Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Nov 22, 2021 11:30 PM
173.79.211.135

ኣባይ ሸሪኡ
=======
'ቲ መስዋእትና
ተኻዕወ ደምና
ሓቂ ድምጽና
መትከል እምነትና
ትማሊ፡
ነጻነት ኣውሒሱ
ጸልማት ቀንጢጡ
ጸሓይ ኣብሪቑ

ሎሚ’ውን 
ከም ትማሊ
ብዓቕሊ ግብሪ
ህዝቢ ኣንቂሑ
ራኢኡ ኣስፊሑ
ገሩ
ከስምዕ ድምጹ
ንሓርነቱ
ኣንጻር ጸላእቱ

እወ

ኣብ ሩሑቕ ቀረባ
ስግር ባሕሪ ሩባ
ሓቂ ዓቲሩ
ኣባይ በሊሉ
'ቲ ክፉእ ግብሩ

የድሂ'ሎ፡
ይኣክል ዓመጽ
ምዝመዛ ጎነጽ
ናይ ምዕራብ ቅጥፈት
መሰረት ዕንወት

ኣባይ ሸሪኡ
‘ቲ ለውጢ ሪኡ
ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ
ህዝቢ ዋንኡ

ብርግጽ!

እንተ ጸኒዕና
ቅልጽምና ኣሕቢርና
ክንርኢ ኢና
ክሰዓር ጓና
'ቲ መንቀኛና
ጠንቂ ሕሰምና
Bereket
Nov 18, 2021 11:02 PM
148.167.132.250

Here below is a URL link for an interesting & informative video that might widen your view of how African American of African origin are treated in a nation that time & again has advertised itself as the only free nation of all nations of the world.

https://www.youtube.com/watch?v=T2EGYqYXVRk

ስእለ
Nov 16, 2021 8:14 PM
148.184.174.62
ሓደ ንዂን
======
ንሃገርና ንናጽነትና
ንባዴራና ንኽብርና
ሓደ ንዂን ከም ቀደምና

ስምረትና'ዩ ሓድነትና
'ቲ ንቕሓትና ጥርናፈና
ዝሰዓረ ጸላእትና

ብሃገርና ኣይንጣላዕ
ንቀራረብ ንሰማማዕ
ኣየድልን ምግድዳዕ
ከይንኸውን -
መፍቶ ኣባይ እቲ ጭርናዕ
ስእለ
Nov 15, 2021 1:59 PM
173.79.211.135
ሞት ግዴኺ’ዶ ሙቲ፧
===========
ሞት
ሕሰም ድዩ ቅንኢ ዕንትርና ምልኪ
ዋላስ ሕነ ጽልኢ ሃብሮማት ትወስዲ፧

ኣብ ክንዲ፡
ሰብ ማሕላ ሰብ ኪዳን ጀጋኑ
ሂወቶም ከፊሎም ኤረይ ዝደኮኑ
ዉፉያት ሰብ ስረ ኣብ ፍትሒ ዝኣምኑ
ትወስዲ
እስኺ’ዶ ሙቲ ንሳቶም ክነበሩ

ንራህዋ ምዕባለ ዝሰርሑ ዝደኽሙ
ንነብሶም ገዲፎም ህዝቢ ዘገልግሉ 
ኣብ ራህዋ ኣብ ሽግር ኤርትራ ዝብሉ
ነውሪ ክትወስድዮም ኣለና እንዳበሉ

ዓገብ ሞት! 

