Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Feb 26, 2021 2:34 PM
173.73.25.191

ወይ ጉድ!


ጸገም ረኺባ 'ዛ ኤርትራ
ጉሓፍ ኣምስቲ ተደፊእዋ
ረሲሖም ከርስሕዋ

ክሲ ለያቡ ተዘሪእዋ
ዘይወዓለቶ ክጥቅንዋ
ካብቲ መንገዳ ንኽኣልይዋ

ኤረይ ውርዝይቲ
ኣይትውዕሎን ረሳሕ ጸይቂ
ታሪኽ ገንጽሉ ሕተቱ ህዝቢ

ሓደ ሓቂ ግን ኣምስቲ
ምዃንካ ንፈልጥ -
ጸረ-ሰላም መጣቖሲ
ኣንጻር ኤረትራ ሸርሒ ከም ተሳሲ

እስኻ
ዓለም ዝፈልጠካ፡
መንግስቲ ክትልውጥ
ህውከት ከተሳልጥ
ትሰርሕ ብዕቡጥ
ናይ ጥፍኣት ውድብ...ምዃንካ

ስእለ
Feb 22, 2021 4:34 PM
173.73.25.191

ሑሱር ሽጣራ
=======

ሕብረት ኣውሮጳ
ናይ ዝምታ ጃንዳ
ጸረ-ኣፍርቃ

ናይ ዓለም ቃርማ
መልሓስ ዘጥዕማ
ሃብቲ እንዳማተን ንኽቕርማ

ፈጠርቲ ሽግር
ኲናት ዕግርግር
ሰላም ዝሕንክር

ወያነ ሞይቱ
ኵርኩር ጽዓዱ
ልበን ሰምቢዱ

እወ
ረብሐአን ዘውሕስ
ሰላም ዝሕምስ
ጭፍራ 'ዚ ሩኹስ

ኤረይ ይኸሱ
ነገር ይፍሕሱ
ንኸጣቑሱ

ሑሱር ሽጣራ
ሓሶት ፈጠራ
ኣረጊት ዱላ

ኢትዮጵያ ኤርትራ ከይተሓባበራ
ነብሰን ከይክእላ
ቀንዲ ዕላማ
ምድሃል ኤርትራ
ስእለ
Feb 12, 2021 4:00 PM
173.73.25.191
ፈንቅል
====
ዝሰዓርካ ወራርን ሙኩሑን
ዝረታዕካ ዘራይን ዑሱቡን
መን ከማኻ ሓያላት ተድንን

ነዳል ግምባር ትልመን ክትምሕር
ንትብዓትካ መን'ሞ ዘይምስክር
ጎብለል ኢኻ ተዂርዕ ተሐብን

ብሳላኻ ኣለና ንነብር
ነጻ ኰይና ከም ሃገር ከም ህዝብን
ተሓቢንና ውዕሎኻ ንዝክር

ፈቅል ኢልና ነዐልል ንዝምር
ኣብቲ ባሕሪ ንሕምብስ ንዛውን
ሻርክ-ኣልቦ ዓፊኑ ዝቐትል
ስእለ
Feb 6, 2021 4:55 AM
173.73.25.191
ኣስተውዕል!
======
..ትራምፕ ኣልጊሱ
ባይደን መጺኡ
ካልእ ተተኪኡ
እንታይ ተሓዲሱ
ካብ ምቕያር ሰብ ሓሊፉ፧

ልቢ በል ሰማዒ
ተቕልብ ትሪኢ
ትኵር ኩን ኣስተውዕል
ጫፍ ሒዝካ ኣይተዕልል

‘ቲ ስርዓት ኣምብቦ
ታሪኹ ፍለጦ
ምዕማጽ ዘይዓጦ
ንዓመታት ዝተለማመዶ

ዝመጸ እንተመጸ ቃሉ ተወርጸጸ
‘ቲ ፖሊሲ ሓደ ኣይቅየር ኣይጽጸ
ካብ ገበል ዊሒጣ ፍትሒ ኣይትጸበ
ከምቶም ዝሓለፉ ኢምፓየር ኣሪጉ ከይሞተ
ስእለ
Jan 28, 2021 1:57 PM
173.73.25.191

