ገሪምኪ ዶ 'ቲ ኹሉ ዝኾነ፧ ከዳሚ ክእለ ኣብ ክልተ ቅነ ከምዛ ዘይነበረ፧ ንዓኺ/ባድመ ኣሳቢቡ ዘንወሐ ኣጽፋሩ ኣሳጉማ ኣእጋሩ ክውንን ዘይባሕሩ ወያነ ኣኽቲሙ ዕምሩ ዝሓዞ ሲኢኑ ጠፊኡ ባዲሙ ዘይነበረ ኰይኑ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ባድመ እንኳዕ ሓጐስ ኰነ ራህዋ ኰነ ዓወት ኰይኑ ባንዴራ ተተኽለ ምስጋና ንጅግና በጃ ዝኮነልኪ ዝኾነልና ንዓኺ ንዓና! ደላይ ሰላም - ኩሉ ዮሃና ኢሉ ዓሊሉ ኣመስጊኑ ዝተኸፍለ ዘኪሩ
ሰብ ርጉም ሰብ ብሰቡ እቲ ጻዕዳ ሕብሩ ተንኮለኛ ስሱዕ ሂወት ሰብ ዝበልዕ ፍቕሪ ሰላም ዘናግዕ በሊሕ ዘደናግር ክትኣምኖ ዘሸግር መኽሰቡ - ካብ ውግእ ዕግርግር ንዓለም ብሒቱ ከዐቢ ጸግኡ ኣመሪካ ሃዊኽና ኣኽፊኡ ከደምቱ ኣምሪሑ
ተረባረብ ኰይኑ ወያነ ክሕሱ ሰብ ሓቂ ከቃልዑ ሓሶቱ ሸፈጡ እንታይ'ዩ ዕላምኡ ብሓሶት ዓቢዱ ድሕሪ ውድቀት ስዕረቱ፧ ኣበይ'ዩ ክበጽሕ እንታይ'ዩ ክረብሕ ሓስዩ ከውግሕ ስቓይ ህዝቢ ዘራብሕ፧ ዙሩግ ጭፍራ ዘይብሉ ዕላማ ዕንቅፋት ቃርማ ወያነ ጉጂለ ሽፍታ ልኡኽ ሰብ ረብሓ ሕሰብ ደጊምካ ርእሲ ተለካ ንረብሓ ህዝብኻ ይኣክል ዝሓለፈ 'ቲ በደል ብድዐ ሰላም ዝሓንከረ ሂወት ዝቐበረ
ጸገም ረኺባ 'ዛ ኤርትራ ጉሓፍ ኣምስቲ ተደፊእዋ ረሲሖም ከርስሕዋ ክሲ ለያቡ ተዘሪእዋ ዘይወዓለቶ ክጥቅንዋ ካብቲ መንገዳ ንኽኣልይዋ ኤረይ ውርዝይቲ ኣይትውዕሎን ረሳሕ ጸይቂ ታሪኽ ገንጽሉ ሕተቱ ህዝቢ ሓደ ሓቂ ግን ኣምስቲ ምዃንካ ንፈልጥ - ጸረ-ሰላም መጣቖሲ ኣንጻር ኤረትራ ሸርሒ ከም ተሳሲ እስኻ ዓለም ዝፈልጠካ፡ መንግስቲ ክትልውጥ ህውከት ከተሳልጥ ትሰርሕ ብዕቡጥ ናይ ጥፍኣት ውድብ...ምዃንካ
ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ዝምታ ጃንዳ ጸረ-ኣፍርቃ ናይ ዓለም ቃርማ መልሓስ ዘጥዕማ ሃብቲ እንዳማተን ንኽቕርማ ፈጠርቲ ሽግር ኲናት ዕግርግር ሰላም ዝሕንክር ወያነ ሞይቱ ኵርኩር ጽዓዱ ልበን ሰምቢዱ እወ ረብሐአን ዘውሕስ ሰላም ዝሕምስ ጭፍራ 'ዚ ሩኹስ ኤረይ ይኸሱ ነገር ይፍሕሱ ንኸጣቑሱ ሑሱር ሽጣራ ሓሶት ፈጠራ ኣረጊት ዱላ ኢትዮጵያ ኤርትራ ከይተሓባበራ ነብሰን ከይክእላ ቀንዲ ዕላማ ምድሃል ኤርትራ
ፈንቅል ==== ዝሰዓርካ ወራርን ሙኩሑን ዝረታዕካ ዘራይን ዑሱቡን መን ከማኻ ሓያላት ተድንን ነዳል ግምባር ትልመን ክትምሕር ንትብዓትካ መን'ሞ ዘይምስክር ጎብለል ኢኻ ተዂርዕ ተሐብን ብሳላኻ ኣለና ንነብር ነጻ ኰይና ከም ሃገር ከም ህዝብን ተሓቢንና ውዕሎኻ ንዝክር ፈቅል ኢልና ነዐልል ንዝምር ኣብቲ ባሕሪ ንሕምብስ ንዛውን ሻርክ-ኣልቦ ዓፊኑ ዝቐትል
ኣስተውዕል! ====== ..ትራምፕ ኣልጊሱ ባይደን መጺኡ ካልእ ተተኪኡ እንታይ ተሓዲሱ ካብ ምቕያር ሰብ ሓሊፉ፧ ልቢ በል ሰማዒ ተቕልብ ትሪኢ ትኵር ኩን ኣስተውዕል ጫፍ ሒዝካ ኣይተዕልል ‘ቲ ስርዓት ኣምብቦ ታሪኹ ፍለጦ ምዕማጽ ዘይዓጦ ንዓመታት ዝተለማመዶ ዝመጸ እንተመጸ ቃሉ ተወርጸጸ ‘ቲ ፖሊሲ ሓደ ኣይቅየር ኣይጽጸ ካብ ገበል ዊሒጣ ፍትሒ ኣይትጸበ ከምቶም ዝሓለፉ ኢምፓየር ኣሪጉ ከይሞተ
እዚ ኤርትራ ኤርትራ ምባል ይዕርዕረኒ'ሎ እናሻዕ ምድግጋም ናበይ ንምብጻሕ'ዩ እንታይከ ንምግባር፧ እወ ይዅርኳሓኒ'ሎ እዝነይ ኣይጥዕናን ይበዝሕ ኣሎ ስም ኤረይ ምዝንጣል ጭብጢ ዘየብሉ ሓሶት ምድግጋም አረ እንታይ'ዩ ቁንቊኝኡ፧ ነገር ምድላይ ድዩ ዋላስ ሕማም ወይስ ጣዕሳ ትማል ነገራት ምጽሕታር ድሕሪ ክልተ ዓመት 'ቲ ማዕቀብ ምልዓል፧ ኣመሪካ ኣውሮጳ ጸረ-ሰላም ኪኢላታት ነገራት ኣብ ምእላም ዒብ ግበሩ ይኣክል ምትላል ዓዲ ይሓሙ ጎደቦ ይሕጎሙ ዋና ከሎ ዘገድሶ ዶባቱ ሃገሩ ዘይተዳህየ ተዓሚጸ ተወሪረ ኢሉ ኣብ ክንዲ መን እስኻትኩም ትዓፍሩ፧ ሒቒቕ ምስ ወያነ እንታይ'ዩ ትርጉሙ ሞይቱ ዝተቐብረ ኣብ ጉድጓድ ዓለሙ ዝጠፈአ መምለሲ ዘይብሉ፧ ወይን ዝሻደነ ንዓኹም ኣሚኑ ዝበደለ ጎረቤት ሃገሩ ገበነኛ ህዝቢ ምስክሩ ጠፊኡ'ዩ ክትክሕዱ ክትኣምኑ ወሓጥዎ ሓዘንኩም ኣልዕሉ
ዓመተ-2021 ======= ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ! ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘለና እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓና! ዝሓለፈ ሽግርና ዝመጽእ ራህዋና ይኹን ንኹልና ከም ሃገር ከም ህዝቢ ክንደምቕ ክንዓቢ ንሓልዋ ፍቕሪ ንዕብየት ንራህዋ ንሰላም ሃገርና ይስጠም ሓድነትና
ስእለ ሎሚ ታኣለ ኣይት ዓሹ ነገር ኣእኪሉ ኢዩ ተበላሽዩ ለለ ኣንዳበልካ መስኪን ተለኪምካ ብደቡቡን ምዕራብን ከይመጹካ ዘይሓሰብ ኣይወለድ ጨካን ኣይንገድ ስእለ ድለ መህደሚ ሎሚ ኣይኮነን ዓሚ
2021 ዓመት ዝሓለፈ መከራና ዝመጽእ ተስፋና ስላምና ራህዋና ይግበሮ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘለና ኩሉ ሕሰም ሓሊፉ ኣሰሩ ገድፉ ጭፍራ ተጓሒፉ ምስጋና ንጂግና በጃ ዝኾነልና ንኤረይ ንዓና በሉ መወዳእታ ይግበሮ 'ቲ ጸገም ስሃሮ ህዝብና ይኣኽሎ ዋጋ ዝኸፈሎ ሕጂ ማርሻና ንቐይር ናብ ልምዓት ክንወፍር ድኽነት ክንቀብር ሃገርና ክትምዕብል ምኽንያቱ፡ የለን 'ቲ ዘዕገርግር ንባዕዲ ዝኽድም ሰላምና ዝሕንክር
ደሃይ ዶ ኣለኩም ድሃይ ወያነ ዕንቅፋት ሰላም እሾኽ ምዕባለ ኣለኹ ትብል ዕምራ እንዳኣኽተመ፧ ጎርቢ ከባቢ ናይ ጥፍኣት ጭፍራ ብቝል ክትብል ዘይቅርዑው ሕልማ ቅኑዕ ክትሓስብ ትንፋስ ዝሓጽራ ብዓሌት ቋንቋ ኣተፋኒና ሰለይ ዝበለት ብኽድምና ‘ዛ ጸባብ ርእሲ ኣብቂዑ ዕምራ አይ! አይ! አይይይይ ተረፍ ተሓጓሰይ
ምዕራባውያን concern፡ =============== ኢትዮጵያ ኤርትራ ተረድኡ ጸገምና ከልቢ ሃሪምኩሙልና እቲ እሙን ልኡኹና ኣገልጋሊ ረብሓና ወኪል ዕላማና ኣብ ኣፍሪቃ ላምና ትሕለብ ድልየትና እወ ዘዕበናዮ መሪጽና ኩሉ ሓገዝ ሂብና ነበረ ኰይኑና ጒሂና ሓዚና ንፉዕ እንድዩ ነሩ ዝለኣኽ ደኒኑ እሺ ጐይታይ ዓቕሙ ዓገብ ኣጥፊእኩሞ ሕጂ - እንታይ ኢና ንገብሮ መን'ዩ ድልየትና ዝውክሎ ዝለኣኸና - ጥቕሚ ሃገሩ ህዝቡ ከይዓጀቦ፧ ኢድኩም ኣይትስኣኑ እንታይ ዝግበር ኰይኑ ወያነስ በኒኑ ነበረያ ነበረ ኰይኑ ሽፍታ ተቐይሩ አይ! አይ! አይይይይ!
ወያነ ምስ ሓቂ ተጓኒጹ ሰምቢዱ'ዩ ይመስለኒ ተናዊጹ "ሻዕብያ ማዕጾ ሰሪቑ" "ፍሩታ እኽሊ ምስኡ..." ኢሉ ኣውርዩ ከሲሱ ዝገርም'ዩ ናይ ብሓቂ ዘደንጹ! ጃንዳ ልቡ'ዩ ኣጥፊኡ ኣይ ብጥዕናን ምስ ዉንኡ ሻዕብያ ድኣ ዘይጠባዩ ዘይባህሪኡ እንተ ዊዒልዎ 'ቲ ኲናት ኣትይዎ፡ ታንኪ ሄልኮፕተር መድፍዕ'ዩ ዝምንዝዕ ስራሕ ናይ ጀጋኑ ጸላኢ ዘንብዕ ጭፍራ ካብ እግሩ ኣፉ'ዩ ተዓንቂፉ ወይ ዓቢዱ'ሎ ተጎኒፉ በቲ ኲናት ሲሒቱ ኣንፈቱ ጎይታ ሓሶት ስርቂ ሕላገቱ እቲ ናቱ ገርዎ ንሓማቱ ከይሓፈረ መምህሩ ከሲሱ
TPLF's mentality arises from inferiority-complex-induced superiority complex. Among the many forms of the manifestations of this mentality are delusional and megalomaniac thinking. The lack of logic is rampant most of (in all?) of its discourses. Here is one example that you find somewhere below this comment on this same page. . . . Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya +/- Jeberti + = good diversity = power diversity = strength Jeberti = Tigrinya-speaking Muslims in Eritrea Jeberti = Tigrinya-speaking Muslims in Tigray Ethiopia Jeberti = diversity Jeberti = ** special link ** Jeberti = good Time for change . . . ????????????????????????????? Jeberti = good, I AGREE! + = good? It depends on what you are + ing! In what context? diversity = power, diversity = strength? Tell me about the context! Jeberty = Tigrigna-speaking Muslims in Eritrea, CORRECT! . . . Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya +/- Jeberti, WAIT A MINUTE. aLL THIS CONVOLUTED THINKING IS TO JUSTIFY THIS CONCLUSION???? Look at this, Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya, ----LOGIC? Ethno-linguistic classification. No religion involved in the classification! "Jeberty" is included in "Tigrinya". The other key word is "Muslim". Muslim is included in all the other nine classifications! It is illogical to argue Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya +/- Jeberti, and then "diversity", "special link"! Yeah, I know the aim is to advertise your website. Sorry, I for one, have stopped reading anything that deducts from the useful knowledge I know, no matter how little it is! That's why I personally stopped reading anything authored by "opposition" and TPLF. Judging by your convoluted logic, I will not visit your site either!
Eritrea is in the right. Right or wrong, my country forever! ERITREA FOR EVER!
You want to import the disease that prevails south of the border? GOODBYE AND GOOD RIDDANCE WITH YOU AND YOUR NONSENSE!!!
Is there any true & well informed Eritrean who would care to tell me what is going on with the Eritrean patriotic & semi patriotic website? I see websites of traitors & semi traitors are widely open & kicking doing the very same things they are well known for, such as lying, about anything and everything that Eritreans hold dear.
I have one message to all patriotic Eritreans, and that is:-
“SURRENDER IS NOT AN OPTION, SPECIFICALLy TO ALL COUNTRY LOVING ERITREANS. LET US FIGHT A GOOD FIGHT AND FREE OURSELVES FROM WHATEVER HOLDING US TO BE SILENT