፈት

እወ
ልኡኽ 'ቶም ኣመጽቲ
ካብ ሰብ ኣጋንንቲ
ዘይከውን ሓላሚ
ወቒዑ ዘእዊ
ወያነ'ዩ
ግብረ እከይ ቁጥሚ
ስእለ
Oct 4, 2023 4:32 PM
108.45.183.178
ክትፈቱ ክትጸልእ ውሕጥ'ያ ተዋጽእ
===================
ሓባ ዓጽሙ ጂግና
ፈታው ኤርትራ
ህዝቡ ብሓበራ

ሓቂ ማዕተቡ
ጽኑዕ መትከሉ
ካብ ብንኡሱ ካብ ብዕሸሉ

ኤረና ዓይኑ
ውንኡ ቀልቡ
ሓበኑ ክብሩ
ዝያዳ ኩሉ

ኣብ ዝወዓሎ
ዝተዛረቦ
መዅርዒ ሰቡ
ሃገሩ ህዝቡ

ዝወጠኖ ዝሰምረሉ
ዘይርበሽ ብገዋኑ
ብዓመጽቲ 'ቶም ጓሓሉ

ሰላም ራህዋ 'ቲ መዝሙሩ
ንኸባቢ ንሃገሩ
ሓደ ኰንካ ትዓብየሉ

ስርቂ ሓሶት ዝጽይኖም
ጸጋ ሃገር ዘይባኽኖም
ወዲ ህዝቢ ሓደ ልቦም

ፍሉይ'ዩ!

ከም መራሒ ትኾርዓሉ
እምነት ተስፋ ተምብረሉ
በቲ ብልሑ በቲ ጻዕሩ

ንበር በሎ ንሓዋሩ
ነቦይ እዝጊ ንገረሉ
ጸጋ ዕድመ ከይበቀሉ

እወ

ክሕመሱ ጸረ-ኤሩ
'ቶም ሃሱሳት 'ቶም ጓሓሉ
ብጽንዓቱ ዝብህርሩ
ስእለ
Oct 3, 2023 3:24 PM
108.45.183.178
ፍለጡለይ
======
ከም እንስሳ ዝኹብኮብ
ናበይ ዘይብል መትረብ
ንኸብዱ ዝዕሰብ፧

ከልቢ ከይትብሎ ሰብ
ሓሳድ ጸረ-ዕብየት
ኣባት ነብሲ ቅጥፈት
መን’ዩ እዚ ጎይታ ክሕደት ፧

እወ
ዝንየት ብሓሶት
ተጻባኢ ፍጥረት
ዝሓልም ዘይከውን ዘይሕሰብ
መን’ዩ እዚ መስከብ፧

ንሱ ድኣ፡
ወያነ’ዩ ስሙ
ትግራይ መደበሩ
ዘይማሃር ፈጺሙ
ካብ ውድቀቱ ሕልሙ

‘ቲ ሓሳቡ ዜሮ
ዝተዋጃበሮ
ሕልሚ ዓባይ ትግራይ
ሃገር ጽውጽዋይ
ክፈጥር ዝሓልም 
ውያነ ጠራራይ

ኣገናዕ!

እወ 
ዘየስተውዕል ደምባር 
ሕማም ዓባይ ስዓል
ማሃንድስ ምንቛር
ወያነ’ዩ ‘ዚ ሓውላል
ስእለ
Sep 27, 2023 1:06 PM
148.184.174.62
እፈልጥ'የ ጸላእተይ
=============
እፈልጥ'የ ጸላእተይ
እቶም ኣዐንቀፍተይ
ጸረ-ጉዕዞ ሃገረይ