ኣብዚኣ'ሞ ሓንሳብ፧

እዚ ኤርትራ ኤርትራ ምባል
ይዕርዕረኒ'ሎ እናሻዕ ምድግጋም
ናበይ ንምብጻሕ'ዩ እንታይከ ንምግባር፧

እወ ይዅርኳሓኒ'ሎ እዝነይ ኣይጥዕናን
ይበዝሕ ኣሎ ስም ኤረይ ምዝንጣል
ጭብጢ ዘየብሉ ሓሶት ምድግጋም

አረ እንታይ'ዩ ቁንቊኝኡ፧

ነገር ምድላይ ድዩ ዋላስ ሕማም
ወይስ ጣዕሳ ትማል ነገራት ምጽሕታር
ድሕሪ ክልተ ዓመት 'ቲ ማዕቀብ ምልዓል፧

ኣመሪካ ኣውሮጳ ጸረ-ሰላም
ኪኢላታት ነገራት ኣብ ምእላም
ዒብ ግበሩ ይኣክል ምትላል

ዓዲ ይሓሙ ጎደቦ ይሕጎሙ
ዋና ከሎ ዘገድሶ ዶባቱ ሃገሩ
ዘይተዳህየ ተዓሚጸ ተወሪረ ኢሉ
ኣብ ክንዲ መን እስኻትኩም ትዓፍሩ፧

ሒቒቕ ምስ ወያነ እንታይ'ዩ ትርጉሙ
ሞይቱ ዝተቐብረ ኣብ ጉድጓድ ዓለሙ
ዝጠፈአ መምለሲ ዘይብሉ፧

ወይን
ዝሻደነ ንዓኹም ኣሚኑ
ዝበደለ ጎረቤት ሃገሩ
ገበነኛ ህዝቢ ምስክሩ
ጠፊኡ'ዩ ክትክሕዱ ክትኣምኑ
ወሓጥዎ ሓዘንኩም ኣልዕሉ
ስእለ
Dec 30, 2020 7:25 PM
173.73.25.191
ዓመተ-2021
=======
ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ!
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘለና
እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓና!

ዝሓለፈ ሽግርና
ዝመጽእ ራህዋና
ይኹን ንኹልና

ከም ሃገር ከም ህዝቢ
ክንደምቕ ክንዓቢ
ንሓልዋ ፍቕሪ

ንዕብየት ንራህዋ
ንሰላም ሃገርና
ይስጠም ሓድነትና
ኣምባቢ
Dec 26, 2020 11:07 PM
67.183.185.124

ስእለ ታኣለ

ስእለ ሎሚ ታኣለ ኣይት ዓሹ
ነገር ኣእኪሉ ኢዩ ተበላሽዩ

ለለ ኣንዳበልካ መስኪን ተለኪምካ
ብደቡቡን ምዕራብን ከይመጹካ

ዘይሓሰብ ኣይወለድ 
ጨካን ኣይንገድ

ስእለ ድለ መህደሚ
ሎሚ ኣይኮነን ዓሚ 
ስእለ
Dec 26, 2020 9:18 PM
173.73.25.191
2021 ዓመት

ዝሓለፈ መከራና
ዝመጽእ ተስፋና
ስላምና ራህዋና
ይግበሮ ንዓና
ንህዝቢ ኤርትራ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘለና

ኩሉ ሕሰም ሓሊፉ
ኣሰሩ ገድፉ
ጭፍራ ተጓሒፉ

ምስጋና ንጂግና
በጃ ዝኾነልና
ንኤረይ ንዓና

በሉ
መወዳእታ ይግበሮ
'ቲ ጸገም ስሃሮ
ህዝብና ይኣኽሎ
ዋጋ ዝኸፈሎ

ሕጂ
ማርሻና ንቐይር
ናብ ልምዓት ክንወፍር
ድኽነት ክንቀብር
ሃገርና ክትምዕብል

ምኽንያቱ፡
የለን 'ቲ ዘዕገርግር
ንባዕዲ ዝኽድም
ሰላምና ዝሕንክር
ስእለ
Dec 9, 2020 8:51 PM
173.73.25.191
ደሃይ ዶ ኣለኩም ድሃይ ወያነ
ዕንቅፋት ሰላም እሾኽ ምዕባለ
ኣለኹ ትብል ዕምራ እንዳኣኽተመ፧

