Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Jun 13, 2023 12:36 AM
173.73.27.183
ኣይትጠሙቱለይ
---------------
ኤሩ ሃገረይ 'ዛ ብሌን ዓይነይ
ክብርቲ ዕንቊ ንዓይ ዓለመይ
ኣይተንቃዕርሩ ናተይ'ያ ርስተይ

ንሳ ኣነ'የ
ንሳ'ውን ኣነ
ከም ዓጽሚ ስጋ ዘይንፈላለ

ኤሩ ዘይብሉ ምምባር ኣብ ዓለም
ፍርቂ ሂወት'ዩ ብዘይቀልዓለም
ክብሪ ጎደሎ ፍጹም ዘይሕለም

ሓበን'ያ ክብረይ
መልክዐይ ሕብረይ
ግርማ ጽባቐይ

ዓሪቐ ጠምየ
ሓሪቐ ጉህየ
ዓዲ ቀይረ
እንተ ብኤሩ
ወትሩ ኩሩዕ'የ

ንሰላማ ንድሕነታ
ነቲ ባሕራ ንመሬታ
ንሕና ደጀና ጋሻኣ ዋልታ

ንሳ ቀንዴል ጽሓይ ወርሒ
ሽግ ነጻነት ጸሓይ ሓቂ
ዘይትዕሉቕ ኣደ ፍትሒ

እሞ
ዘምጻናያ ብጀጋኑና
ዘውሓስናያ ብመስዋእትና
ንሓብሕባ ከይሰልከና

ሕድሪ ብግብሪ!

ንሓልዋ ሓደ ኰና
ከም ትማሊ ከም ቀደምና
ካብ ዓመጽቲ ባዓል ቃርማ

ነገርማ ነማዕብላ
ማእከል ወሰን ምስቲ ባሕራ
ፈታሕ ሽግር ንጸገምና
 
ስእለ
Jun 9, 2023 10:31 PM
172.58.243.85
"ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ"

ናይ ሓቁ ተኾይኑ
ብመትከል ኣሚኑ
ኣመሪካ ጨኪኑ
ኣብ ልዕሊ ኩርኩሩ

እዚ ለማኒ
ዕሱብ ከዳሚ
ሰላም ደዋኒ
ናይ ባዕዲ በትሪ
ዜሮ ብዓቕሚ
ሕጂ'ዩ ኣኽቲሙ
ዕድመ ምምባሩ
ቀለብ ሲኢኑ

ኣመሪካ
ክፋእ ለቖታ
ሓለቓ ዝምታ
ንወይን ጭፍራ
ልኡኽ ኩርኩራ
መዚና ዓቕሙ
ሙዉት ምዃኑ
ተስፋ ዘይብሉ
ክፍጽም ትልሙ
ኣብቂዑ'ዩ ኢላ
ሓገዛ ኣቚማ

እቲ ዘሕዝን
ልቢ ዘቝስል
ብሰንኪ ወይን
ለይባ ጽንጊሊል
ኩሉ 'ቲ ስኡን
ትግራዋይ ጽጉም
ሓገዝ ዝደሊ
ሂወት ክትቅኒ
ተፈሪዱ
ጾሙ ክሓድር
ዕድል ከማርር
ስእለ
Jun 8, 2023 2:19 AM
173.73.27.183
ሕልሚ ኣለኒ
------------
ሕልመይ'ዩ ሕልሚ ኤርትራዊ
ማዓልቲ ለይቲ ኣብ ደመይ ዝዛሪ
ምዕባለ ኤርትራ ክርኢ ኣብ ግብሪ

