Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Apr 24, 2024 2:49 AM
108.45.183.178
ክዕቅቦ'የ
======
ደንቆሮ ኣይኮንኩን ዘይፈልጥ ጥቕመይ
ኣሕሊፉ ዝምጡ ንመሰለይ ክብረይ
ኣብ ደገ ይሃሉ ኣብ ውሽጢ ሃገረይ

ክብሪ ኤረና ክብርታት ህዝቢ
ሂወት 'ተኸፍሎ ኣሽሓት ፍሊ 
ምርኻስ ታሪኽ ገበን'ዩ ነውሪ

እወ

ጉዕዞ ሰውራ 'ቲ ኣገራሚ
ግዜ ሓሊፉ ዘይሃስስ ገድሊ
ንወለዶታት ፍጹም ዘይበሊ
ከም ብርሃን ጸሓይ ዘይቅይር ሕብሪ

ታሪኽ ምዑታት ታሪኽ ሰብ ዓቕሊ
ኣብ ዉዑይ ዝሑል ፈጸምቲ ሕድሪ
ቅያ ውዕለኦም ወርትግ ነባሪ
ክዕቅቦ'የ ኣብ ሰላም ወጥሪ
ስእለ
Apr 17, 2024 3:06 PM
172.58.245.34
ንሓያል ሓያል ኣለዎ
===========
ሕጂ ግርም!
ክትርኢ፡ 
ትዕቢተኛ ክድሰቕ ክሓፍር
ከይደቀሰ ብደዉ ክብህርር
ሕጊ ዓለም ክኣምን ክኽብር።

ሰማዩ ተጣሒሱ
መሬት ትሓሪሱ
ኣነነት ፈሪሱ

ጻዕዳ ገዛ ኣሚኑ
ብትዕቢት ሰኺሩ
ሕጊ ዕሺሽ ኢሉ
ህዝቢ ዝበደለ
ኣሽሓት ዘህጠመ
ሪኢናዮ ኣብ ዓለም
ክዋረድ ክድፈር
ክልተሳዕ ክሓስብ ክበራበር።
***********************
መቐሬት ሂወት ክድራዕ
ኩሉ ብሕጊ ይገዛእ 
ይእመን ምምልላእ
ስእለ
Apr 12, 2024 8:57 PM
108.45.183.178
ኣይስኣኑ
=====
ዓንጃል ዘይብላ ዓለም
"ኣይጽቡቕን"
ካብ ስሓቕ ትዅነን

ስለዚ
ኣይብዝሑ'ምበር ይሃልዉ
ፍሽኽ ዘብሉ ዘገርሙ
ከም በዓል ንሳ/ንሱ ገዋኑ
ኣፎም ዝሃቦም ዝምድሩ

ስእለ
Apr 8, 2024 9:16 PM
108.45.183.178
ኣቦ ራኢ
=====
እቲ ትብዓት እቲ ሓቦ
እቲ ብልሒ እትብህጎ
ዓቕሊ ጽንዓት ዝወለዶ
ሲዒርዎም ተሃንዳዶ
ጸረ-ሰላም በጋሚንዶ

ንጥፍኣትና ዝሓበሩ
ኩሉ ክፋእ ዝመኸሩ
ሲዒርካዮም ሓደ ኰንካ
ህዝቢ ኤረይ ኣሐቢንካ
ንበር ኢሉ መሪቑካ

እወ

ዕጡቕ ስረ ጎይታ ሓቂ
መትከላዊ ካብ ሰብ ወርቂ
ንበር ክበር ጸሓይ በርቂ

እሙን ቃሉ ወዲ ህዝቢ
ወዲ እዝጊሄር ወዲ ረቢ
ፈታው ስራሕ ጻጸ ንህቢ

ዘይትርበሽ ኣብቲ ወጥሪ
ጸላኢኻ ክፉእ ግብሪ
እቲ ወሽላኽ 'ቲ ዓጣሪ
ሃሱስ ትዃን መጋበሪ

ኣቦ ራኢ  ፈታው ህዝቡ
ፍቓድ ኣምላኽ እንተኾይኑ
ንበረልና ንሓዋሩ
ምስ ብጾትካ ምስ ጀጋኑ
ንኤርትራ ዝማሓሉ
ሓፋሽ ህዝቢ ከገልግሉ

