Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Sep 1, 2021 6:06 AM
173.79.211.135
ሓደ መስከረም ‘61
==========
ሓደ መስከረም ስሳን ሓደን
ኣብ ጎቦ ኣዳል 'ታ ድምጺ ደወል
ድምጺ ጥይት ተበገስ ጎብለል
ንመሪር ቃልሲ ነዊሕ ሸንኮለል
ሽቶ ሃሪማ እነሆ ይዕለል
ኣብ ነጻ ኤርትራ ወርትግ ትዝከር

ጉዕዞ ሰውራ 'ቲ ዝመረረ
ኣሽሓት ጅግና ሓመድ ዘስፈረ
ብጽንዓት ሓቦ ኰይኑ ነበረ

ሳላ መኸተ ጽኑዕ ህዝብና
ወራሪ ዑሱብ ሓመድ ዘስተና
ብዅርዓት ሓበን ክሳድና ኣቕኒዕና
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ንሳለ ኣለና
ክብሪ ንስዉእ ስውእቲ ጅግና 
ስእለ
Aug 27, 2021 8:48 AM
173.79.211.135
ስነ-ጥበብ ተዘሚቱ
ወዲ ገብሩ መይቱ
ሕዘኑ ብኸዩ ፈተውቱ ስዓብቱ

ተዘካሪ ድምጹ ትሕዝቶ ቃላቱ
ስነ-ጥበባዊ ሃገሩ ዝፈቱ
ብሞት ተፈልዩና ጥበብ ተዘሚቱ

ኣብ’ቲ ጸልማት እዋን ጭቆና መግዛእቲ
ድምጹ ዘበረኸ ንመኸተ ባህሊ
ሓደ ካብ ሃብሮማት ጅግና ኤርትራዊ

ንፍቕሪ ሰላም ንሃገር ዕማም 
ኣብ ዓውደ ኲናት ኣብ ቅድመ ግምባር
ብዓውታ ወኒ ዘዜመ ደፋር

ኣብ ጣዕሚ ሙዚቃ መቓረት ዝሃበ
ክዕምብብ ክደምቕ ዓቕሙ ዝደኸመ
ወናም ሃገራዊ ብድምጹ ዝልለ

ዓው ኢሉ ዘሚሩ ህዝቢ ኣባራቢሩ
ተንኮል ጉሓላሉ ኣብ ቅርዓት በሊሉ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ መሪሕ ተስፋ ኰይኑ

ሰሚዕካ ዘይምኖ እናሻዕ ይደገም
ድምጺ ወለዶታት ናይ ሎም ናይ ቀደም
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ኤርትራዊ ሓበን

ግና
ምምባር ጥዑም ገና ከይጸገበ
ሃብሮም ጅግና ብድምጹ ዝልለ
ስውር ኢሉ ኣለኹ እንዳበለ

ናይ ሞት ነገር ሕማቕ ከጽላኣካ
ትበሊ ትብስብስ ኣብ ጉድጓድ ኣቲኻ
ብቤተሰብ ዜጋ እንዳ ተዘከርካ    

በሉ
መንግስተ ሰማይ ንባሃር መዋቲ
ጽንዓት ንቤተ ሰብ ንኹሎም ፈተውቲ
ሂወት ግመ’ያ ጣቓ - በናኒት ከም ትኪ
ስእለ
Aug 24, 2021 1:48 AM
173.79.211.135
መዓስ’ዩ ደው ክብል፧
==========
ወራር ምስ እገዳ ቀጥዒ ዝሰኣነ
ሃገራት መንግስታት ዓቕመን ዘዳኸመ
ዓመጽ ኣመሪካ መዓስ’ዩ ክዕረ፧

ገባቲ ስርዓት ብሓይሉ ዝምካሕ
ናይ ዘበና ዑቡይ ፋሉል መንደረጋሕ
እገዳ ገርዎ መዓልታዊ ስራሕ

ብሓይሉ ሻዲኑ ቅልጽሙ ኣሚኑ
ይእግድ በልማማ ድኹሙ ሓያሉ
ክሳዱ ከድንን ክግዛእ ንጥቕሙ

ሃገራት መንግስታት  
መራሕቲ ሰልፍታት
ኩለን ኩባንያታት
ታጁር ውልቀ ሰባት
ኣይፋልን ዝበላ ዓማጺ ትእዛታት
ኣደራዕ ይወርደን ቀታሊ ማዕቀባት 

ህዝቢ ከይርህዎ ከይነብር ቀሲኑ
ሰሪሑ ነጊዱ ከይፈትሕ ሽግሩ
ዓመጽ ኣመሪካ ጸገም ኰይኑ ኣብ ኩሉ 

እዝስ ምጭፍላቕ’ዩ ብሂወትካ ምቕታል
ፍትሒ ዘየብሉ እንዳራኣኻ ምቕባር
ማንም ዘይቅበሎ ጋንየናዊ ተግባር

እወ

ስርዓት ኣመሪካ ሕልና ዘይብሉ
እገዳ ምንቛት ገርዎ ሓዳሩ
ምስኪን ህዝቢ ዓለም ኣብ ጸገም ሸሚሙ
ስእለ
Aug 23, 2021 9:54 PM
173.79.211.135
ጠገለ ሲኢኑ
=======
ኣብ ዓለምና
እዛ ንነብረላ
ክሳብ ሕጂ
ፈውሲ ዘይተረኽቦ
ናይ ሰላም ምንሽሮ
'ቲ ገበተ
ወሲዱ ዘይኣኽሎ
ዓመጽ ዘየሕፍሮ
ሓይሊ ዘሻደኖ
ኣመሪካ’ዩ
ሕጊ ዘይቅይዶ
ክወርር ዘይዓጅቦ
ብስዉር ብግህዶ

ዓለም ብጽቢጽዋ
ሰላም ከሊእዋ
ምጽጋብ ሲኢንዋ
ጊሂጹ ብደዋ

ኣብ ምዕራብ ኣብ ምብራቕ
ኣብ ሰሜን ኣብ ደቡብ
ሓሓሊፉ ይብጽብጽ …

እወ

የባእሲ የናቝት
ይድስቕ ይእግድ፡
ሃገራት መንግስታት
መራሕቲ ሰልፍታት
ኩሎም ውልቀ ሰባት
እቶም ዘይሙኡዙዛት
ንኣመሪካ ስርዓት

ሎምስ መሪሩ 
ሓሊፉ መጠኑ
ዓመጹ በደሉ
‘ቲ ዝገብሮ ኩሉ

ጠገለ ሲኢኑ
እገዳ ሕሰሙ
ብኣይ ተማእዘኑ
ልብያ፣ ሶርያ፣ ኢራቕ፣ ሶማል …. ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ … ምስክሩ
ስእለ
Aug 4, 2021 6:57 PM
173.73.25.191
ንመን ኢና ንነግሮ፧
==========
ኣንታ ኣባጅጎ
እንታይ'ዩ ዝግበሮ
ንመን ኢና ንነግሮ
መን'ዩ ዓገብ ዝብሎ
ኣመሪካ
ናይ ሰላም መንሽሮ
ዓመጹ ክእርሞ፧

ክትኣምኖ መስደመም
'ቲ ዝገብሮ ገበን
ኣብ ኵርንዓት ዓለም
ረብሕኡ ከይሽርመም

ብግልጺ ብድብያ
ብማዕቀብ ብጉጥያ
ዓለም ሃዊኽዋ
ሰላም ነፊግዋ
ትብሎ ሓርቢትዋ

እንተ ብኢድ ኣዙር
ብቐጥታ ኣዅድር
ሰላማ ይሕንክር
ይወርር የቃትል

ስሱዕ ገነነኛ
ዝተሳእኖ ዳኛ
ህድኣት ነፊጉና

ኣንታ ኣምላኽ
ገለ ግበረልና
ኢዱ ኣሕጽረልና
እፎይታ ክበና

ከይንገጥሞ
ዓቕሚ ደሪቱና
ክንሳቐ መዋእል ኰይኑና
ምስ ጭፍርኡ ዓመታት ዘርዩና
ሓቂ ከሎ ኣብ ኢድና ጎንና
ambabi
Jul 1, 2021 1:47 AM
67.161.94.164
ኣይተ ስ ኣለ ኣለካ ዶ
ዋላሳ ኢካ ኣብ ማኦዶ
ኣበይከ ክትከዶ
ወሪዱካ ዶ
ኮንካ ባዶ
ኮይንካ ንዶ
ባዶ ኢካ ባዶ
ህደም ህደም
ኣይትቀደም
ከይነጥረካ ደም
Ambabi
Jun 23, 2021 8:44 PM
67.161.94.164
TESFA, I think you are still in deep sleep. Wake up things are now changed completely. Eritrea has never been under an administration that believes in Eritrean interest at least for the last 30 years. If you can not see the reality for your selves then something must went wrong in your mind. No single Eritrean will rally behind you and your old political corrosion anymore stop wasting your time.
TESFA
Jun 8, 2021 11:22 AM
72.201.90.19

Is there any true & well informed Eritrean who would care to tell me what is going on with the Eritrean patriotic & semi patriotic website? I see websites of traitors & semi traitors are widely open & kicking doing the very same things they are well known for, such as lying, about anything and everything that Eritreans hold dear.

I have one message to all patriotic Eritreans, and that is:-

“SURRENDER IS NOT AN OPTION, SPECIFICALLy TO ALL COUNTRY LOVING ERITREANS. LET US FIGHT A GOOD FIGHT AND FREE OURSELVES FROM WHATEVER HOLDING US TO BE SILENT

tesfa
May 30, 2021 12:04 AM
148.167.132.250
test
ስእለ
Mar 5, 2021 3:29 PM
173.73.25.191

ባድመ

ገሪምኪ ዶ 'ቲ ኹሉ ዝኾነ፧

ከዳሚ ክእለ
ኣብ ክልተ ቅነ
ከምዛ ዘይነበረ፧

ንዓኺ/ባድመ ኣሳቢቡ
ዘንወሐ ኣጽፋሩ
ኣሳጉማ ኣእጋሩ
ክውንን ዘይባሕሩ
ወያነ
ኣኽቲሙ ዕምሩ

ዝሓዞ ሲኢኑ
ጠፊኡ ባዲሙ
ዘይነበረ ኰይኑ
ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ

ባድመ
እንኳዕ ሓጐስ ኰነ ራህዋ ኰነ
ዓወት ኰይኑ ባንዴራ ተተኽለ

ምስጋና ንጅግና
በጃ ዝኮነልኪ ዝኾነልና
ንዓኺ ንዓና!

ደላይ ሰላም -
ኩሉ ዮሃና ኢሉ
ዓሊሉ ኣመስጊኑ
ዝተኸፍለ ዘኪሩ
ስእለ
Mar 2, 2021 5:28 PM
173.73.25.191
ሰብ ርጉም
ሰብ ብሰቡ
እቲ ጻዕዳ ሕብሩ

ተንኮለኛ ስሱዕ
ሂወት ሰብ ዝበልዕ
ፍቕሪ ሰላም ዘናግዕ

በሊሕ ዘደናግር
ክትኣምኖ ዘሸግር
መኽሰቡ -
ካብ ውግእ ዕግርግር

ንዓለም ብሒቱ
ከዐቢ ጸግኡ
ኣመሪካ
ሃዊኽና ኣኽፊኡ
ከደምቱ ኣምሪሑ
ስእለ
Feb 28, 2021 12:46 AM
173.73.25.191

በቃ

ተረባረብ ኰይኑ
ወያነ ክሕሱ
ሰብ ሓቂ ከቃልዑ
ሓሶቱ ሸፈጡ

እንታይ'ዩ ዕላምኡ
ብሓሶት ዓቢዱ
ድሕሪ ውድቀት ስዕረቱ፧

ኣበይ'ዩ ክበጽሕ
እንታይ'ዩ ክረብሕ
ሓስዩ ከውግሕ
ስቓይ ህዝቢ ዘራብሕ፧

ዙሩግ ጭፍራ
ዘይብሉ ዕላማ
ዕንቅፋት ቃርማ

ወያነ
ጉጂለ ሽፍታ
ልኡኽ ሰብ ረብሓ
ሕሰብ ደጊምካ
ርእሲ ተለካ
ንረብሓ ህዝብኻ

ይኣክል ዝሓለፈ
'ቲ በደል ብድዐ
ሰላም ዝሓንከረ
ሂወት ዝቐበረ
ስእለ
Feb 26, 2021 2:34 PM
173.73.25.191

ወይ ጉድ!


ጸገም ረኺባ 'ዛ ኤርትራ
ጉሓፍ ኣምስቲ ተደፊእዋ
ረሲሖም ከርስሕዋ

ክሲ ለያቡ ተዘሪእዋ
ዘይወዓለቶ ክጥቅንዋ
ካብቲ መንገዳ ንኽኣልይዋ

ኤረይ ውርዝይቲ
ኣይትውዕሎን ረሳሕ ጸይቂ
ታሪኽ ገንጽሉ ሕተቱ ህዝቢ

ሓደ ሓቂ ግን ኣምስቲ
ምዃንካ ንፈልጥ -
ጸረ-ሰላም መጣቖሲ
ኣንጻር ኤረትራ ሸርሒ ከም ተሳሲ

እስኻ
ዓለም ዝፈልጠካ፡
መንግስቲ ክትልውጥ
ህውከት ከተሳልጥ
ትሰርሕ ብዕቡጥ
ናይ ጥፍኣት ውድብ...ምዃንካ

ስእለ
Feb 22, 2021 4:34 PM
173.73.25.191

ሑሱር ሽጣራ
=======

ሕብረት ኣውሮጳ
ናይ ዝምታ ጃንዳ
ጸረ-ኣፍርቃ

ናይ ዓለም ቃርማ
መልሓስ ዘጥዕማ
ሃብቲ እንዳማተን ንኽቕርማ

ፈጠርቲ ሽግር
ኲናት ዕግርግር
ሰላም ዝሕንክር

ወያነ ሞይቱ
ኵርኩር ጽዓዱ
ልበን ሰምቢዱ

እወ
ረብሐአን ዘውሕስ
ሰላም ዝሕምስ
ጭፍራ 'ዚ ሩኹስ

ኤረይ ይኸሱ
ነገር ይፍሕሱ
ንኸጣቑሱ

ሑሱር ሽጣራ
ሓሶት ፈጠራ
ኣረጊት ዱላ

ኢትዮጵያ ኤርትራ ከይተሓባበራ
ነብሰን ከይክእላ
ቀንዲ ዕላማ
ምድሃል ኤርትራ
ስእለ
Feb 12, 2021 4:00 PM
173.73.25.191
ፈንቅል
====
ዝሰዓርካ ወራርን ሙኩሑን
ዝረታዕካ ዘራይን ዑሱቡን
መን ከማኻ ሓያላት ተድንን

ነዳል ግምባር ትልመን ክትምሕር
ንትብዓትካ መን'ሞ ዘይምስክር
ጎብለል ኢኻ ተዂርዕ ተሐብን

ብሳላኻ ኣለና ንነብር
ነጻ ኰይና ከም ሃገር ከም ህዝብን
ተሓቢንና ውዕሎኻ ንዝክር

ፈቅል ኢልና ነዐልል ንዝምር
ኣብቲ ባሕሪ ንሕምብስ ንዛውን
ሻርክ-ኣልቦ ዓፊኑ ዝቐትል
ስእለ
Feb 6, 2021 4:55 AM
173.73.25.191
ኣስተውዕል!
======
..ትራምፕ ኣልጊሱ
ባይደን መጺኡ
ካልእ ተተኪኡ
እንታይ ተሓዲሱ
ካብ ምቕያር ሰብ ሓሊፉ፧

ልቢ በል ሰማዒ
ተቕልብ ትሪኢ
ትኵር ኩን ኣስተውዕል
ጫፍ ሒዝካ ኣይተዕልል

‘ቲ ስርዓት ኣምብቦ
ታሪኹ ፍለጦ
ምዕማጽ ዘይዓጦ
ንዓመታት ዝተለማመዶ

ዝመጸ እንተመጸ ቃሉ ተወርጸጸ
‘ቲ ፖሊሲ ሓደ ኣይቅየር ኣይጽጸ
ካብ ገበል ዊሒጣ ፍትሒ ኣይትጸበ
ከምቶም ዝሓለፉ ኢምፓየር ኣሪጉ ከይሞተ
ስእለ
Jan 28, 2021 1:57 PM
173.73.25.191

ኣብዚኣ'ሞ ሓንሳብ፧

እዚ ኤርትራ ኤርትራ ምባል
ይዕርዕረኒ'ሎ እናሻዕ ምድግጋም
ናበይ ንምብጻሕ'ዩ እንታይከ ንምግባር፧

እወ ይዅርኳሓኒ'ሎ እዝነይ ኣይጥዕናን
ይበዝሕ ኣሎ ስም ኤረይ ምዝንጣል
ጭብጢ ዘየብሉ ሓሶት ምድግጋም

አረ እንታይ'ዩ ቁንቊኝኡ፧

ነገር ምድላይ ድዩ ዋላስ ሕማም
ወይስ ጣዕሳ ትማል ነገራት ምጽሕታር
ድሕሪ ክልተ ዓመት 'ቲ ማዕቀብ ምልዓል፧

ኣመሪካ ኣውሮጳ ጸረ-ሰላም
ኪኢላታት ነገራት ኣብ ምእላም
ዒብ ግበሩ ይኣክል ምትላል

ዓዲ ይሓሙ ጎደቦ ይሕጎሙ
ዋና ከሎ ዘገድሶ ዶባቱ ሃገሩ
ዘይተዳህየ ተዓሚጸ ተወሪረ ኢሉ
ኣብ ክንዲ መን እስኻትኩም ትዓፍሩ፧

ሒቒቕ ምስ ወያነ እንታይ'ዩ ትርጉሙ
ሞይቱ ዝተቐብረ ኣብ ጉድጓድ ዓለሙ
ዝጠፈአ መምለሲ ዘይብሉ፧

ወይን
ዝሻደነ ንዓኹም ኣሚኑ
ዝበደለ ጎረቤት ሃገሩ
ገበነኛ ህዝቢ ምስክሩ
ጠፊኡ'ዩ ክትክሕዱ ክትኣምኑ
ወሓጥዎ ሓዘንኩም ኣልዕሉ
ስእለ
Dec 30, 2020 7:25 PM
173.73.25.191
ዓመተ-2021
=======
ዮሃና ህዝቢ ኤርትራ!
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘለና
እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓና!

ዝሓለፈ ሽግርና
ዝመጽእ ራህዋና
ይኹን ንኹልና

ከም ሃገር ከም ህዝቢ
ክንደምቕ ክንዓቢ
ንሓልዋ ፍቕሪ

ንዕብየት ንራህዋ
ንሰላም ሃገርና
ይስጠም ሓድነትና
ኣምባቢ
Dec 26, 2020 11:07 PM
67.183.185.124

ስእለ ታኣለ

ስእለ ሎሚ ታኣለ ኣይት ዓሹ
ነገር ኣእኪሉ ኢዩ ተበላሽዩ

ለለ ኣንዳበልካ መስኪን ተለኪምካ
ብደቡቡን ምዕራብን ከይመጹካ

ዘይሓሰብ ኣይወለድ 
ጨካን ኣይንገድ

ስእለ ድለ መህደሚ
ሎሚ ኣይኮነን ዓሚ 
ስእለ
Dec 26, 2020 9:18 PM
173.73.25.191
2021 ዓመት

ዝሓለፈ መከራና
ዝመጽእ ተስፋና
ስላምና ራህዋና
ይግበሮ ንዓና
ንህዝቢ ኤርትራ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘለና

ኩሉ ሕሰም ሓሊፉ
ኣሰሩ ገድፉ
ጭፍራ ተጓሒፉ

ምስጋና ንጂግና
በጃ ዝኾነልና
ንኤረይ ንዓና

በሉ
መወዳእታ ይግበሮ
'ቲ ጸገም ስሃሮ
ህዝብና ይኣኽሎ
ዋጋ ዝኸፈሎ

ሕጂ
ማርሻና ንቐይር
ናብ ልምዓት ክንወፍር
ድኽነት ክንቀብር
ሃገርና ክትምዕብል

ምኽንያቱ፡
የለን 'ቲ ዘዕገርግር
ንባዕዲ ዝኽድም
ሰላምና ዝሕንክር

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events