ሕማቕ ፍርዲ ጀጋኑ ክትወስዲ
ኣቕሒርክዮ ህዝቢ ኩሉ ጸሊኡኪ
ግዴኺ’ዶ ሙቲ ከዐርፍ ግዳይኪ

በቲ ሓመድ እምኒ ከቢድ ተጸቐጢ
እቲ ሓዘን ብኽያት ከብቅዕ ድሕሬኺ
ጅግና 
ከስተማቕር ምምባር - ኣብዛ መሬት ሕድሪ

RIP ጅግና ኣልኣሚን መሓመድ ሲዒድ
ስእለ
Nov 3, 2021 10:05 PM
173.79.211.135
መን'ዩ እዚ ሃብሮም፧
============
ምስ ዝነፈሱ ዘይነፍስ
ብስቕታ ዝምልስ
ዝቐጽዕ ዝቕልስ
ካብ ጀጋኑ ዕጉስ

ፍጥር ክብል ትኩር
ዘይርበሽ ኣብ ጽንኩር
ብዓወት ዘይሰክር
ጸላእቱ ዘንገርግር
መን’ዩ እዚ ሙኩር፧

እወ

ኣብ ነብሱ ዝኣምን
ዘይክድም ንማንም
ጉምብሕ-ጥልዕ ዘይብል

ብዓሎቕ ዘይስምብድ
ምስ ሓዘ ዘይሰድድ
ክሳዶም ዘኸንድድ
መን'ዩ እዚ ዕዉት፧

ክሕገዝ ዘይጥላዕ
ሰሪሑ ዝንሳዕ
ዘይብል ቀልባዕባዕ
ወስለትለት ጠራዕራዕ

መን'ዩ
ዘየአንግድ ጭርናዕ፧

ጸላኢኡ ሃሱስ
ዝሕሱ ዘካውስ
'ቲ ወራሪ ሩኹስ

ኣብ ራህዋ ጽንኩሩ
ቅንዕና መትከሉ
ታሪኽ ምስክሩ

በሪሁ ጸልሚቱ
ክበጽሖ 'ቲ ሓቁ
ዘይስሕት መንገዱ፧

ፍሉይ'ዩ በይኑ
ዘይደንን ፈጹሙ
ጥቐሱለይ ስሙ፧

ኮለል ኣይትበሉ
ክትክሕዱ ክትኣምኑ
ክነግረኩም ስሙ፡

ሻዕብያ'ዩ - ዋርሳይ ይከኣሎ
‘ቲ ሞጒቱ ዝረትዕ
ገጢሙ ዘግርዕ
ጸላእቱ ዘንብዕ
ኣብ ሓቂ ዝትርንዕ!
tesfa
Sep 28, 2021 1:45 AM
148.167.132.250

Have you ever come across this article? Open the link and read it. Here is the link. http://www.madote.com/2014/08/eritreans-should-be-thankful-that.html

Thank you

ስእለ
Sep 18, 2021 9:52 AM
173.79.211.135
ቅልጽምካ ኣሕብሮ
=========
ትኩር ኤርትራዊ ቅልጽምካ ኣሕብሮ
ደመኛ ጸላኢ ዓመጽ ዘዐወሮ
ክብርኻ ክገፍፍ ይንቊ የድሂ ኣሎ

ሰባብ'ዩ ጒሒላ ዘይሓፍር ዓማጺ
ሕጊ ዘይዳንዮ ዘይናቱ ኮላሲ
ናይ ዘመና ኣሞራ ኣብ ኩሉ ዝዝምቢ

ዝብኢ ጽባሕ ፍጹም ዘየናሕሲ
ሕፍረት-ኣልቦ ዝራሲ ዘማቲ
ረጋጽ ሕጊ ንዉጹዕ ከሳሲ

ንዓመታት ዝተጻባኣና 
ከይንዓቢ ነጻ ሃገር ሒዝና
ኣመሪካ’ዩ ጒሒላ ደመኛ

ዘይበልየሉ ዓመጽ ሕስድና 
ንዓመታት ዘዛረየ ደምና
ከይንቐስን ድቃስ ከሊኡና

እሞ
ክብሪ ሃገር ክዕቀብ ከይድፈር
ሓደ ንዅን ከም ትማሊ ቐደም  
ክንምክቶ ስስዐ ሃረምረም
ሃሊና ሓሊፍና ኤርትራ ትንበር
Yonatan Solomon Russom
Sep 6, 2021 12:01 AM
64.129.31.146