ኣወ
ግርም ገረ'የ ዝፈልጥ
ካብ ቀረባ ሩሑቕ
ሓደ ክልተ...ኢለ ብደቂቕ

1ይ - እቲ ወራሪ ስግረ-ባሕሪ ዝነብር
         ኢዱ ነዊሕ ናይ ምትላል መምህር
        ብሰብኣዊ-መሰል ፡ ዲሞክራሲ ዘሽካዕልል
        ኣመሪካ ናይ ዕብለላ ጽሉል
        ጸረ-ሰላም ኣብ ቃሉ ዘይነብር
        ኣናቚቱ መንዚ ዑ ዝሃጥር
2ይ - እቲ ሃሱዕ ዑሱብ ወዲ ሩባይ
        "ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ" ባሃላይ
3ይ - 'ቲ ከዳሚ ወይን ጣልማይ
         ኣዳኻሪ ናይ ኣእምሮ ቆራይ
 
ኣነ ክምክት ንሳቶም ክፈሽሉ
ተረባረብ ኮይኑ ዓመታት ኣቚጺሩ
ሃርበኛታት ሽደናት መንጢሉ

ኣወ
ምዕባለ ኤርትራ ከይዓቢ ደው ኢሉ
ወዲ ሃገር ሩባ ተሳጊሩ
ብሰንኪ ሱሱዓት ናይ ጥፍኣት ጓሓሉ

ስእለ
Sep 26, 2023 5:29 PM
148.184.174.62
'ቶም ጸገም ዝፈጥሩ...
===============
ጸላእቲ ደቂ ሰብ
ኣብዛ ዓለም ተብተብ
ዘይብሎም መኽሰብ
"ድንቁርና ስስዐ" 'ዮም
እዝጊ የጥፋኣዮም
ሰብ ንቓሕ እለዮም

እወ
ክትክሕዱ ክትኣምኑ
ሰላም ዘይህቡ
ጽልእ ኲናት ዝሕብሕቡ
ኩሉ ጸገም ዝፈጥሩ
ህዝቢ ከይወግሓሉ
ከይነብር ቀሲኑ
"ድንቁርና ስስዐ" 'ዮም እመኑ
ጥርጥር ዘይብሉ

መሳርሒ ምዕራብ
ካብ ነዊሕ ዓመታት
ኣብ ኩሉ ኩርንዓት

ናይ ዕግርግር ጠንቂ
ብስዉር ብግልጺ
ዝርምስ ንህዝቢ
ከይሰምር ከይዓቢ

ስእለ
Sep 25, 2023 3:30 PM
148.184.174.62
ዝበልኩም በሉ!
==========
ኤርትራዊ'የ ክብል
ነጻነት ሃገረይ ከብዕል
ጀጋኑ ስዉኣት ክዝክር
ክብርታት ኤርትራ ክሕብሕብ ከቐድም
ብሓጐስ ክፍሳህ ክዝምር
ካብ ማንም ፍቓድ ኣይሓትትን

እወ
ጉምብሕ ጥልዕ ኣይብልን
ምስ ዝኾነ ውድባዊ ዕንኪሊል
ዘጉባዕብዕ ዝእከብ ዝምድር
ሃይማኖት ዘይብሉ ዘምልኽ ዝኣምን
ኤርትራዊ ምኳን እኹል'ዩ ዘዂርዕ ዘሐብን

ክብሪ ንሰማእታት
ጀጋኑ ሙዑታት
ዘውሓሱ ሃገረይ
ካብ ወረርቲ ሃሱሳት
ጸረ-ሰላም መንድዓት

ዝበልኩም በሉ 
እምኒ ቆርጥሙ
ሰማይ ንጠሩ
ደም ተሓለቡ
ኣነስ
ዓሚቚ'ዩ እምነተይ
ኣብዛ ሪመይ ኣብዛ ብጺሒተይ
ኤርትራ ሃገረይ

ዝወሰደት ኣሽሓት ጀጋኑ
ንሳቶም ሓሊፎም ንሳ ክትህሉ
ንሎሚ! ንዘልኣለም! ንሓዋሩ!
ባሩኾት ማንም ዘይብሉ
ስእለ
Sep 25, 2023 12:52 PM
148.184.174.62
መን ድኣ ክብለካ፧ 
------------
ትግራዋይ'የ ዝበልካ ዓው ኢልካ
ኣብ ቅድሚ ዓለም ብንጹር ልሳንካ
ዘሰነዮ 'ቲ ጽዩፍ ተግባርካ
መን ድኣ ክብለካ ትግራዋይ'የ እንዳበልካ፧

"ትግራዋይ'ዩ መንነተይ
ኤርትራዊ ዜግነተይ
"TDF ሰራዊተይ"
ክትብል ዝሰመዐት እዝነይ
"ትግራዋይ ኢኻ" ተበልኩ ኣበይ'ዩ በደለይ
ክሓተካ በጃኻ ኣብርሃለይ፧

'ቲ ኹሉ ረበሻ ዕግርግር
ሽማግለ ዓብዪ ክትብድል
ንቖልዓ ሰበይቲ ባዓሉ ዘኽብር
ብኽብሪ ኤርትራ ከተሽካዕልል
ምስ ሓሳድ ወያነ ካብ ትውግን
ቃልካ'የ ኣኽቢረ "ትግራዋይ" ኢለካ
ኣይትጸበ ክቕይሮ ስምካ
ኤርትራዊ'ዩ ኢለ ክምስክር ብኣኻ

ግና
እንተ ተጣዒስካ ተማሂርካ
ይቕረ በል ተነሳሕ ጌጋኻ ኣሚንካ
ኤርትራዊ ምኳን ክብሪ'ዩ ንዓኻ
ስእለ
Sep 22, 2023 3:56 PM
108.45.183.178
ኣሜን በሉ - ኣብ ሓቂ ዕሰሉ!
===================
ካብ ቀሊል ኣእምሮ
ዘይፈልጥ ዝገብሮ
ወይን ዝዝውሮ
ኣድሕነና!

ካብ ዘመድ ከብዱ
ስሱዕ መንፈሱ
ቀንጥቢ ኢዱ
ኣድሕነና!

ካብ እምኒ ዝስንዱ
መጋበርያ ልኣኽቱ
ዘይሓስብ ብርእሱ
ኣድሕነና!

ካብ ይኣኽለኒ ዘይብል
ንዝጊ ዘየመስግን
ዓሚጹ ዝነብር
ኣድሕነና!

ካብ መን ከማይ ባሃሊ
ነውራም ተጃሃሪ
ዘይኮነ ዘውሪ
ኣድሕነና!

ካብ መንዚዑ ዝበልዕ
ብስራሕ ዝቐንእ
ጻዕረኛ ዝጸልእ
እድሕነና!

ካብ ፈሪሑ ዘፍርሕ
ስሬኻ ዘፍትሕ
ሰሪቑ ዘይሓንኽ
ኣድሕነና!

ካብ ጠላም ዓርኪ
ክብሪ ሰብ ረጋጺ
ሌባ ተበላጺ
ኣድሕነና!

ካብ ክብሪ ሃገር ዘይስቆሮ
ዓሻ ደንቆሮ
ፈታው እምባጋሮ
ኣድሕነና!

ካብ ካድር ወያነ
ደደቢት ዝሰልጠነ
መቐለ ዲግሪ ዝጸዓነ
ኣድሕነና!

ካብ ቀጣፊ ኣምስሉ
ሓቅነት ዘይብሉ
ዝነብር ዓጢሩ
ኣድሕነና!

ካብ ወያነ ጸቢብ ርእሲ
ቂም ጽልኢ ዘቋሲ
ንባዕዲ ዘሳሲ
ኣድሕነና!

ካብ ሽፍታ ዝራሲ
ሓሳድ መጣቖሲ
ወያንያዊ ርእሲ
ኣድሕነና!

ካብ እምነት ዘጕድል
ቃሉ ዘየኽብር
ከምስል ዝምሕል
ኣድሕነና!

ካብ ሃገሩ ዘዋርድ
ምስ ህዝቡ ዘይዕርድ
ካብ ማዕዶ ዝፈርድ
ኣድሕነና!

ካብ ተማህ ጎረቤት
ዓሚጹ ዝንየት
ወያንያዊ ዕብየት
ኣድሕነና!

ካብ “ጭፍራ ንሓመዱ”
ሰላም ዝህውጹ
ዝገብርዎ ዘይፈልጡ
ኣድሕነና!

ካብ መልሓሱን ተግባሩን በበይኑ
ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ-መስለ…
እንዳበለ  ዘዐኑ
ምውራር ዓመጽ ተግባሩ
ኣድሕነና!

ካብ ቆልዓ ሰበይቲ ዝሃርም
ኣይጥዑይ ኣይጽሉል
ዘይሰርሕ ዝዛውን
ኣድሕነና!

ካብ ትርጉም ዲሞክራሲ
ሰብኣዊ-መሰል ፍትሒ
ዘይርድኦ ኣብዲ
ኣድሕነና!

ካብ ኣብ ትማል ዝነብር
ኣብ ለውጢ ዘይኣምን
ንባዕዲ ዘገልግል
ኣድሕነና!

ካብ እምኒ ዝስንዱ
ዝሃርም ወለዱ
ዙሩግ ሓሳባቱ
ኣዕቑበና!
ስእለ
Sep 21, 2023 11:33 AM
108.45.183.178
የጽልኣካ!
====
ኣብ ምምባር
ኣብዛ ዓለም ገታር
ዕድመ ተሂቡካ
ናይ ፈጣሪ ጸጋ
ቡዙሕ ኢኻ ትርኢ
ሂወት ተጻባኢ
ሕማቕን ጽቡቑን
ኣብ ጓሂ ዝሸምም
ዘቖንዙ ዘሐምም
ዘሐጕስ ዘገርም

ሰብ ኣሎ ዘይበሰለ
ዘይብሉ ጠገለ
ዝወጸሉ ጥረ
ገልጣም ዝዓወነ
ፍርያት ወያነ

ሰብ ክትብሎ ጸገም
ኣብ 21 ክፈለ ዘበን
ብሽበራ ዝሕበን

ትደፍር ክትብሎ፡
እምኒ መንደራጋሕ
እንስሳ ዝራጋሕ
ሓሳባቱ ረሳሕ

ነቲሕ'ዩ ዝጨኑ
ዒታ ዝወጸሉ
ሓሳባት ተግባሩ

እቲ ዝብሎ ኹሉ
ዝደግሞ ዓው ኢሉ
የጽላኣካ 
ትሕዝቱኡ ሕብሩ
ስእለ
Sep 19, 2023 2:21 PM
148.184.174.62
ዕዳዶ ትብልዎ ሓረጣ ወይስ መሸጣ፧
-------------------------------
ዕዳ ኣመሪካ 33 ቲሪልዮን በጺሑ ብዘይ ወለድ ተባሂሉ። 
እዝጊዮ!
ማዓስ፧ መንዩ ክኸፍሎ፧
ዝቕጽል ወለዶ።
እዚ ኹሉ፧
እወ ተረፍ ዘይብሉ።

ነገሩ፣
"ኣምበሳ ተለቂሑ
ማዓስ ክኸፍሎ፧
መንከ ሃባ/ክፈል ክብሎ" እዩ ዝመስል።

ግዲ የብልካን ፣ ክፈቱ ክጸልእ ቀጻሊ ወለዶ ክኸፍሎ ክነብር'ዩ።
ክሳብ ማዓስ፧ 
ክሳብ ኣለቃሒ ዘሎ።

ካብ መን'ያኸ ተለቂሓቶ፧
ካብቶም ሃብታማት ቢልዮናራት 1% ዘይበዝሑ ኣመሪካውያን

እሞ ንኣመሪካ ዓዲጎማ ድኣ ዘይትብለኒ፧
ኣነ እንታይ ፈሊጠ ኢልካኒ። ኣስማቶም'ኳ ዘይፈልጦም።

ለከ እንዶ ግዳ! መነባብሮ'ኮ ስቕ ኢሉ ኣይኮነን እንዳኸበረ ዝኸይድ ዘሎ፧
ስእለ
Sep 19, 2023 12:53 PM
148.184.174.62
"ብሪጌድ ንሓመዱዶ ዝዓበዱ፧"
===============
እንታይ'ዩ ጸገምኩም
'ቲ ሕማም ዕብዳንኩም
ጸለለል ኣብዚሕኩም
ኩሉ ኪዒብኩም፧

ንቕሓት ድዩ ጎዲሉ
ኣፍልጦ ሓጺሩ
እተማዛዝንሉ፧

ወይስ
ቂም'ዩ ስልጣን
ስራሕ ተስፋ ምስኣን
'ቲ እምኒ ምስንዳው፧

ዶስ
ጠቕሚ'ዩ ኣዐዊርኩም
ሕልናኹም ሸጥኩም
ክትክሕዱ 
ሃገርኩም ህዝብኹም፧

ናይ ብሓቂ ኣኽፊእኩም
እንስሳ ተቐይርኩም
ምሽንዳሕ ኣብዚሕኩም

ኣብዘይ ሃገርኩም
ስደተኛ ኰንኩም
ምስ ፖሊስ ምባኣስ
እንታይ'ዩ ንምውሓስ፧

"ብሪጌድ ዝዓበዱ"
ተግባርኩም የደንጹ
ሰላም ሰብ ሃዊጹ

ኣይ ካብ መራሕትኹም
እቶም ኣስነቕትኹም
ክልተ ሓደ ሕልና ዘይብልኩም
ትጽመዱ ኣርዑት ጎዲልኩም

ዓብዪ ኣይትብሉ ቆልዑ
ምስ ፖሊስ ህዝቢ ትዋቕዑ
ብእምኒ ብዱላ ትፋግኡ
በጋሚዶ ሩሑቕ ዘይትሪኡ

ክንዲ ትማሃሩ ትምዕብሉ
መጽሓፍ ስነ-ፍልጠት ትግንጽሉ
ደንጎላ ምስንዳው እንታይ ትረብሕሉ፧

ኣነስ ሓዚነልኩም
ኩሉ ወርዚዩልኩም
ሪኡ 'ቲ ተግባርኩም

ዓገብ!

ሕጂ'ውን ይኣክል
ዓበድበድ የኽትም
ኣደ ከይትሓዝን
ስእለ
Sep 17, 2023 12:05 PM
108.45.183.178
ዘይርሳዕ በደል
========
ድሕሪ 1998ን
እቲ ኹሉ ጸገም
ዝወረደ ኣብ ህዝቢ ኣብ ሃገር
ብዝርዝር ዝንገር፡
ጸበባ ኣደራዕ
ላዕሊ ታሕቲ ገልታዕታዕ
ፈጺምካ ዘይርሳዕ
እቲ ተሓታቲ
ወያነ'ዩ 'ቲ መንቂ

እዚ ሓሳድ ከይሲ
ኣገልጋሊ ባዕዲ
ተንኮል ዓመጽ ዘሳሲ
ኮሊፉና ኤሩ ከይትዓቢ

መይቱ ተቐቢሩ
ሳምሑኒ ኢሉ
ይቕረ ዘይትብለሉ
ወያነ'ዩ
እዚ ክፉእ ግብሩ

ኩሉ ሕሰም ክፋእ
ዘውረዶ ኣደራዕ
መሪር'ዩ ዘይርሳዕ

ሂወት እንድዩ ኣሕሊፉ
ኣሽሓት ኣንጺፉ
ምስ ባዕዲ ሸርኹ

ሕጂ ግን ዓሪቡ
ምስቲ መራት ሓሳቡ
ዝለከመ ለኪሙ
ስእለ
Sep 15, 2023 3:52 PM
108.45.183.178
ስኞራ ኣስመራ
========
ስኞሮ ኣስመራ
ኣቤት!
'ቲ መልሓሳ ግብራ
'ቲ ሕሰም ተንኮላ
መላጸ'ዩ ካራ
ሰብኣውነት ዘይብላ

