Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Jan 23, 2023 9:26 PM
173.73.27.183
ስምዑ'ባ
እዚ ሻዕብያ
ሰራሒ ቅያ
እንታይ'ዩ ጉዱ
ዓው ዓው ዘይፈቱ፧

ባቃ ትም!
ስቕ ሕትም!
ወይከ ትንፍስ!
ዘይጅሃር ፋርስ
ጸላእቱ ክድምስስ
ክስዕር ከዐግስ

'ቲ ድምጹ ኣህጥሙ
የሳልጥ ዕማሙ
ርኣዩለይ
ስምዑለይ ዘይብሉ

እዝስ
ትብዓት ድዩ ርዝነት
ነብሰ-ተኣማምነት
ልቦና ብልህነት
ወይስ
ምኽታት ምዕራባዊ ቅጥፈት፧

ዶስ
ጸሊኡ ፈኾስኮስ
መሪጹ ክዕገስ፧

በቲ ስቕትኡ
ተባዕ ስርሑ
ዓመጽቲ ሪዒዶም
ኣትዩ ኣብ ከብዶም

የጸልሙ ስሙ
ጭብጢ ዘየብሉ
እንዳተቐባበሉ

ወይ ሻዕብያ
ኣብነት ኣርኣያ
ምዕራብ ቀዊጥካያ

ወያነ ተደብያ
ስሪኣ ኣፍቲሕካያ
ጸበልካ ኣስቲኻያ
ግርም ገኒዝካያ
ስእለ
Jan 20, 2023 6:00 PM
173.73.27.183
መርሃው ጸበባ
=======
ይከኣሎ ዋርሳይ ንስሪ ቆሊባ
ጽኑዕ ኣብ መትከል መርሃው ጸበባ
ንኽብርታቱ ከፋሊ ዋጋ

ንኤርትራ ሃገርና
ንነጻነት ክብርና
ንዜግነት መሰልና
ኩሉ ‘ድዩ ኰይኑልና

ዝወነነ ናይ ህዝቢ እምንቶ
ዉሕዉሕ ከልቢ መንገዱ ዘይዓግቶ
ጠሓሕሻ ገጢሙ ዝሰልጦ

ሃብሮም’ዩ በሊሕ ቀደም ብዓንተቦ
ዋልታ ሃገር ማንም ዘይደፍሮ
ሩጉጽ ዓወቱ ኣብ ዝወዓሎ

ዓቕሊ ትዕግስቲ ዝተዓደሎ
ኣርሓ ሃገሩ ዝስዕር ድሎ
ጎብለል ሓርበኛ መን ይወዳደሮ!

ኣብ ስራሕ ንጡፍ ጻዕረኛ ትኵር
ናይ እንዳማቱ ቊሊሕ ዘይብል
እቲ ስቕትኡ ኣባይ ዝስዕር

ወርትግ ይኾርዕ ስሙ ጸዊዐ
ከይተማታእኩ ጸበሉ ይልከ
‘ቲ ጸበል ጽንዓት ሃገር ዘውሓሰ
ስእለ
Nov 8, 2022 4:08 PM
148.184.174.62
ጃንዳ ወያነ መዓስ ፈትያ ኰይና ለድያ
ተጨፍሊቓ'ያ ተረጊጻ ኣካል መሓውራ
ዝፈረመት ኣብ ፕሪቶርያ ተደቢራ

እወ ተደሲቓ'ያ ተዳሂኻ
ተጨፍጪፋ ከም ተመን ዕዳጋ
ብየማን ብጸጋም ኢደይ ኢድካ

ተጀፊዓ
ንሓዋሩ ከብቅዕ እቲ ወራር ዝምታ
እቲ ክድምና ንምዕራብ ኣመሪካ
ከፋፊልካ ግዛእ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

እንዶ-ኣልቦ ጭፍራ ትዕቢተኛ
ክልተ መልሓሱ ዘይእመን ሰረኛ
ሻዕብያ'ሎ ከይምለስ እንደጋና
እቲ ፈጣሪኡ ዘዕጠቐ ጀበርና
ዝማሃሮ ትርጉም ናይ ሰውራ
ዝመርሖ ናብ ኣዲስ ኣበባ
ጭቆና ከብቅዕ ንሰላም ንራሕዋ