እወ
ከበሳ ቆላ 'ቲ ገምገም ባሕሪ
ደሴታትና ንኣሽቱ ዓብዪ
ከዕለቕሉቑ ብጋሻ ረኣዪ

ሕልመይ'ዩ ሕልሚ ንእስነተይ
ዘይሃስስ ዝዓበየ ኣብ ውሽጠይ
መሬት ሕድሪ ገነት ክትኮነለይ 

ኤርትራ ሪሂዋ ክሪኣ
ተጠቒማ 'ቲ ዘለዋ ጸጋ
ቀይሕ ባሕሪ 'ቲ ማዓድን ወርቃ

ተሓቢሩ ጉልበትና ፍልጠትና
ተወፊና ጸጋ ትሕዝቶና
ብሩህ'ዩ ጉዕዞ ምዕባሌና

ብዝኾነ
ኤርትራ ማዕቢላ ክንሪኣ
ንደኽመላ ንሕና ኢና ደቃ
ካልእ የለን ዝሃንጻ ዝነድቃ
ንረብሓና ዝኸፍለላ ዋጋ

ስእለ
Jun 7, 2023 1:56 PM
173.73.27.183
ምልስ ምልስ መቐለ - እንታይ ዝዓለመ፧
-----------------------------------
እዚ እከይ ሽላ ኣሞራ
ዘይፈልጥ እንካ ትርፎ ሃባ
ይመክር ኣሎ ምስታ ጭፍራ
ዝተረፋ ኣዒንቲ ክነቚራ

ካብ ሰብ ነውራም - ሕሱር ጎይታ ጥፍኣት
ማይክ ሃመር ናይ ሰላም መንዳዓት
ኣናቚቱ ዘኻዕብት እትዋት
ተላመዶ ብሂወት ምጽዋት
ይኣልም ኣሎ ምስታ ጃንዳ ሓሳድ
ዕንወት ፡ ሞት - ኣንጻር ሰላም ልምዓት 
ስእለ
Jun 6, 2023 1:24 PM
173.73.27.183
"ትማሊ ሎሚ ኣይኮነን"
-------------------
ቀልዓለም ዘይብሉ
ዓው ኢሉ ትኽ ኢሉ
ድምጺ ሓቂ ኣድህዩ
ፍትሒ ተነብዩ

ዓለም ክሰምዓሉ
'ቲ ወጽዓ በደሉ
ብግልጺ ነጊሩ

ትማሊ ንበይኑ
ምስቲ ሓላል ህዝቡ
ኩሉ ኣንድዩ ከፊሉ
ሕሰሙ ምዕቀቡ
ኣይደንን ኢሉ

ሰብ-ዓመጽ ሰምቢዶም
ብድምጹ ሪዒዶም
ከጸልምዎ ኣንቂዶም

ግና
"ትማሊ ሎሚ ኣይኮነን"`
ሓደ ኹጥቦ ዓለም
ብኣመሪካ ዝዝወር

"The Game is Over
ስእለ
Jun 5, 2023 12:48 PM
173.73.27.183
ብሓጺሩ - ፖሊሲ ኣመሪካ ሕብሩ

ፖሊሲ ኣመሪካ
ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ
ጥልዕ በለለይ ክብለጸልካ

እወ
ርክብ ጎይታን ጊላን
ኣንጻር እንካን ሃባን

ይብል፡
“ኣነ ዘይመረቕክዎ
ኣስኒቐ ዘይላኣኽክዎ
ረብሓይ ዘይሕሉ
ዘየገልግል ትም ኢሉ
ደፋር’ዩ - እዝጊ ዝጸላኣሉ”

“ሃብቲ ጸጋ ኣለኒ
ሓያል ወተሃድራዊ ዓቕሚ
ብሰማይ ብምድሪ
ወሪሩ ቀታሊ”

“ምስ ነዊሕ ተመክሮ
ተንኮል ዝውንኖ
የለን
‘ቲ ሓይለይ ዝገጥሞ”

“ኣብ ሰላም ምርባሽ
ምሕንካር ምጥቛስ
ሕላገተይ’ዩ - ዝብለሉ እዋሓስ”

እዚ’ዩ ብሓጺሩ
ስርዓት ኣመሪካ ዕላማ መትከሉ
‘ቲ እምነቱ ባህሩ
ክሳብ ዝወድቕ ከምቶም ዝቐደሙ
ብዙሓት ኢምፓየር ኣብ ዓለም ዝነበሩ
ስእለ
Jun 2, 2023 5:08 PM
173.73.27.183
ሳላ ጽንዓተይ...

