Dehai News

ዳንከራ ወራር ፕ/ሚ/ኢትዮጵያ

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 14 July 2025

ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክወርር ዝመጽእ ቀይሕ ደም ኣፍሲሱ ክምለስዩ። እዚኣ ብልጽግና ከፈልጣ ኣለዎ። ምኽንያቱ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቀይሕ ደም ፈሲሱዎዩ እዩ ነጻ ኮይኑ። ስርዓት ብልጽግና ውሽጣዊ ሽግራቱ ክዓብጥ (ክሽፍን) ዓሰብ ዓሰብ እንተበለ ንዝገንፈለ ሽግር ከወግዶ ኣይክኣልን እዩ። ኣቢይ ኣሕመድ ወራር ከካይድ ኣእላፍ ሰባት ዩኒፎርም ኣልቢሱ ሰራዊት እንተበሎም፡ ድሮውናት ብብዝሒ እንተተለገሰሉ፡ መራሕቲ ውግእ ጀነራላት ጹሩራታት እንተጸዓነሎም፡ ዝዕወት ዝመስሎ ጡብ ፖሎቲካ ዘይጸገበ ዕሸል መራሒዩ። ከምቲ ኮ/መንግስቱ ፡ ህዝባዊ ግንባር (ሻብያ) ካባና ዝማረኾ ኣጽዋር ገሩዩ ዝዋጋኣና ዘሎ ዝበሎ፡ ሕጂውን እንተእቲ ውግእ ኣይንደልዮን፡ እንተመጸ ግን ማዕከን ኣጽዋርና እዩ ክስስን። ንሶም ከምጽኡ ንሕና ክንምንዝዕ ክንረባረብ ኢና። ኣቢይ ኣሕመድ ምሰ ኣናብስ ክገጥም ምስ ወኻሩ (ብ/ንሓመዱ) ጽምዶ ይገብር። ዘገርምዩ መራሒ ሃገር ተባሂሉስ ኣብ ፖሎቲካዊ ጭቃ የንገርግር?



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events