ኣይትህደሙ በዓል ስእለ ኣይትከወሉ ኣብ ሕብእ ዘለ ኢሎሞ ብእዝኑ ይልለ ክህደን ዝውዕል ማንቲለ ኣያኩም ሎምስ ፈንፊንኩም ዓሰርተ መልሓስ ኣዛሪብኩም ዘገርም ዘይምሕፋርኩም ካን ከም ማኪና ክጠዋውየኩም ቀደም ነጊርና ተዛሪብና ኣናፍራ ቆቃሕ ዝፈለጥና ዋላ ትንፈር ጤል ክትብሉና ከይተከሽሐ ኣልቦ ሕልና ማዕበል ምስ ነቀለ ኩሉ ምስ ኣስተብሃለ ዳስ ህግደፍ ምስ ዛሕተለ ይኣክል ኣብ ዓዲ ደበክ በለ ደጊም ፍርዲ ቀሪባ ቤት ማሕዩር ክዛረባ ጉድ ክወጽእ ሓቂ ክህባ ወዲ ከበደ ደም ዘንጠባ ሚኪኤል ይስሓቅ ዝደረባ ኣሲሩ ንኩላ ዘዛረባ ብግፍዒ ህዝበይ ዘረብረባ መህደሚ የለን ምስመጹ እንዳባ ፍርዲ ሓቂ ምስመጸት ብ ኢሰያስ ዝተጛዕጸጸት ብፍሊፖስ ዝመጸጸት ብጨካናት ዝ ተቃበጸት ፍትሒ ቀሪባ ኣላ ደጊም ይኣክል ኣብኩሉ ክልሕም ንሓዋሩ ከተብለኩም ህልም ህግደፍ ቀንጢጥና ኤረና ክንስልም
Many thanks Yonatan for your list of trees. I am sure they will be useful for every Eritrean who wants to green our country.
ኣይበልናን ዶ ዲዩ ዘለ ንቅሎ ተጀሚሩ ን መቀለ ጎብየ ብምንታይ ይልለ ብዝሕታለ እግሪ ዝሰንከለ ናፊቁ ሎምስ ዓደቦታቱ ንነዊሕ ክሕሱ ሃውቲቱ ከደናግር ነቶም መቃልስቱ ይራገም ነበረ ይሕሱ የዘንቱ ደጊም ኣከለ ክከይድ ደለ ሸውዓተ ልቡ ሕጂ ገንፈለ ኣዝማዱ ክስዕም ጸውዑኒ በለ ብወኪኩ ጌሩ ሰለይ ክብለ ንደቀባት ኤረ ኣህጢሙ ንንጹሃት ኣሲሩ ኣህዲሙ ንሃገርና ኩላ ኣባዲሙ ጨካን'ዩ ታ ዚ ሓክሊ ድሙ ኣይበልናን ዲና ብቀደሙ ከየውሓሰ ዶብ ዓድና ቀያሕቲ ከምዘይሃብና ረጊጹ መቃብር ስውኣትና ዓደቦ ሃሲሱ ከሕብረና እነሆ ይብገስ ክዋገየልና ትግራይ ትግሪኚ ሽም ክበና
ወያነ ጭፍራ ክፉእ መጋብራ ዘይትሓፍር ፌራ እንታይ'ያ ትብል ዘላ? "ኣዝማድ ኣሕዋት ኢና ኣግኣዝያን ኩልና" ወዳጀ ኣሽካዕላል ፖለቲካዊ ቁማር! ንብረትና ዘሚታ መሬትና ጎቢጣ ንሕጊ ረጊጻ መንእሰይ ኣጽኒታስ... ኣሕዋት ኣዝማድ ኢና? መስደመም! ዘይትምዕብል ጭፍራ ጥልመት ሕላገታ ክልተ መልሓሳ ናይ ትግራይ ኣበሳ ክትጽይቕ ዝሰልጣ ዘየብላ ጣቋ
Having said all that, I forgot to add my congratulations to Prime Minister Abiy. Not that he would read this message, but to acknowledge and express that as long as he is committed to peace with Eritrea, and as long he earns our government's trust and continues to work with him, I wish him success! I hope he succeeds in taming his country for the sake of all the people of the Horn of Africa. The challenges this region in particular and the continent of Africa in particular will be facing in extracting itself from poverty to the assert its dignity and equal standing among the people of the world is immense. Only the Weyane and their collaborating groups, be it Eritreans or Ethiopians fail to understand that!
Many comments and questions have arisen regarding PM Abiy Ahmed's award of the Nobel Peace Prize. Perhaps the most important came from those who asked, "The peace agreement between Eritrea and Ethiopia is a significant move, but it takes two to make peace and the relevant organization should have included our president! In fact it is Eritrea that extended its openness to peace by abiding by the treaty it has signed!'
That is absolutely TRUE! However, for the West, who have been denigrating President Isaias Afworki and along with him the whole nation for over 20 years, to the extent of effecting a regime change, to award him one of their most coveted prizes would have been extremely self-contradictory. It would have been tantamount to admitting their organization is contemptible and irrelevant. Would they do that? Absolutely not!
Fortunately for Eritrea, PIA does what he does for the principle of it and primarily for the benefit of his people. Not for recognition by the West nor anyone else. His unrelenting stand and efforts to elevate the region to cooperation and mutually beneficial advancement of the welfare of the Horn of Africa region's population makes him a statesman among everyone who is well informed. I personally wish him success in this endeavor for the region's sake.
The other question/comment goes like this: "PM Abiy is being awarded for doing what he is supposed to do. He doesn't deserve to be awarded." Some even have asked why Ethiopia and its leader should be rewarded for holding the region hostage for 20 years?
PM Abiy made a courageous decision by deciding to do the right thing. In a country where spoiled TPLF warlords have been cuddled and pampered by the West like babies, where as a consequence of the complacence of the West they have been able to pursue their creation of chaos for the sake of the realization of Abay Tigray, Abiy was a dream-buster! One can see that by how much their almost viral presence on the internet where they dish out countless of childish nonsense. The TPLF is still bent on creating havoc in the region! Their handy work will continue to manifest itself for decades to come.
Talking about pampering, remember when a British diplomat said that they begged them to leave Badime for they would build them another Badime? Unbelievable, isn't it?
ተጣዒሰ! ካብ ኣስመራ መቐለ ነፊጸ መሲሉኒ ደገ ኣፈፌቱ ኣውሮጳ ኣመሪካ ብሽዓ ዘአቱ ተረኣኹስ ረቂቕ ተንኮላቱ መሽጎራጒር ሂወትካ ዘስሕቱ ተስፋ-ኣልቦ ኮለል እትዋቱ ብወረ ብሓሶት ተናዊጸ ሸፊጡኒ 'ቲ ቅድም ዝኸደ "ተመዝጊበ" ኢሉኒ ዝጭበጥ ከይሓዘ ተንኮል ናይ ወየንቲ ከይፈልጠ መንእሰይ ኤርትራ ትማሊ ዘጽነተ ሓዲግ-መዲግ ካብ ኩሉ ዘትረፈ
ናብ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ትግደሱ ብሃገር ብህዝቢ፣ ምጥልላፍ የብቅዕ ምትሕንኳል ጸረ-ምዕባለ ድኽነት ምፍቃር መፍቶ ጒሒላ ዓይንኻ ምንቋር ዝሓበራ ጣንጡ ኣርቃይ የጸምብዓ ኢሂን-ሚሂን ይንገስ ንናይ ሓባር ረብሓ ድኽነት ከብቅዕ ክቕረፍ ብሽዓ ንውሽጢ ጠምቱ ንህዝብኹም ንጐረቤት ዝነብር ጥቓኹም ብቐረባ ዝሰምዕ ድምጽኹም ተኻፋሊ ሽግርኩም ራህዋኹም ካብ ሩሑቕ ዘመድ ቀረባ ጐረቤት ለባም ምስላ ኣማቲ ዕብየት ኣቕልቡሉ ከም ኤረይ ሓየት ብሓደ ስርሑ ንኹሉ ርውየት 'ቲ ሕሉፍ ጌጋ ይኹንኩም ሰነድ
ስሓቕ! እወ ክርትም ኢልካ ስሓቕ! ፍሽኽ በል ብዂርዓት 'ቲ ጽንዓትካ ሓጽን ልዓት 'ቲ ብልሕኻ ናይ ሙዑታት ሰባር ሕቖ ከም መንድዓት ካዕካዕ በል ተሓጐስ ዝለል ግዜኻ'ዩ ጎብለል ትንዕ ኢሎም ክሃርሙኻ ተሻሪኾም ክስዕሩኻ ተመንዮም ከልሙሱኻ ግና ሲዒርካዮም ብስሬኻ ብጽንዓትካ ምስ ህዝብኻ ሃዶሽ ኢሉ ዕርዲ ጥፍኣት ዕርዲ ሓሶት ናይ ከዳዓት ናይ ከደምቲ ዘይዉሩዙያት ቀቢርካዮም ንሓዋሩ ዝተረፉ ክመሃሩ ኣብ ቀጻሊ ወስ ከይብሉ
Pictures of the City of Keren (courtesy of G. Musa) show that most of the residences of the city are built on the planes while the hills are empty. My suggestion is that the city strive to make the hills parks. Plant on them indigenous trees and plants and others that make them attractive, and voila, you have an even more lovely city!
ጒዳም ጻህያይ! ዋላኻ ሽዕበት - ባዕኸል ግራትና ጻህያይ ኣብቊሉ ኣሸጊሩና ዓፈል ኳዂቶ ተጻቢኡና ዕንቅፋት ኮይኑ ንምዕብልና ኣጓናዲቡ ዕጽፊ እቶትና ሚሒኻ ኣይጸሪ ኣንዲድካ ሓዊ 'ተረግመ እሾኽ ጒልሕንጣ እኽሊ ዘይዕዱም ጻህያይ መደናገሪ ወጠምጠም ይብል ነብሱ ከላሊ ስርናይ ቀቲሉስ ንሱ ክፈሪ
ዘኪረ፣ ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ ጸልማት ከሎ ሽግር ሓንሳብ ዘየብሪ ሕማም፣ ጥምየት፣ ጽምኢ፣ ሂወት መንጣሊ ከልበትበት፣ ሸገርገርር ላዕሊ ታሕቲ ወርትግ ስደት ኲናት ማእሰርቲ ሎሚ ግን፣ ታሪኽ ኰይኑ በቒዐ ከማዕዱ መጻኢ ጽቡቕ ኤርትራ ምስ ህዝበይ ክርኢ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝሃነጾ ዲጋ፣ ሓጽቢ... መሰረት ምዕባለ ንራህዋ መንጠሪ እወ ረኣዩ'ዶ 'ቲ ሩሑቕ ቀረባ ጽርግያ ኣትይዎ ዓድና ጽሩይ ማይ ክንሰቲ ጀሚርና ሕክምና ትምሀርቲ ኰይኑ ጥቓና ጸልማት ሃዲሙ ልቺ ኣትዩልና ገረብ ጨብጪቡ ኣምሊሱ ዱርና 'ቲ ሓመድ ማይና ተዓቂቡልና እቶት በርኪቱ መሊኡ ኢድና
ሽመት ንዝሰርሑ፣ ሞሳ ንዝለፍዑ ሰብ ብብቕዓቱ ብኣተሓሳስባ ንቕሓቱ ሰብኣውነት ሓልየቱ ተወፋይነቱ... ዘለዎ ንህዝቡ ሃገሩ ንመሰሉ ክብሩ ሪኢኻ፡ ክሽየም ክምደብ ሓላፍነት ክርከብ ይግብእ ስለ ዝኾነ ኣብቲ ጸልማት እዋን ዋግ ዋጎ ብርሃን ምስ ሃገራ ህዝባ ብጾት መቓልስታ ዝመከተት ንኺሳ ሶፍያ'ያ ኣምበሳ Congratulations Sophia, and the best of luck!
ኣንታ 'ዞም ተጋሩ እንታይ ጉዶም ኣይድሓንን ሃተፍተፍ ኣብዚሖም ብኢቦላ ወይስ ብሕማም ኣእምሮ ተለኺፎም? ዘሐፍር'ዩ ክትሰምዖ ዘደንጹ ኲርኳሕ እዝኒ ታሪኽ ናይ ኣናጹ ደላይ ሓቂ ርእሱ ዘናውጹ ክንዲ ሰላም ንሓቅነት ምግጣም ጌጋታትካ ብትብዓት ምእራም እንታይ ኣምጽኦ ንታሪኽ ምጥማም? ዘይዉርዙያት ትብዓት ዝሰኣኑ ሰብ ቅጥፈት ንሓሶት ዝርዕሙ ካብ መዓስ'ዩ ትግራዋይ ኤርትራዊ ኮይኑ? ሃገራት ኣፍሪቃ ከመይ ድየን ቆይመን መግዛእታዊ ባዕዲ'ዶ ኣይኮነን እግረን ሱረን ብቛንቋ ብዓሌት መዓስ ተኸሊለን በጃኹም ተጋሩ ኣእምሮ ግበሩ እቲ ቁኑዕ ታሪኽ ተማሃሩ ዘየድሊ ጸገም ኣይትፍጠሩ ንሰላም ንራህዋ ኢድኩም ሃቡ መሬት ኤርትራ ግልል በሉ ብሕጊ ብስርዓት ተማእዘኑ ዘየድሊ ጓል ነገር ኣይትፍሓሩ ትንዕቑና ኢኹም ኣይትበሉ ዘንዕቕ ስራሕ ደው ኣብሉ መንገዲ ጥፍኣት ኣይትህለሉ ይኣክል ትማሊ ዘክሩ እቲ ዕንወት መዘዙ ሳዕቤኑ
ስእለ ዝዛረብ ማንቲለ ንምሕሳው ነዊሕ ዝኮልለ ዝዛረብ ዘይተገብረ ህዝቢ እንዳማረረ ንሱ ሓሶት ዝግዕረ ትሕዝቶ ዘይብሉ ዕረ ኣብኩሉ ከምዘይተሳዕረ ስእለ ኣቦ ሓሶት ምድንጋር ዝለመደ ገበን ምግባር ናይ ፎዝያ ውዕሎ ዘይትዛረብ ካብ ናይ ስብሓት ሓሶት ትዛረብ መደናገሪ ሙካን ዝመረጸ ቦታካ ሓዝ ፍትሒ ከይመጸ ስእለ በላዕ ስጋ ሰብ ዘይቅበል ዝብሎ ዓገብ ብትውልዱ ኣዝዩ ዝሳቀ ሰብ ዝቀትል እንዳሰሓቀ ስእለ የማናይ ኢዱ ን በዳሊ ዘማዓዱ ሰዓትካ ኣኪላ ክሳድካ ተመንጢላ ክትቅንጠብ ኢላ መጺኣ ኮሊላ ኮሊላ ገበንካ ገናጺላ J Studio ትመጸካ ኣላ
The the self-proclaimed experts will never get to the lofty goals they claim to be furthering if they continue to look at situations from their country's hegemonic interest of the world. Take the several recent articles on Eritrea-Ethiopia peace, especially the one by USIP--an organization claiming to be interested in world peace--for example. It is mostly rubbish! They could have done better if they examined the objective situation in the Horn of Africa from the point of view and interest of its citizens, especially that of Eritreans and Ethiopians.
They should also not write their speculations about what the leaders are thinking or aiming as facts . No matter how much educated and experienced these "experts" are, they will very likely misread and misinterpret the actions and pronouncements of leaders and events out of context. Understanding and interpreting objective situations requires expertise--sensing, knowing, understanding, feeling, . . .--virtually being the concerned society! That what these "experts" lack! Furthermore, no analysis is complete unless they take into account the role the politicians in the "experts'" homeland have played and continue to play in complicating and exacerbating (not to mention creating) conflicts. Let's ask what happened twenty years ago and in the following years that turned the TPLF into the monster that it has become today.
They most their publications will do is hurt the chances that peace will reign by continuing the harmful narratives that justify wrong and arrogant policies. Maybe it is all about the funds the organizations earn and the points that the experts can list on their curriculum vitae!
It all means that we should continue to be vigilant. We shall prevail, though!
ፍረ መሮር ዝብላዕ ቀሪፍካ ሙኡዝ ጣዕሙ ምስ ኣተወ ኣብ ኣፍካ በሲሉ ብጎጎም ብጉዑ ጥብ ምስ በለ ሓንሳብ ናብ ባይትኡ ብንፋስ ድዩ ብሰብ ተደፊኡ ኣይምለስን ናብ ላዕሊ ቦትኡ ወዲቚ'ዩ ኮይንዎ ጸዲፉ ወይ ክብላዕ ክጓሓፍ ብስቢሱ ስለዚ ወይን ፍጮ - ዑቡይ ጸቢብ ርእሲ ኣይትረብሽ ስቕ ኢልካ ኣይትፋጺ ኣኺሉ'ዩ ወዲቕካ ካብ ናሕሲ ምምላስ የለን ናብ ስልጣን ናብ ኵርሲ ሰላም ግበር ህዝቢ ኣይተሳቒ ኳና ታሪኽ ኣይትምሃዝ መሕብኢ ጽውጽዋይ ዕግርግር ዘሳሲ መጥፊኢኻ ዘይብሉ ደጋፊ
ዮሃና! 'ቲ ጅግና ሓውዩልና እቲ ኣርሓ ደንደን ዝደበለ ጅግና ሃገር ባዕዲ ዝሰዓረ ሕቜ 'ቲ ከዳሚ ትማል ዝሰበረ ጎይታ ጽንዓት ኤረና ዝበለ ዓይኒ ምራን ብትብዓት ዝልለ ስብሓት ኤፍረም ሓደ ካብ ጎምበለ ተመሊሱ ጥዕዩ እነሀለ ክቕጽሎ ናይ ሃገር ምዕባለ ቅርጸት ንዉዱቓት ዕረ ዝመረረ ተንኮል ቅንኢ ናይ ዕብየት ሞጀለ ድሙ ሙጹ ፍቱሓት ሰብ ስረ ኢድኩም ሃቡ ሸርሒ ካብ ፈሸለ
ሞት ጨካን ቆሚዳ ዓይኒ ኣንቊሪ ደረቕ ኣይግዳዳ ዳኛ-ኣልቦ ዘይትዳነ ሽፍታ ዘይትንሕፍ ናይ ፍጡራት ዕዳ ብዘይ ፍቓድ ትወስድ ዘሚታ መጻኹ ዘይብሉ ብሰላሕታ ተሓተቲ እንታይ'ዩ ረብሓኺ ጅግና፣ ህጻን... ኣብ ሓመድ ተብለኺ? ሞት ጊዴኺ'ዶ ሙቲ ፈትንዮ ከዐርፍ ግዳይኪ ይኣኽለኪ ክንደይ ዘይጽነትኪ
ANBABI ABDI