'ቲ ትማሊ
ኣብ ጸገም ከለኹ ኣብ ወጥሪ
'ቲ ሓገዝ ክደሊ
ቅኑዕ መገላገሊ
ዓራቒ ሸምጋሊ...
ቃሉ ዝዓቀበ
ዱላ ዘቐበለ
በልዎ ዝበለ
ብውሽጢ ብደገ
ሕሱር በዓለገ
ሲዒረዮ
ሕብሩ በሊለዮ
ምዃኑ ኮቪድ ንፍዮ
ጸረ-ፍትሒ ዓለም ዘለለዮ

ሳላ ጽንዓተይ
ክቡር መስዋእተይ
ቅኑዕ መትከለይ
እንሆ ሕጂ
በሪኹ ስመይ

ሎሚ ከም ትማሊ
ንጽባሕ ቀጻሊ
ፍትሒ'ዩ ጭርሖይ
ሰላም መዝሙረይ
ብሓባር ምምባር
ምስ ጎረቤተይ
ስእለ
Jun 1, 2023 2:20 PM
173.73.27.183
ኣስተውዕል!

እቲ ዝሰመረ ሓቂ ዝዓተረ
ዝነቐሐ ሓይሉ ዝወደበ
ዕጥቁ መሳርዑ ዘደልደለ
ዕዉት'ዩ
ዝኾነ እንተኾነ
ሓሰመ መረረ
ነወሐ ሓጸረ
ሽግር ይበራረ

ኣብነት'ያ ኤርትራ ሃገረይ
ክድምና ባርነት ዝበለት እምብለይ

መኪታቶ ናብራ ጠለይ-ጠለይ
ዓመጽ ኣመሪካ ግብረ እከይ
ክብለጸልካ ጥልዕ በለለይሓ
ስእለ
Jun 1, 2023 10:50 AM
173.73.27.183
"ዝነዓቕካዮ የጥንስ" - ጋህዲ ኮይኑ ክነግስ

እዛ "ንእሽቶ"
"ድኻ" ምስ ትሕዝቶ
ብህዝባ ትፍቶ
ኣፍሪቃዊት ሃገር
ከመይ ኢላ
ሰሪሓ ትድረር
ባዕላ ትማሓደር፧

ዘደንጹ'ዩ ዘገርም
ሪኢኻ ክትኣምን
ጽንዓታ የስደምም

ኩሉ 'ቲ ሸርሕታት
ማዕቀብ እገዳታት
ኲናት 'ቶም ልኡኻት
ትብጥሶ ብብቕዓት

ይበል መሪሕነት
ጽንዓት ተወፋይነት
ዘይተምበርካኽነት

'ቲ ሓድነት ህዝቢ
ቆፎ ድኾን ንህቢ
ብሓደ ይፋኒ
ብጽንዓት ብዓቕሊ

ኣመሪካ ኣውሮጳ
ናይ ምዝመዛ ጃንዳ
እቲ ትዕቢትኩም
ሃርጋፍ ጠባይኩም
ሓሊኹ ኣውዲቕኩም

ስእለ
May 17, 2023 5:40 PM
148.184.174.62
ይኣክል!
=====
"ኣፍርቃ
ዝበልናኩም ስምዑ
ዝሃብናኩም ብልዑ
ከም ከልቢ ቆልዑ"
ደጊም
ኣኽቲሙ'ዩ ኣብቂዑ

