Basic

ህዝቢ ዝለከመ ታሪኻዊ ጌጋታት ወያነ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 15 September 2021

ህዝቢ ዝለከመ ታሪኻዊ ጌጋታት ወያነ





ትንታነ ድሕረ-ሞት (Postmortem) ንፍልጠትን ልቦናን ኣገዳሲ’ዩ።

ኣብ ለካቲት 1975 ተወሊዱ፡ ብሄራዊ መሰል ህዝቢ ትግራይ ኬረጋግጽ ዘንቀደ ህወሓት፡ ኣብ 46 ዓመቱ፡ ዝልከም ለኪሙ ሓመድ ድበ ይለብስ ኣሎ። ዘሕዝን ታሪኽ እዩ። ከመይሲ፡ ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ “ባህግና ከዐውት ይኽእል’ዩ” ብዝብል እምነት ተወፍዩ ዝሰርሓሉን ህይወት ኣሽሓት ዝገበረሉን ውድብ’ዩ። ብስለትን ብቕዓትን መሪሕነት ወያነ ግን፡ ማዕረ’ቲ ዕላማን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ኮይኑ ኣይተረኽበን።

የግዳስ፡ ሕጂ’ውን፡ ወያነ እንተብቅዐ ህዝቢ ትግራይ ነባሪ እዩ። ባህጉን ዕድላቱን፡ ብውደቀት ወያነ ተቘጽዩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ንወያነ ናብ ጉሓፍ-ታሪኽ ዝደርበየ ስትራተጂያዊ ጌጋታት ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሕልፊ ድማ ፖለቲከኛታት ክመሃርሉ ዝግባእ እዩ።

ልቦና ንምዕባይ፡ ካብቲ ብዙሕ ጠንቂ ሕልፈት-ወያነ ነቶም ዓበይቲን ጉሉሓትን ክንጠቅስ፦

  • ወያነ፡ ንቃልሲ ክወፍር እንከሎ፡ ኣብ ማኒፊስቶ 1968 (1976) ዘስፈሮ፡ ኣብ መንጎ ምምስራት ናጻ ሪፑብሊክን ብሄራዊ ማዕርነትን ዝላኻዕ ኣጓጉል ዕላማ፡ እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ውድቀቱ እዩ። ወያነ፡ ምሉእ ናይ ቃልሲ ዕድመኡ፡ ንጹር መርገጺ ከይሓዘ፡ በዚ ማንታ ኣተሓሳስባ’ዩ ተመሪሑ።
  • ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ለካቲት 1985፡ ዝምድናኡ ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢትዮጵያ ንምንጻር ዘውጽኦ መግለጺ ንኣብነት፡ ወያነ፡ ለኻዕካዕ ገዲፉ፡ ክውንነታዊ ዕላማ ኣነጺሩ፡ ንማዕርነታዊ ሓድነት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክቃለስ ዝምዕድ እዩ ነይሩ። ግን፡ ኣይመረጾን።
  • ኣብ 1993፡ ወያነ ዝጸሓፎ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምንጩ ማኒፊስቶ 1968 እዩ። ሽዑ’ውን ህዝባዊ ግንባር፡ ብኸምኡ ዓይነት ዓሌታዊን ከፋፋሊን ፖለቲካ፡ ስሙርን ምዕቡልን ሃገር ምፍጣር ከምዘይክኣል መርገጺኡ ኣፍሊጡ እዩ። ውጽኢቱ ከኣ፡ ብግብሪ ተራእዩ።
  • ወያነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ቁጠባዊ ፖሊሲ፡ “ደው በለለይ ክብለጸልካ” ዝዓይነቱ ግባበ እዩ። ብደም ንጹሃን ተጋሩ መንበረ-ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ ንባህጊን መስዋእቲን ህዝቢ ትግራይ ጠሊሙ፡ ውልቃዊን ስድራቤታዊን ማሕፉዳ ከኻዕብት ኣህነፍኒፉ። ንናይ ውሽጥን ግዳምን ሰረቕቲ ምቹእ ባይታ ፈጢሩ፡ ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ዕዳ ሸሚሙ።
  • ክድምና ካልእ ዝዓበየ ታሪኻዊ ጌጋ ወያነ እዩ። ኣብ ክንዲ ክብረትካ ሓሊኻ፡ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢታት ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ህዝብታትን ተጊህካ ምስራሕ፡ ትኳቦ ሰኒቕካ ዞባዊ ጎብለል ናይ ምዃን ጥሙሕ፡ መወዳእታኡ ናብ ጸድፊ ኣምሪሑዎ። “ዘየትሓድር ኣየማሲ” ከምዝበሃል ድማ፡ ዝኣመኖም ኣሸቀልቱ፡ ካብ ቁጥዐ ህዝቢ ከድሕንዎ ኣይከኣሉን።
  • ህዝቢ ትግራይ ዘይናቱ ዘይምነ ጭዋ ህዝቢ እናኾነ፡ ወያነ ብሕልሚ ምስፍሕፋሕ፡ ርስቱ እንዳማቱ ክጥርር፡ ምስ ደቂ-ሃገሩ ህዝብታት ኣምሓራን ዓፈርን ከምኡ’ውን ምስቲ መናብርቱን ቀንዲ ጸግዑን ጎረቤቱን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግጭት ምሽማሙ እቲ ካልእ ስትራተጂያዊ ጌጋ እዩ።
  • ወያነ ኣብ 1998 ብነድኢ ግዳማውያን ሓይልታት፡ “ባድመ ናትና እያ” ብዝብል ጻዕዳ ሓሶት፡ ንህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣታሊሉ፡ ብሃብቲን ህይወትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ምጥልዑ እቲ ዝገደደ ኣበሳ እዩ።
  • ብግዜ ወራር፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ኢትዮጵያ፡ ብዘስካሕክሕ ግፍዒን ራስያን ምብራሩ፡ ብወራር ክበጽሖ ኣብ ዝኸኣለ መሬት ኤርትራ ድማ፡ ምስ ጭውነት ህዝቢ ትግራይ ዘይከይድ፡ ክሳብ ምፍሓር መቓብር ሰማእታት ዝበጽሐ ጽዩፍ ተግባራት ምፍጻሙ፡ ካልእ ዓቢ በደል እዩ።
  • ኣብ 2002፡ ጉዳይ ዶብ ፍርዲ ምስተዋህቦ፡ ወያነ “ባድመ ወሲኽካ ዝሓተትናሉን ዘይሓተትናሉን መሬት ተዋሂቡና” ብዝብል ዳግማይ ሓሶት፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ናይቶም ብድሑር ስልቲ ውግእ ዘህለቖም ኣስታት 100,000 ንጹሃን ደቁ ከምዝጭፍር ገይሩ ኬብቅዕ፣ ድሕሪኡ ን20 ዓመታት ትግባረ ብይን ዓንቂጹ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይሰላም-ኣይኲናት ሃዋህው ፈጢሩ፡ ንህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግዜን ዕድላትን ኣኽሲሩዎም እዩ።
  • ኣብ 2018፡ ወያነ “Game Over!” ተባሂሉ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ክትግበር ዝወሰዶ ውሳነ ተቐቢሉ ጌጋኡ ክእርም ዕድል ረኺቡ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተሓቢኡ፡ ንግሩሃት ተቐማጦ ዶብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክገብሩ እናደፍአ፡ ኣብቲ ዝተጎብጠ መሬት ኤርትራ ሓደስቲ ሰፋሮ እናወሰኸ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዶብ ከይስሕብ እናዓገተ፡ ዕንቅፋት ክኸውን ፈቲኑ።
  • ኣብ መወዳእታ “ዓሻስ፡ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት” ከምዝበሃል፡ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ያኢ፡ ነቲ ክሰርቕ ከሎ ኣበይ ኣለኻ ዘይበሎ ህዝቢ ትግራይ ብሓሽከት ጸላእቲ ከምእተኽበ ኣምሲሉ ብምድንጋር፡ ኣብ ሕዳር 2020፡ ብግጉይ ወተሃደራዊ ቅማረ፡ ታሪኻዊ ስሕተት ፈጺሙ. . . ግብኣተ መሬቱ ኣቀላጢፉ።

ህዝቢ ትግራይ፡ ከም ኩሉ ካልእ ህዝቢ፡ ደላይ ሰላምን ልምዓትን እዩ። ካልእ ዝተፈልየ ባህጊን ጥሙሕን ክህልዎ ኣይክእልን። ስለዚ ድማ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰን ዘይተጠቕሰን ታሪኻዊ ጌጋታት ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ነዚ ውድቀት ዘስዓበ ኣተሓሳስባ ምስ ሳንዱቕ ሬሳ ወያነ ኣፋንዩ፡ ከም ኢትዮጵያዊ ምስ ኣሕዋቱ ከምኡ’ውን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ክነብርን ኣብሊጹ ክረብሕን ሕርያ ዘይኮነ ግድን እዩ። ንድሕነት ቁንጣሮ ገበነኛታት፡ ንኸንቱ ዝሃለቐ ህይወት ተጋሩ ይኣክል!

ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ
------------------------------------------------


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events