Japanese Literature:

From Eritrea to Turkey, Russian Empire

-Abraham, Pushkin's great-grandfather who had a strange fate-

Abraham was a boy who lived near Asmara in Eritrea when he was called "Medri-Bahri". The father, who was the head of the area, is said to be very wealthy, had many wives, and had 19 children. Eventually, the Turkish invasion spread to this area and was defeated after being involved in a fierce defense battle. Abraham, then eight years old, was captured by enemy forces and taken as a slave to Constantinople (now Istanbul). Elder sister Lagan goes crazy to save her beloved brother and tries to swim in the sea to help, but is said to have drowned and died before reaching the ship on which his brother was aboard.

Abraham had been working in the Sultan's court in Constantinople for about a year. At that time, Russia was the time of Peter the Great, and the Russian ambassador to Turkey, Count Saba Ragzinski, was looking for a "little wise African slave" for the emperor. Having such African slaves was a convention in the courts of the great European powers of the time. Abraham was chosen as a "gift" and the Russian ambassador bribed senior Sultan officials to buy Abraham immediately and send it to the Russian emperor.

Peter the Great is very pleased to baptize Abraham in the Orthodox Church of Vilnius, Lithuania. The Emperor himself became Abraham's Godfather, and the Godmother was the Queen of Poland. Abraham soon became a favorite of the Emperor and accompanied him on trips to various parts of Europe, including Paris. Abraham joins the army and quickly emerges with courage and leadership. During his stay in France, he served in the army of Prince Philip, Duke of Regent of Louis XV, and although he made a mark against Spain, he was injured and returned to Japan. After returning to Japan, he is said to have married the daughter of an aristocrat who was a matchmaker of the Emperor.

Abraham has always been proud of his African identity, and by 1735 he added the name of the famous African general "Hannibal" to his name Abraham Petrov and renamed it Abraham Petrovich Hannibal. In 1752, Hannibal was promoted to major general, and the young boy, who was finally taken away from Eritrea at the age of eight, became the military technology director of the entire Russian army.

Alexander Pushkin is the great-grandson of Abraha``1m. Known for "Eugene Onegin," "The Queen of Spades," and "The Captain's Daughter," Pushkin is also known as the father of modern Russian literature and a national poet. Despite being estranged from the government of the time, he has published numerous works and laid the foundation for modern Russian literature. Like his great-grandfather Abraham, Pushkin continued to be very proud of his African identity. Pushkin, who had not only literary talent but also wit, courage and dignity, was also the lover of the most attractive women of the time. Pushkin's short life of 38 years ended with a duel with a French guard officer who argued with his beautiful wife.

ስእለ
Sep 1, 2021 6:06 AM
173.79.211.135
ሓደ መስከረም ‘61
==========
ሓደ መስከረም ስሳን ሓደን
ኣብ ጎቦ ኣዳል 'ታ ድምጺ ደወል
ድምጺ ጥይት ተበገስ ጎብለል
ንመሪር ቃልሲ ነዊሕ ሸንኮለል
ሽቶ ሃሪማ እነሆ ይዕለል
ኣብ ነጻ ኤርትራ ወርትግ ትዝከር

ጉዕዞ ሰውራ 'ቲ ዝመረረ
ኣሽሓት ጅግና ሓመድ ዘስፈረ
ብጽንዓት ሓቦ ኰይኑ ነበረ

ሳላ መኸተ ጽኑዕ ህዝብና
ወራሪ ዑሱብ ሓመድ ዘስተና
ብዅርዓት ሓበን ክሳድና ኣቕኒዕና
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ንሳለ ኣለና
ክብሪ ንስዉእ ስውእቲ ጅግና 
ስእለ
Aug 27, 2021 8:48 AM
173.79.211.135
ስነ-ጥበብ ተዘሚቱ
ወዲ ገብሩ መይቱ
ሕዘኑ ብኸዩ ፈተውቱ ስዓብቱ

ተዘካሪ ድምጹ ትሕዝቶ ቃላቱ
ስነ-ጥበባዊ ሃገሩ ዝፈቱ
ብሞት ተፈልዩና ጥበብ ተዘሚቱ

ኣብ’ቲ ጸልማት እዋን ጭቆና መግዛእቲ
ድምጹ ዘበረኸ ንመኸተ ባህሊ
ሓደ ካብ ሃብሮማት ጅግና ኤርትራዊ

ንፍቕሪ ሰላም ንሃገር ዕማም 
ኣብ ዓውደ ኲናት ኣብ ቅድመ ግምባር
ብዓውታ ወኒ ዘዜመ ደፋር

ኣብ ጣዕሚ ሙዚቃ መቓረት ዝሃበ
ክዕምብብ ክደምቕ ዓቕሙ ዝደኸመ
ወናም ሃገራዊ ብድምጹ ዝልለ

ዓው ኢሉ ዘሚሩ ህዝቢ ኣባራቢሩ
ተንኮል ጉሓላሉ ኣብ ቅርዓት በሊሉ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ መሪሕ ተስፋ ኰይኑ

ሰሚዕካ ዘይምኖ እናሻዕ ይደገም
ድምጺ ወለዶታት ናይ ሎም ናይ ቀደም
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ኤርትራዊ ሓበን

ግና
ምምባር ጥዑም ገና ከይጸገበ
ሃብሮም ጅግና ብድምጹ ዝልለ
ስውር ኢሉ ኣለኹ እንዳበለ

ናይ ሞት ነገር ሕማቕ ከጽላኣካ
ትበሊ ትብስብስ ኣብ ጉድጓድ ኣቲኻ
ብቤተሰብ ዜጋ እንዳ ተዘከርካ    

በሉ
መንግስተ ሰማይ ንባሃር መዋቲ
ጽንዓት ንቤተ ሰብ ንኹሎም ፈተውቲ
ሂወት ግመ’ያ ጣቓ - በናኒት ከም ትኪ
ስእለ
Aug 24, 2021 1:48 AM
173.79.211.135
መዓስ’ዩ ደው ክብል፧
==========
ወራር ምስ እገዳ ቀጥዒ ዝሰኣነ
ሃገራት መንግስታት ዓቕመን ዘዳኸመ
ዓመጽ ኣመሪካ መዓስ’ዩ ክዕረ፧

ገባቲ ስርዓት ብሓይሉ ዝምካሕ
ናይ ዘበና ዑቡይ ፋሉል መንደረጋሕ
እገዳ ገርዎ መዓልታዊ ስራሕ

ብሓይሉ ሻዲኑ ቅልጽሙ ኣሚኑ
ይእግድ በልማማ ድኹሙ ሓያሉ
ክሳዱ ከድንን ክግዛእ ንጥቕሙ

ሃገራት መንግስታት  
መራሕቲ ሰልፍታት
ኩለን ኩባንያታት
ታጁር ውልቀ ሰባት
ኣይፋልን ዝበላ ዓማጺ ትእዛታት
ኣደራዕ ይወርደን ቀታሊ ማዕቀባት 