ጎርቢ ከባቢ ናይ ጥፍኣት ጭፍራ
ብቝል ክትብል ዘይቅርዑው ሕልማ
ቅኑዕ ክትሓስብ ትንፋስ ዝሓጽራ

ብዓሌት ቋንቋ ኣተፋኒና
ሰለይ ዝበለት ብኽድምና
‘ዛ ጸባብ ርእሲ ኣብቂዑ ዕምራ

አይ! አይ! አይይይይ
ተረፍ ተሓጓሰይ
ስእለ
Dec 9, 2020 8:44 PM
173.73.25.191
ምዕራባውያን concern፡
===============
ኢትዮጵያ ኤርትራ
ተረድኡ ጸገምና

ከልቢ ሃሪምኩሙልና
እቲ እሙን ልኡኹና
ኣገልጋሊ ረብሓና
ወኪል ዕላማና
ኣብ ኣፍሪቃ ላምና
ትሕለብ ድልየትና

እወ
ዘዕበናዮ መሪጽና
ኩሉ ሓገዝ ሂብና
ነበረ ኰይኑና
ጒሂና ሓዚና

ንፉዕ እንድዩ ነሩ
ዝለኣኽ ደኒኑ
እሺ ጐይታይ ዓቕሙ

ዓገብ ኣጥፊእኩሞ
ሕጂ -
እንታይ ኢና ንገብሮ
መን'ዩ ድልየትና ዝውክሎ
ዝለኣኸና -
ጥቕሚ ሃገሩ ህዝቡ ከይዓጀቦ፧

ኢድኩም ኣይትስኣኑ
እንታይ ዝግበር ኰይኑ
ወያነስ በኒኑ
ነበረያ ነበረ ኰይኑ
ሽፍታ ተቐይሩ

አይ! አይ! አይይይይ!
ስእለ
Dec 9, 2020 8:38 PM
173.73.25.191
ወያነ ምስ ሓቂ ተጓኒጹ
ሰምቢዱ'ዩ ይመስለኒ ተናዊጹ

"ሻዕብያ ማዕጾ ሰሪቑ"
"ፍሩታ እኽሊ ምስኡ..."
ኢሉ ኣውርዩ ከሲሱ
ዝገርም'ዩ ናይ ብሓቂ ዘደንጹ!

ጃንዳ ልቡ'ዩ ኣጥፊኡ
ኣይ ብጥዕናን ምስ ዉንኡ
ሻዕብያ ድኣ ዘይጠባዩ ዘይባህሪኡ

እንተ ዊዒልዎ
'ቲ ኲናት ኣትይዎ፡
ታንኪ ሄልኮፕተር መድፍዕ'ዩ ዝምንዝዕ
ስራሕ ናይ ጀጋኑ ጸላኢ ዘንብዕ

ጭፍራ
ካብ እግሩ ኣፉ'ዩ ተዓንቂፉ
ወይ ዓቢዱ'ሎ ተጎኒፉ
በቲ ኲናት ሲሒቱ ኣንፈቱ

ጎይታ ሓሶት ስርቂ ሕላገቱ
እቲ ናቱ ገርዎ ንሓማቱ
ከይሓፈረ መምህሩ ከሲሱ
Ambabi
Nov 29, 2020 8:20 PM
67.183.185.124

war that consume dictators

Aybelnan do aybelnan do
MIK
Nov 14, 2020 10:19 PM
72.80.223.88

TPLF Mentality

TPLF's mentality arises from inferiority-complex-induced superiority complex. Among the many forms of the manifestations of this mentality are delusional and megalomaniac thinking. The lack of logic is rampant most of (in all?) of its discourses. Here is one example that you find somewhere below this comment on this same page.

.
.
.

Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya +/- Jeberti


+ = good 


diversity = power

diversity = strength

Jeberti = Tigrinya-speaking Muslims in Eritrea 

Jeberti = Tigrinya-speaking Muslims in Tigray Ethiopia

Jeberti = diversity

Jeberti = ** special link  ** 

Jeberti = good

Time for change

.
.
.

?????????????????????????????
Jeberti = good, I AGREE!

+ = good? It depends on what you are + ing! In what context?
diversity = power, diversity = strength?  Tell me about the context!
Jeberty = Tigrigna-speaking Muslims in Eritrea, CORRECT!
.
. 
.
Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya +/- Jeberti, WAIT A MINUTE. aLL THIS CONVOLUTED THINKING IS TO JUSTIFY THIS CONCLUSION????

Look at this,
Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya, ----LOGIC? Ethno-linguistic classification. No religion involved in the classification! "Jeberty" is included in "Tigrinya". The other key word is "Muslim". Muslim is included in all the other nine classifications! It is illogical to argue 
Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya +/- Jeberti, and then "diversity", "special link"! 

Yeah, I know the aim is to advertise your website. Sorry, I for one, have stopped reading anything that deducts from the useful knowledge I know, no matter how little it is! That's why I personally stopped reading anything authored by "opposition" and TPLF. Judging by your convoluted logic, I will not visit your site either!
MIK
Nov 14, 2020 9:27 PM
72.80.223.88

MONSTERS

Eritrea is in the right. Right or wrong, my country forever! ERITREA FOR EVER!

MIK
Nov 14, 2020 9:17 PM
72.80.223.88

Goodbye "Welome - - - ~Goodbye Dehai

You want to import the disease that prevails south of the border? GOODBYE AND GOOD RIDDANCE WITH YOU AND YOUR NONSENSE!!!

ስእለ
Nov 8, 2020 3:56 AM
173.73.25.191
እንታይከ ይድረፍ ኣሎ? (For a laugh)

*ኤርትራ ዘውርር 'ታይ ነሩኒ
ባዕለይ ገረያ እየ ትርከበኒ።

*ምስ ሻዕብያ ዘባእስ 'ታይ ነሩኒ
ኣጆኻ C.I.A. እዩ የዐሽዩኒ።

*ዓብዪ ለሙኑለይ
ናይ እማን ገርዎ ከሕጽሮ ዕምረይ።

*ኢሳያስ ሸምጉሉለይ
ንዓብዪ ክኹርየለይ።

*ወይነ ዕዋኖ
ተኸቢቡ ይደሰቕ ኣሎ።

........ምውልእሉ
EritreaforEritreans
Oct 24, 2020 12:08 AM
66.115.145.4

Welcome Guests and Good bye Dehai

Eritrea = diverse --> diversity

Eritrea = Afar, Beja, Bilen, Kunama, Nara, Saho, Tigre, Tigrinya +/- Jeberti 


+ = good


diversity = power

diversity = strength

Jeberti = Tigrinya-speaking Muslims in Eritrea 

Jeberti = Tigrinya-speaking Muslims in Tigray Ethiopia

Jeberti = diversity

Jeberti = ** special link  ** 

Jeberti = good

Time for change


any psychologists in the house?

what's Return of the Repressed?  hmm... donno



Eritreans repress language Tigrinya?  ..........  No

Ethiopian-Tigrayans repress language Tigrinya?  .......... hmm, we don't know. 



Dehai ?  diverse voices today?   .......... No

Dehai ?  safe space ?  ..........   No


Bible Proverbs 15:22-24,  New International Version
"Plans fail for lack of counsel, but with many advisers they succeed."

many advisers = diverse voices ~  diversity

effervescence of "Tigrinya" in dehai ...  Eritrean voices?   hmm... 

Eritreans ~ repress language?   No

Tigrayans ~ repress language?   We do not know.


effervescence in Dehai...?  ===>   Return of the Repressed?     Hmmm.....

who's in dehai? 



diversity serve Eritrea?   Oh yeah!

Who's controlling the medium?

“Whoever controls the media, controls the mind.”  Jim Morrison 

"He who controls the media controls the minds of the public."   Noam Chomsky


Time for new medium?     Oh yeah!

new forum?  Oh Yeah!


get rid of "Tigrinya" word "dehai"     ... hmmm Yes.  should consider

Tigrinya word "dehai" accomodating to non-Tigrinya Eritreans?   ... hmm... no

Tigrinya word "dehai" accomodating to non-Eritrean Ethiopians => Tigrayans?   ... yeah


do diversity?..  OK

time for new forum.  ~~~~~~~~~~   idea formulating now.....

time for a forum with an accomodating neutral name.   nodding head.

time for safe space -  Agreed.


dehai no safe space


how about "www.thoughtfortheday.com"

ስእለ
Sep 1, 2020 2:53 AM
173.73.25.191
ሓደ መስከረም ስሳን ሓደን
ኣብ ጎቦ ኣዳል 'ቲ ድምጺ ደወል
ድምጺ ጥይት ተበገስ ጎብለል
ሽቶ ሃሪሙ እነሆ ይዝከር

ሓደ ድሕሪ ሓደ
ወራር ዝተረረ
ሂወት ዝዓርዓረ
ተመኪቱ ብእብረ

መስዋእቲ ከፊልና
ከበሳ ቆላና
ነጻ ህዝቢ ኰና

ሳላ ዝመከትና ዝሓበርና
ወራሪ ዑሱቡ ዝሰዓርና
ብዅርዓት ሓበን ንነብር ኣለና

እወ
ኤረይ ጨቢጥና
ክሳድና ኣቕኒዕና
ንምርሽ ቅድሜና
ጽባሕ ክሓይሽ ተስፋ ኣምቢርና
ስእለ
Aug 23, 2020 3:52 AM
173.73.25.191
ኣንቲ ሳዋ፡
ትሰምዒዶ ኣለኺ ዝኹሉ ዘረባ
ካብ ለያቡ ሰብ ሩሑቕ ቀረባ
ኣፎም መዓር ልቦም ካራ፧

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጌጋ’ዩ ይብሉና
ብሰብኣዊ መሰል ይኸሱና
ኣብ ክንዲ ዝሕጉዙ ዘተባቡዑና

ዝገርም’ዩ!

ስለ ዝተጋህና ዝሰራሕና
ረብሓና ጥቕምና ዝፈለጥና
ሓድነት ሰላምና ዝዓቀብና
ዓይኖም ደም ሰሪቡ ሰላም ይኸልኡና

ጦብሎቕ ይብሉ ኣብ ዕማም ውራይና
ይህቅኑ ክመርሑ ሓዳርና
መሲልዎም ትማል ተወለድና
ዘይንፈልጥ ‘ቲ ዘዋጻኣና

ኳሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ
ስዉር መጋብሮም ንእኩብ በተንቲ
መንሽሮ ሰላም ሰብ ረብሓ ገበቲ

ስሙዑ
ክትፈልጡ ክትቀብጹ!

ነውራማት ሰብ ጥፍኣት
መዝመዝቲ መንዳዓት
ኢድኩም ሃቡ ንሕናስ ነይንጻዓድ
ሳዋስ ቀጻሊት’ያ ንሰላም ንልምዓት
ስእለ
Jul 23, 2020 1:30 PM
173.73.25.191
ኣለና
===
ዋይ ክሓስም ታሪኽ ምዝካር
ታሪኽ ዝርያ ፍትሒ ምቕታል
ታሪኽ ዓመጽ ሓቂ ምቕባር
ታሪኽ ዓሎቕ 'ቲ ምጭብርባር
ነጻ ኤረይ ንምዕምጣር

ኣመሪካ ድሕረ ግምባር
ሱዛን ራይስ ብምውካል
ንወያነ ሓይሊ ምዃን
ተመንዮም 
ኤርትራ ምቁጽጻር  

እወ
ተዘሪና ተዓሚጽና
ሓደ ኰይኖም ከጥፉኡና
ግና
ሲዒርናዮም ብጽንዓትና

ክወሩና ዘራፍ ኢሎም
ሓመድ ምድሪ ኣዳሪኖም
ተደሪዖም ኢዶም ሂቦም

ግደፉ ኢልና መኺርናዮም
ሕጊ ስርዓት ክረኣዮም
ምስ ኣቕበጹ ደሲቕናዮም

ተስፋ ገሮም ክስዕሩና
ዘይሕብርና ክለኽዩና
መኪትናዮም ሓቂ ሒዝና

ተሃንዲዶም ከጥፉኡና
ከም እንጀራ ክበልዑና
ጎኒእናዮም ከም መሸላ

ንወድቀትና ተላፊኖም
ደጋጊሞም ኣጸሊሞም
ኣይከኣሉን ኣሕፊርናዮም

ክሓስመና ተማህሊሎም
ኣይሰመረን 'ቲ ጸሎቶም
ተሰልቢጡ ናብቲ ርእሶም

ንሕና ኣለና ምስ ክብርና
ኣብ ሃገርና ኣብ ኤርትራ
ነታ ጭፍራ እንዳሳሓቕና
ሱዛን ራይስ እንዳረገምና
ዝሓነቐት ጎሮረና

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events