ደጊም ኣኸለ ሕንከራ ዕንደራ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኤርትራ
እንካብ ተሳዕረ እዚ ነውራም ጭፍራ 
ስእለ
Nov 3, 2022 2:36 PM
148.184.174.62
ሕቶ፧
===
ደቂ ኤረይ
ሕጂኸ ናበይ
ካብ ተሳዕረ እዚ ግብረ እከይ
ወያነ ዝብልዎ ኣይሰብ ህበይ
ኣብቂዑ ዶ ይኸውን ጉዕዞ ጠለይ ጠለይ፧

ኣመሪካ ኣውሮጳ
ወያነ ካብ ወጸ ጥሮታ
ይህቡና ዶ ይኾኑ እፎይታ፧

እወ
ስላምና ዶ ይዕምብብ ይኸውን
ውልቃዊ ሓዳርና ከነካውን
ምስ ስድራና ቀሲና ክንነብር፧
ስእለ
Oct 27, 2022 2:46 PM
148.184.174.62
ሓርማዝ ተጸሊሉ
በቲኹ ልጓሙ
ዓለም ኣሸቢሩ
ጉልበቱ ኣሚኑ
የኽፍኣለይ ዘይብሉ

ባሕሪ ተሳጊሩ
ህዝቢ ኣሸቝሪሩ
ክበልዕ ዘይሳዕሩ
የኽፍኣለይ ዘይብሉ

ተበልካዮ ዓገብ
ብትዒቢት ይትብተብ
ክጥሕረካ ይህንደድ

ኣመሪካ ስሱዕ
ተግባሩ ዘይሱሩዕ
ዓሚጹ ዝጎስዕ
ንሰላም የናግዕ

ፍትሒ-ኣልቦ ዑቡይ
ተግባሩ ዘይቁሩይ
ንኹሉ እንጕይ እንጕይ

ዝበልክኹም ግበሩ
ተገዝኡ ኣገልግሉ
እንታይ'ዩ ሽንኑ፧

ስእለ
Oct 25, 2022 5:40 PM
173.73.27.183
ኣብ ትግራይ ጎደቦ
እንታይ ይበሃል ኣሎ?

ወይን ፋሕፋሕ ኢላ
ፈንጺሓ ድያ ተሓዚላ
ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሊላ

ኣየ ጭፍራ
እቲ ምሕዛል ዘይበትከላ
ተወሊዳ ክሳብ ቀብራ

"ብኸበሮ ኣብያስ ብሕምቢጢጥ"
ወይን 
ሕጂ
እንታይ ሒዚኪ ኢኺ ክትምጕቲ
ዕርቀ ሰላም ከተስልጢ?
በጃኺ
ተቐበሊ እቲ ሓቂ
ኣብ መሬት ዘሎ ኣምብቢ
ኣብቂዑ'ዩ 'ቲ ጸወታት "ሊቂ ጭፍልቂ ..."

ጃንዳ ኣይከውንን'ዩ
ኣይትሕለሚ
ክድምና ክትቅጽሊ

ኣይከኣልን'ዩ ኣይትጸለሊ
ኣብቂዒኡ'ዩ እቲ ዕምሪ
ብሰላም ብውርደት - ስቕ ኢልኪ ተቐበሪ
ኣሸቀልትኺ ዓው ኢልኪ ንገሪ
ስእለ
Oct 14, 2022 4:34 PM
148.184.174.62
ሰብ ድሃይ፡
ድሃይዶ ኣለኩም ድሃይ ወያነ
ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተፈንፈነ፧

ኦይ!
ዘረባ ይብሉን
ኣፍካ'ዩ ዘኽድን፡

ይቕጥቀጥ ኣሎ ክሳብ ዝኣኽሎ
ብሰማይ ምድሪ ዕረፍቲ-ኣልቦ
ኣብ ውሽጢ ትግራይ ሩሑቕ ጎደቦ

ኣወ!
በሎ'ዩ ዘሎ ኣሰራስሮ
ሂወት ከይሰርዕ ትንፋስ ክሓጽሮ
ህዝቢ ከባቢ ሰላም ክርህዎ
ስእለ
Oct 3, 2022 3:55 PM
173.73.27.183
FEEL FREE ANYBODY TO PLAY IT WITH ክራር

ወያነ - ከቢሩ ዝሓሰረ
==========
ኣይትሕዘኑ ኣይትምቡዑለይ
እቲ ጌጋ ናተይ እዩ ናተይ
ዘሊለ ኣትየ ኣብ ዘይክልለይ
ጽልኢ ጻሕቲረ ምስ ጎረቤተይ
ረመጽ ተኻዕዩ ኣብ ሰውነተይ
ብጥምየት ኲናት ሃሊቑ ህዝበይ
ምስ ተሓሰምኩ ጻዋዒት ሰላም ዝቐረበለይ