እቲ ጮማ ስጋ
ንዓኣ ምስ ደቃ
እንተ ንዓይ
'ታ ባኒ'ኳ ንጋዳ

እወ
ትገዝኣኒ ኣኽቢዳ
ስዓታት ዘይብሉ 
መወዳእታ

ብድዐኣ ክትሰምዕ
የብኪ የንብዕ
ምፍጣርካ የጽልእ

ዘንጊዓ፡
ኣነ ብጉልበተይ
ብራሃጽ ክእለተይ
ንሳ ብገንዘባ
ትሕዝቶ ቁጠባ
ከም ዝተራዳዳእና
ዘይብሉ መንጎኛ

ርግጽ ዉዑል ነሩ
ፌርማ ዘይብሉ
መሰለይ ክትሕሉ 

ግና 
መግዛእቲ ስኞራ መሪሩኒ
ጸላዕላዕ ኢሉኒ 
ጠንጢነያ 
ናብ ዝሕሸኒ ናብ ዝጥዕመኒ

ስኞራ ኣስመራ
ነዘን ኣብ ዓለም ዘለዋ
ቦርኮ ዓብድ ዘዘውትራ
ኣይትሓምቀን ኣይተበልጸን
ኣይትተርፈን ኣይትሓልፈን
ከምአን'ያ ማሓዘአን

ስእለ
Sep 14, 2023 8:12 PM
108.45.183.178
ወይጦ - ዘየብሉ እንዶ
============
ኤርትራዊ ኮይኑ ኤረና ዘይፈቱ
ዕዙዝ ክብርታታ ዘናእስ ዘናሹ
ሌባ'ዩ ሽፍታ ማሓዛ ዝዘምቱ

ኣይጥዑይ ኣይሕሙም ደንጎላ ዝስንዱ
ዕረ ዝጠዓሞ ሓድነት ኣሕዋቱ
ልኡኽ'ዩ ሃሱስ ዝነብር ንኸብዱ

ዕንቅፋት ምዕባለ ዘየብሉ እንዶ
ምምባር ኣብዛ ዓለም ቀትሪ ዝጸልመቶ
ከዳዕ'ዩ እከይ እዝኒ ኣይንሃቦ

ጨለ መልሓሰኛ ናይ ቃላት ወሓለ
ክናብ ጸረ-ሃገር ነውራም ዝሓከለ
ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢሉ ግነዖ ዝምነ

እወ!

ኣምስሉ ወረኛ ብሓሶት ዝሃጥር
ኣብ ወሰን ኮፍ ኢሉ ዜጋታት ዘናቚር
ዕሉል ኣገልጋሊ ናይ ጸላኢ ኩርኩር
ነውራም'ዩ ጽዩፍ ኣብ ጸይቂ ዝነብር

ስእለ
Sep 13, 2023 12:11 PM
148.184.174.62
ይሓስብዶ፧
======
እዚ ዘለንስኪ
ሰብ ድዩ ከብቲ
ወይስ
ዕሱብ ተላኣኺ
ድልየት ኔቶ ዘሳሲ፧

ቁሩብዶ ይሓስብ
የመዛዝን የንብብ
ንህዝቡ ዘኽስብ
ዩኩሬን ዝዕቅብ፧

ኣባል ኔቶ እንተዘይኮንኩ
ተሓኒቐ ሞትኩ
እንታይ'ዩ ብልሓቱ፧

ህዝቢ ምስ ተሰደ
መይቱ ምስ ሃለቐ
ዩኩሬን'ውን ዓንያ
ምስኮነት ጽርግያ
ኔቶ ኣመሪካ ምስ በላ ባይ ቪያ
ኢድ ምሃብዶ ይሓይሽ
ፍጹም ዘየሐጉስ
ክብሪ-ኣልቦ ስዕረት
ዘልኣለማዊ  ውርደት፧

