ጥራሕ ቁጻር ======== ዕባይ ወያነ፡ ባዶ ርእሲ ቀልቢ ኣልቦ ጥራሕ ቍጻር ውሽጡ ዜሮ ዘይርድኦ እቲ ዝብሎ 'ቲ ዘድምጾ 'ቲ ዘዕልሎ ገረወኛ ፓፓጋሎ ታሪኽ ሓቂ ዝኸሓደ ጽውጽዋይ ዝመለኸ ቆልዓ ትማል ዘይዓኾኸ ዝተሓርሞ ቡሱል ሓሳብ ዘኳማስዕ ቃላት ጥፍኣት ምዕንጂሉ ኣልቦ ብቕዓት መዕበይኡ ዝበደሎ ሰናዕ ታሪኽ ዘይካኣሎ ትጠራጠር ሰብ ክትብሎ
መን'ዩ፧ ==#== ካብ'ዞም ኩሎም ስርዓት ናይ ሰላም መንድዓት ብህዝቢ ጽሉኣት 'ቲ ጸሊም ድዩ እቲ ጻዕዳ ወይስ እቲ ቀይሕ ብጫ፧ እቲ ጻዕዳ'ዩ ጨካን ግብረ-እከይ ጸረ-ስኒት ዘይፈልጥ የኽፍኣለይ ታሪኽ ምስክሩ ታሪኽ ዓመጽ ግዕዘይ እወ! መንደላይ'ዩ ተመን ፈጺምካ ዘይእመን ካብ ጥንቲ ካብ ቀደም ካብ ሰብ ክትብሎ ንሰይጣን ዝቐርቦ ከይሲ ብዓንተቦ ገበል'ዩ ዊሒጣ ዓማጺ ቃቒጣ ባዓል ቡዙሕ ኢንታ ኣብ መሬት ኣብ ሰማይ ኣብ ባሕሪ ኣብ ቃላይ ምርባሽ ቀዳማይ ኣድብዩ ኣዳህሊሉ ልሳኑ ኣጥዒሙ ዘናቝት ኮነ ኢሉ ተንኮል ተጎልቢቡ ሓይሊ ተጠቒሙ ሃገራት ዘዐኑ እወ እቲ ጻዕዳ! ሩኹስ መታለሊ ጨዋዪ ዓፋኒ ካብ ስርዓታት ቍጥሚ እቲ መርዙ ሕንዙ ዘይርከቦ ፈውሱ እንድሕሪ ነኺሱ ትዕቢተኛ ወራሪ ዘይብሉ ፈጣሪ ጭርናዕ ናይዛ ምድሪ ብዕዳ ሓረጣ ኣድልዎ ጸወታ ዘሳቒ ኣምበጣ ዓለም ክውንና በይኑ ክብርብራ ዘዘውትር ወረራ ናብ ደቡብ ናብ ሰሜን ናብ ማእከል ናብ ወሰን ብምዕራብ ብምብራቕ ይወፍር ንምዝማት ጸጋ ንምግባት ንሱ እወ ንሱ ዘይቅሱን መንፈሱ ዝቐትል ዘቃትል ጨካን ካብ ሰብ ፍጡር እወ ሚልዮን ዝሃንኮተ ዘይዓግብ ገበተ ብሓይሉ ዝዕበ ሺግር ህውከት ይፈጥር ብረቂቕ ብሚስጢር ይቕልሶ ባዕሉ ሓላዪ መሲሉ ጸጋ ከዕብየሉ ሙዕቡል'የ ብሃሊ እዝጊሄር ኣማኒ ግና ወንጀላት ፈጻሚ ዕቡይ ኣዳኻሪ ጸረ-እምነት ባህሊ መን'ዩ ኣይትበሉ እዚ ክፉእ ግብሩ ኣስሓኮ ዘይብሉ ዘናቝት ኣብ ኩሉ ዶባት ተሳጊሩ ኣውሮጳ'ዩ ስሩ ሃገር መደበሩ ጨካን ዝወጸሉ ንሕስያ ዘይብሉ ታሪኽ ምስክሩ ሰብ መሰል ጉደኛ ጸረ-ሰላም መንቀኛ ዘይብሉ ሕልና ብመድፍዕ ብቦምባ ብጥይት ኣድራጋ ካብ ሩሑቕ ቀረባ ኣብ ኤስያ ኣውሮጳ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣሺሓት ዘህለቐ ዉሽጡ እንዳሰሓቐ ንሱ'ዩ 'ቲ ጻዕዳ ዓሌታዊ ቡዳ ክትክሕዱ ክትኣምኑ ፍርድኹም ክትህቡ ታሪኹ ጉዕዙኡ ብትኹረት ኣምብቡ እቲ ወራር ዝምታ ሳዕቤኑ ሰበቡ ናይ ሎሚ ናይ ቅድም 'ቲ ሓቂ ዝነግሩ ፍጡር ዘሰክሑ ሙዉት ዘባህርሩ
The Eritrean Priest Cross:
It has been a while since I wrote something educational informative to my people and followers. All civilization comes and goes, and we learn from each other and develop it a little more but the base remains the same and just represents differently. If you asked me what makes us different than the rest of living things because we can read and write. We can express it in words, formulate with equations and laws of nature, etc. The word Science is a Latin word for "to know" How we call it in Tigrinya is "Seane Filtet" I always like to understand the base of something, if I don't know the base, it doesn't matter I will not understand properly. What is the origination off most alphabets and numbers what helps us write information and write mathematical equations.
When we say most of the alphabets like
Tigrinya - Geez
Latin
Greek
Hebrew
Arabic, etc.
This is very crucial for Eritrean Scholar to know this, if we are interested in advancing in science and technology. I would like to dissect the Eritrean Cross and refined by expressing the geometric shape how it holds important information for understanding. Once we are aware of this shape and by applying the theory of number and we can come up with sub theory of the number theory with it over two thousand new theories which we can apply it to a lot of things of science and technologies.
"ዘራፍ" - ዘይብሉ ምዕራፍ ======oooo====== መርገም ድዩ ምረቓ ኣጋጣሚ ዕድል ጎረቤትና ኩሉ ኣይጥዑይ ኣይጽሉል ልኡኻት ባዕዳውያን ከደምቲ ጎባልል ቅዱስ ቅንዒ ፍጹም ዝረሓቖም ክንዲ ስራሕ ዝበልዑ ሸምጢጦም ክንዲ ሰላም ካብ ህውከት እተቶም ሕስድና ዝሰረጸ ኣብ ደሞም ወራር ዓመጽ ዝገበሩ ባህሎም ሺርካ ዕብየት ፍጹም ዘይርድኦም ተሳዒሮም ዘራፍ ዘይቅደሙ ወረርናኩም ጥሓርናኩም ክብሉ መግቢ ዕለት ትኾቡልና ይብሉ ቅድሞም ድሕሮም ገዛእቲ መራሕቶም ማሃይም ሙሁሮም ንኣሽቶም ዓበይቶም ሕፍረት-ኣልቦ ምሕሳው ክእለቶም ባሕሪ ክብሉ ሂወትና ሓሚሶም ይምድሩ የኽፍኣልና ዘይበሉ ተራ ህዝቦም ወርትግ የታልሉ "ወሪርና ኣይንፈልጥን ተሳዒርና እወ ኣይንፈልጥን ንባዕዲ ኣውሮጳ ተምበርኪኽና ናይ ሰለስተ ሺሕ ነጻነት ዘለና እንኮ ኣብ ኣፍሪቃ ንሕና ኢና" ክብሉ ክትሰምዕ ትሓፍር 'ቲ ሓሶት ድርቅና
ሳላ ገምቢ ==•••== "ዝብኢ ክትቀትል ገምቢ ተጸጋዕ" ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ ኣብቲ ኽባ ኣብቲ ወጥሪ ኣብቲ ማዕቀብ ቀታል ሕልሚ ከምኡ እንዲና ገርና ገምቢ ተጸጊዕና እንዳሸተተና ጉዳይና ኣሳሊጥና እወ ኣባይና ዲሂኽና እቲ ደመኛና ዝወጠነ ጥፍኣትና ዝደፈረ ክብርና መሬትና ንብረትና ኣፍንጫና ሒዝና ፍሺኽ እንዳበልና ዓቕሊ ጠባይ ገርና ክሳብ ዝሰልጠና ገምቢ ተጸጊዕና ቀጺዕና ኣባይና ኣውሒስናዮ ዶብና ምስ ገምቢ 'ቲ ነቲሕ ሸታቲ ወጊናዮ ጸይቂ እንተ ገምቢ ኣይገበረን ለውጢ ኩሉ ሪሒቕዎ ብጀካ ዓመጽቲ ስሱዓት ከተርቲ
ባዶ ሃንቀውታ ======== ሓሶት ወዲ በሻሻ ዘይብሉ መሰታ ፉንፉን ዕነ ዒታ ንሓቂ ዝቐብር ክትሰምዖ ዘሐፍር ዘቖጥዕ ዘነድር ዘይናቱ መሬቱ ወደብ እንዳማቱ ዝጥምት ኣዒንቱ ከምቶም ኣቦታቱ ቁሩብ ከይሓፈረ ቃላት ከይቀየረ ከምዘለዎ ጥረ ይብል ወደብኩም ሃቡኒ ኣብቲ ቀይሕ ባሕሪ ክሳድ መሳገሪ ደረቐኛ! ልኡኽ ዓመጸኛ ብዓውታ መደረ ከም እተጸለለ ይብል እንዳፈከረ፡ "እንተ ብሰላም ወይ ብሓይሊ ተጠቒምና 'ቲ ብዝሕና ቍጽሪ ክንውንና ኢና ዓሰብ ቀይሕ ባሕሪ" ድሓን ንርኢ! ባዶ ሃንቀውታ ክትሰምዖ መስደመም ብዘይሕንከት እናሻዕ ዝደጋገም ህርፋን ባሕሪ ዘይጭበጥ ዘይትርጎም ዘደንጹ'ዩ! ደቂሰ ተሲአ ብቕንዕና ሪአ ዝፈልጡ ኣውኪአ ኣይረኸብኩን መልሲ ዘዐግብ ፈዋሲ ሕርቃነይ ደባሲ ወዲ በሻሻ ሙጹጹላይ ጣሻ ክትቀብጽ ክትፈልጥ ሓሳብካ ክትልውጥ ዓሰብ፡ ኣካል ኤርትራ'ያ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ዶባ 'ተነጸረ ብዉዑል መግዛእቲ ንነጻነት ክብራ 'ተኸፍላ መስዋእቲ
ጋዛ - ናይ ጽንዓት በጃ ====••••••==== ጋዛ ሕማቕ ረኺብኪ ክልተ ግዜ ተራኢኺ ነቢዐ ሓዚነ ምሳኺ ከም ማይ ኣይህ ቦምባ ዘኒቡኪ ዉቁባት ህንጻኺ ፈሪሶም ዓኒኺ ንጹህ ህዝቢ ተደብዩ ኣብ ትሕቴኺ ደም ነቢዐ ዝብሎ ሓርቢቱኒ ለይቲ ቀትሪ ልዋም ሪሒቑኒ ዝፈረሰ ገጽኪ እንዳተራእየኒ 'ዚ ዓማጺ ወራሪ ግፍዐኛ ዓሌታዊ ዘየብሉ ዳኛ ደምሲሱኪ መሲልዎ ጂግና ግና እቲ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር 'ቲ ቃልሲ ይኽበድ ይምረር ክዕወት'ዩ! ገድሊ ፍሊስጢኤም ሺዑ፡ ክህነጽ'ዩ ዝዓነወ ህንጻኺ ክምለስ'ዩ ተሰደ ህዝብኺ ሰላም ኮይኑ ክትመርሒ ሂወትኪ
ብዓሰብ ኣሳቢብካ ህውከት ======******====== ወደባዊት ከተማ ኵርዓትና ግርማና ሉል ቀይሕባሕሪ ሓንቲ ካብ ሃብትና እንታይ ኢና ነድምጽ ንሰምዕ ዘለና ኩርኳሕ እዝኒ ረባሺ ሕልና "እንተ ብሰላም ወይ ብሓይሊ ተጠቒምና 'ቲ ብዝሕና ቍጽሪ ክንውንና ኢና ዓሰብ ቀይሕ ባሕሪ" ይብሉና ኣለዉ ወረርቲ ዓመጽቲ ስሱዓት ጎረቤት ሉኡኻት መወልቲ ፋሉል ቀይዲ-በተኽ ዘይዓጦም ሕጊ ዓሻ ዘረባ ክትሰምዖ መስደመም ብዘይሕፍረት እናሻዕ ዝደጋገም ሕልሚ ወደብ ባሕሪ ዘይጭበጥ ዘይትርጎም ጎረቤትና ሓቂ ዝሃደሞም ወራር ዓመጽ ዝገበሩ ባህሎም ጣሓርናኩም ዝብሉ እንዳዓረቦም ሓሶት ዘራፍ መለለዪ ስሞም ክንዲ ስራሕ ዝበልዑ ዓጢሮም ብምልማን ዘንዉሑ ኣጽፋሮም 'ቲ መልስና፡ ኣይትድከሙ! ኣስተውዕሉ! ብሕጊ ብስርዓት ተማእዘኑ እወ 'ቲ ሕሉፍ ገምግሙ ዝተኸፍለ ኩሉ ክሳራ መኽሰቡ እንተ ዓሰብ ኣካል ኤርትራ'ያ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ዶባ 'ተነጸረ ብዉዑል መግዛእቲ ንነጻነት ክብራ 'ተኸፍላ መስዋእቲ