ጽንዓትኩም'ዩ ፍረ ሂቡ
ሃገር ሕድሪ ቀጥ ኣቢሉ
ኣብ ዓልምና ስማ ኣግኒኑ
ስእለ
Apr 4, 2024 5:54 PM
172.58.191.38
ሓቂ መራር
=======
ኣቱም፡
ኣይትጻረፉ ትብሉ
ትውርዝዩ ትምድሩ
ኣበይ'ዩ 'ቲ ጌጋ ኣበሩ፧

ንሌባ ቍጥሚ
ሰራቒ መላዓሊ
ሸፋጢ ጓሓሊ....

ንወሽላኽ ሓሳዊ
ጸረ-ሓቂ ወቃሪ
ዘይኮነ ኣላሚ
ሰነፍ መታለሊ
ቆልማጽ ኣድሓርሓሪ
ወረኛ ዓጣሪ....

እንተበልካዮ፡
ልክዑ ዶ ኣይኮነን
ኣይዓብዮ ኣይንእሶ
ኣይገፍሖ ኣይጸቦ
መን ምዃኑ ዝገልጾ፧

ነውሪ የብሉን ክፋእ
ንኹሉ 
ብሕብሩ መልክዑ ምጽዋዕ።
ስእለ
Apr 4, 2024 3:26 PM
172.58.188.102
ኣቱም፡
ኣይትጻረፉ ትብሉ
ትውርዝዩ ትምድሩ
ኣበይ'ዩ 'ቲ ጌጋ ኣበሩ፧

ንሌባ ቍጥሚ
ሰራቒ መላዓሊ
ሸፋጢ ጓሓሊ....

ንወሽላኽ ሓሳዊ
ጸረ-ሓቂ ወቃሪ
ዘይኮነ ኣላሚ
ሰነፍ መታለሊ
ቆልማጽ ኣድሓርሓሪ
ወረኛ ዓፋሪ....

እንተበልካዮ፡
ልክዑ ዶ ኣይኮነን
ኣይዓብዮ ኣይንእሶ
ኣይገፍሖ ኣይጸቦ
መን ምዃኑ ዝገልጾ፧
ስእለ
Mar 27, 2024 10:55 PM
108.45.183.178
ፈትሽዎ 'ቲ ጸገሙ
===========
ርኣይዎ
ኣምብብዎ
ነዚ ቆልዓ ንኡስ ዕድመ
ገና ጭልቅዕ ዘይበሰለ
ተመኩሮ ዘይደለበ
ሰነድ ታሪኽ ዘየምበበ
ብህጻኑ ዝኾብለለ
ዝዓበደ ዝሓመመ
ጸቢብ ርእሲ ዝዓወነ
ምስቲ ሰያብ ተጸለለ
የውሪ'ሎ ዘይተገብረ
ዘይተባህለ ዘይተዘርበ
ተመሊኡ ብወያነ
ብሃሱሳት ዕነምነ
ኩሉ ግብሮም ተፈንፈነ

ዝገርም'ዩ!

መሲልዎ ዝፈለጠ
ነዛ ዓለም ዝጨበጠ
ተጨደረ ተሃውተተ
ኣብ ሚድያ ተጓጠጠ

ዓሻ ወደል መጉሃይ ሰቡ
ገበነኛ ዝወጸሉ
ሰብ ይብድል ዘይበደሉ
እምኒ ይስንዱ ተገቲሩ
ኣንጻር ሕጊ ትሓፍረሉ
መሲልዎ ዘምሕረሉ

ደንግጽሉ ጸልይሉ
ምኸርዎ ሕለይሉ
ፈትሽዎ 'ቲ ጸገሙ
ገለ ምሕረት ተውረደሉ
ዜጋና'ዩ መልክዕ ሕብሩ

ስእለ
Mar 25, 2024 4:08 PM
172.56.3.186
ስደት
====
ናብራ ስደት ኣሽሓት ዘምብዐ
ወርትግ ስቓይ ተባላዒ ኣምዐ
ዝመረካ ግዜ ምስ ነወሐ

ክብሪ ዜጋ ዝጨዊ ዝነፍግ
ኣብ ሰንፈላል ዘብሊ ዘእርግ
ዘእትወልካ ሂወትካ ዝርግርግ

ቴንዳ UNHCR ኣየምውቕ ኣየዕቅል
ስንቂ መቝነኑ ኣየጽግብ ኣየህጥር
ሓገዙ ደገፉ ይትረፈና'ዩ ዘብል

ሂወት ስደት ጸላኢና ይምበሮ
ወትሩ ምዩቕ ፍርሒ ዝዓብለሎ
ቅሱን ሂወት ሓጎስ ዝጎደሎ

እታ ጸሓይ ትዓርብ ትበርቕ
ጉዕዞ ስደት ሕልናኻ ይጽንቅቕ
ዘየሕብን ክትጸውዮ ዘሐርቕ

ግዜ ስደት  -
ክድመር ድዩ ክቝጸር ኣብ ዕድመይ
ዝደወነ ተስፋ መጻእየይ፧
 
ኣይፈቕዶን እባ ይኸውን!

ይኣምን'የ 'ቲ ልኡል ኣምላኸይ 
 ዕምሪ ሂቡ ክድብሶ ልበይ
ስእለ
Mar 16, 2024 11:15 PM
108.45.183.178
ገርዛማት
======
ወይ ድርቅና
ፈጣጥ ድንቍርና
ዘይብሉ መዘና
ናይዞም ዑናሙና

ልኡኻት ጥፍኣት
ፈልሲ ግብዛት
ዘይብሎም ብቕዓት

መጺኦሙና፡
ብኤርትራውነት 
መንነት ዜግነት
ክቡር ልእላውነት
ክብርዙ -
ድሙቕ ህላዌና
'ተዓቀበ - 
ብደም መስዋእትና

'ታይ ዝበለ ርእሲ ቀልቢ ዝተሓርሞም
ብላሽ ፍጥረት መጻኢ ዘይብሎም
ዘይሓስቡ ዘይርእዩ ኣዚሮም

እወ

ጸረ-ሰላም ስደት ዝበደሎም
ደቂ ጭፍራ  ዝተዋጃበሮም
ዝጻወቱ ብሂወት ዕድሎም  
 
ኣእዱግ ንሓመድኦም ኩሎም ዝዓበዱ
ዝገብርዎ ፍጹም ዘይፈልጡ
ተኣኪቦም ጉድጓዶም ዝዅዕቱ

ክንዲ ምምሃር ሂወት ምምሕያሽ
ንምዕባለ ሓቢርካ ምቅላስ
'ታይ ፍሪኡ
'ታይ ረብሕኡ
ጽልኢ ባእሲ ብመደብ ምዅስኳስ፧
ስእለ
Mar 8, 2024 1:46 PM
108.45.183.178
ኣውራ መንጉዳ 
========
ጓል ኤረይ፡
እስኺ ኣደ - እስኺ ሓፍቲ
እስኺ ኣሚን - እስኺ ብጸይቲ
እስኺ ልግሲ - እስኺ ስንቂ
እስኺ ሓልዮት - እስኺ ፍቕሪ
እስኺ ብርሃን - እስኺ ክብሪ
ጐይታ መኸተ ዘይትድሃሊ

እወ

እስኺ ሓቦ - እስኺ ዕጥቂ
እስኺ ታሪኽ - እስኺ ሓቂ
እስኺ ጅግና - ዘይትህመሊ
ዕጥቕቲ ስረ - ታሪኽ መስካሪ

ጓል’ዞም ጀጋኑ ጓል ምድረ-ባሕሪ
ብረታ ተልዕል ነቲ ወራሪ 
ንዳግመ ህንጻ ንጉሆ ትወፍሪ
ኣብ ጸገም ራህዋ ኤረና ትብሊ
ክብሪ ንዓኺ ብሰማይ ምድሪ

ሃገርይ ኢልኪ - ዓወት ተግዝሚ
ኩርዓት ወገና - ሓብሓቢት ባህሊ
ቅዱስ ማህጸና - ሃብሮም ትፈሪ
ፈታዊት ስራሕ - ወትሩ ኣብ ጻዕሪ

እወ እስኺ
ጎይታ መኸተ - ኣጆና ትብሊ
ጽኑዕ ቅናታ ዘይትሕበሊ
ኣውራ መንጉዳ - ኣብ ሰላም ወጥሪ
ምሳኺ ይዅን እቲ ፈጣሪ
ሕሰም መከራ መታን ክበሊ
ስእለ
Feb 29, 2024 6:25 PM
148.184.174.62
ስደት ዝበደሎ
===00===
ኣየ ዘበን ሩቡጽ እዋን
ዝበዘሖ ሃሱስ ዓዋን
ኣንጻር ክብሩ ኣንጻር ሰላም

እወ

ሕማቕ ግዜ ደብዛዝ እዋን
ኩሉ ይብል ኣነ ለባም
ዘይከኣለ ጠባይ ምግባር

ዘየስተውዕል ቀልቡ ባዶ
ስነ-ስርዓት ዝወሓዶ
ዓቕሊ እንጣጢዕ ቀጥዒ-ኣልቦ

ከይብሉኒ ዝረሰዐ
ተጃሃሪ ቀዳድ ሚሐ
ኣድገ በቕሊ ዘይተገርሐ

ሕሱር ፍጥረት ፓፓጋሎ
ደጋም ቃላት ዝተባህሎ
ዝጸልመቶ ቀትሪ ከሎ

ኣጎናይ

ውዕሎ ጂግና ዘየኽብር
ክብሪ ሃገር ዝዘናጥል
ሰብ ክትብሎ ዘጠራጥር

ቀይዲ-በተኽ ዓቕሊ ሽሮ
መንደረጋሕ ዓንደረቦ
ሕጊ ስርዓት ዘይስቆሮ

ብደንጎላ ብጭኳሮ
በቲ ዱላ ብማርቴሎ
ሰብ ዝብድል ዘይበደሎ

ፍትሒ እንዳበለ ንፍትሒ ዝቐትል
ቀይዲ-በተኽ ፋሉል ከም ኣድጊ ዝሃልል
ስደት ዝበደሎ ኣብ ጫካ ዝነብር

እሞ
ነዝስ እንታይ ትብሎ
ሰብዶ ኣጎናይ ትቖጽሮ
ወይስ
ጻህያይ ሕብረትሰብ ኣበሳ መንሽሮ፧
ስእለ
Feb 22, 2024 3:41 PM
172.58.242.119
ታይ'ዩ ዕላማኻ፧
===========
ማይክ ሃመር ዝብሉኻ
ልኡኽ ኣመሪካ
'ታይ'ዩ ዕላማኻ፧

ምልስ ምልስ መቐለ
ሕግብግብ ምስ ወያነ
እንታይ ዝዓለመ፧

ሂወት ወይን ንምስኳዕ
ዕርቂ ሰላም ንምምጻእ
ወይስ
ሰላም ዞባ ምንጋዕ፧

መንዩ ትብል፧
መንግስቲ ኢትዮጲያ
ዘካይድ ጉዳያ
ብስርዓት ብሞያ፧

'ቲ ቆልዓ በሻሻ
ወያነ ሬሳ
ወይስ
እስኻ ኢኻ ቀሻ
ትሃንጻ ተፍርሳ፧

ተዛረብ!
ክፈልጥ ኩሉ ሰብ

እወ መን'ዩ፧
ኣዛዚ ፈጻሚ
ተንኮል ጥፍኣት ኣላሚ
ዘቃትል ዘሎ ዘዳሚ፧

እስኻ 
ወይስ
ልኡኻት ከማኻ
ስሱዓት ሰብ ረብሓ፧

ትፈልጥዶ
እስኻ ዘይብሉ
'ቲ መሬቱ ባሕሩ
ሞት
ዕንወት
ባእሲ
ዕልዋ መንግስቲ ...
ከም ዘይብሉ
ይነብር
ጸጥ ኢል፧

መይትካ ትሕተተሉ
ጉቦ ዘይትበሉ
ሓቂ ትኸብረሉ
ቤት ፍርዲ እንተልዩ
እስኻ
ፍርድኻ
ዕጫኻ
ግሃነም'ዩ ስፍራኻ
'ተኾነነ 
ብሰብ ፈጣሪኻ

ስእለ
Feb 20, 2024 1:56 PM
172.58.242.80
ሕልሚ ወያነ - ዕብዳንዶ ዓሻ ሃቐነ፧
=====================
ልኡኽ ጸላኢ
ዘይብሉ ራኢ
መዲሩ
ዓው ኢሉ ጨዲሩ
'ቲ ዝሓልሞ ኩሉ
ኤርትራውነት ከዐኑ

እወ
ኤርትራውነት ሃገራውነት
ኤርትራውነት ዜግነት
እቲ ሓርበኝነት
ትብዓት ቆራጽነት
ንሃገሩ ህዝቡ 
ንመሬቱ ባሕሩ
ዝኸፈሎ ኩሉ
ጸላኢና'ዩ ኢልዎ
ንሞት ፈሪድዎ

ወያነ
ጸረ-ሰላም መንቀኛ
ነውራም ገበነኛ
ተመንዩ ጥፍኣትና

ብሓሶት ዝቝዝም
ቃላቱ ዘይእሩም
ክትሰምዖ ዘርምም

ነውራም!

ኣብ ጥፍኣትና ክስስን
ክዕምብብ ክግብል
ዘይኮኖ ይዝምር

ጭፍራ፡
ኣብ ባዶ ዝምካሕ
ጸረ-ሲኒት ኩርኳሕ
 ፋልሶ ጭራሕ-ምራሕ

ዝስረቕ ሰሪቑ
ምልዮናት ኣህሊቑ
ህዝቢ ትግራይ
ኣብ ስቓይ ኣውዲቑ

ብርግጽ!

ወያነ
ግዳይ ጽውጽዋይ
ዘይጭበጥ ሓላማይ
ሓሳድ ተቛማራይ

ህዝቢ ትግራይ ንቓሕ
ተቛወም
ንወያነ ኣይትፍራሕ
ጸገምካ ክፍታሕ

ጸላኢኻ ኣለሊ
ኩን 
ለባም መስተውዓሊ
ብሰላም ክትነብር
ጎረቤትካ ኣፍቅር
  
እንተ ንሕና 
ንሰላም ክብርና
ኤርትራውነትና
ክንምክት ኢና 
ሓደ ኣካል ኰና
ስእለ
Feb 14, 2024 5:05 PM
172.58.242.228
ኣምስሉ መራሒ
===*****===
'ታይ ይብል ኣሎ ቆልዓ በሻሻ
ሓድሽ ከዳሚ ኣምስሉ ዋጣ
ቡዙሕ ዝዛረብ ዘይለባም ዓሻ፧

የብዝሕ ኣሎ ዘረባ ዓውዓው
መእሰሪ-ኣልቦ ዘይብሉ መጽዓን
ሰላም ዝኸልእ ዓዳሚ ጸላም

ሕልሚ ተንኮሉ
መልሓሱ ግብሩ 
ወያነ ባህሩ

ውላድ በሻሻ ዘይብሉ ጣቋ
መደናገሪ ዓቕሙ ዘይፈልጣ
ክሓዲ ሓቂ ናይ ህዝቡ ዕዳ

ታሪኽ ክዝንጥል ሕፍር ዘይብል
ዘይናቱ ይምነ ባሕሪ ይዝምር 
ኣፉ ከፊቱ ሃቡኒ ይብል

ክዛረብ ሓምየን
ኣምስሉ ተመን
ፍጹም ዘይእመን

ህዝቢ ኢትዮጲያ ዘይተዓደለ
ወትሩ ኣብ ኲናት ዘይብሉ ፍረ
ስቓይ የሐልፍ ራህዋ ክምነ

እወ

ይነብር ኣሎ ፍትሒ እንዳበለ
ሰላም ቅሳነት እንዳሓለም
መራሕቱ ደቁ እንዳረገመ

ኩሎም መራሕቲ
ሓደ ካብ ሓደ ዘይሕሹ ዕነ
ነጋውስ ሓሶት ዓመጽ ጠቐነ
ልኡኻት ባዕዲ ብጥረምረ

ኣብ ወራር ኲናት ህዝቦም ሸሚሞም
ለሚንካ ምምባር ገረሞ ባህሎም
ለኪሞሙና ራኢ ዘይብሎም
ስእለ
Feb 12, 2024 8:15 PM
108.45.183.178
ሃገረይ
****
ኤሩ ማዓረይ
ኵርዓተይ ክብረይ
ተስፋ መጻእየይ
"Wrong or right"
ወርትግ ኣብ ልበይ

ይምጥወኪ 
ኣይበቀልክን
እታ ሂወተይ
ሩሖይ ትንፋሰይ

እስኺ እንዲኺ
ክብሪ መንነተይ
መልክዐይ ሕብረይ
ኵርዓት ሓበነይ

ኤሩ!

ጸሓይ ብርሃን ኢኺ
ከም ኮኾብ ድምቕቲ
ዕንቊ ባሕሪ! 
ኩሉ ዝሃርፈኪ

ትማሊ ሎሚ
ብጽሓይ ቀትሪ
ኣብ በረኻ ባሕሪ
ጸልማት ዓይኒ ኣንቍሪ
ከርተት ዝበልኩ
ሕሰም ዝጸርኩ
ኣካለይ ዘጕደልኩ
ደመይ ዘፍሰስኩ
ዝተሰዋእኩ
ንዓኺ እንድዩ ነሩ
ኣንቲ ሽኮር ኤሩ

እወ
ትሽዓተ ሕብረይ
እስኺ
ስምቡኦይ ልበይ
ምስቀል ታቦተይ
ገዳም መስጊደይ
ዓቃቢት ክብረይ

እሞ
ኤሩ ወለላይ
ማዓር ጺጌናይ
ሰላም ኩንለይ
ሸማሕ በልለይ
ክቐስን ልበይ

ንሱ'ዩ ድልየተይ
‘ቲ ባህጊ ትምኒተይ
ከምቶም ኣቦታተይ
ጀጋኑ ኣዴታተይ
ኣሕዋት ኣሓተይ
ስእለ
Feb 8, 2024 9:25 PM
108.45.183.178
ኣድሓ
=*=
ሓባ ዓጽሙ
ሓቂ ቅልጽሙ
ዕጥቁ ማዕተቡ
መልክዑ ሕብሩ
ዓመጽ ስዒሩ

ዕሱብ ሃስሱ
ሽዩጥ መንፈሱ
ክሓዲ ኩሉ
ኢዱ ኣረኪቡ
ክሳዱ ኣድኒኑ
ንሻረኽ ኢሉ

ሓቂ መትከሉ
ህዝቡ ጽላሉ
ኵርዓት ሓበኑ
ዓለም ኣእሚኑ
ዋዕዋዕ ዘይብሉ

እቲ ወሽላኽ ‘ቲ ሓሳዊ
ግዙእ ረብሓ መታለሊ
ተሳዒሩ ብዘይክብሪ
ስእለ
Feb 7, 2024 1:29 PM
108.45.183.178
ስሪሒት ፈንቅል
==***==
ፈንቅል
ባዕዲ ዝፈንቀለ
ዕድሚኡ ዘሕጸረ
ከምዛ ዘይነበረ
ኣብ ወደብ ሃገርና
ሉል ባጽዕ ስማ

ግጥም ጻጸ ሓርማዝ
ዳዊት ምስ ጎልያድ
ብርሃን ገሩ ጸልማት
ኤርትራዊ ንያት

እወ

ታሪኽ ተፈጺሙ
ብሙዑታት ጀጋኑ
ሃገሮም ዘፍቅሩ

ክዝከር ዝነብር
ዘዅርዕ ዘሐብን
ወታሃደራዊ ግጥም

ፈንቅል
ዝነግር ዝሕብር
ጽንዓት ኤርትራዊ
ናይ ልቡ ገባሪ
ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ
ስእለ
Feb 6, 2024 7:56 PM
108.45.183.178
ካብ ሰብ ጨካናት
===00===
ኣመሪካ ዝመራሒቶም
ምዕራባውያን ኩሎም
ብሰብኣዊ መሰል
ዲሞክራሲ ጸብለል
ክዛረቡ ከዕልሉ
ተጣበቕቲ ኢና ክብሉ
ሞራላዊ ብቕዓት
ሕልናዊ ንቕሓት
ፍጹም የብሎምን
ክምድሩ ኣይክእሉን

ዓይኖም የዐሚቶም
ሕልንኦም ሸይጦም
ህዝቢ እንዳሃለቐ
ብጥይት ኣድራጋ
ብናይ ታንኪ ቦምባ
ኣብ ፍልስጢአም ቃዛ
ስቕ ኢሎም ይርእዩ
ብግህዶ ይዘርዩ

ጨካናት’ዮም ካብ ሰብ
ክትኣምኖ ዘይሕሰብ
ዝርአ ኣብ መሬት
ጸረ-ሰላም ዕብየት
ተጻባኢ ፍጥረት
ስእለ
Feb 5, 2024 2:58 PM
108.45.183.178

ልእኽቲ ጥፍኣት
===//===
እዛ ጭፍራ
ልሙስ ኣካላ
ባዶ ሓንጎላ
ክብሪ ዘይብላ
'ታይ ትብል ኣላ፧

ሓሳድ ከዳሚት
መሰረት ትዒቢት
መንቀላወጢት

ንስልጣን ከብዳ
ትህብ ክብረታ
ሕስሪት ጃንዳ

ጭፍራ፡
ዘይብላ እንዶ
ሕልና ኣልቦ
መጋበርያ
ናይቶም ነጋዶ

ዓለም ክሕምበብ
ብፍልጠት ጥበብ
ወይን
ድሕሪት ትጉተት

ጽሊኢ ትጽሕትር
ሓሶት ትዅምር
ሓቂ ትቐብር

ልእኽቲ ጥፍኣት
ሕማም መንድዓት
ናይ ትግራይ ኣበር
ኣልቦ ቁምነገር

ስም ኤርትራ ትዝንጥል ኣላ
ስዕረት ትማሊ ኪሒዳ ቁስላ
ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘየምሕረላ

ኤርትራውነት
ሃገራውነት
ልእላውነት
ዜግነት
ሓድነት
ዝተርንዐ ብመስዋእትነት
ዝረገጸ!
ኣብ ድልዱል መሰረት
"ተመንያ"
ከተጥፍኦ ብዘይ ሕፍረት

ወጣም ደረቐኛ!
ዘይብላ ሕልና
ጭፍራ ኣስተውዕሊ!
ምትንካፍ ክብርና
ዋጋ ኣለዎ ዘይብሉ መዘና
Yonatan Math
Feb 2, 2024 3:12 PM
166.196.110.102

ትምህርቲ ት/ም

እቲ ጹቡቅ ነገሩ ንሕና ኤርትራዊያን ት/ም ንፈቱ ሰባት ኢና።

እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ት/ም፥ ኣፍረይትን ፈጠርትን ከምእዉን ሕልና ዘለና ተማሃሮ ክነፍርይ ኢና ንደሊ። ንምንታይ'ሲ ሃገርና ብልጽግትን ምዕብልትን ክትኮነልና ስለ ንደልይ።

ት/ም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዝተካ እለ መጠን መስተውዓልቲ ተማሃሮ ምፍራይ እዩ።

ነቲ ንማሃሮ ዘለና ት/ም እንተኮነ'ዉን ከነስተዉዕለሉ ዘለና ጥቅሙ ክንፈልጦ። ብሕልፊ እዚ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ (Mathematics) ት/ም። ምክንያቱ ነዚ ሕጂ ኣብ ቤት ት/ም ዝማሃር ዘል ዓይነት ኣቃርጻ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ 358 ዕድመ ጥራሕ ዘለዎ ኢዩ። ንሕና ክንፈልጦ ዘለና ግን ቅድሚ ኡ ዝነበረ ዓይነት ኣቃርጽ እዩ። መታን ክንፈጥርን ክንምህዝን ብዓቢ ኡ ድማ ጥቅሙ ክንፈልጦ።

Yonatan Math


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events