ጎበዝ ተላዘብ
ዘለዎ መኽሰብ
ናይ ለባማት ሕሰብ

ተማሃር 
ካብ ወያነ ቅጥፈት
ኣይተሳልጥ 
ናይ ዓመጽቲ መደብ
ኲናት ጥፍኣት'ዩ ዕንወት!
ስእለ
Sep 12, 2023 12:00 PM
148.184.174.62
ኩሎም ብላሽ!
========
ኣይ ካብ መራሒ
ካብ ሳዓብቲ ብልሒ
ኣስናቒ ልኣኺ
ንጹር ዕላማ መምርሒ
ኣራሚ ገናሒ
ይፍጽሙ ጌጋ
ንሂወቶም ሓደጋ

ክልተ ሓደ ኩሎም
ፍልልይ ዘይብሎም
እዝጊ ዝጸላኣሎም

ይፍጽሙ ነውሪ
ይኣትዉ ኣብ ሓዊ
ከይሓሰቡ ሃውሪ
ከምታ ጽምብላሊዕ
ሂወታ ተቃልዕ

ወዶም ጓሎም
ራኢ ዘየብሎም
ይሃሉ ሓቢሮም
ይህዉኹ ሰቦም
ገንዘብ ተኸፊሎም

"ክፉእ መልክዕ ፡ ብስም ክጽብቕ" ዘይኮኖ ይጥቅዕ - "ብሪጌድ ንሓመዱ"
ስእለ
Sep 11, 2023 12:29 PM
148.184.174.62
ክትፈልጥ!ክትፈልጡ!
=============
ኣብ ምምባር ዝዓወነ
ሂወቱ ክመርሕ ዘይከኣለ
ሰብ-መሰል እንስሳ ዝተማዛበለ
ሰባር ርእሲ ብዱላ ብዓረ
ከመይ ኢሉ ክጥዕሞ ይምነ፧

ጎይታ ዕንወት ቀልቢ ዝሰኣነ
ቀይዲ-በተኽ ዘይብሉ ጠገለ
ከመይ ኢሉ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ ይምነ፧

ዘሐፍር'ዩ ዘደንጹ
'ቲ ተግባር መንፈሱ
ኣድገ በቕሊ ይሕሹ

ምስ ምንታይ ይቑጸር
ከሽካዕልል
ክብሪ ኤሩ ክህረም ክድፈር
እቲ ትማል ዝሰረሐ ሃገር፧

እንታይ'ዩ 'ቲ ዕላማ
እዚ ኹሉ ህላ
ኣንጻር ሃገር ኤርትራ፧

ክትፈልጥ! ክትፈልጡ!
ኤርትራ ሃገርነት
ዜግነት መንነት
ዝተኸፍሎ ሂወት
ነባሪ'ዩ ንዘንትእለት!
ስእለ
Sep 8, 2023 9:42 PM
173.73.27.183
ዓገብ!
====
ባዓል ዕንኪሊል
ተስፋ-ኣልቦ ጽንጊሊል
ዕንቅፋት ምዕባለ
ዉሕጅ ዘይእለ
ደዊንኩም ክብርና
እቲ ጽቡቕ ስምና

'ታይ ዝበለ ርእሲ
ሰላም ዘየሳሲ
ክብርታት ደቛሲ፧

ኣይግባእን ክትዕሾ
ብርፍራፍ ኮረንሾ
ብቑሩብ ቁራቦ
ሰሪሕካ ትረኽቦ

ንባዕዲ ምግልጋል
ወገንካ ምሽጋር
መን'ዩ ኢሉካ ሓላል፧

ኣብ ክንዲ ትማሃር
ብፍልጠት ትሳሓል
ዓለምና ንምግጣም
ስለምንታይ
መሪጽካ ምዕግርጋር፧

እሞ 
ክብሪ ዘየብሉ
ፍረ ትረኽበሉ
መፍቶ ጓሓላሉ

ዓገብ!
በጃኻ ተወደብ
ተሰራዕ ተኣደብ
ረብሓ የብሉን መኽሰብ

Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea