Basic

Shabait.com: ፈረንሳ፡ ዘየቋረጸ ምዝመዛ ኣፍሪቃ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 29 April 2023

ህላወ ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ካብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ከምዝጅምር መዛግብ ታሪኽ ይሕብሩ። ፈረንሳ ከም መግዛእታዊ ሓይሊ ዝተቐልቀለት ግና፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን’ዩ። ኣብ 1830 ብኣልጀርያ ዝጀመረ ግዝኣታ፡ ድሕሪ ዋዕላ በርሊን ንኣፍሪቃ ንምምሳሕ ብዝተገብረ ጉያ-ጉያ፡ ንቱኒዝያን ሞሮኮን ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒማ፡ ነቲ “ናይ ስልጣነ ተልእኾ” (civilizing mission) ዝሰመየቶ ናይ ምስፍሕፋሕ ውጥን፡ ናብ ምዕራብን ዞባ ኤኳቶርያዊ ኣፍሪቃን ዘርጊሓቶ። ኣብ 1930 ድማ፡ ግዝኣት ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ 20 ሃገራት ክብ ብምባል፡ ልዕሊ 13 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎ-ሜተር ዝሽፍን ዓቢ ኤምበራጦርያ ኰነ።

ፈረንሳ ነተን ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዘእተወተን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክልተ ደረጃ’ያ ከፊላተን። ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ዝርከባ – ምንጪ ዝምዝመዝ ጸጋታት፣ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዝርከባ ድማ ፈረንሳውያን ሰፋሮ ዝቕመጡለን። ብኸም’ዚ፡ ንመሬት፡ ህዝብን ጸጋታትን ናይ’ተን ሃገራት፡ ክሳብ እዋን ምዝርዛር መግዛእቲ ሃንኲታቶ። ንምዝመዛ ፈረንሳ ካብ’ቶም ካልኦት ገዛእቲ ሓይልታት ፍልይ ዘብሎ ግና፡ ድሕሪ ምእዋጅ “ናጽነት” ናይ’ተን ሃገራት’ውን እንተዀነ ምቕጻሉ’ዩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ጃክ ሺራክ ኣብ 2008፡ “ፈረንሳ ብዘይ ኣፍሪቃ፡ ናብ ደረጃ ሳልሳይ ዓለም ሸታሕታሕ ምበለት” ኢሉ ነይሩ። ካብ 1981 ክሳብ 1995 ፕረዚደንት ዝነበረ ፍራንስዋ ሚተራንድ’ውን፡ ኣብ 1957 “ብዘይ ኣፍሪቃ፡ ፈረንሳ ኣብ መበል 21 ታሪኽ ክህልዋ ኣይኰነን” ኢሉ ምንባሩ’ዩ ዝዝንቶ። ብሕጽር ዝበለ፡ ፈረንሳ ብዘይ ኣፍሪቃ፡ ሩሕ ከምዘይብላ’ዮም ደምዲሞም።

ኣብ እዋን ምዝርዛር መግዛእቲ መራሕቲ ፈረንሳ ዝነበሩ ዝተኸተልዎ ኣገባብ’ውን ነቲ ዘይረዊ መዝማዚ ሸውሃት ባይታ ዘጣጥሕ’ዩ ነይሩ። ነተን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ዝነበራ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ “ናጽነት” ከፍቅዱለን ከለዉ፡ ኣብ ቀያዲ መግዛእታዊ ኪዳን (colonial pact) ከምዝኣትዋ ብምስግዳድ፡ ቅድመ-ኩነታት ደርዲሮምለን። ነዚ ዘየማልአ መራሒ ድማ፡ ኣብኣ ትደዮ። ወይ ይቕተል ወይ ድማ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ይውገድ።

እዚ ምስ በኒን፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጊኒ-ቢሳው፡ ኣይቮሪ-ኮስት፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ሰነጋል፡ ቶጎ፡ ካሜሩን፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጫድ፡ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ኤኳቶሪያል-ጊኒን ጋቦንን ዝተኣትወ፡ ቀጻልነት ምዝመዛ ፈረንሳ ዘውሕስ ኪዳን፡ ልኡላዊ መሰላት ናይ’ተን ሃገራት ዝነፍግ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንፈረንሳ ፍሉይ ሓለፋ ዘረጋግጽ’ዩ። ብመሰረት’ቲ ውዕል፡-

  • መግዛእታዊ ዕዳ፦ እተን “ናጽነተን” ዝረኸባ ሃገራት፡ ወጻኢታት ናይ’ቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ፈረንሳ ዝተሃንጸ ትሕተ-ቅርጺ ክኸፍላ ይግደዳ።
  • ምህጋር ሃገራዊ ትሕጃታት፦ እተን ሃገራት፡ ልዕሊ 80% ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትሕጃአን (foreign reserve)፡ ኣብ ማእከላይ ባንክ ፈረንሳ ከቐምጣ ይግደዳ። ምሕደርኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ግምጃ ፈረንሳ (French Treasury) ይኸውን። እተን ሃገራት ካብ’ቲ ገንዘብ ክጥቀማ ምስ ዝደልያ፡ 20% ጥራይ ይፍቀደለን። ንሱ’ውን ብመልክዕ ልቓሕ። ብኸም’ዚ ኣገባብ፡ ኣስታት 500 ቢልዮናት ገንዘብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ፈረንሳ ይርከብ።
  • መሰል ዕድጊ ባህሪያዊ ጸጋታት፦ ፈረንሳ ኣብ’ተን ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይ ምዕዳግ ቀዳመይቲ በዓልቲ መሰል’ያ። ፈረንሳ “ኣየድልየንን’ዩ” እንተ ኢላ ጥራይ’ያ፡ እተን ሃገራት ካልእ ዓዳጊ ዘናድያ።
  • ቀዳምነት ንረብሓታት ፈረንሳን ኩባንያታታን፦ እተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ኣብ ዘውጽእኦ ኩንትራት/ጨረታታት፡ ኩባንያታት ፈረንሳ ቀዳምነት ይወሃበን። ዋላ’ኳ እተን ካልኦት ተወዳደርቲ ኩባንያታት ካብ’ተን ናይ ፈረንሳ ዝተሓተ ዋጋ እንተቕረባ፡ እቲ ዕድል ነተን ናይ ፈረንሳ’ዩ ዝወሃብ።
  • ቀረብ ወተሃደራዊ ንዋትን ስልጠናን፦ ኣብ’ቲ መግዛእታዊ ውዕል፡ “ወተሃደራዊ ስምምዕ” ኣብ ዝብል ንኡስ ውዕል፡ እተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ኰነ ስልጠናታት ካብ ፈረንሳ ወጻኢ ካብ ካልእ ሃገር ክገዝኣ ኣይፍቀደለንን።
  • ምውፋር ሰራዊት፦ ፈረንሳ ኣብ’ተን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትእትታው ክትገብርን ሰራዊታ ብቐዋምነት ክተሰፍርን ሕጋዊ መሰል ይህልዋ።
  • ተጠቃምነት ቋንቋ ፈረንሳ፦ እተን ሃገራት፡ ብዋጋ ቋንቋታተንን ባህለንን፡ ንቋንቋ ፈረንሳ ከም ወግዓዊ ቋንቋን ናይ ትምህርቲ ቋንቋን ክርዕማ እቲ ስምምዕ ይቕስበን።
  • ተጠቃምነት ፈረንካ፦ እተን ሃገራት መግዛእታዊ ባጤራ ፈረንካ ናይ ፈረንሳ ክጥቀማ ይግደዳ።
  • ምልኣኽ ጸብጻባት፦ እተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ዓመታዊ ሚዛን ገንዘባዊ ሕሳባትን ሃገራዊ ትሕጃን ናብ መንግስቲ ፈረንሳ ከቕርባ ይቕሰባ።
  • ወተሃደራዊ ልፍንቲ ዘይምፍጣር፦ እተን ሃገራት ምስ ዝዀነት ካልእ ሃገር ኣብ ዝዀነ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ወይ ኪዳን ክኣትዋ ክልኩላት’የን።

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events