እቲ ሓቂ ብሓጺሩ ===•••••=== ኣብ ኤርትራ ኣብዛ መሬት ሓራ ኢንተርነት መብራህቲ መጓዓዝያ መንገዲ ጽሩይ ማይ ንጥሪት ንህዝቢ ... ኣይረሃወን ይቕጺል 'ቲ ጻዕሪ እወ የለን! ዘብረቕርቕ ጎደና ዝሕጸብ ብመኪና ንምነዮ ኩሉና የለን ገዛውቲ ዝደጕሕ ኣዒንቲ ዋላ ናይ ብሕቲ 'ቲ ምኽንያት፡ እገዳ ኣመሪካ 'ቲ ማዕቀብ ኣውሮጳ ድሕሪት ደቝስና ከይምዕር ሂወትና እወ ዘሎ ትሕዝቶና 'ቲ ሰብና ንብረትና በረኻ ወፊሩ ዶባቱ ክሕሉ 'ቲ መሬቱ ባሕሩ ስለዚ ኤርትራ ማዕሪጋ ማዕቢላ በልጺጋ ከም ጸሓይ ደሚቓ ኣይከኣልናን ክንርኢ ብኣጋ ካብ ሩሑቕ ቀረባ ሰብ ቡዙሕ ዛዕባ ጸላእቲ ረኺብና ዝምነዩ ሺሻይና ኣይመለአን ኢድና ሰላም ሪሒቑና ከይነግህድ ሕልምና ትጽቢትና ድልየትና ግና እቲ ንምነዮ ክንበጽሖ ንደልዮ ክኸውን'ዩ ክንርእዮ ብመኸተ ዕዮ
ሃገረይ ==== ሃገረይ ኤርትራ ናይ ሓቂ ኣውራ ኩሉ ዝምነዮ መሬታ ባሕራ ሺሻይኪ በዚሑ መሊኡ ኣስፋሕፊሑ ኢድ ዓመጽ ኣንዊሑ እሞ ሰላም ክወርሰኪ ክርኢ ዕብየትኪ ምስ ጭዋ ህዝብኺ ናበይ ከግዕዘኪ፧ ናብ ሰማይ ናብ ጠፈር ናብ ባሕሪ ዘይስገር ወይስ ናብ ማርስ ዘይሕኮር፧ እወ ካብ ዓመጽቲ ተዃሉ ኣዛብእ ጓሓሉ ፍጡር ዘደንገሉ ክትርሕቒ ሎሚ ንሓዋሩ ብሰላም ክትነብሪ ሕሰምኪ ክበሊ ሂወትኪ ክምዕሪ ኤሩ ሃገር ፍቕሪ ወናኒት ክብሪ መፍትሕ ሓብሪ ሰላምኪ ክዛሪ
ካብ ሃመማ ማዓር ዝጽበ ንሃመማ ዘይፈልጥ ጥራሕ'ዩ! ============••••••••••••=========== ካብ ዝጠፈሹ ዝነደዩ ብሕማም ኣውራጃ ዝጨቀዩ ሃሱሳት ዑሱባት ዝኾረዩ ካብዚኣቶም እንታይ ትጸበዩ፧ ዋላ ሓንቲ! እወ ኣይንጸበን ክንዲ ጣፍ ትዅን ክንዲ ኣድሪ ዝደቐቐት ኣብዛ ዓለም ምድሪ ባዶ'ዮም ጥርሖም ቁምነገር ዘይብሎም ክንዮ ኣፍንጮኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩ ተላእኽቲ ንኸብዶም ዝጎዩ ብደንጎላ ፍትሒ ዘናድዩ ሓኽሊ ድሙ ፈጺሞም ዘይዓብዩ በላዕ ውዳቕ ብላሽ ዝነደዩ መልክዕ ሃገር ዘይሕብሩ ዝለኽዩ ስዉእ ጂግና ኣይፈልጦን'የ ዝብሉ ዉዱቓት'ዮም ክሓድቲ ጥረ ዘይበሰሉ ብርግጽ! በትሪ ዘርጊ ኣባይ ዘገልግሉ ጸረ-ሰላም ከም ኣድጊ ዝሃሉ ተስፋ-ኣልቦ ራኢ ዝተሓርሙ ጸገም ልምዓት ዕንቅፋት ኣብ ኩሉ ብላሽ ፍጥረት ኣይረብሑ ኣይጠቕሙ
ጉድ ረኺብና! ======== ኤሩ ጉድ ረኺብና በዛ ወዛል ጎሬበትና ኢትዮጵያ ዝብልዋ ቆለ ወራር ዘለዋ ዝገበርና ዘይብልና ሰላም ድቃስ ሲኢና ዕምሪ መዋእልና ኣብ ገዛእ ሃገርና ወትሩ ጥሓርናኩም መጻና ኣጥፋእናኩም ክብሉና እናሻዕ ተረባረብ ኮይኑ መዋእል ኣቓውጺሩ 'ቲ መሬት ባሕርና ማዕድን ጸጋና ከይሓፈሩ ናትና'ዩ ይብሉና ግና ንሃገርና ንኽብርና ንነጻነት ንመሰልና ንምክቶም ሓደ ኰና እወ ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ ተቓሊስና መኪትናዮም ሓደ ኰና ሲዒርናዮም ኣይተማህሩን ጎርቤትና ምውራድ ኣብዮም ካብ ርእስና ይቕጽሉ 'ቲ ፈኸራ እቲ ዘራፍ እቲ ጉራ እንተ ንሕና ከም ትማሊ ከም ቀደምና ኣብ መሬትና ኣብ ባሕርና ከም ንስዕሮም ሓደ ኰና ምስክር'ዩ 'ቲ ታሪኽና
ልኡኽ ገናዞ ======= ቆልዓ በሻሻ ትኳዕ ወያነ መትከል ዘይብሉ ጉዕ ዘይበሰለ ወረጃ ይመስል እንተመደረ ጣልማይ ሸቓጢ ዘይእመን ግብሩ ሕማቕ መራሒ እንዶ ዘይብሉ ህዝቡ ዘናቝት ከንውሕ ዕምሩ ታሪኽ ሃገሩ ዘይገናጸለ ኣብ ጽዊጽዋይ ዝኣምን ዕነ ንጉስ'የ ይብል ሕፍር ከይበለ ስሱዕ ጒሒላ ኣብ ከባቢና ዘይበልየሉ 'ቲ ዓመጽ ጉራ ሓሊሙ ዓሰብ ናቱ ክገብራ ዝገርም'ዩ! ሃላሊ ወደል ዕባይ ድርጎኛ ክልተ ልሳኑ ንፋስ ፍሕኛ ልኡኽ ገናዞ ኣብዚ ዞባና 'ቲ ሕሉፍ ስዕረት ኣብ ኤሩ መሬት ቅያ ጂግንነት ዝተፈጸመ ኩሉ ረሲዕካ እንተፈቲንካ ዶብና ሰጊርካ ኣብኣ ትረኽባ ስዕረት ጸበባ ከም ወለድኻ 'ቶም ደገፍትኻ
ነብስኻ ምኽኣል ========== ኤርትራ፡ ቀደም'ያ ወሲና ኣጽኒዓ መርሚራ ንህዝባ ሚሂራ ክሰርሕ ክጽዕር ብነብሱ ክሓድር ምጽወታ ክጽይን እወ ነብስኻ ምኽኣል ምጽወታ ምጽያን ኵርዓት'ዩ ክብሪ ኣብዛ ዓለም ምድሪ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ምኽንያቱ፥ "ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ" "ሃበኒ ህበይ ይገብር" "ስራሕ የብልዕ ነጻነት የዅርዕ" እኳ ተባሂሉ ቀደም ተመሲሉ ስለዚ ሓርኮትኮት ምባል ምብልሓት ምጽዓር ነብስኻ ምኽኣል ዋላ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ምስቲ ውግእ ጨካን ኣብ መሬት ኤርትራ ኣዐዊቱ እንድዩ ሰውራ ነብስኻ ምኻል፡ "ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ" ብመድፍዑ ብታንኩ ሃገር እንድዩ ኣውሒሱ ዲጋታት ሃኒጹ ዝብላዕ ኣውሒሱ "ገናዞ" ኣልጊሱ
ተናቓኒቑ ===== ስርዓት ኣመሪካ ከምቲ ዝነበሮ ነዊሕ ዝሰጎሞ ዝተጓዕዞ ዝሃለሎ ኣይከኣለን ክቕጽል ክጎዪ ክዕንድር Stutas quo ኣብቂዑ ቆንቊኑ ኣብሪኹ ተናቓኒቑ ካብ ዉሽጡ ካብ ስሩ ካብ ዓንዱ ማእከሉ ኢኮኖሚ ደኺሙ ብዕዳ ማህሚኑ ብቻይና ተቐዲሙ እንሆ ከስተውዕል ጀሚሩ ክፍተሽ ጸገሙ ሓጥያቱ ሕማሙ ህዝቢ ተሻቒሉ ዓለም ፍዝዝ ኢሉ ፈሪሑ ሳዕቤኑ ብርዒ ትራምፒ ፍርዳ ዘይትአናሕሲ ከተወዝል ድያ ከተጽሪ ክትሓላልኽ ከተዐሪ እንሆ ጀሚራ ስራሓ ብዘይምሕር ብልሓ ብርዒ ተሐጕስ ኣላ ተኾሪ ተነድር ተንብዕ ተጸሊ ተውርድ ተደይብ ብመደብ ብሃውሪ
ኣይትተንክፍዋ ========= ጂግንነት ተውፋይነት ጽንዓት ትኩርነት ሓልዮት ብጻይነት ትብዓት ቆራጽነት ኤርትራዊ ሕላገት! እወ ብደም ዝጠጠዐ ሂወት ዝበለዐ ናይ ኣሽሓት ልግዐ ብርግጽ! ኤርትራ ሃገር እንኪሒራ ሓቂ ማዕተባ ኣብ ስምረት ሓይላ ትኵርቲ ሃገር ዘይትደናገር ናይ ዜጋ ሓበን እሞ ብኽብረትኩም ሕልና ተለኩም ኣይትተንክፍዋ ክብሪ ኣለዋ ዘይትመን ክብሪ ብሰብ መዳሪ ኣብነት'ያ ተስፋ ወናኒት ሂወታ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዝኾነ ክትኣምኑ ክትክሕዱ ኤርትራ ኪዱ ሪኢኹም ፍረዱ ተባህለ ወግዱ
======================= ግዜ ብግዜ ክትካእ ብህድኣት ብዋዕዋዕ ትራምፕ ወሊዱ ዝውስን ድልየቱ ተግባሩ ቃላቱ መንፈሱ እምነቱ ንዓለም ዘርዕዱ ሰላም ዝብሕጉጉ ካብ ስሩ ካብ ጉንዱ ቁሩብ ከይትጓዕዘ ወርሒ ከይረገጸ ዜጋታት ረቡሹ ብቡርዑ ብድምጹ ክንጸልእ ክንፈቱ ወጊሑ ጸልሚቱ ኣብ ትሕቲ ትራምፕ ነዊሕ'ዩ 'ቲ ጉዕዞ ዓመታት ዝተርፎ ክንሺገር ክንቅዞ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ኣብ ዓለም ብኹላ መጠንቀቕታ ዘይብሉ እቲ ገንዘብ እኽሉ ሃንደበት ደው ኢሉ ድኻ ደንጽይዎ ዝብሎ ሓርቢትዎ ይብል ኣሎ እዝግዮ ክጥዕሞ ክርህዎ
"...ኣብታ ነዋሕ መንገዲ" ============== ሻዕብያን ወያነን ማንቲለን ጎብየን ከዳምን ሰብስረን ኤርትራን መቐለን ገጢሞም ኣብታ "ነዋሕ መንገዲ" ኣንጻር ዓመጽ ፍትሒ መን ይስዕር ረጊጹ ኣብ ሓቂ ግዜ ተዓዚሩ 'ቲ ህልኽ ቀጺሉ ተረባረብ ኮይኑ ዓራቒ ኣይተረኽበን መንጎኛ ዝእመን ብሕጊ ዝምእዘን ግና ድሕሪ ነዊሕ ርብርብ ሻዕብያ ዘዐግብ ወያነ ላህሊሁ ሲሪኡ ፈቲሑ ተደሲቑ ሒቜኡ እወ ወያነ ከዳሚ ዘይብሉ ትልሚ መይቱ ፋሕፋሕ ኢሉ ኣትዩ መቓብሩ መምለሲ ዘይብሉ ፍንጭራዕ ወያነ ጠገለ ዝስኣነ እኽቲሙ ብግዜ እታ ነዋሕ መንገዲ ዝኸድዋ ሰብ ሓቂ ኣይወዳኣን ዓማጺ ወያነ 'ዚ ቊንጪ ሻዕብያ ኣይተኻእለን ዓቕሊ ኣየጽበበን ሲዒርዎ ሸርሒ ምዕራባዊ ጕርሒ መዝማዚ ፈንጣሒ