ኣብ ኤርትራ ክልተ ዓይነት መልሻ ኣገልገልቲ ባዕዳዊ ሓይሊ ሪኢና። ቀዳማይ መልሻ ሽርናይ ቅድሚ ነጻነት ዝነበሩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ህዝቢ ዘቕትሉ፡ ገለ ከኣ ከም ምኽንያት ዝትቀሙሉ ደቅና ከነዕቢ እንበር ጸላኢ ከነገልግል እይኮናን ዝብሉ። እቲ ካልኣይ ድሕሪ ነጻነት ካብቲ ቀዳማይ ዝሓሰረን ዝተፈንፈነን፡ ልዕላውነት ሃገር ከፍርስ፡ ሓድነት ህዝቢ ክበታትን፡ ኣብ ክንዲ ሃገራውነት ኣውራጃነት ካብሑ ሓሊፉ ብሄራውነት ዘቐድም። ጅግንነት መስዋእቲ ብቁሩብ ገንዘብ ተጠቢሩ ዝኽሕድ ታሪኽ ኣልቦ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይኑ ዝምድር፡ ዝፍክር፡ ዝጀሃር፡ ዝሕሱ፡ ዝጻረፍ፡ ክብሪ ዘይብሉ ንዑቕ መጋበርያ ጸላኢ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘዝመጹ መራሕቲ ሳእኖም ዝልሕስ፡ ዎሎዶታት ጸብጺቡ ጸረ ዘዕበየቶ ሃገር ዝቃለስ እዩ።
ካብዞም ክልተ ዓይነት መልሻ እቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ይሓይሽ። ምኽንያቱ ዋላኳ ቅኑዕ ኣይንበር ነጻነት ኣይረእየን። እዚ ካልእይ ግን ብዕድመ 90 መንእሰይ። ምረት መግዛእቲ ዘይረኣየ። እንተረእየ ክልትአ ወይ ሰለስተ ዓመት። ሂወቶም ኣሕሊፎም ነጻነት ዘረከብዎ። እምነት ክፍኣት እንበር እምነት ጽባቐ ዘይብሉ። ድኽነት ትሕትና ዝዓብለሎ። መዋረዲ ነብሱን ስድራቤቱን እዩ። ስለዚ እቲ ቀዳማይ ዓይነት መሊሻ ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ጸሚዱ። እዚ ካልእይ ናይ ሕጂ ዘሎ መልሻ ግን ካብ ብርሃን ናብ ጸላም ተጸሚዱ። ወዲ ብሻሻ ናሕሲ ዘይብሉ በዓቲ እንተ ኣጽሊሉዎም ጽባሕ ንርእዮም።