ሕልሚ ቀትረይ ዓምቢቡ ሓሪሩኒ
ባዕለይ ገረያ እየ ትርከበኒ
ምኽሪ ጓና ዘስምዕ 'ታይ ነሩኒ
ዝነዓቕክዎ ሓይሊ ደኪሩኒ

ዋይ ኣነ ወያነ
ከቢረ ሓሲረ
ነበረባ ኰይነ
ዘይሕለም ሓሊመ
ዓባይ ትግራይ ኢለ

ንኡስ ዓቢዪ ተጻዊቱለይ
ብጥበብ ክእለት ኣሕጺሩ ዕምረይ
መስሓቕ ገሩኒ ብቕዓት ዘይብለይ

ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ዝደኸምኩሉ
ኣሽሓት ሂወት ዝገበርኩሉ
ከይተዓወተ መይቱ መኺኑ
ሓሶት መን ከማይ ኣብቂዑ ኣኽቲሙ

ብልሒ ዓብዪ ታሪኽ ሰኒዱ
ሓይሊ ሻዕብያ ኣብ ጎኑ ሕጁ
ዜጋ ዘሐጕስ ዓወት ጨቢጡ

ዋይ ኣነ ወያነ
ከቢረ ሓሲረ
ነበረባ ኰይነ
ዘይሕለም ሓሊመ
ዓባይ ትግራይ ኢለ
ስእለ
Sep 28, 2022 1:35 PM
148.184.174.62
ኩሉ ተንታኒ
ፖለቲካ መሃሪ
ከሳሲ ኣራሚ
ምስ ኰነ ሰብ ሎሚ
ፖለቲካ ዓርዒሩ
ፈዂሱ ሚዛኑ
ዝስዕቦ ሲኢኑ

ኩሉ መታለሊ
ሃዳዲ ዓፋኒ
ይብል እመኑኒ

ኣብ ፈይስቡክ ቲዊተር
ዩቱዩፕ ኮምፒተር
'ቲ ኹሉ ዝንገር
ልብኻ ይህውጽ
ርእስኻ የናውጽ
ዘይብሉ ትሕዝቶ
ተፈተሽካ ባዶ
ጸረ-ሰላም ኮንቶ
ስእለ
Sep 16, 2022 2:35 PM
173.73.27.183
"ኣብታ ነዋሕ መንገዲ የራኽበና ድሓን" ፕረሲደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ

'ታ ነዋሕ መንገዲ
መን ወዲእዋ
መንከ ተኣልዩ ኣብ ፍርቂ፧

ወያነ ጸይቂ - ልኡኽ ናይ ባዕዲ
ወዲእካዮ ዶ 'ቲ ነዊሕ መንገዲ
ዓቐበት ቁልቁል ዓቕሊ ጸንቃቒ
ጥውይዋይ ጉዕዞ እግሪ ሓላኺ
መን በዲህዎ ተሪፉ ፍርቂ፧

መን ኣውጊሕዎ 'ቲ ነዊሕ ለይቲ
መንከ ረቲዑ ሓሶት ዶ ሓቂ
ጭፍራ ዶ ሻዕብያ ኣድኒኑ ርእሲ፧

እወ
መን ተዓዊቱ ኰሪዑ ሕጂ
እቲ ከዳሚ ረጋጺ ፍትሒ
ወይስ
እቲ ሓቀኛ ኣኽባሪ ሕጊ፧
David P Carroll
Jun 29, 2022 11:33 AM
109.78.28.208