ህዝቢ ከይርህዎ ከይነብር ቀሲኑ
ሰሪሑ ነጊዱ ከይፈትሕ ሽግሩ
ዓመጽ ኣመሪካ ጸገም ኰይኑ ኣብ ኩሉ 

እዝስ ምጭፍላቕ’ዩ ብሂወትካ ምቕታል
ፍትሒ ዘየብሉ እንዳራኣኻ ምቕባር
ማንም ዘይቅበሎ ጋንየናዊ ተግባር

እወ

ስርዓት ኣመሪካ ሕልና ዘይብሉ
እገዳ ምንቛት ገርዎ ሓዳሩ
ምስኪን ህዝቢ ዓለም ኣብ ጸገም ሸሚሙ
ስእለ
Aug 23, 2021 9:54 PM
173.79.211.135
ጠገለ ሲኢኑ
=======
ኣብ ዓለምና
እዛ ንነብረላ
ክሳብ ሕጂ
ፈውሲ ዘይተረኽቦ
ናይ ሰላም ምንሽሮ
'ቲ ገበተ
ወሲዱ ዘይኣኽሎ
ዓመጽ ዘየሕፍሮ
ሓይሊ ዘሻደኖ
ኣመሪካ’ዩ
ሕጊ ዘይቅይዶ
ክወርር ዘይዓጅቦ
ብስዉር ብግህዶ

ዓለም ብጽቢጽዋ
ሰላም ከሊእዋ
ምጽጋብ ሲኢንዋ
ጊሂጹ ብደዋ

ኣብ ምዕራብ ኣብ ምብራቕ
ኣብ ሰሜን ኣብ ደቡብ
ሓሓሊፉ ይብጽብጽ …

እወ

የባእሲ የናቝት
ይድስቕ ይእግድ፡
ሃገራት መንግስታት
መራሕቲ ሰልፍታት
ኩሎም ውልቀ ሰባት
እቶም ዘይሙኡዙዛት
ንኣመሪካ ስርዓት

ሎምስ መሪሩ 
ሓሊፉ መጠኑ
ዓመጹ በደሉ
‘ቲ ዝገብሮ ኩሉ

ጠገለ ሲኢኑ
እገዳ ሕሰሙ
ብኣይ ተማእዘኑ
ልብያ፣ ሶርያ፣ ኢራቕ፣ ሶማል …. ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ … ምስክሩ
ስእለ
Aug 4, 2021 6:57 PM
173.73.25.191
ንመን ኢና ንነግሮ፧
==========
ኣንታ ኣባጅጎ
እንታይ'ዩ ዝግበሮ
ንመን ኢና ንነግሮ
መን'ዩ ዓገብ ዝብሎ
ኣመሪካ
ናይ ሰላም መንሽሮ
ዓመጹ ክእርሞ፧

ክትኣምኖ መስደመም
'ቲ ዝገብሮ ገበን
ኣብ ኵርንዓት ዓለም
ረብሕኡ ከይሽርመም

ብግልጺ ብድብያ
ብማዕቀብ ብጉጥያ
ዓለም ሃዊኽዋ
ሰላም ነፊግዋ
ትብሎ ሓርቢትዋ

እንተ ብኢድ ኣዙር
ብቐጥታ ኣዅድር
ሰላማ ይሕንክር
ይወርር የቃትል

ስሱዕ ገነነኛ
ዝተሳእኖ ዳኛ
ህድኣት ነፊጉና

ኣንታ ኣምላኽ
ገለ ግበረልና
ኢዱ ኣሕጽረልና
እፎይታ ክበና

ከይንገጥሞ
ዓቕሚ ደሪቱና
ክንሳቐ መዋእል ኰይኑና
ምስ ጭፍርኡ ዓመታት ዘርዩና
ሓቂ ከሎ ኣብ ኢድና ጎንና
ambabi
Jul 1, 2021 1:47 AM
67.161.94.164
ኣይተ ስ ኣለ ኣለካ ዶ
ዋላሳ ኢካ ኣብ ማኦዶ
ኣበይከ ክትከዶ
ወሪዱካ ዶ
ኮንካ ባዶ
ኮይንካ ንዶ
ባዶ ኢካ ባዶ
ህደም ህደም
ኣይትቀደም
ከይነጥረካ ደም
Ambabi
Jun 23, 2021 8:44 PM
67.161.94.164
TESFA, I think you are still in deep sleep. Wake up things are now changed completely. Eritrea has never been under an administration that believes in Eritrean interest at least for the last 30 years. If you can not see the reality for your selves then something must went wrong in your mind. No single Eritrean will rally behind you and your old political corrosion anymore stop wasting your time.
TESFA
Jun 8, 2021 11:22 AM
72.201.90.19

Is there any true & well informed Eritrean who would care to tell me what is going on with the Eritrean patriotic & semi patriotic website? I see websites of traitors & semi traitors are widely open & kicking doing the very same things they are well known for, such as lying, about anything and everything that Eritreans hold dear.

I have one message to all patriotic Eritreans, and that is:-

“SURRENDER IS NOT AN OPTION, SPECIFICALLy TO ALL COUNTRY LOVING ERITREANS. LET US FIGHT A GOOD FIGHT AND FREE OURSELVES FROM WHATEVER HOLDING US TO BE SILENT

tesfa
May 30, 2021 12:04 AM
148.167.132.250
test
ስእለ
Mar 5, 2021 3:29 PM
173.73.25.191

ባድመ

ገሪምኪ ዶ 'ቲ ኹሉ ዝኾነ፧

ከዳሚ ክእለ
ኣብ ክልተ ቅነ
ከምዛ ዘይነበረ፧

ንዓኺ/ባድመ ኣሳቢቡ
ዘንወሐ ኣጽፋሩ
ኣሳጉማ ኣእጋሩ
ክውንን ዘይባሕሩ
ወያነ
ኣኽቲሙ ዕምሩ

ዝሓዞ ሲኢኑ
ጠፊኡ ባዲሙ
ዘይነበረ ኰይኑ
ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ

ባድመ
እንኳዕ ሓጐስ ኰነ ራህዋ ኰነ
ዓወት ኰይኑ ባንዴራ ተተኽለ

ምስጋና ንጅግና
በጃ ዝኮነልኪ ዝኾነልና
ንዓኺ ንዓና!

ደላይ ሰላም -
ኩሉ ዮሃና ኢሉ
ዓሊሉ ኣመስጊኑ
ዝተኸፍለ ዘኪሩ
ስእለ
Mar 2, 2021 5:28 PM
173.73.25.191
ሰብ ርጉም
ሰብ ብሰቡ
እቲ ጻዕዳ ሕብሩ

ተንኮለኛ ስሱዕ
ሂወት ሰብ ዝበልዕ
ፍቕሪ ሰላም ዘናግዕ

በሊሕ ዘደናግር
ክትኣምኖ ዘሸግር
መኽሰቡ -
ካብ ውግእ ዕግርግር

ንዓለም ብሒቱ
ከዐቢ ጸግኡ
ኣመሪካ
ሃዊኽና ኣኽፊኡ
ከደምቱ ኣምሪሑ
ስእለ
Feb 28, 2021 12:46 AM
173.73.25.191

በቃ

ተረባረብ ኰይኑ
ወያነ ክሕሱ
ሰብ ሓቂ ከቃልዑ
ሓሶቱ ሸፈጡ

እንታይ'ዩ ዕላምኡ
ብሓሶት ዓቢዱ
ድሕሪ ውድቀት ስዕረቱ፧

ኣበይ'ዩ ክበጽሕ
እንታይ'ዩ ክረብሕ
ሓስዩ ከውግሕ
ስቓይ ህዝቢ ዘራብሕ፧

ዙሩግ ጭፍራ
ዘይብሉ ዕላማ
ዕንቅፋት ቃርማ

ወያነ
ጉጂለ ሽፍታ
ልኡኽ ሰብ ረብሓ
ሕሰብ ደጊምካ
ርእሲ ተለካ
ንረብሓ ህዝብኻ

ይኣክል ዝሓለፈ
'ቲ በደል ብድዐ
ሰላም ዝሓንከረ
ሂወት ዝቐበረ

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events