ኣውሮጳ ኣመሪካ
ይኣክል!
'ቲ ዓመጽ ዘቃትል
ዓዲ ዘየጋብር
ትሕቲ ሰብ ዘሐድር

ኣይግባእን፣
ወርቅና ሂብና
ሺሻይ ማዓድና
ብርሃጽ ጉልበትና
ክትሰብሑ ኣብ ቅድሜና
ንሕና ብዕሩቑና
ብጥሙይ ከብድና

እወ
ይኣክል 'ቲ ዝምታ
ዓይኒ የዐሚትካ
ማዕቀብ ቅጥፈት ሚሂዝካ
ዘይብሉ ጣቋ
ስእለ
May 16, 2023 11:50 PM
173.73.27.183
እዚ ትዕቢተኛ
ጸረ-ሰላም መንቀኛ
ኣመሪካ - ዘይብሉ ዳኛ
ትፈልጡዶ - እንታይ ከም ዝብለና
ብቑሉዕ ጽሞና?

"እዛ "ድኻ" ሃገር
"ንእሽቶ" ዘይትድፈር
ሰሪሓ ትድረር
ዘይትብል ሃረምረም...
ነሳቕያ፡
ከይትኸውን - "ናይ ሕማቕ ጽቡቕ ኣብነት"
ኣብ ኣፍሪቃ መሬት"

እወ
"ትምኒታ ክጉንደብ
ክትበሊ - ኣብ ድኽነት ድሕረት
ኣብ ኲናት ከልበትበት
ነሸግራ
ንነጽላ
ብሸርሒ ብማዕቀብ"
ስእለ
May 15, 2023 2:40 PM
148.184.174.62
ይበል ኣቀባብላ
ንመንግስቲ ኤርትራ
ኣብ ሃገር ቻይና!

ብጣዕሚ ምዕሩግ
ቀልብኻ ዝሰልብ
ውሽጥኻ ዘዐግብ
ክብርኻ ዝድርብ
ምሕዝነት ዝሕብሕብ

የቐንየልና ቻይና!
ንብል ኣለና ድንን ትሕት ኢልና
ስለ'ቲ ኣኽብረትኩም
ዘርኣኽሞ ኣብ ዕድምኩም
ፕረሲደንቲ ኢሳያስ ጋሻኹም

"ክብሩ መጠን ነብሱ የኽብረካ"
ስእለ
May 15, 2023 1:26 PM
148.184.174.62
'ቲ ምጽማም 'ቲ መስዋእቲ
እቲ ስቓይ 'ቲ መውጋእቲ
እቲ ግፍዒ 'ቲ ጭንቂ
እቲ ከርተት ላዕሊ ታሕቲ
ኣብ በረኻ ኣብ ጸናዕቲ
ንዓመታት ቀትሪ ለይቲ
ኣንጻር ሸርሒ 'ቶም ዓመጽቲ
ንነጻነት'ዩ ነሩ ንሓርነት
ንዜግነት ኤርትራውነት
ንማዕርነት ልእላውነት

ተዓዊቱ ጋህዲ ኮይኑ
ሳላ ጽንዓት 'ቶም ጀጋኑ
ኩሉ ሕሰም ተጻወሩ
ከይሰምበዱ ከይተዳህሉ
ኣብ መትከሎም ደው ዝበሉ

ዮሃና!
እንኳዕ ኣሐጎሰና
ናብ መበል 32 ማዓልቲ ነጻነትና ብዓወት ዝበጻሕና!

ኣብ በጂንግ ኣብ ቻይና
ኣምበልቢላ ባንዴራና
እልል በሉ ዘምሩላ

ጽንዓትና'ዩ 'ቲ መትከልና
እቲ ራኢ ስዉኣትና
ፍረ ሂቡ ንዕብየትና
ንቐጽሎ ሓደ ኰና

ስእለ
Apr 28, 2023 4:09 PM
148.184.174.62
"ኮኾብ ጽባሕ ተወሊዱ"