ጽብቕቲ ጸሓያዊት ኤርትራ።

ጸሓይ ኣዝያ ትበርቕ ኣላ
ሰማይ ድማ ኣዝዩ ጽቡቕን...
ሰማያዊን እተን ንኣሽቱ ኣዕዋፍን
ኣብ ኣስመራ ይደርፉ ኣለዉ።
ናብን ግራውትን
ጽቡቕ ፍሽኽታ ዝመልኦም እዮም።
ዕምባባታት ኣብኡ ክሳብ ክንድዚ ድሙቕን...
ቀይሕን ኣብኡ ፍሽኽ እናበለ ኣትዩ።
እቲ ውዑይ ብርሃን ጸሓይን ኤርትራን።
ጽብቕቲ ጸሓያዊት እያ።
ውዑይ ቦታን እቲ...
ሮዛዊ ሕብሪ ዘለዎ ሰማይ
ኣየ ከመይ ዝበለ ጽባቐ
ጸሓያዊ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ሎሚ
ውዑይ ልኡም ንፋስ ድማ
ምሉእ መዓልቲ ዝነፍሕን ናተይ...
ተዘክሮታት ኣስመራ
ፈጺሙ ኣይሃስስን እዩ።
ኣነ ድማ ወይነይ ይሰቲ ኣለኹ
ኣብ ኤርትራ ምሉእ መዓልቲ
ኣነ ድማ ኣዝየ ድሙቕ ፍሽኽታ እየ ዝገብር ዘለኹ
ብዙሕ ምዝንጋዕ ድማ
ኣነ ኣብ ውዑይ ውዑይ ጸሓይን ናተይ...
ኣኽቢርካ ክትሕልዎም ዘለካ ተዘክሮታትን ብዙሕን።
ሓጎስን ክንድዚ ሓጎስን...
ኩሉ ሰብ ፍሽኽታ ሒዙ ይስሕቕ
ኣብኡ ገጻትን ኣነ ወትሩ ክገብር እየ
ጸሓያዊ መዓልታተይ ዘክር
ኣብ ምጭውቲ ኤርትራ መዓልታዊ።

ዳዊት ፒ ካሮል።
ስእለ
Jun 12, 2022 10:16 PM
71.163.95.239
ዕስራ ሰነ
=====
ዘኩሩለይ ምስጋና ሃቡለይ
ቶም ስዉኣት ደቂ ኤረይ
ዝሓለፉ ንነጻነት መሰለይ
ንኤርትራ ነታ ወርቂ ሪመይ

እወ ዘኩሩለይ
'ቶም ዘግሃዱ ’ቲ ነጻነት ሕልመይ
ዝሓለፉ ክጽዋዕ ብኤረይ
ዝቐንጠጡ መግዛእቲ ሕሰመይ 

ሰብ መትከል'ዮም ሰብ ጽንዓት ሰብ ግብሪ
ሰብ ማዕተብ - ኣብ ሰላም ኣብ ወጥሪ
ግምባሮም ዝሃቡ - ንሃገር ንህዝቢ

ንዘክሮም ስዉኣት ጀጋኑ
ዕድላቶም ንኤሩ ዝሃቡ
ንሶም ሓሊፎም ኤርትራ ክትህሉ

ስለዚ
ንኽብረቶም ንዅርዓቶም
ሓደ ንዅን ኣይንኽሓዶም
ከይወግኣና እቲ ኣዕጽምቶም

ንዘክሮም ሓደ ኰና
ኣብ ወጻኢ ኣብ ሃገርና
ነቲ ሕድሮም ከየዕበርና
ክስዉኡ ዝበሉና፡

"ክንሳነ ኣብ ጉዕዞና
ሎሚ ጽባሕ ንዕምርና
'ቶም ዓመጽቲ ከይደፍሩ”
ስእለ
May 18, 2022 1:44 AM
173.79.211.135
ኣገናዕ ጥሕሻ!
======
ብንያም ኣምበሳ
ጅግና ጥሕሻ
ንፉዕ ብሽኳ
ዓለም ኣዛሪብካ

ኣብ ዙር ኢጣልያ
መላእ እውርጳ
ስምና ኣድሚቕካ

ኣየ ዳንጋ ኣየ ሳምቡእ
ኣየ ልቢ ኣየ ኣምዑት
ኣብቲ ሽኳ ሓደ ቅኒት

ፍቕሪ ሃገር ኣብ ዝባንካ
ሓላፍነት ተሰኪምካ
ኣስሚኻና ክብሪ ይሃብካ

ሓየት ኢኻ ናይ ቡኡነት
ሓበን ጸሊም ዘይትንየት
ኵርዓት ኤረይ በዓል ማዕተብ

መን ከማኻ ወዲ ባሕሪ
ሓው ዳኒኤል ምስ መርሃዊ …
ኮኾብ ጽባሕ ኵርዓት ህዝቢ

ኣስሚኻያ ሃገረ ስኒት
ሃገር ጽንዓት እዛ ሸዊት
ተሓቢነ ልዕሊ ትጽቢት

እንኳዕ ኣሐጐሰካ!
ስእለ
May 13, 2022 9:55 PM
173.79.211.135
ኤረይ
ድምጺ ልሳነይ
መጽሙር ዳዊተይ

ስምኪ ከልዕሎ
ክደጋግሞ
ውሽጠይ ደስ ይብሎ

እወ ይደጋግሞ
ብዘይ ተጽዕኖ
ኩሉ ክሰምዖ
ምዃንኪ ምልዖ

ኩሉ ክፈልጥ
መታን ከይህውትት
ስምኪ ክግምት
ስእለ
May 13, 2022 9:32 PM
173.79.211.135
ኣውኡ'ለና
======
'ቲ ምኽኣል ነብስኻ
ነጻ መስመር ሒዝካ
ተኻባቢርካ
ብቕንዕና ሺርካ
ምስ ሩሑቕ ቀረባ...
ተዀይኑ ሓጥያትና
እቲ መኽሰሲና
ኣውኡ'ለና ንሕና
ንሱ'ዩ መትከልና
እቲ ፖሊስና
ዓዲ ዘእትወና

ዝተቓለስናሉ
ደምና ዘፍሰስናሉ
ቀልዓለም ዘይብሉ

ክብሪ ዝበና
ሃሊና ሓሊፍና
ኣብዛ ሃገርና
ስእለ
May 13, 2022 9:21 PM
173.79.211.135
"ትግራይ ትስዕር፧"

ዳሓር'ከ
እንታይ ክትገብር፧

ክትልኣኽ ክትግድም
ክትጽይቕ ክትሕንክር
ከባቢ ከይምዕብል
ህዝቢ
ብሰላም ከይነብር

ንመን ረብሓ፧

ንኣውሮጳ ኣመሪካ
'ተን ዓለም ዘሰካሓ
መርበበን ከስፍሓ

እወ
ሰብ ከይወግሓሉ
ከይፈትሕ ሽግሩ
ዝጻባኣ ኣብ ኩሉ

ብስም ዲሞክራሲ
ሰብኣዊ መሰል ላግጺ
ዝፈጥራ 
ሕሰም ሽግር ነውጺ

ምዕራባውያን፡
ገበቲ ዓመጽቲ
ስሱዓት መዝመዝቲ
ናይ ዕንወት ሃንደስቲ

እንተ ወያነ
እዛ ብላሽ ዕነ
የብላን ኣጀንዳ
ናታ ናይ ብሕታ

ምኽዳም'ዩ ክእለታ
ንዶላር ንጻዕዳ
ነመግቢ ዕለታ

ክትኣምኑ ክትክሕዱ
ታሪኻ ገንጽሉ
ፈትሹ መርምሩ
ንሱ'ዮም ዝነግሩ
መለሳ ዘይብሉ
ቡቑል ፍጥር ክብሉ


ስእለ
Mar 31, 2022 2:03 PM
173.79.211.135
ሓየት!
===
ብንያም ሓየት ኣምበላይ
ወደቦይ ግርማይ
ሕልሙ ተርጓማይ

ኣገናዕ!
ጉልበትካ ይጽናዕ

ኵርዓተይ ኢኻ ኩታይ
ፈርጊ ነጸላይ
ሓበነይ ተስፋይ
ኣብቲ ኣደባባይ
ኣውሮጳ መን ከማይ

ታሪኽ ሰኒድካ
ዘዅርዕ ሃገርካ
ንዓኻ ህዝብኻ
ንመላእ ኣፍሪቃ
ኣብ ንኡስ ዕድሜኻ
ኣብ ሽኳ ሽግለታ
ኣብ በልጁም - ኣብቲ ረጋሕ ባይታ

ብርግጽ!
ኣርኣያ ኢኻ ብሉጽ
ሓላፍነቱ ዝፈልጥ

ዕዉት ኤርትራዊ
ኣብ ግጥም ስዓሪ
ብድሎ ብግብሪ

ዓለም ኣዛሪብካ
ከም ከኾብ ደሚቕካ
ይጽናዕ መሓውርካ

ሓበን ጅግና ኢኻ
ኣብነት ኮርዒዳ
ዓወት ዝልማድካ

ኣሰር ኣምበርካ
ኣብ ታሪኽ ሽግለታ
ኣብ ኤርትራ ሃገርካ
ወጻኢ ኣውሮጳ

እወ
ከም ኩሎም ኣሕዋትካ፡
መርሃዊ፡ ዳኒኤል 
ተስፎም፡ ናትናአል 
መኽሰብ፡ ኣማንአል 
ሄኖክ .... እቲ ጎብለል
ናይ ኣፍሪቃ ሻምፕዮን
ስእለ
Mar 24, 2022 12:41 AM
173.79.211.135
ደቂ ኤረይ፡
ምልኣት ልበይ
ኵርዓት ክብረይ
ኣብቲ ጋህዲ
ኣብቲ ሕልመይ

እወ
እስኹም
ኩሉኻትኩም
ወዲ ጓልጉም

ወትሩ ሕቡናት
ኣብቲ ብርሃን
ኣብቲ ጸልማት

ገጢምኩም ትረትዑ
ዓወት ትምንዝዑ
ፈታዊ ጸላኢ ተቕንኡ

ሙሩጻት ዕንቊ
ወርቂ ሓፈስቲ
ታሪኽ ፈጸምቲ

ኣንኳዕ ደስ በለና
ኣስሚኹማ ኤርትራ
ኣምበልቢላ ባንዴራና

መን ከማኹም፧

እስኹም ኤርትራ
ትሓልፉላ ትጎዩላ
ደጀን ዕርዳ ኣብ ወረራ

ኤርትራ'ውን እስኹም
ኲርዓትኩም ክብረትኩም
ተስፋ መጻኢኹም

ክሊቴኹም ዘይትነጻጸሉ 
ዓጽመ ስጋ ኣብ ኩሉ
ኣብ ራህዋ ኣብ ሽግሩ

በሉ 
ኪዱ ቀጽሉ
ህዝቢ ዓለም ኣገርሙ
ወርቂ ዓወት ቀራርሙ
ስእለ
Mar 1, 2022 1:49 PM
173.79.211.135
ድርብ መዐየሪ
=========
ይሃምም ኣሎ ይነጕድ ኣሎ
መድፍዕ ጠበንጃ ዓገብ ዘይትብሎ
ምሕረት ዘይብሉ ዘዐኑ ተሎ

እወ

ይድሰቕ ኣሎ ጽናዕ ተዳሎ
ፕሮፖጋንዳ በሎ ሓምትሎ
ዕንወት ዝዕድም ሰላም ጎደሎ

ወይ ሰብ ጉዳም ፈጣሪ ጸላም
ካብ ሕሉፍ ጌጋ ክንዲ ዝማሃር
ንዕንወት ጥፍኣት ይመክር ቋሕማም

ኢራቕ ሶርያ የመን ሊብያ ሶማልያ . . .
ትማል ክወሩ
ዕጂብ ዘይበሎም ሓንቲ ቃል ክብሉ
ሕጂ ሸበድበድ መን ይሓመሉ?

"ኢድ ሸናሒት ጸናሒት" ዝብልኹም ከምዚኣ'ያ በሉ
ዮናታን ሰሎሞን
Feb 21, 2022 10:23 PM
73.5.188.2

https://youtu.be/wsCz1U63oGs

How can Africa advance in Math and science so it can explore the Universe? Let me tell you something. I Learn in

Grade 1-12 different languages, 
Grade 1-3 in Tigrinya (Eritrea, Africa)
Grade 4-5 in Amharic (Ethiopian, Africa)
Grade  6  didn't go school, Immigrated to Sudan - Arabic (Africa) 
Grade 7-10 Germany the language is called Deutsch "Dosh"
Grade 11-12 English - USA

I was exposed to many different languages when I was growing up, and school wasn't easy for me to learn. To learn about languages and cultures, it was itself very challenging but I never gave up because I was on a mission to figure out how the west advances in technology and artificial intelligence. Intuitively, I knew that the west knows something that is abstract to us, so my mission is to figure out what they know and what kind of information we are lacking. I used to ask myself how the west advanced in technology and science and African didn't. Mathematics! Now, I'm thinking about the next generation 30 to 200 years from now we African can benefit from our contribution and research. That's why y0ou se0e me sharing about mathematics.

Now that I figure out what is behind all this technology and science, the secret is mathematics, I am studying my mother tongue (language) Tigrinya so that I can teach mathematics. I understand mathematics intuitively, and I am able to teach it in any language, so if any country, especially Africa, wants to advance in #science and #technology and #mathematics and I am able to consult.

The only challenge is now that we are used to learning mathematics in English and other western languages (German), do we accept and adapt easily to teach in African languages. I am willing and able to create even new African alphabets so mathematics can be taught with African languages so in half a century Africa can advance in science and technology and explore the Universe easily through mathematics. https://youtu.be/wsCz1U63oGs

#artificialintelligence #school #language #language #africa #africa #research #research #research #research
የቀንየለይ
ዮናታን ሰሎሞን


Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea