Basic

ፕረ. ባይደንን በዓልቲ ቤቶምን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ንኢትዮጵያዊያን ኤርትራዊያንን ኣመሓላሊፎም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 11 September 2021

ፕረ. ባይደንን በዓልቲ ቤቶምን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ንኢትዮጵያዊያን ኤርትራዊያንን ኣመሓላሊፎም

መስከረም 10, 2021



ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ በዓልቲ ቤቶም ጂል ባይደን

ዋሽንግተን — 

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ በዓልቲ ቤቶም ጂል ባይደን ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብምኽንያት በዓል ሓድሽ-ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ሰናይ ምንየቶም ገሊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ብጽሑፍ ዝዘርግሑዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንማሕበረሰብ ኣመሪካ ኣብ ምህብታም ዘለዎም ወሳኒ ተራ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣብ ከቢድ እዋን ከም ዘሕለፉ ጠቒሶም። እቶም ፕረዚደንት ከቢድ ኢሎም ዝጠቐሱዎ ለበዳ ኮቪድን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት’ዩ።

ኣመሪካ ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ልዑል ምትእስሳር ዝጠቐሱ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ይከታተሉ ምህላዎምን ንምዕጋቱ ክጽዕሩ ምዃኖምን ወሲኾም ገሊጾም። ኪንዮ ዘሎ ወጥሪ ናብ ሰላምን ዕርቂን ክንከይድ ንትስፎ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕጕስ ቅነ በዓላት ክዀነሎምን ንመላእ ዓለም ሰላም ዝሰፈኖ ወቕቲ ክኸውንን ምንየቶም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ምድላዋት ሓድሽ ዓመት ግዝእ: ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ኣገባብት ይጽንበል ከም ዘሎ ወኪላትና ካብ ኣዲስ-ኣበባ፡ ሃዋስ፡ ባህርዳርን ኣዋሳን ኣብ ዝለኣኹዎ ጸብጻብ ገሊጾም።

ብመሰረት'ቲ ጸብጻባት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት ዕዳጋ ብዝምልከት ኣብ ድሮ በዓል ፡ ዋጋ ሓደ ደርሆ ብማእከላይ ዋጋ 500 ብር ተሸይጡ`ሎ። ከምኡውን ዋጋ ከብቲ፣ በጊዕ፣ ጤልንን ካልኦት ንበዓል ዘድልዩ ኣቑሑት መጠነኛ ወሰኽ ከምዘርኣየ ሸመቲ ገሊጾም ኣለው።

ካብ ሃዋሳ ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ’ውን ዋጋ ዕዳጋ ኣብ እዋን በዓል ከምዝናሃረ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሰባት ገሊጾም ኣለው።

ነበርቲ ኣምቦ ብወገኖም ሃዋሁ በዓል ዘሕጉስ እዩ፣ እንተኾነ ዕዳጋ ግና ከቢሩ ኣሎ ከምዝበሉ ተፈሊጡ`ሎ።

ብተወሳኺ፣ ኣብ ማእከል ኢግዚብሽን አዲስ አበባ ኣብ ዝተዳለወ ባዛር (ምርኢት ፍርያት)፣ ድሙቕ ኩነተ ዕዳጋ ይራኣይ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ሸመቲ’ውን ነቲ ስፍራ ይሪኡ ከምዘለው ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ`ውን ንበዓላት ቅዱስ ዮውሃንስ ዝምልከት ዝተፈላለየ ምድላዋት ምንባሩ ካብቲ ቦታ ተሓቢሩና`ሎ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events