ቊርጽ ቅምጥ ኢሉ
ኤርትራዊ መሸከሉ
'ቲ መልክዑ ሕብሩ
ዓለም ኣገሪሙ

ኣብ ኲዕሶ ጥበቡ 
'ቲ ኽእለቱ ዓቕሙ
ብርእሱ ብእግሩ
ምትኳስ ቀብቂቡ
ኣውሮጳ ኣጸሊሉ
ኢሳቕ! ኢሳቕ! ኣቢሉ

ዝወለደ ተሓቢኑ
ፈታው ኲዕሶ ኣመስጊኑ
ዕድመ ይሃብካ ኢሉ ኹሉ

Keep it up Alex. The future is yours.
ስእለ
Mar 29, 2023 3:14 PM
148.184.174.62
መን ይገርሞ
በዚ ዝካየድ ዘሎ
ኣብ ንዮርክ ኣብ ጀነቫ - መጋባእያ ውዕሎ
ንዓይ ጥራሕ ስምዑ ፍትሒ ጎደሎ፧

እወ መን ይገርሞ
ብዓርከይ ዓርክኻ
ወገነይ ወገንካ
ሕኸኸኒ ክሓከካ
ጥልዕ በለለይ ክብለጸልካ
ፍትሒ እንተሞተት ሲኢና ማሓዛ
ኣብቲ ጸልማት ናይ ዓመጽቲ ገዛ፧

ዩኤን/UN ዝብልዎ ዘይቕበጽ ባይቶ
ድልየት ምዕራባውያ ዘኳድዶ
ሸውራር ሓደ ዓይኑ ጋህሚ ዘዐመቶ 

ታሪኹ ዘሐፍር ክንገር ክዝንቶ
ብኣመሪካ ዝዝወር ውድብ ኮንቶ
ጸረ-ፍትሒ ኩሉ'ቲ ዘድምጾ       

እወ

ንዓመታት ፍትሒ ዝቐተለ
ዝሓንገደ ከይሕደስ ከይዕረ
ብልሺው ውድብ ዘይብሉ ጠገለ 

ብስም ዓቃብ ሰላም ሰባት እንዳዋፈረ
ብስለላ ተንኮል ጅቡኡ ዘህጠረ
ነውራም ውድብ ብቕጥፈት ዝልለ

ብቻርተሩ ዘይምራሕ ዘይእለ
ቀይዲ-በተኽ ኣብ ስራሕ ዘየለ
ቅበጽዎ! መይቱ'ዩ! ሬሳ ዘይተቐብረ
ስእለ
Mar 23, 2023 8:01 PM
173.73.27.183
ኣሰይ! ኣሰይ!
ባህ ኢልዋ ነብሰይ
ምዅርማይ ኣብቂዑ ኣሳፊሑ ብርከይ

ድሕሪ ብዙሕ ገልታዕታዕ ገልጠምጠም
ምግጫው ምግፋዕ በቲ ንፋስ ማዕበል
ንዓመታት ንፍርቂ ዘበን
መስዋእቲ ከፊለ ስቓይ ሕሰም
በጺሐዮ ምዕራፍ ከዐርፍ ክሕከም
ንጽባሕ ክጥምት ጸገመይ ክድምደም

ኣብ ሕርሲ ቃንዛ
ኣብ ጉዕዞ ደውታ
ምውዳቕ ጻሕታ
ምቑራጽ ተስፋ ...
ኣሎ ኣብዛ ሂወት ዒታ
ግና
ህጻን ምስ ተወልደ
ደውታ ምስ ኣኽተመ
ዓወት ምስ ጓዘመ
ሓጐስ ኮይኑ - ይርሳዕ ኩሉ ዘጋጠመ 

እሞ
ንኺድ ጥራሕ
ዓወት ብጻዕሪ'ዩ ዝብጻሕ!
ስእለ
Feb 20, 2023 4:09 AM
173.73.27.183
ንሰይጣን ዘሰምብድ ንምዕራብ ዘሐርቕ እንታይ’ዩ፧  
=======================

ንሰይጣን - “መስቀል”
ንምዕራብ፡
. ዘይክድም መራሒ ሃገር
. ምዝመዛ ዓመጽ ዝጻረር 
. ፈታሕ ሽግሩ ባዕሉ ዝናበር
. ነብስኻ-ምርኮሳ እምነቱ መትከል …

‘ዘን ቍንጪ ትዃን ሳልሳይ ዓለም
ርእሰን ዝሓማ ህዝቢ ክድረር
ሰላም ይዘርጋ ክሕሎ ጥቕመን

ስምምዕ ሰላም
ሓቢርካ ምምባር
ቅድሚት ምስጓም
ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያ
ሃገረ ሶማልያ
ገርለን ነውጺ
ጸጕሪ ዘንጺ

በዚ ሰምቢደን
ልበን መሊቖን
ይሕብሕበኦ
ይምውልኦ
ነቲ ኣበከነ
ጃንዳ ወያነ

ሰላም ክዘርግ
ጽልኢ ክሕብሕብ
ንረብሓ ኣዛብእ

ኣመሪካ ኣውሮጳ
ናይ ዓመጽ ጃንዳ
ሃገራት ከይዓብያ
ብነጻ ሕርያ
ይገብራለን ድብያ
ስእለ
Feb 14, 2023 12:01 AM
173.73.27.183

መርከብ ሰላም
=======
መርከብ ሰላም ጡሩምባ ነፊሓ
መለኸት ራህዋ ብስራት ተስፋ
ካብ ወደብ ባጽዕ ናይ ልምዓት ቦታ

ኣምበልቢላ ኣርማኣ ሰንደቓ
ኣልዒላቶ ‘ቲ ታኮ መልሕቓ
ጀሚራቶ ጉዕዞ ቡሩህ ተስፋ
ጉዕዞ ሰላም ምስ ጐረባብታ

ከይትጽገም ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ
ከይቲድንጒ ‘ቲ ወደብ ክትበጽሖ
ካፕቴን ሓገዝ ኣይንንፈጎ

ከይህውኻ እቲ ማዕበል ባሕሪ
ሞሾምቦባ ‘ቲ ንፋስ ደሃሊ
ንሓልዋ ብለይቲ ብቐትሪ
ንዅነላ እምባ ትኵር ንስሪ
ሰእለ
Jan 30, 2023 4:00 PM
148.184.174.62
ፖለቲካ ጉድ'ምበር ረኺብካ!
=================
ኩሉ ተንታኒ
ፖለቲካ ማሃሪ
ከሳሲ ኣራሚ
ምስ ኮነ ሰብ ሎሚ
ፖለቲካ ዓርዒሩ
ፈዂሱ ሚዛኑ

ኩሉ መታለሊ
ሃዳዲ ዓፋኒ
ይፈልጥ'የ ባሃሊ
ይብል ኣመኑኒ

ኣብ ፈይስቡክ ቲዊተር
ዩቲዩፕ መሰንጀር
ዝጸሓፍ ዝንገር
ርእስኻ የናውጽ
ልብኻ ይህውጽ
የቃጽል የሐርቕ

ተፈተሽካ ባዶ
ዘይብሉ ትሕዝቶ
ጸረ-ሰላም ኮንቶ
ንፋስ ዘራጊቶ

"ፖለቲካ ኩሉ ለመዶ - ከፈአ
ጣፍ ኩሉ ዘረኦ - ጠፈአ"
ዝበሃልስ ሓቂ ኮይኑ
ምስ ሰማዕካ ወሽላኻት ገዋኑ
ሓሳባቶም ካብ ማዕዶ ዝጨኑ
ስእለ
Jan 25, 2023 2:48 PM
148.184.174.62
ህዝባዊ ሰራዊት
ብዓል ሙሉእ ኣምዑት፣
ክትኣቱ ሰላሕታ
ክትወጽእ ብዓውታ
ብዓወት እልልታ
ቀጺዕካ 'ታ ዒታ
ምኽዳም ክእለታ
ንባዕዲ ንጻዕዳ

ሕጂኸ ናበይ ናበይ፧

እስከ ንበረለይ
ሰስን ዓንትረለይ
ሓበን ኢኻ ክብረይ

Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea